ድለ

2020.07.11 La Cattedrale di Lubecca 2020.07.11 La Cattedrale di Lubecca 

፩ ሰንበት ዘክረምት ዘዘርእ ሰነ 27 2014 ዓ.ም ( ሓምለ 7 2022)

መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም. . . . . . ዝናም የድምጽ እሞ እንክዘንም ጥሙያት ይጸግቡ፥ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ንሰንበት ብሰላም ቀደሳ አብ ዓዓመት ክረምቲ ይኸፍተላ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ዕብ 6:7-ፍ፥ ያዕ. 5፡12-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡11-21፥ ማር 4፡1-20  ምስባክ፡ ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል።

ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ ስለዚ ንኹሉ ክህበና ክንልምኖ ይግብአና።

ዝናም ብባህሪኡ አብ ተስፋ እዩ ዝወስድ። ዝናም እንተሎ ኩሉ ሕይወት ይረክብ ሰብ መጻኢ ሕይወቱ ንዓመት ዝኾኖ ቀለብ ይትስፎ። እንስሳታት ይሓውያ፥ ኦም በረኻን ካልእ አትክልትን ይጥጥዕ ከምኡ ይዕምብብን ይፈርን ስለዚ እዋናት ዝናም ንኹሉ እዩ ዝጽቡቕ። 

አብ ስርዓት ሉጡርግያና ካብ ሰነ 25 - ሓምለ 15  ድርሰ በአተ ክረምት ምእትው ክረምቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጊዚኡ ከም ዝሕብሮ እግዚአብሔር ምሕረቱን ሓይሉን ብናይ ባህሪ ተፈጥሮ ከምዘርኢ ከመልክት ኢሉ ብዛዕባ ደመና፥ መብረቕ፥ ዘርኢ እናጠቐሰ ይነግር። ኩሉ ፍጡር በብመልክዑ ጥበብ እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጽ። ወቕትታት ብዝያዳ ሓልዮት አምላኽ ይገልጹልና። እዋናት ክረምቲ ናይ አምላኽ ህያብን ጸጋን ብዝውሃበና ምልክት ብቐሊል ክንርእዮ ንኽእል። ሓረስታይ ዝናም እንተ ረኸበ ተምስገን ኢሉ ንአምላኽ የመስግን፥ ከምኡ ዝናም እንተ ደንጎየ አብ ኢድ አምላኽ ምዃኑ አሚኑ ንአምላኽ ክተዓረቖ ብዝተፈላለየ መገዲ ይምህለል ይልምን። አብ ኩሉ አምላኽ ቀንዲ ገርና ንርእዮ። እዋን ክረምቲ ግብሪ አምላኽ ክነስተንትን ይሕግዘና።

አብ እዋናት ክራማት እንዕዘቦ ነገራት ብእተተሓሓዘ መገዲ ክዓብዩ ክልምዑ ከፍርዩ ንርኢ። ዘርኢ ይዝራእ ይኹስኮስ ይፈሪ ይዕጸድ። ምስኡ ሓረስታይ ኩሉ እቲ ካብኡ ዘድልዮ ይገብር። ኩሉ ከም ዝጸዓሮ የፍሪ ብፍላይ እቲ ካብኡ ዝድለ ነገራት ምስ ገበረ ዝተረፈ አብ አምላኽ ይሓድጎ። እዋናት ክረምቲ እምብአር ንመንፈሳዊ ሕይወትና ክነስተንትን ዓቢ ሓገዝ አልኦ። ምስ እዚ አተሓሒዝና ብመንፈሳውነትናን ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብን ክነዕብዮን ክንኩስኩሶን ከም ዝግብአና ክንሓስብ ዕድል ይኸፍተልና። 

ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ንሎሚ ዝንበብ ኩሉ ብአምሳል ዘርኢ ገሩ ቃል አምላኽ ከመይ ገሩ አብ ልባትናን ሕይወትናን ከም ዝዝራእን ንሕና እውን ነቲ ዝዝራእ ከመይ ገርና አብ ፍረ ከበጽሕ ከም እንሕግዝን ገሩ ይነግረና። እግዚአብሔር ንቃሉ ከም እንፈሪ ገሩ ፈጢሩና፥ አብ ልብና ቃሉ ክሓድር እንከሎ ሽዑ እቲ ፍረ ይርአ። ሰብ ዘየፍሪ ዝኸውን ንቃል አምላኽ ቦታ ከሊኡ አብ ናይ ካልእ ነገራቱ ጥራሕ ከቶክር እንከሎ እዩ። ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ነዚ ዘዘኻኽር ኮይኑ ንረኽቦ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ንሎሚ ዝተነበት ነቲ አብ መንጎ ሰብ ቆሮንጦስ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ዝርኢ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ አልዒሉ ይዛረብ። ብስሩዕ ዘረባን መርትዖን ገሩ እናአነጻጸረ ነቲ አብ 15፡35 ዝቐረበ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ። አብ 15፡1-11 ዘሎ ሙታን ከምዝትንሥኡ ገሊጽዎ ስለ ዘሎ ሕጂ ባህሪ ናይ ዝተንስኤ ሰውነት እዩ ዝገልጽ።

መጀመርያ ዝገልጾ አብ ናይ ሓደ ዘርኢ ዝርአ ለውጥን አገባብን እዩ። ዘርኢ ሰውነት አልኦ ማለት ምስ ተዘርአ ዝመውት እሞ ሓዲስ ፈልሲ የብቁል ከይሞተ ክበቁል አይክእልን እዩ። ከምኡ ምድራዊ ሰውነትና ምስ ሞተ እሞ ምስተቐብረ ይቕይር፥ እቲ ዝተንስእ ሰውነት ካብቲ ዝሞተ ሰውነት ይወጽእ፥ ከምቲ ሓደ ዘርኢ ካብቲ ሓዲስ ዝፈረየ ዘርኢ ዝፍለ ግን ከአ እቲ ሓዲስ ካብቲ አረጊት ዝበቁል ከምኡ ኸአ ሰውነትና ካብቲ መዋቲ ሥጋና ዝወስዶ ዘልኦ እንተኾነ ሓዲስ ባህርን መልክዕን ይወስድ። አብ ወንጌል ዮሓንስ 12፡24 ፍረ ስርናይ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር እንተ ሞተት ግን ብዙኅ ፍረ ከም እትፈሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ዝብል ነንብብ። ምስ ሞትና ምድራዊ ሰውነትና በራሲ፥ ግርማ ዘይብሉ አብ ድኻምነትን ግዙፍ ነገራትን ዝተመስረተ ምዃኑ ንርኢ። እቲ ዝተንስኤ ሰውነት ግን ጨሪሹ ዝተቐየረ ዘይመውት፥ ግርማ ዘልኦ፥ ብመንፈስን ሓይልን ዝተንሥኤ ምኻኑ ንአምን።

ቅዱስ ጳውሎስ ባህርያት ዘርኢ ምስቲ አብ ደቂ ሰባት ድሕሪ ሞት እንኾኖ እናአነጻጸር ይዛረበና። ዘርኢ ክፈሪ ክመውት አልኦ ክሓልፎ ዝግብኦ ጉዕዞ አልኦ። አብ መሬት ክድፈን አብኡ መሽሚሹ እቲ ላዕላይ ቆርበት መይቱ ሓዲስ ፍረ ካብኡ ይበቁል። ናይ እቲ ቀዳማይ ዘርኢ ሞት ነቲ ዳሕረዋይ ፍረ ሕይወት ይህቦ። ከይሞተ ክፈሪ አይክአልን እዩ። አብ ናይ ደቅ ሰብ ሕይወት ከአ እዚ እዩ ዝገጥም አብ ጊዜ ሞት። ንመውት እንተኾነ ጨሪሽና አይንልወጥን ኢና በራሲ ሥጋና ዘይበርስ ባህሪ ይለብስ። ቃል አምላኽ ከም ዘርኢ አባና ይዝራእ ክሕድሰና ክቕይረና አባና ለውጢ ክመጽእ አልኦ። ቃል አምላኽ አብ ልብና ሓዲሩ ለውጢ እንተ ዘየምጽአልና ከምቲ ሓደ ዘርኢ ከይተዘርአ ንዓመታት ዝጸንሕ ከምኡ ቃል አምላኽ ከየፍረየ ንዓመታት ይጸንሕ።

አብ ወንጌል ኢየሱስ ንአርድእቱን ህዝብን ብምሳሌ ገሩ ብዛዕባ ሓደ ክዘርእ ዝወፈረ ሰብ ይዛረብ። አብቲ ምሳሌ ወላ እኳ ኩሉ አየፍሪ እምበር ምስቲ ኩሉ ዝተፈላለየ መኸላእታ ካብቲ ዝተዘርኤ ገለ ዓብዩ ጽቡቅ ፍረ ፈርዩ እዩ።

አብዚ ምሳሌ ነቲ ኢየሱስ ዝሰብኮ ዝነበረ ቃል አምላኽ እዩ ዘመልክት። እቲ ኢየሱስ ዝሰበኾ አብ ሓዋርያትን አብቶም ዝተቐበላኦ አንስቲ ድሮ ፍረ ከፍሪ ጀሚሩ ነሩ እዩ አብዚ ምዕራፍ እተን አንስቲ ንኢየሱስ ዝስዕባ ዝነበራ አብአን ዓቢ ተአምራት ዝገበረልን ዘሕወየን እየን በዚ ኸአ የገልግልኦን ይኽተልኦን ስለ ዝነበራ ይጥቀሳ። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ክሰምዑ እሞ ከፍርዩ ይነግሮም። ብምእማንን እምነቶም አብ ግብሪ ብምውዓልን ብቐጻሊ ንዝጓነፎም ጸገማት ይኹን መኸላእታ ተጻዊሮም ፍረ ከፍርዩ ከምዘለዎም ነጊርዎም።

መሬት ከፍሪ ቅድሚ ዘርኢ ድዅዒ ምጽጋእ ከምኡ ነቲ መሬት ብኩሉ ምስንዳው የድልዮ። ድሕሪኡ ማይ ክጸግብ እሞ አብ ጸግቢ ክትዘርኦ የድሊ፥ ዘርኢ እውን አቐዲሙ ክሕጸብ ነቐዝ ዘይተንከፎ ጽሩይ ክኸውን አለዎ ነዚ ኹሉ ዝረኸበ ዘርኢ ወንጌል ከምዝብሎ 30፥ 60፥ 100 ይፈሪ ይብለና። ቃል አምላኽ አባና ከፍሪ ክንሓልፎ ዝግብአና ጉዕዞ አሎና። ብስም ደለናዮን ሰማዕናዮን ፈጺምናዮ ማለት አይኮነን። ቃል አምላኽ አባና ከፍሪ ሰሚዕና ክንክእል አሎና፥ ምስ ሰማዕና ኸአ ክንፍጽሞ ይግባእ። አባና ክፈሪ ፍቓደኛታት ክንከውን ከምኡ ካልኦት ከማና ከፍርዩ እጃምና ክነበርክት ዝክአለና ክንገብር አሎና። ከምቲ ጽቡቅ መሬት ዘፍርዮ ንሕና እውን ከነፍሪ ንቃል አምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት ክንለብስ ክንጽዕር ይግብአና።

ቃል አምላኽ ብምስማዕ ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብ ከምኡ ብጥዑያት ሰባት አቢሉ ብዝመጸና ምኽሪ ክንሰምዖ ንኽእል። አምላኽ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ኩሉ ጊዜ ይዛረበና፥ ብቅዱሳኑ ገሩ ድላዩ ይገልጸልና። ከም ብዓል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮውሓንስ ካልአይ ማዘር ተረዛ ዝአመሰሉ ናይ ዘመና ቅዱሳት እዮም አምላኽ ብአአቶም ገሩ ድላዩ ገሊጹልና። አብ ሃሃገሩ ቃል አምላኽ ዝነግሩ ቅዱሳን አለዉ። ነቲ አምላኽ ዝብሎ ክነቕልበሉ ከሎና አባና ፍረ ይፈሪ።

ምስላ ዘርእን ዘራእን ሰለስተ ክፍልታት ዝሓዘ እዩ። 1. እቲ ምሳሌ ከምዘልኦ ከምቲ ዝንገረና ታሪኽ ክንርእዮ ከሎና፥ 2. ኢየሱስ ብምሳሌ ዝተዛረበሉ ምኽንያት ይገልጽ፥ ናይ ዘመኑ አዘራርባ ተጠቒሙ ብምሳሌ ይዛረቦም ነሩ፥ 3. ናይ እቲ ምሳሌ መግለጺ ይህብ። ኢየሱስ ትርጉም ምሳሌኡ ዘርዚሩ ንሓዋርያቱ ይነግሮም። ሎሚ እውን በቲ ናይ ዘመና ነገራት ከም እንርድኦ ገሩ ብቤተ ክርስትያኑ ይዛረበና። ቃል አምላኽ ሎሚውን ብዝተፈላለየ መጋበሪታት ናይ ዘመና ይንገረና እዩ፥ ብአንጻሩ ከአ ንቃል አምላኽ ከይንሰምዕ ዝዓግት ተጻባኢ ኃይሊ እውን አሎ እዩ። ንአብነት ዘመናዊ ተክነሎጂይ ናይ ዘመና ዓቢ ዕንቅፋት ድሕነት ዝኾነሉ እዋን አልኦ። ኩሉ ካብ አምላኽ ዘርሕቕን ንህላዌ አምላኽ ዝነጽግን ኢና እንርኢ። ሰባት አብ ጸልማት ክነብሩ አልቦ አምላኽ ክነግስ ዝጽዕሩ ውሑዳት አይኮኑን። ቃል አምላኽ ጽውጽዋይ ተባሂሉ ዝንጸገሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘሎና። ካልእ ጋንታ ኸአ ንቃል አምላኽ ዋንኡ እንከልኦ ከምዚ እዩ ዝብሉ ብናቶም ርድኢትን ድለትን ዝትርጉምዎ ውሑዳት አይኮኑን። አምላኽ ሓልፍነት ንቤተክርስትያኑ ሂብዋ እዩ። መንፈስ ቅዱስ መሪሕዋ ዝበለትና ሓቂ እዩ ንአምኖ። ካልእ ዝበለ እንተበለ ክንአምኖ የብልናን ምኽንያቱ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ አካል ክገልጾ ዝኽእል ስለ ዘየሎ። 

ኢየሱስ ናይ ሕይወት ኦም ኩሉ ብቐጻሊ ቃሉ ይሰደልና እዚ ኸአ ብቅዱስ መጽሓፍ ወይ ከአ ብካልኦት ገሩ ብሕይወቶምን ግብሮምን ገሩ ድላዩን ክንገብሮ ዝግብአና ይገልጸልና። እቲ ብመልክዕ ዘርኢ አብ ልብና ዝዝራእ ክዓቢ አብ ፍረ ክበጽሕ ናታትና ተራ የድልዮ። ነዚ አብ ዘርኢ እንተ ረአናዮ ክዓብን አብ ፍረ ክበጽሕን ኩሉ ጊዜ ክንሕልዎ ይግብአና። ነፍስ ወከፍ ዘርኢ ክትዓብን ከምኡ ሓዲስ ሕይወት ክትህብ ተኽእሎ አልአ። ቃል አምላኽ ፍረ ክህልዎ አብ ናይ ሰባት ርድኢትን ድለትን ናይ እቲ አብኡ ተታሒዙ ዘሎ ምስጢር ቃል ተሳትፎ ይደሊ። አብቲ ግዙፍ ነገር ተኽእሎ መንፈሳዊ ነገር አሎ። አብ ናይ ሓደ DNA ናይ ዝኾነ ነገር ተኽእሎ ናይ ምዕባይን ምፍራይን አሎ። ከምኡ አብ ነፍስ ወከፍ ምስ ቅዱስ መጽሓፍ አብ ዝተራኸብናሉ ከምኡ አብ ሓደ ሰናይ ግብሪ አብ ዝውፈርናሉ እዋን አብ ነፍስና አብ ናይ ክርስቶስ አምሳል ናይ ምዃን ተኽእሎ አሎ። እንተኾነ አብቲ ባይታ ዘሎ መሬት ክንደናይ ፈኲስን ከፍሪ ዝኽእል ምኻኑ አብኡ እዩ ዝምስረት። አእምሮና ልብና ክሳብ ክንደናይ ንቓል አምላኽ ክቕበል እሞ አብኡ ክቦቁል ክፉት እዩ ኦልና ሕይወትና ክንርኢ አድላዪ እዩ።

ቃል ቅዱስ ማርቆስ አብ ዕሞቕ ልብና አእቲና ንቃል አምላኽ ክነፍሪ ከምዘሎና አግሂዱ ይነግረና። አብ ጉዕዞ ክነፍሪ እናጸዓርና እንከሎና ዝዕንቅፍ ካብቲ ቀንዲ መገዲ ዘውጽእ ብዝተፈላለየ ነገራት ክገጥመና እዩ። ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ሰናይ ነገርን ሓቀኛ ነገርን ክንሓድግ ዝጻብኡና ካብ ርእስና ጀሚርና ውሑዳት አይኮኑን። ዓለምና ምቁር መርዚ ሒዛ ዓንቃፊት ጉዕዞና ኮይና ከምዘላ ርአየለይ ዘየድልዮ ግሁድ ነገር እዩ። ብዙሓት ጣዕሚ ዓለም ልቦም አደንዚዙ ካብ አምላኽ አርሒቕዎም ዝርከቡ ውሑዳት አይኮኑን። ስለዚ ንቃል አምላኽ አብ ልብና አሕዲርና ጽቡቅ ፍረ ክነፍሪ ናይ ኩሉ ጊዜ ጻዕሪ የድልየና። ዘርኢ ከበቁል ክፈሪ ድዅዒ ኩስኮሳ ከምኡ ሓለዋ የድልዮ ከምኡ ቃል አምላኽ አባና ፍረ ክህልዎ ዘድሊ ምስድንዳው ከምኡ ጋሻ መንፈስ ከይአትወና ሓለዋ ምስትውዓል የድልየና።

ንቃል አምላኽ ክንሰምዖ ክነፍሪ ጽሙው ቦታ ሓጋዚ እዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል ከም እነንብቦ ንሓዋርያቱ ምሉእ መዓልቲ አብ ስብከትን አገልግሎትን ምስ ወዓሉ ምሸት አብ ጽምዊ ቦታ አብ በረኻ አብ ጎቦ ወይ አብ ሓደ ውሱን ቦታ ወሲዱ የዕርፎም ከም ዝነበረ ንርኢ። ካብቲ ዕለታዊ ሕይወቶም ወጺኦም ምስ ሰማያዊ አብኦም ከመይ ገሮም ከም ዝራከቡ ይነግሮም ነሩ። አብ ጽምው ቦታ ምኻድ። አብ ጌተሰማኒ አብ ጽሙው ቦታ ከም ዝጸለየ አብ ወንጌል ነንብብ፥ አብ ደብረ ታቦር ምስ ሰለስተ ሓዋርያት ምስ አብኡ ክዛረብ እቶም ሰለስተ ሓዋርያት ርእዮም ነዚ ዝረአየ ጴጥሮስ አብዚ ምንባር ይሕሸና እናበለ ምንዮቱ ገሊጹ። እግዚአብሔር አብ ጽምው ቦታ ክንረኽቦ ይደልየና። ነዚ መሰረት ገሮም ገዳማት አብ ሃገርና አብ ጎቦታት፥ አብ በረኻታት ብቐሊል ዝኾነ ሰብ ከይከዶ ኢሎም አብ ፍሉይ ቦታ ተደኲኖም ንረኽቦም። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ጎቦ ቦታ እግዚአብሄር እዩ። ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት አብ ደብረ ሲና ተቐቢሉ። ንሓዋርያት ክፍለዮም እንከሎ አብ ደብረ ዘይቲ ወሲዱ ተፈልይዎም። አብ ርድኢት ቅዱስ መጽሓፍ ጎቦ ሓፍ ዝበለ ቦታ እግዚአብሔር ዝርከቦ ቦታ እዩ። ሎሚ ጎቦ አይኮነን ዘደሊ ዘሎ ነቲ ብሓጢአት ዓሚቝ ዘሎ ሕይወትና ማሕደሩ ክንገብሮ እሞ ብርሃና አብ ቅድሚ ኩሎም ክበርህ እዩ ዘደሊ ዘሎ። ብርሃን ኢየሱስ ክነብርህ ዝተሓረና ንሕና ኢና። መብራህትና ጭልምልም ትብል ትህሉ ትኸውን እሞ ብሓዲስ ንወልዓያ።

ኩልና ካብ ገገዛና ካብ ዕለታዊ ስራሓትና ንኹሉ ሓዲግና አብዚ ፍሉይ ቦታ ንርከብ አሎና። ብዙሕ ተዘክሮ ከሕድረልና ይኽእል፡

·      ንአምላኽ አብ ሕይወትና ፍሉይ ቦታ ክንህቦ። ካብ ኩሉ ዕለታዊ ናብራና ወጺእና ምስ አምላኽና ዘሎና ርክብ ርኢና ክንክእል። አብዚ እንነብሮ ጥራሕ ተዓጺና ክነብር ከሎና እነፍርዮ ነገራት ውሑድ እዩ። ካብቲ ዕለታዊ ሕይወትና ውጽእ ኢልና ክነስተንትን ክንፍትን ከሎና ክንቅየር ይክአል እዩ። አምላኽ ዕላል ምስ ደቁ እሞ በይኖም ክሰምዕዎ ክዛረቦም ይደሊ እዩ። ምስ አምላኽ አዕሊልና ክንክእል። ዕላልና ምስ ሰብ ጥራሕ አይንግበሮ ምስ አምላኽ እውን ንግበሮ። ስለዚ ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ኩነታት ክንጥቀመሉ ምስ አምላኽ ክዛረብ ክሰምዖ ልበይ ክኸፍት ይግብአኒ ክንብል አሎና።

·      ብኹሉ ክንሕደስ ጥቕሚ አልኦ። ብሥጋና ዕረፍቲ ብመንፈስና ህድአት አብ ልብና አንጊስና ንሰማያዊ አቦና ክንሰምዕ ከሎና ተሓድሶ መንፈስን ሥጋን ክንረክብ ንኽእል። ሰብ መአዝኑ ክፈልጥ ዕረፍቲ የድልዮ። ከምቲ መምህርና ኢየሱስ ንዑ ደገ ንውጻእ ኢሉ ንሓዋርያቱ አብ ዕረፍቲ ዘውጽኦም ዝነበረ ንሕና እውን ክንሕደስ ንኹሉ ክንቅይር አብ ሕይወትና ዕረፍትና ጽምዋን ክንህብ አብዚ ቦታ ንርከብ አሎና።

·      ኩሉ ጊዜ እንኸዶ ጉዕዞ ከሰክፈና አለዎ። አበይ ከምዘሎና ርኢና እንተ ከአልና እቲ መገዲ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ሰብ ዝጠፈእ ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ስለ ዝይፈልጥ እና ጠፍአ ከሎ ድሓን አሎኹ እናበለ አብ ዝገደደ ጥፍአት ስለ ዘምርሕ እዩ። ሎሚ መገዲ ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና ክንክእል ይግብአና። አብዚ ዘሎናዮ ዘመን መገዲ ከይጠፍአና GPS ዝብሃል መገዲ ዝሕብር ንጥቀም፥ መገዲ እንተ ጠፍአና Recalculating እናበለት በቲ ዘሎናዮ አብቲ እንጉዓዞ መገዲ ዝወስድ ካልእ ትሕብረና፥ ብሓቂ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ዝግብአና ነገራት ክንሓስብ ይሕግዘና። ከይንጠፍእ ዝሕግዘና ብዙሕ ነገራት አሎና። ጸሎት ክንገብር ንሕሹክታ አምላኽ ሰሚዕና ክንክእል እሞ ሓቀኛ መገዲ ክንክተል ይግብአና።

·      ኩልኹም ዝደኸምኩም ዝጸዓርኩም ናባይ ንዑ ከዕርፈኩም እየ ይብለና ኢየሱስ። ሓቀኛ ዕረፍቲ አብ ኢየሱስ ኢዩ ዝርከብ። ዕረፍቲ ሥጋ ዘይኮነ ዕረፍቲ መንፈስ። ምስኡ ክነዕርፍ ቦትኡ ክንፈልጥ ቋንቅንኡ ክንፈልጥ አሎና። ቋንቋ ኢየሱስ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ምሕረት እዩ። አብዚ ከምዚ ሕይወት ዝነብር ከዕርፍ ጸገም የብሉን። ምስኩሉ ጸገምና ኃጢአትና አብ ኢየሱስ እንተ ተጸጋዕና ምሕረት ክነርክብ ኢና።

አብዚ ብሓንሳብ ኮና ነዚ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ፍሉይ ጸጋን ምሕረትን የውህበና። ከልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ ኢሉና እዩ እሞ መድኅና አብ ማእከልና ስለ ዘሎ ብምሉእ ልብና ነዚ መስዋዕቲ ነዕርጎ። እዋናት ክረምቲ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጠጢዑ ለምለም ኮይኑ ይርኤ አሎ። ኩሉ ተርኪሱ ንፍረ ክህብ ይሰናዶ አሎ እዚ ተፈጥሮን ባህርይን ዘይ ለባዊ ፍጡራት ዘርእይዎ እዩ ንሕና ደቂ ሰብ ግን ብዝያዳ ብአእምሮና ተመሪሕና ንአምላኽ ዝበቅዕ ክነፍሪ ልብና ክንከፍተሉ። አብ ኩሉ ሕይወትና ናቱ ኮና ጸሎትና ክነዕርግ ንአምላኽ ምሳኻ አሎኹ ንበሎ።

ነቲ ብዝተፈላለየ መገዲ አብ ልብና ዝተዘርኤ ሰናይ ዘርኢ አብ ፍረን አብ ምብቋልን ክነብጽሖ ይግብአና። አምላኽ ዝዘርአለይ ዘርኢ ፍቕሪ፥ ዘርኢ ሰላም፥ ዘርኢ ሕውነት ከዕብዮ ክኹስኩሶ ሎሚ መዓልቱ እዩ እናበልና መብጽዓና ክነሓድስ ይግብአና።

አብ ገዛና አብ ሓዳርና አብ ሥራሕና ምስ ተመለስና ተሓዲስና አምላኽ ረኺበዮ ምስኡ ቀንየ ሕይወተይ ብሓዲስ መንፈስ ክመርሕ ተበጊሰ አሎኹ እናበልና ንሕልናና አብቲ ሓቀኛ መገዲ ክነትሕዞ እሞ መገዲ ሕይወት ክንጉዓዝ። ንአምላኽ አብ ቤቱ አብ ህዝቡ ክረኽቦ ኢልና ደቂ ክርስቶስ ኮና ፍቕሪ መለለይና ክንገብር ሓይልን ጸጋን ንአምላኽ ንለምኖ።

አምላኽ ብሩኽ ክረምቲ ሂቡ ቃሉ አብ ልብና ዘፈሪ አብ ሃገርና ከአ መሬት እቲ እንጽበዮ አፍርያ በረኸት ክትህብ ክባርኸልና ንሰማያዊ አቦና በታ ርሕርሕቲ አደና ማርያም ገርና ንለምኖ።

ርሑስ ክራማት ገሩ ብሰላሙ ይተዓረቐና።  

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

02 July 2022, 10:15