ድለ

2021.06.25 Papa Francesco - Udienza Sua Eccellenza Fra’ Marco Luzzago, Luogotenente di Gran Maestro del Sovrano Militare Ordine di Malta, e Seguito 2021.06.25 Papa Francesco - Udienza Sua Eccellenza Fra’ Marco Luzzago, Luogotenente di Gran Maestro del Sovrano Militare Ordine di Malta, e Seguito 

ዕረፍቲ ሓው ማርኮ ሉዛጎ ተካኢ ዓቢይ መምህር መንፈሳዊ ማሕበር ሠራዊት ማልታ!

ዓመት ይገብረ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይቲ ብማሕበር ሠራዊት ማልታ ዝፍለጥ መንፈሳዊ ማሕበር ክሳብ እቲ ብዓቢይ መምህር ዝፍለጥ ጠቅላሊ ሓለቃ ዝምረጽግዝያዊ ሓላፊ ክኾኑ ዝተመርጹ ሓው ማርኮ ሉዛጎ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ ቤትጽሕፈት እቲ ማሕበር ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ቤትጽሕፈት መንፈሳዊ ማሕበር ሠራዊት ማልታ ‘ብሞት ምፍላይ ግዝያዊ ተካኢ ቦታ ዓቢይ መምህር ናይቲ ማሕበር ዝኾኑ ሓው ማርኮ ሉዛጎ እንክነርድእ ብዓቢ ሓዘን እዩ’ እንክብል ሃንደባታዊ ሞት ሓው ማርኮ ገሊጹ። ናይቲ ማሕበር ሕጊ ዓንቀጽ 17 ከምዝእዝዞ ከኣ ክሳብ ተተካኢ በዓል መዚ ዝግበር ቦታኡ ዝሕዞ ዓቢይ ኣዛዚ ናይቲ ማሕበር ዝኾኑ ኮመንዳቶረ ሓው ሩይ ጎንሳሎ ዶ ቫለ ፐይኾቶ ደ ቪላስ ቦኣስ ኰይኖም ክሳብ ናይ ማሕበር ዓቢይ መምህር ዝምረጹ ብግዝያውነት ክመርሑ ክጸንሑ ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ከም ዝዝከር ሓው ማርኮ ሉዛጎ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዕለት 8 ሕዳር 2020 እዮም ነዚ ልዑል ሓላፍነት ብቅዱስነቶም ዝትሾሙ።

ካብ 1975 ክሳብ ዕለተ ዕረፍት ኣገልጋሊ ማሕበር!

ሓው ማርኮ ሉዛጎ ብ1950 ኣብ ብርሽያ ዝበሃል ኣውራጃ ሃገረ ጣልያን ተወሊዶም ምስ ኣሕዋት ፍራንቸስካውያን ተማሂሮም ኣብ ዪኒቨርሲቲ ፓዶቫ እውን ሕክምና ከምዝተማህሩ ይግለጽ። ብ1975 ኣባል ናይዚ ማሕበር ንክኾኑ ኣብ ዞባ ሎምባርድያን ቨንዝያን ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቀዳማዊ ማሕበር ሠራዊት ማልታ ተጸንቢሮም ብ2003 ኩሉ መብጽዓታት እምነት ፈጸሙ።  ኣብቲ እቲ ማሕበር ዘካይዶም ሃገራውያንን ዓለምሓቆፋውያንን መንፈሳዊ ንግደታት ኣብ ሉርድስ ይኹን ኣብ ኣሲዝን ሎረቶን ተሳቲፎም። ብ2010 ምሉእ ብምሉኡ ነቲ ማሕበር ብምውፋይ ኣብ ቪላ ቺኮሊኒ ናይ ዝርከብ ማሕበር ገበዝ ኮኑ። ብ2011 ናይ ሮማ ዓቢ ቀዳማዊ ማሕበር ኣዛዚ ፍትሒ ኮኑ።  ካብ 2017 ክሳብ 2020 ኣማኻሪ ቅርንጫፍ ማሕበር ሃገረ ጣልያን ኮይኖም ኣገልገሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከም ተካኢ ቦታ ዓቢ መምህር ናይቲ ማሕበር ኮይኖም ክሳብ ናይቲ ሽዑ ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ማሕበር ዝፍጸምን ስዒቡ ንሎምዘመን ንመረጻ ዓቢይ መምህር ዝግበር ጉባኤ ክሳብ ዝግበርን ከገልግሉ ነቲ ቅድሚ ዓመት ዝሃብዎም ሹመት ንሓደ ዓመት ብምንዋሕ ኣጽደቁሎም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ግዜቲናብ ናይቲ ማሕበር ፍሉይ እንደራሴኦም ኰይኖም ዘገልግሉ ብፁዕ ካርዲናል ቶማዚ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ እዚ ማሕበር እዚ ዝህቦ ኣገልግሎት ምናዳ ኣብ ግብረሠናይን ረድኤት ሠራህተኛታትን ኣመስጊኖም እቲ ማሕበር ንእምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ምክልኻልን ንድኻታት ኣብ ምርዳእን ንሕሙማትን ናይ ሕብረተሰብና ተኣፈፍቲ ክፍሊ ድኻታትን ንዝህቦ ኣገልግሎት ከደንፍዕ ሓደራ ቢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

መንፈሳዊ ማሕበር ሠራዊት ማልታ!

እዚ ማሕበር እዚ ብ1048 ዓም ኣብ ቅድስት መሬት ከም ማሕበር ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ዝተማዕቈቡ ሕሙማት ዘቅዱስ ዮሓንስ ዝቆመ ገዳማዊ ማሕበር ኮይኑ ብ1291 ዓም ግን ቅድስት መሬት ምስ ተወረት መንበሩን መዕቆብ ሕሙማቱን ናብ ደሴት ቆጵሮስ ኣብ እትርከብ ከተማ ሊማሶል ስዒቡ ከኣ ብ1310 ኣብ ሮዲ ካብዚ እውን ስደትን መከራን ምስ ኮኖ ክሳብ 1530 ብዘይ ዝኾነ ቦታ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደሴት ማልታ ቦታ ረኸቡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋሁ ከኣ ነዛ ደሴት ቱርካውያን ከቢቦም ኣብ ዝሓዙሉ ግዜ ብዙሕ ሓገዝ ኣበርከቱ፣ ጸኒሖም ከኣ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ ሓሙሻይ ንመንበረ ጴጥሮስ ካብ ምስፍሕፋሕ ግዝኣት ቱርኪ ንምክልኻል ኣብ ዘቆሙዎ ሠራዊት ተጸንቢሮም ኣብቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 1571 ብተኣምር ማርያም ዝተፈጸመ ዓወት ለፓንቶ ተሳተፉ።

ብ1834 መንበሮም ኣብ ሮማ ኣቆሙ ናብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ደረጃ ከኣ ክብ በሉ። ኣብ ብዙሕ ሽግራት ከም ግንባር ቀደም ኮይኖም እንከገልግሉ ምናዳ ኣብ ክልተ  ውግኣት ዓለምን ካልእ ጸገማትን ዓቢ ኣበርክቶ እናገብሩ ሎሚ ኣብ 120 ሃገራት ዓለምና ተዋፊሮም ከምዝሠርሑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
09 Jun 2022, 13:09