ድለ

ኣባ ኻቪየር ካምፖስን ኣባ ዦኣኪን ሞራን ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኻቪየር ካምፖስን ኣባ ዦኣኪን ሞራን ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን 

መክሲኮ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ክልተ ኢየሱሳውያንን ሓደ ሰብኣይን ተቐቲሎም

ብመሰረት ቀዳማይ ጸብጻብ፥ እቶም ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሰብኣይ ዝህደኑ ዝነበሩ እሞ ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ ኣባ ካምፖስን ሞራን ድማ ኬዕቍብዎ ምስ ፈተኑ እቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቑ ናብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩን ነቶም ክልተ ካህናትን ብምቕታል

ዕለት 20 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ካቪየር ካምፖስን ዣዋኪን ሞራን ሓደ ኣጽዋር ብዝተዓጥቀ ሰብ ዝህደኑ ዝነበሩ ዜጋ ካብ መቕተልቲ ንኸድሕኑ ኬዕቍብዎ ክፍትኑ እንከለዉ ከም እተቐትሉን እቶም ሳልሳይ ዝተቐትሉ ካብቲ መቕተልቲ ዘምልጡ ዝነበሩ ምዃኖምን መንቶም ብወግዒ ከም ዘይተገልጸ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መቐተልቲ እቶም ክልተ ካህናት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ካቭየር ካምፖስን ኣባ ዦኣኪን ሞራ መክሲኮ ትነብሮ ዘላ ዘሰክፍ ከቢድ ዓመጻ ዝግለጽ ምዃኑን እቶም ኣብ ልዕሊ ክልተ ካህናትን እቶም ሳልሳይ ካብቲ ኣጽዋር ዝተዓጥቐ ዘምልጡ ዝነበሩ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣብ መክሲኮ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሰረካሁ ኣብ ዘሎ ሰራ ታራሁማራ ቝሸት ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ካብ መክሲኮ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ መቕተልቲ

ብመሰረት ቀዳማይ ጸብጻብ፥ እቶም ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሰብኣይ ዝህደኑ ዝነበሩ እሞ ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ ኣባ ካምፖስን ሞራን ድማ ኬዕቍብዎ ምስ ፈተኑ እቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቑ  ናብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩን ነቶም ክልተ ካህናትን ብምቕታል ከም ዘምለጠን ናይቶም ሳልሳይ ዝተቐትሉ ካብቲ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ዘምልጡ ዝነበሩ መንነት ገና ንጹርሕ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን

ኣብ መክሲኮ ሃገራዊ ቤት ካህናት ማሕበር ኢየሱሳውያን፥ “ሳራ ታራሁማራ ቝሸት ልክዕ ከም ኵለን ዞባታት እታ ሃገር ክሳዕ ሕጂ ዘይተቐየረ ዓመጽን ኣልቦ ውሕስነትን ጸጥታን ዘጋጥማ” ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ዝርከቡ ሞትን ማህሰይትን ከም ዝወርዶም” ዝፈልጥ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ በቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ከም ዝጓሀዩን ብርቱዕ ስቓይ እውን ከም ዘሕደረሎምን ነቲ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ መክሲኮን ንስድራ ቤት ምውታትን ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዓመጽን ስቓይን ደው ክብል እምሕጸን ከም ዝበሉ ገሊጹ፥ ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ግዝኣት ሰራ ታራሁማራ ብሰንኪ ንግድ ዕጸ ፋርስን ብሰንኪ ነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ዓመጽን ቅትለትን ብብርቱዕ ኣልቦ ውሕስነት ትናወጽ ከም ዘላ የመላኽት።

22 June 2022, 16:17