ድለ

ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ፥ ናይ ሰላም ቦታ ምዃን! ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ፥ ናይ ሰላም ቦታ ምዃን! 

ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ፥ ናይ ሰላም ቦታ ምዃን!

ስለዚ እቲ ዓውደ ኣኼባ ምእመናን ኣብ ናይ ውሳነ መስርሕ ዘለዎም ተሳትፎ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ ምኽርን ማሕበረሰብ ምስትውዓልን ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር “ንዅሉ ዓይነት ማህሰይቲ ደው ንምባል” ምሕጽንታ የቕርብ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታ ካብ ዕለት 11 – 14 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ፍልዩ ዓውደ ኣኼባ ከም ዘካየደን፥ እዚ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስቆጳሳዊ ዋዕላ እዚ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ፍልልያትና ብምኽባርን ብሲኖዶውነት መንፈስ ንናይ ዘተ ባህሊ ንኽዕየ ይምሕጸኑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰማእትነትን ትንቢትን ዝጠልብ ኣዋን ስለ ዝዀነ”ቤተ ክርስቲያን ናጻን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ቢላ “ናይ ምራኻብ ባህሊ ኣብ ምግልጋል” ምእንቲ ክትጓዓዝ ወንጌል ብትብዓትን ብመሃዝነትን ኣገባብ ክትእውጅ ኣለዋ። ነዚ ዝበለ ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታ ነርባዕተ መዓልቲ ካብ ዕለት 11 – 14 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ፍልዩ ኣኼባ ዘካየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንስቓይን ሓጐስን ህዝቢ ተሃዋሲት ቤተ ክርስቲያን ክትህልው ብኣጽንዖት የመላኽት።

ስለዚ እቲ ዓውደ ኣኼባ ምእመናን ኣብ ናይ ውሳነ መስርሕ ዘለዎም ተሳትፎ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ ምኽርን ማሕበረሰብ ምስትውዓልን ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር “ንዅሉ ዓይነት ማህሰይቲ ደው ንምባል” ምሕጽንታ የቕርብ። ይዅን እምበር “ንድኻታት ዝበለጸ ኣማራጺ ከምእውን ክብረቶም ኪጸሉ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተግባር ምዅናን ስሌኦም ምጥባቕ” ከም ዘድሊ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ግጭት ሞት ከምኡ እውን ምብዳም ሓምላይ ሃብቲ ኣብ ዝረአየሉ እዋን እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት መላኣ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን “ቦታ ሰላምን ናይ ሓቂ ሕውነትን” ኰይኑ ተስፋ ብምግባር መንነት ብዘይ ምጥፋእ ፍልልያት ክኽበር ጻውዒት የቕርብ።

ናይቲ ዘይንጽል ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፍት የይነተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ እውን ኣብቲ ኣኼባ ከምእ ተሳተፉን ንሶም ድማ ነቶም ዚስደዱ ሰባት ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባልን ምዕቋብ ብምትብባዕ፡ ከምኡ እውን ናይ ምርኻብ ባህልታትን ሃይማኖታትን ፍልልያትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘተሓሳሰቡን ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮይኖም ናብ ዩክረይን ዝገበርዎ ምጻብሕ ጠቒሶም፡ ናይቲ ምብጻሕ ክቡር ዋጋኡ እውን ብምጒላሕ፡ “ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሎሚ ዘሎ ህዝቢ ዝፈላልይ ድኻታትን መከራን ሓጐስን ተስፋን ሓዘንን ጭንቀትን ከም እትርዳእ” ከም ዘዘኻኸሩን ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ሉሲዮ ሩዊዝ እውን ብወገኖም ኣብቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተተባበዔን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ህዳሴ ኣተኵይሮም፥ እዚ ሕዳሴ እዚ መልእኽቲ ወንጌል ብብቕዓት ንምቕራብ ዝብልን “ልዕሊ ኵሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኵለን ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራትን ገዳማትን ወንጌል ብምንባር ንእዋናዊ ሰብ ወንጌል ምብጻሕ እቲ ዝበለጸን ውጽኢታውን መገድታት ብትብዓትን ብብልሓት ክንደሊ” ዝሕግዝ ሕዳሴ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 July 2022, 16:12