ካርዲናል ታግለ “መንፈስ ምክንኻን” ኣብ ዝብል ጻውዒት ዘቅረበ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣሚሰያ ከፊቶም
ዜና ቫቲካን
እዞም ናይ ስብከተ ወንጌል ንዝሓሊ ዋና ኣካያዲ ዝኾኑ ንኹሎም ካቶሊካውያን ፍጹም ደረት ዘይብሉ ፍቅሪ ንተፈጥሮ ክህልወና ይጽውዑ።
ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ፡ ኣብ መኽፈቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መበል 20 ምስራቅ ኣፍሪቃውያን ኣቡናት (ኣሚሰያ)፡ ኣብ ስታድዩም በንጃሚን ምካፓ ዳሬስለኣም (ታንዛናያ) ሰንበት 10 ሓምላአ ኣብ ዝተፈጸመ መኽፈቲ፡ ዘስምዕዎ ቃለ እግዚኣብሔር፡
እዞም ወዲ ፍሊፒነ ዝኾነ ካርዲናል፡ ንኹሎም ክርስትያን፡ መንፈስ ምትሕላላይ ሕድሕድን ከባብን ክህሉ ይምሕጸኑ።
“ንገዛእ ርእስና ክንሓቶ ዘና ሕቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምንታይ ኢዩ መንፈስ ምትሕልላይን ምክንኻንን ቀኒሱ? እቶም ቃል ኪዳን ኣሲርኩም ዘሎኹም፡ ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ እንተረኣኻ/ኺ፡ ኣብኡ/ኣ ምስሊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ’ዶ ወላ ካልእ ንርኢ?
ቀንዲ ምኽንያት ኣከባብያዊ ዕንወት
ብፁዕ ካርዲናል ንኹሎም ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መበል 20 ናይ ኣሚሰያ ዝተማሕጸንዎን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቶም ቀንዲ ምንጪ ኣከባብያዊ ዕንወት ዝመጹሉ ምኽንያት ንኣከባቢና ስለ ዘዕነናዮ ኢዩ ኢሎም።
“ጭቡጥ ፍታሕ ክንገብር እንተኾና፡ መጀመርያ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ብርሰት ኣከባቢ ፈሊጥና ካብዚ ጉባኤ ክንከይድ ኣለና፡ እንተዘይኮይኑ ኣድማሳዊ ውሳኔ ካብዚ ኣኼባ ክወሃበና ኢዩ። ኣብ ናይ ውልቁ ርኢቶ፡ ሊቀ ጳጳስ ሁምበርቱስ፡ ማትዩ ማሪያ ቫን መጋን ወኪል ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኬንያ ንኣባላት ኣሚሰያ ኣብ ከባቢኦም ንዘለዉ ኣባላት ኣሚሰያ ሓቢሮም እምነቶም ክካፈሉ ብምሕጋዞም የመጉሱ።
እቶም ኑንስዮ፡ ንኹሉ ናይቲ ከባቢ ቋንቋታት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ክጥቀሙሉ ምርኣይ እዚ ምልክት ሓባራዊ ሓድነት ኣብ ኣሚሰያ ኢዩ ዘርኢ ኢሎም። ካብቶም ክሕወሱ ኣለዎም እንብሎም ሓደ ቋንቋ ዓረብ ኢዩ፡ እዚ ቋንቋ እዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብቲ ዝመጻእኩሉ ከባቢ ዝጥቀሙሉ ኢዩ።
እዚ ን10 መዓልታት ኣብ ዳሬሰላም ዝቅጽል ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ብኣመዛኒ ዝዛረበሉ ዛዕባ፡ ኣብ ምክንኻን ከባብን ዝተመስገንካ ኩን እትብል ዓዋዲት መልእኽትን፡ እምነትን፡ ስነ ምግባር ኣብ ምክንኻን ኣከባቢ ዘተኮረን፡ ከምኡ’ውን ምክንኻን ውሁድ ኤኮሎጂ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ንውህደት ቤተ ክርስትያንን መንግስታዊ ምትሕብባርን ካልኦት ጉዳያትን ዘማእከለ ክኸውን ኢዩ።