ድለ

ግረች ኣብ ዓውደ ጒባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ግረች ኣብ ዓውደ ጒባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ 

ግረች ኣብ ዓውደ ጒባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ

“ሲኖዶስ . . . ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጥራሕ ዘይኮነ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ስለዚህ ኣኼባ ኣቡናት ሓደ ክፋል ናይ ሲኖዶስ መስርሕ እዩ”

ኣብቲ ካብ ዕለት 14 – 16 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ክሮኣሺያ ከተማ ረጀካ ኣብ ዝተኻየደ “ናይ መዲትራኒያን ናይ ቲሎሎጊያ ሊቃውንቲ መንእሰያት” ዓውደ ጒባኤ ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑን ምስቶም ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ 35 መንእሰያት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዘተ ዘካየዱ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ግረች፥ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳዊት ምዃና ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሲኖዶስ ፍሉይ ፍጻሜ እዩ ምኽንያት ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝዀነ” ነዚ ዝበሉ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጥቕላሊ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኽኸውን እንከሎ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ይገብር ሲኖዶስ ዝብል ኪደት ከም ብሓድሽ ስለ ዘተኣታተውዎ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ኣገባብ ዘለዎ ብምዃኑ ፍሉይ ፍጻሜ እዩ። ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጥራሕ ዘይኮነ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ስለዚህ ኣኼባ ኣቡናት ሓደ ክፋል ናይ ሲኖዶስ መስርሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ንምድላዊ ዛዕባ ሲኖዶስ ዝመክር ሲኖዶስ እተግብረ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ

ብጹዕ ካርዲናል ግረች ኣስዒቦም እዚ ሓድሽ ኣገባብ እዚ፥ “ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ መሰረታዊ ግደ ዳግም ንኽምለስ ዘኽእለና እዩ” ቢሎም፥ እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ከም ዝሕብረና ንምስትውዓል ዘተባብዕ እዩ። ኵሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግደ ኣለዎ፥ ነቲ ናይ ኵሉ ሓሳብ ኣብ ሓደ ኣምጺእካ ናይ ዅላዊት ቤተ ክርስቲያን ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ኣብ ትሕቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንጌሊኡ ሕቶታት ንምፍታሕ ቲዮሎጊያዊ ምርምር ወሳኒ እዩ

“ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝቐርብ ቲዮሎጊያዊ ምርምር ምትሕንፋጽ ንገለ ገለ ሕቶታት እዋንና ንምፍታሕ ዝሕግዝ እዩ” ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝን ኣበርክቶን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ብፍላይ ናይ መንእሰያት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣገዳሲ እዩ። ንሲኖዶስ በቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ዝመጽእ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፥ ካብ ካህናትን ካብ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ንላዕሊ ውዕዉዕ ስምዒት ኣብ ዓለማውያን ምእመናን ከም ዘሎ ይሕብር፥ ንኣብነት ሲኖዶሳዊ ባህሊ ካብ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝሓየለ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።

16 Jul 2022, 16:09