ድለ

2022.07.20 Diego Fares 2022.07.20 Diego Fares 

ኣባ ድየጎ ፋረስ ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ 66 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም!

ካብ 2016 ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ኣብታ ህብብቲ መጽሔት ኢየሱሳውያን ቺቪልታ ካቶሊካ ዝጽሕፉ ዝነበሩ ኣባ ድየጎ ፋረስ ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ 66 ዓመት ዕድሚኦም ዚሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሮማ ከምዝዓረፉን ‘ልዑል ተውህቦ ጥበብን ዋዛ ምስ ቊምነገርን ሓይሊ ብርዕን’ ከምዝነበሩ ዋና ኣሳናዳኢ እታ መጽሔት ኣባ ኣንቶንዮ እስፓዳሮ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ሰብ መምስ ሞተ ደኣ ዝነኣድ ኰይኑ ነፍሰኄር ኣባ ድየጎ ፋረስ ቀንዲ ዝፍለጡሉ ብቅርበቶም ከምዝኾነ እዚ ‘ቅርበት ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅርበት ምስ ኢየሱስን’ ከምዝኾነ ብዙሓት ካብ ደቂ ማሕበሮም ዝገልጽዎ ወዲ ዓዶም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ከማኦም እውን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ብምዃን ነቲ ቅዱስነቶም ብቃልን ብግብርን ዝደጋግምዎ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኰንካ ምስ እተገልግል ኣብ ጐድኒ ኢየሱስ ከምዘለኻ ኣረጋግጽ ዝብል ብሂል ቀንዲ መምርሒኦም ገሮም እንክጐዓዙ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበሪ ኢየሱሳውያን ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ከምዝዓረፉ ተመልኪቱ።

ኣባ ድየጎ ብ1976 ዓም ናይ ሎሚ ር.ሊ.ጳ ኣባ ኾገ ማርዮ በርጎልዮ ሓለቃ ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይቲ ቦታ ኮይኖም ከምዝተቀበልዎም ቀጺሎም ከኣ ኣባት ነፍሱን መኻሪኡን ኮይኖም ከምዝደገፍዎ መዛግብቲ ናይቲ ማሕበር ይገልጽ።

ሓሚሞም ምስ ተደነሱ እውን ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዝበጽሕዎምን ከምዘጸናንዕዎምን እንክምልከት ንመወዳእታ ግዜ ዚሓለፈ ዕለት 10 ሓምለ 2022 ከምዝበጽሕዎም ተገሊጹ።

ብ2018 ዓም ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ኣብ መንጎ ሕዝቢዶ ክርከብ እዩ ወይስ ናይ ሓሳብ ጉዳይ ጥራይ ኮይኑ ኣብ ደመና ክተርፍ ዝውስን ኣብ ሕዝቢ ዘሎና ቅርበት እዩ፣ ነዚ ቅርበት እዚ ቀስ ብቀስ ክነዕብዮ እንከሎና ጽቡቅ ልማድ ኮይኑ ብወርቂ ቀለም ከም እትጻሕፈ ታሪኽ እዩ` እንክብሉ ተመኲሮኦም ኣካፊሎም ነበሩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
21 July 2022, 13:32