ደቡብ ሱዳናውያን ብምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣዝዮም ሕጉሳት ኢዮም
ዜና ቫቲካን!
“ሓጎስን ተስፋን ምቅባል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ገና ኣይተወድአን።” ኣባ ኦኮት ኣባል ማሕበር ኮምቦኒ ኮይኖም ንምብጻሕ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገምጋም ዝሃቡ ኢዮም።
ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣብ ሬድዮ ቫቲካን ኣባ ኦኮት ንዝሃብዎ ቃል ክትንትን ከላ፡ ኣብቲ መጀምርያ፡ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ር.ሊ.ጳጳሳት ብሰንኪ ናይ ብርኪ ቃንዛ ኣብ ሕክምና ምህላዎም፡ ንደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ንካልእ ግዜ ኣሰጋጊሮሞ ኣለዉ ንዝብል ዜና ፈጺሙ ኣይተቀበሎን ኣዝዩ ሓዘን ተሰምዖም ኢዩ።
ምልክት ኣባታዊ ሓልዮት ር.ሊ.ጳጳሳት
ቅዱስ ኣቦና ግን፡ ጭቡጥ ምልክት ሓልዮቶምን ኣባታዊ ቅርበቶምን ብብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብጺሖም ኢዮም። “እዚ ብሓቂ ትንቢታዊ ምልክት ተስፋ ናይ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ኣባታዊ ሓልዮትን ሓዋርያዊ ቅርበቱን ንደቡብ ሱዳን ኢዩ፡ ናይ ምብጽሖም መደብ ምስግጋር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኦም ኮይኖም ቃሎም ዘብጽሑልና ብምስዳዶም እዚ ነቲ ዓሚቊ ሓልዮቶም ዝገልጽ ኢዩ።”
ኣባ ኦኮት ቀጺሎም ኣብ ትዕዝብቶም፡ ዘይውዳእ ስምዒታት ሓጎስን ደስታን ኣብ ገጽ ሕዝቢ፡ ኣብ ግዜ ተቅባል ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዝተዓዘቡ ገሊጾም።
መዓስከር ስደተኛታት በንቲዩ “ነጸብራቅ ካልእ ቦታታት ደቡብ ሱዳን”
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዝተዛናበሉ ኣብ መዓስከር በንትዩ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ነቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት መነባብሮ ክዕዘቡ ክኢሎም ይብሉ ኣባ ኦኮት።
ኣባ ኦኮት ዘመሓላለፍወን ረዘንቲ ቃላት ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣጋዊሔን ነቲ ዘሕዝን ህላዌ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ዓቢ ሕዝባዊ ኣቃልቦ ክህብ ተስፋ ንገብር ዝብል ኢዩ። “ኣነ ዝተሰምዓኒ ብፁዕ ካርዲናል ኣብቲ ቦታ ዝተዓዘብዎ ኩሉ፡ ኣቃልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝስሕብ ርግጸኛ ኢየ፡ እዚ ከኣ ነጸብራቅ ካልእ ክፋል ደቡብ ሱዳን ኢዩ።”
ኣባ ኦኮት ወሲኾም ዝገለጽዎ፡ እዚ ታሪኻዊ ምባጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን “ዓመጽ ድው ክብልን፡ ሕዝብና ሰላምን ተስፋን ነጻነትን መስተርሆትን ክረክብ ዝዕድም ኢዩ ኢሎም።”
ኣብ መደምደምታ እዞም ናይ ካምቦኒ ካህን፡ ንቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ወሰናስን ተወጺዑ ዘሎ ወገን ብቀጻሊ ዝህብዎ ሓልዮትን ተስፋን ኣመስጊኖም። “ቅዱስ ኣቦና ቀጻሊ ዘርእይዎ ሓልዮት ምሳና ኣብ መንገዲ እምነትን፡ ኣብ መንገዲ መዓልታዊ ሕይወትናን ከምዝጉዓዙ ኢዩ” ብምባል “ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከኣ ንብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን’ውን ኣብዚ ብምምጻእ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ብኣና ከም እትሓስብ ስለዘርኣዩና የመስግኖም።” ብምባል ሓሳቦም ዛዚሙ።