ድለ

2020.03.30 Gocce di pioggia, la grazia delle lacrime 2020.03.30 Gocce di pioggia, la grazia delle lacrime 

ሰንበት ዘጠል ሓምለ 24 2014 ዓ.ም. (7/31/2022)

መዝሙር፡ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ ምኵራቦሙ ለአይሁድ ምህሮሙ ወይቤሎሙ አክብሩ ሰንበትየ ………….ኢየሱስ ብሰንበት አብ ቤተ ጸሎት አይሁድ አተወ፥ ሰንበተይ አኽብሩ እናበለ መሃሮም፥ ብሰንበት አጋንንቲ አውጽኤ፥ ብቓሉ ንለምጻማት አንጽሔ፥ ብሰንበት አብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ብጥፍጣፉ ንዕዉር አሕወየ ዘራእን ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ክሕጎሱ አብ ኵላ ምድሪ አብ ኵላ ወገን አብ ዘድሊ ቦታ ዘበለን ንደመናታት ዝናብ ከውርዳ አዘዞም። ምድሪ ከአ ርእያ አመስገነቶ፥ ባሕሪ ድማ ሰገደትሉ እናበለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ምድሪ እዚ ከሎ ምሕረት ይገብር ከምዝነበረ ሕጂ ከአ ንዓና ካብ ሕማም ሓጢአት ከሕውየና ከም ዝኽእል የዘኻኽረና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡    ገላትያ 5፡13-18፥ ያዕ 3፡1-9፥ ግ.ሓ. 28፡1-17፥ ሉቃ  9፡51-62.   ምስባክ፡  የዓርግ ደመናት እም አጽናፈ ምድር፥ ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም፥ ዘያወጽኦሙ ለነፋሳት እመዛግብቲሆሙ። “ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ ኸም ዚለዓል ይገብሮ፥ ብጊዜ ዝናም       መብረቕ ይገብር፥ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ” መዝ 135፡7።

ንገለ ሰባት ነሓደ ነገር ክትገብሮ ምምብጻዕን ነጻነትን ክልተ ዘይሰማምዑ ገሮም ዝወስዱ አለዉ። እንተኾነ ናይ ሎሚ ንባባትና ምሉእ ነጻነት ወኒና ብምሉእ ውፉያት ክንከውን ይሓተና። እዚ ክንብል እንከሎና ካብቲ ጥዑይ ካቶሊካዊ ዘብለና ብዘይመጠን ኲንኡ እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ሓደ አገዳሲ ነገር አብ ሕይወት ኢየሱስ ይጀምር። “ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዝዓርገሉ መዓልትታት ምስ ቀረበ መገዱ ናብ ኢየሩሳሌም አቢሉ አቕንዐ” ይብል። እዘን ቃላት አብ ካልአይ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ ከም እንአቱ ዘሎና ይሕብራና። ንሉቃስ ኢየሩሳሌም ማእከል ሕይወት ኢየሱስ እያ። ንሳ ማእከል ናይ እቲ ዓቢ ናይ ድሕነት ስራሕ ዝተገልጸላ እያ። ንሳ እታ ሓዋርያት ሓዳስ ማሕበር ንስራሕ ኢየሱስ ንምቕጻል ዝጅምሩላ፥ ክብአ ተበጊሶም ክአ ንምሉእ ክርንዓት ዓለም ቃል አምላኽ ከስምዑ ዝወፈሩላ ማእከል ናይ ኩሉ ተልእኮ ኢየሱስ እያ። 

ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ገጹ ክጉዓዝ እንከሎ ብምሉእ ቆራጽነት ንኹሉ አብ ቅድሚኡ አድላዪ ዝኾነ ክቕበልና ክፍጽምን ነቲ ስርሑ አብ ፍጻሜ ዘብጽሖ ክወስድ እዩ ተበጊሱ። በዚ ኸአ ንኹልና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ነቲ ቅኑዕ ነገር ዝጓነፈና ብዘይ ሓደ ስግአት ቆሪጽና ክንፍጽም ከምዘሎና የስተምህረና። አብ ጉዕዞ ዕንቅፋት ክበድ ከምኡ ድኻም ሞት ስቓይ ክጓነፈና ይኸውን ግን ካብ መስመር ከይወጻእና ንጉዳይ ድሕነትና ክንቅጽሎ ይግብአና።

አብ መገዲ ሓደ ከቢድ ጸገም ተጓኒፍዎም ሳምራውያን ብዓዶም ከይሓልፉ ከልኪሎሞም ምኽንያቱ ሳምራውያንን አይሁድን ብርቱዕ ጽልኢ ስለ ዝነበሮም። እንተኾነ ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ገጹ ዝኸይድ ዝነበረ ነቲ አብ መንጎ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ከምኡ ነቲ ንሰባት ዝፈላሊ ዶባት አልዩ ሰላም ፍቕሪ ከምጽእ ኢሉ እዩ። (እዚ አብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ 2 ጽቡቅ ኮይኑ ተገሊጹ አሎ)። አብዚ ኻልእ ዓሚቕ ነገር አሎ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር አብ ኢየሩሳሌም ስደት ምስ በርትዐ አብ ሰማርያ እዮም ሃዲሞም። ካብ ኢየሩሳሌም እያ እታ ዕሸል ማሕበር ናብ ኩሉ አርባዕተ ክርንዓት ዓለም ክትዝርጋሕ ጀሚራ።

ክምለስ ዝግብኦ ሕቶ፡

አብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ መልእኽቲ ኢና እንአቱ ዘሎና። መልስና ነቲ ክንክተሎ ዝጽውዓና ዘሎ ኢየሱስ። ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ገጹ እናገበረ እንከሎ አብ ጉዕዞኡ ብዙሓት ሰባት ክስዕብዎ ከምዝደልዩ ድላዮም ገሊጾምሉ። ንብዙሓት ንኢየሱስ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ስለምንታይ ንኢየሩሳሌም ገጹ ከምዝኸይድ ዘሎ ብምልኡ ይርድኦም አይነበረን። ካብዞም ክስዕብዎ ዝሓተቱ ሰለስተ አየናዮም ኮን ኢዩ ምስ ናተይ መልስን ኩነታትን ዝሰማማዕ ኢልና ክንሓትት ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ።

1. እቲ ቀዳማይ ብትብዓትን ሕያውነትን “ጎይታይ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኩሉ ኽስዕበካ እየ” በሎ። ንሱ ብርቱዕ ድለትን ህርፋንን አለዎ እንተኾነ ነቲ ዝገጥሞ ነገራት አፍልጦ ዘልኦ አይመስልን። ኢየሱስ ቀልጢፉ ደው የብሎ። “እንስሳ በረኻ ክነብሩ ማኅደር አለዎም ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ ሥፍራ ተብሉን” ኢልዎ። ወድሰብ ገዛ የብሉን፥ ንብረት የብሉን፥ ገንዘብ እውን የብሉን ስለዚ አይተሰናዶኻን አሎኻ ኢልዎ። ሓደ እዋን ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ዊንስተን ቸርቺል ዝተባህለ አብ ምጅማር ካልአይ ውግእ ዓለም “ሓንቲ ከቕርበልኩም አይክእልን እየ እንትርፎ ደም፥ ርሃጽን ንብዓትን” ኢልዎም ይብሃል።

ነፍስወከፍ ንጎይታ ክስእብ ዝደሊ ካብኡ ዝጽበዮ አፍልጦ ክህልዎ ይግባእ። ካብ ርእሱ ሰባት፥ ንብረት፥ ኩሉ ነገራት አብ ሕይወቱ ዋሕስ ዝኾኖ ነገራት ሓዲጉ ክስዕብ ከምዘለዎ ክፈልጥ አለዎ። ነዚ ንምግባር ድልው ድየ? ወይስ መጀመርያ ነቲ ዋሕስ ዝኾነኒ ምስ አሰናዶኹ ድሕሪኡ ምሳይ ሒዘዮም ክመጽእ እሞ ክስዕቦ እየ ዝደሊ?

2. እቲ ካልአይ ሰብአይ እውን ንኢየሱስ ክስዕቦ ከምዝደሊ ገሊጹ። ቅድሚ ምስዓቡ ግን ሓደ ቅቡል ዝኾነ ሕቶ የቕርብ። “ጎይታይ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ አፍቅደለይ” በሎ። ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ ንቕጽ ዝበለ እዩ። “ምውታት ንምውታቶም ይቅበሩ ኅደጎም ንስኻ ግና ኪድ መንግስቲ አምላኽ አበሥር” በሎ። ካብዚ ዘረባ አቦ እቲ ሰብአይ ድሮ መይቱ ነሩ እዩ ኢልና ክንዛረብ አይንኽእልን ኢና። እዚ ሰብ ንኢየሱስ ዝስዕቦ ናይ ውሉድ ግብኡ ምስፈጸመ ጥራሕ ከምዝኽተሎ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። መጀመርያ ንወለደይ ከጠጥሕ አሎኒ ድሕሪኡ ክስዕበካ እዩ ዝብሎ ዘሎ።

ኢየሱስ እውን ንወለድናን አዝማድናይ ከይነኽብር አይኮነን ዝኽልክለና ዘሎ። ንሱ ዝሓተና ዘሎ አብ ሕይወትና ቀዳምነት ሂብናዮም እንጉዓዝ ነገራት አየኖት እዮም? አርድእቱ ክንከውን ድላይ እንተ አሎና መጀመርያ ድለታትና ሰሪዕና ድሕሪኡ ክንስዕቦ አይንኽእልን ኢና። መንግስቲ አምላኽ ብመጀመርያ ክንሰርዖ ዝሓተና ናይ ሓቂን ሓልዮትን ርትዕን፥ ነጻነትን፥ ሰላምን ዝመልአ ዓለም ንምህናጽ ብቀዳምነት ክንሰርዕ እንከሎና እዩ።

ክንደይ ካባና ኢዮም መጀመርያ አብ ሕይወትና ክንጥጥሕን ዘድልየና ነገራት ኩሉ ምስ ገበርና ድሕሪኡ ጥዑያት ክርስትያን ክንከውን እንደሊ? እቲ ግብኡ ግን ብአንጻሩ እዩ። መጀመርያ ጥዑያት ክርስትያን ክንከውን ይግብአና ድሕሪኡ ካልእ ነገራት ክንገብር።

3. እቲ ሳልሳይ ሰብ ከአ “ጎይታይ ክስዕበካ እየ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” ኢልዎ። ከምቶም ቀዳሞት አይኮነን መጀመርያ ናይ ርእሰይ ነገራት ከጠጥሕ እሞ ድሕሪኡ ክስዕበካ እዩ ዝብል ዘሎ። አብ ሕይወተይ ገለ ምቾት ከምኡ ክዘናጋዕ እሞ ድሕሪኡ ክስዕበካ። እንተኾነ ናይ ኢየሱስ ተኸታሊ ክኸውን እንተ ኾይነ ክዘናጋዕ ወይ ክጠራጠር የብለይን። እቲ መጸዋዕታ “ሕጂ” ሎሚ እዩ ዝቐርብ ዘሎ እቲ መልሲ ኸአ ሕጂ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

አብነትና ክብ ኤልያስ ክንምሃሮ ንኽእል።

ናይ ሓደ ረድኢ መልሲ አብቲ ኤልሳዕ ንኤልያስ ተኸታሊኡ ክኸውን አብ 1ዘነገስት 19፡16~21 ዘሎ ክንርኢ ንኽእል። ኤልሳዕ ነብይ አምላኽ ኮይኑ ንኤልያስ ተኪእዎ እዩ። ኤልያስ ብአምላኽ ተአዚዙ ንኤልሳዕ ክቐብኦ ምስ ከደ አብ ልዕሊኡ መንጠሊናኡ ምስ አንበረሉ “ በጃኻ ነቦይን ነደይን ስዒመ ኽመጽእ እሞ ብድኅሪኡ ኽስዕበካ ፍቐደለይ” ኢልዎ። ኤልያስ ኪድ በሎ። ድሕሪኡ ኤልሳዕ ጽምዲ ብዕራይ ሓሪዱ፥ በቲ ናውቲ ማሕረስ አብሲሉ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፥ ንኹሉ ዘልኦ ሓዲጉ ንኤልያስ ደድሕሪኡ እናኸደ የገልግሎ ነሩ። ካብ ኩሉ ነጻ ምስኮነ ስዒብዎ።

አብዚ ቃል ንቓሉ ወሲድና ከምኡ ክንገብር አይኮናን እንሕተት ዘሎና ካብኡ ብዙሕ ንመጸዋዕታና ክንምልስ ዝሕግዘነ ስለ ዘሎ ካብኡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኢየሱስ ከይንኽተል ዝዕንቅፈና ግዙፍ ነገራት፥ ስምዒታት ከምኡ ካልእ ነገራት አሊና ብዘይ ቅድሚ ኩነት ንኢየሱስ ክንስዕብ ንሕተት አሎና። አብ ሕይወት ብዙሕ ነገራት እንደልዮ ሃረር እንብሎ ንኢየሱስ ከይንስዕብ ዝዓግተና ነገራት አሎ። ብዙሕ ፍርሕን ጥርጠራን አሎ፥ ብዝዕባ ዝሓለፉ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ዘኪርና ነስካሕክሕ እሞ ንመጻኢ ዝኸውን ነገራት ከይንሓስብን ከይንገብርን ንፈርሕ። እዚን ካልእን አብ ሕይወትና ዕንቅፋት ፈጢሩ ካብ አምላኽ የርሕቐና። ብዙሕ ጊዜ ንሕና እንነብሮ ፍርቂ ሕይወት እዩ ወይ ከአ ናይ ካልኦት ሰባት ሕይወት ኢና እንነብር እምበር ሕይወትና አይንነብርን ኢና።

ነዚ ዝተዓዘበ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ንሎሚ ዝተነበት ናብ ሰብ ገላትያ ብዛዕባ ነጻነት አትሪሩ ዝዛረብ። “ብሓርነት ምእንቲ ክነብር ክርስቶስ ሓራ አውጺኡና እዩ” (ገላ 5፡1)። አብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያን ካብ አይሁድ ዝተመልሱ እዮም እንተ ኾነ ድሕሪ ክርስትያን ምዃኖም አብቲ ናይ ቅድም ባህሎም ክምለሱ ደልዩ ነሮም ነዚኦም ክምዕድ ኢሉ እዩ ጳውሎስ ሓንሳብ ብክርስቶስ ነጻ ወጺእኩም ኢኹም ዝብሎም። አብ ሕይወትና እንተ ረኤና ነጻ ከይንኸውን ፍርሒ ነርኢ።

ሓቀኛ ነጻነት፡

አነ ነጻ ዝኸውን ንሰብ ስልጣን ምስ ነጸግኩ ወይ ብዝኾነ መስተ አእምሮይ አጥፊኤ ድላየይ ክብል ምስ ከአልኩ አይኮነን፥ ከምኡ ንሰባት ከማይ ዝበሉ ምስ ነጸግኩ አይኮንኩን ነጻ ዝኸውን። አነ ነጻ ዝኸውን ንጎረበተይ ንኸማይ ሰብ ምስተገደስኩ፥ ጸገሙ ጸገመይ ምስኮነ፥ አነ ብሓቂ ከም ሓወይ/ሓፍተይ ክርኢ ምስከአልኩ ሽዑ እየ ብምሉእ ነጻ ክብሃል ዝኽእል።

ነጻ ምዃን ማለት ከምቲ ጳውሎስ ዘጠንቅቖ ነጻነትና ንምኽንያት ኃጢአት ከይከውን ክነስተውዕል አሎና። አብ አነ ጥራሕ ዘተኮረ ሕይወት ኩሉ ጊዜ ምስተሳቐየ እዩ። ነጻ ምዃን ማለት ካብ ሓቂ ምርሓቕ ማለት አይኮነን ወይ እውን ካብ ሓላፍነት ምርሓቕ አይኮነን። ነጻ ምዃን ማለት አብ ግዙፍ ነገራት ጥራሕ አድሂብካ ልብኻን ቀልብኻን ሕይወትካን ብምልኡ አብኡ ዘይምግባር ማለት አብ ገንዘብ፥ ንብረት፥ ክብሪ፥ ዓወት፥ አብ ዝገበርካዮ ፍጻሜታትን ከምኦም ዝአመሰሉ  ዘይምድሃብ እዩ።

እቲ ዘገርም ነጻ ዝኾነ ሰብ ጥራሕ እዩ እቲ ንሱ ክገብሮ ዝደለ ዝገብር ምኽንያቱ እቲ ንሱ ዝደልዮ አብ ናይ ፍቕርን ተገዳስነትን፥ አብ ምክፋልን አብ ውሽጣዊ ምትእምማንን አብ ሰላምን  ዝተመርኮሰ ዓለም ኮይኑ እዩ ዝገብሮ። ብርግጽ እዚ ኩሉ ካብ ካልኦት አይረኽቦን እዩ ምኽንያቱ ዘልኦ ርድኢት የብሎምን ንሱ ዝርእዮ ክርእዩ አይክእሉን እዮም፥ ንሱ ግን አብ ክንዲ አብ ጸገማቱ አብ ናቶም አትኩሮ ሂቡ እዩ ዝነብር።

እዚ ዓይነት ነጻነት አብ ከም ኢየሱስ ኤልያስ ጳውሎስ ዝአመሰሉ ኢና እንረኽቦ። አብዚ እዋና እውን ከም ብዓል ዮውሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ከም ብዓል አደ ተረዛ ዝአመሰሉ ንረኽቦ። አብ ሕይወትና ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኢየሱስ ሕራይ ክንብል እንከሎና ጥራሕ እዩ ምሉእ ነጻነት ዝህልወና። ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኢየሱስ ሕራይ ዝብሉ አብ ጉዕዞ ንኢየሩሳሌም ገጹ ክኸይድ እንከሎ ምስኡ እዮም ዝጉዓዙ። ኢዶም አብ ዕርፊ አንቢሮም ንድሕሪት አይጥምቱን እዮም። እሞኸ አነ እውን ከምኡ ክገብር እንታይ ዘጸግም አሎኒ። ብምሉእ ልብና ንመጸዋዕታ ኢየሱስ ተቐቢልና ክንስዕቦ ፍቓደኛታት ንኹን።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

24 July 2022, 12:06