ድለ

ጳጳሳት ኣፍሪቃ፥ ብዙሕነት ህይወት ናይ ምጥፋእ መሰል የሎን! ጳጳሳት ኣፍሪቃ፥ ብዙሕነት ህይወት ናይ ምጥፋእ መሰል የሎን! 

ጳጳሳት ኣፍሪቃ፥ ብዙሕነት ህይወት ናይ ምጥፋእ መሰል የሎን!

“ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ድህረ 2020 ዓ.ም. እቲ ህንጡይ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ህጹጽ ሸቶታት ንምጭማት ዝድርኽ ስጒምቲ ክወስድ ኣለዎ”

SECAM ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት - መንግስታት ሃገሮም ብዝሓ ህይወት ንምዕቋብ ህጹጽን ህንጡይን ስጒምቲ ኪወስዱ ዝምሕጸን መግለጺ ዕለት 21 ሰነ ከም ዘመሓላለፉን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘለዋ ኣመለኻኽታ ብሓደ ድምጺ ወግዓዊ ክትገብር ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንተፈጥሮ ፍጥረት ኣምላኽ ከምኡ እውን ነቶም ድኻታትን መሳኺንን ምክንኻን ተተሓሒዙ ክኸይድ ኣለዎ። ስለዚ መሰላት ደቀባት ኪኽበር ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ Laudato Si - ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም ዝበልዎ እዩ። “ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ድህረ 2020 ዓ.ም. እቲ ህንጡይ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ህጹጽ ሸቶታት ንምጭማት ዝድርኽ ስጒምቲ ክወስድ ኣለዎ” እንክብል ነቲ ኣብ መወዳእታ 2022 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ዛዕባ ብዙሕነት ህይወት ንኽመክር ዝተጠልበ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝዝትይ መበል 15 ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕለት 21 ሰነ ኣብ ሃገረ ኬንያ ርእስ ከተማ ናይሮቢ ድሕሪ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ሰነድ ከም ዘመላኸተ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ኣብ ናይሮቢ ኣብ እተኻየደ ዓውደ ኣኼባ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዛዕባ ስነ መሓድሮን ተፈጥሮን ጒዳይ ኣባ ጆሽትሮም ኢሳክ ኩሪታዳምን ካልኦት ናይ ኤቅለስያውያንን ምስ ስነ ምህዳርን ተፈጥሮን ጸጋታትን እተተሓሕዘ ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝነጥፋን ዘተባብዓን ውድባት ዝወከሉ ኣካላት ከም እተሳተፉ ይሕብር።

ንመንግስታት ዝቐረበ ጻውዒት

ኣብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ዛዕባ ብዝሓ -ህይወት ዘለዋ ወግዓዊ ኣቅዋም ዝተነብረሉ ሰነድ፥ መንግስታት ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ብዝሓ - ህይወት ብፍላይ ከኣ ነቶም ሰሜናዊ ክፍለ ዓለም ኣብ ልዕሊ ብዝሓ ህይወትን ተፈጥሮን ካልእ ሃብትታት ምድሪ ኣብ ዝምልከት ዝኽተሎ ግብረ ምጥቃም ጸጋታት ግልጺ ዝኾነ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ከቕርቡ” ንሓትት ዝብል ሓሳብ ከም ዝሰፈረን፡ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢንዳስትሪታትን ሕርሻን ምብራስ ኣግራብን ብዝሓ ህይወትን መሬትን ኣብ ምጥቓም ዝኽተልዎ ግብረ ምዝመዛን ንድሕንነት ደቀባት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምዃኑ ብኣጽንዖት ተመልኪቱን ህጹጽ ኩነታት ኣየርን ብዝሓ ህይወትን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ምዃኑ እቲ ሰነድ ኣጒሊሑ ኵምራ ህይወት ዘጽንት እዚ ኸኣ ምውሳኽ ሙቐት ከይህሉ ኣብ ምግባር ዓቢይ ግደ ዘለዎ ኣብ ሃዋሁ ካርቦንዳይ ኦክሳይድ ንምስሓብ ዜኽልእ ቀንዲ ምንጪ ዘስእን እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ እተፈላለዩ ዓይነት ኣታኽልትን እንስሳታትን ዚወርድ ማህሰይቲ ነቶም ካብ ርሑቕ ዘመናት ኣትሒዞም ኣብ ምክንኻን ማሓድሮ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝሃስን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ግጭታት ዘምጽእ እውን ምዃኑ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ሰነድ የተሓሳስብ።

22 June 2022, 16:14