ድለ

ሂላሪዮን ናይ ቡዳፐስት ሜጥሮጶሊታ ንኽዀኑ ተሰምዮም ሂላሪዮን ናይ ቡዳፐስት ሜጥሮጶሊታ ንኽዀኑ ተሰምዮም 

ሂላሪዮን ናይ ቡዳፐስት ሜጥሮጶሊታ ንኽዀኑ ተሰምዮም

ንፓትሪያርክ ክሪል ናይ ሚኒስትር ወጻኢ ጒዳያት ኰይኖም ዘገልገሉ ዘለዉ ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ሂላሪዮን ካብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ ናብ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ክዛወሩን ናይታ ከተማ ሜጥሮጶሊታ ክዀኑ

ናይ መላእ ሩሲያ ቅዱስ ሲኖዶስ ንናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኪሪል ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ሂላሪዮን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ናይ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤሳርቃ ርእሰ ክዀኑ ከም ዝመረጾም ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዳኒሎቭ እተኣከበ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ናይ ዕለት 7 ሰነ ውዕሎኡ ተኸታታሊ ውሳኔታት ከምዘመሓላለፈን መሓውር ገለ ዞባዊ ምምሕዳራት ክቀያየር ከም ዝወሰነን። እቲ ዝዓበየ ምቅይያር ድማ ን 13 ዓመት ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክፍሊ ወጻኢ ጒዳያት ሓላፊ - ማለት ንፓትሪያርክ ክሪል ናይ ሚኒስትር ወጻኢ ጒዳያት ኰይኖም ዘገልገሉ ዘለዉ ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ሂላሪዮን ካብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ ናብ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ክዛወሩን ናይታ ከተማ ሜጥሮጶሊታ ክዀኑን ካብቲ ቀዋሚ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያን ከምኡ እውን ካብቲ ናይ ምዕቡል ቅዱስ ቀርሎስን መጠዲዮስን ተቝዋም ስነመጽናዕቲ ዋና ኣመሓዳሪ ብምዃን ካብ ዝፍጽምዎ ዕማም ከዕርፉን ከም ዝወሰነ  ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ወግዓዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኮርሱን ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ ንሜጥሮጶሊታ ሂላሪዮን ክትክኡ እንክብል ከም ዝሓረዮምን ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ ቀዋሚ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መላእ ሩሲያን ሞስካን ከምኡ እውን ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ቢሉ ንናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኪሪል ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሓላፊ እንክብል ከም ዝሰመዮም ኣፍሊጡ።

08 Jun 2022, 14:57