ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ኦናየካን፥ ኣብ ናይጀሪያ ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ኣንጻር ዓመጻ! ብጹዕ ካርዲናል ኦናየካን፥ ኣብ ናይጀሪያ ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ኣንጻር ዓመጻ! 

ብጹዕ ካርዲናል ኦናየካን፥ ኣብ ናይጀሪያ ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ኣንጻር ዓመጻ!

መንግስትን በርገሳውያን ሰበ ስልጣናት ዜጋታት ተሓዊኾም ኣብ መደብደምታ ከይብጽሑን ዘድሊ መርመራ ክሳዕ ዚግበር ክጽበዩ ይሓትዎም ኣለዉ። ብርግጽ ምጽባይ ኣገዳሲ እዩ፡ ንዘለኣለም ክንጽበ ግን ኣይንደልን ኢሎም

ናይጀሪያዊ ብጹዕ ካርዲናል ጆን ኦናየካን ዕለት 5 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት እቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ኣስታት 23 ንሞት ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ንከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ዘቃልዔ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መሰረት ገይሮም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዙሕ ገበን ብዘይ መቕጻዕቲ ከም ዝተርፍን መንግስቲ ድሕንነት ውሑስ ንምግባር ዓቕሚ ዘይብሉ ይመስል ቢሎም፥ ”መገዲ ሰላም ኣብ ምጽራግ ሃይማኖታዊ ዘተ ዓቢ ግደ ኣለዎ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ  - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣብ ናይጀሪያ ዕለት 5 ሰነ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዙሕ ዘሰንበድ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ኣቡጃ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጆን ኦናየካን ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ናብታ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ኦዎ ናብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካቪየር ኣትዮም ብዝፈነውዎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣስታት 23 ሰባትከም ዝቐትሉን ኣብ ግዝኣት ኦንዶ እውን ቦምባዊ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸሙን ምስ ተሓበሩ ብኡንብኡ ሓዘኖም ከም ዝገለጹ እውን ብምዝካር፥ ኣብ ናይጀሪያ  ነዊሕ ተኸታታሊ ዓመጽ ዝመለኦ ፍጻሜታት እዋናዊ ኮይኑ ኣሎ ይብሉ።

ተሓታቲ መን ምዃኑ ዘይፍለጥ

“ናይቲ ዕለት 5 ሰነ እተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበለ ዋላ ሓደ ጒጅለ ከም ዘየለ ገሊጾም፥ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሓንን ካቶሊካውያንን ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቓዕቲ እምነቶም ዘየኽብሩ ዓያሹ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና  እያቶም ቢልካ ክሕለፍ የብሉን፡ ብትኽኽል ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዘጠመተ መጥቓዕቲ እዩ። እዚ እውን ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈጸመ ምዃኑ ጭቡጥ መረጋገጺ እዩ።

ርክብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምቛም ወሳኒ እዩ

እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ እዚ ነገረ እዚ “ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓድነት ንምቛም ኣብ እንገብሮ ሰናይ ጻዕሪታት ኣይሕግዘና እዩ፡ ይዅን እምበር ነቲ ዝቅጽል ጻዕርታትናን ርክባትናን ኣይዓግቶን እዩ። ነዚ ጸገም እዚ እንኰ መፍትሒ ክርስቲያንን እስላምን ኢን ድኢድ ተተሓሒዞም ኣንጻር እቶም ኣሸበርቲ ክቖሙን ክሓብሩን ዝብል ምዃኑ ንፍለጥ ኢና - ቢሎም - ናይቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጒጅለ እውን ኣይሃሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምዃኖም ይገልጹ” ኢሎም።

ኣብ መንግስቲ ዘይምትእምማን

መንግስትን በርገሳውያን ሰበ ስልጣናት ዜጋታት ተሓዊኾም ኣብ መደብደምታ ከይብጽሑን ዘድሊ መርመራ ክሳዕ ዚግበር ክጽበዩ ይሓትዎም ኣለዉ። ብርግጽ ምጽባይ ኣገዳሲ እዩ፡ ንዘለኣለም ክንጽበ ግን ኣይንደልን ኢሎም። ኣስዒቦም፥ መንግስቲ ግቡእ መርመራ ንምግባር ዘለዎ ክእልነት ዘየተኣማምን ከም ዝኾነን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክፍጸም እንከሎ መንግስቲ ብምኹናን ነቶም ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ምርሚሩ ንሕጊ ከቕርቦም እዩ ዚመባጻዕ . . . ንጽበ። ኣብ ናይጀሪያ ተሓታቲ ከይተቐጽዐ እዩ ዝተርፍ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ከምዚ ክኸውን የብሉን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን መራሕቲ ናይጀሪያ ዳግም ንኽምረጹን ናብ ስልጣን ንኽምለሱን እያቶም ዝጓየዩ፥ እቲ ምርጫ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ እንክብሉ  ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 Jun 2022, 15:38