ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ኤኳዶር፥ “እንኮ መገዲ ምይይጥ እዩ!” ብጹዓን ጳጳሳት ኤኳዶር፥ “እንኮ መገዲ ምይይጥ እዩ!” 

ብጹዓን ጳጳሳት ኤኳዶር፥ “እንኮ መገዲ ምይይጥ እዩ!”

ብጹዓን ጳጳሳት ኤኳዶር፥ “ከም ጓሶት እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ መጠን፡ ምስ ህዝቦምን ኣብ መንጐ ህዝቦምን ዝጓዓዙ ምዃኖም ኣጒሊሖም፥ “በቲ ወንጌላዊ ፍቕርን ሓቅን ፍታሕን ምድግጋፍን ተደሪኽና ጸገማቶም ተስፋታቶም ወትሩ ንካፈል”

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤኳዶር ነቲ ፈደራላዊ ጥምረት ዜግነት ደቀባት፥ ጸረ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ላሶ ሕዝባዊ ተቓውሞ ንኸካይዱ ዝድርኾም ጠንቂ ዘይምርግጋእን ዓመጻን ኮይኑ ዘሎ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ሓሳት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ከም ቤተ ክርስቲያን ኤኳዶር መጠን፡ ንሃገራዊ መንግስቲ፡ ፈደራላዊ ጥምረት ዜግነት ደቀባት ማሕበራውን ፖለቲካውን ምንቅስቓሳት ኵለን ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣሰብኡትን ኣንስትን ልዕሊ ዅሉ ሓባራዊ ጥቕምን ድሕንነትን ናይቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምሕሳብ ብቝዕ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክተባባዕ ንዕድም፡” ነዚ ዝበለ ኣብ ኤኳዶር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ዘሰክፍን ዝተሓላለኸን ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት ብምጭናቕ ዝሓለፈ ዕለት 15 ሰነ ኣብቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፈደራላዊ ጥምረት ማሕበር ደቀባት

ኣብ ኤኳዶር ዘሎ ቀንዲ ፈደራላዊ ጥምረት ማሕበር ደቀባት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንቝጠባዊ ስጒምትታት ናጻዊ ስርዓት ቍጠባ ዝስዕቡ ናይ ርእሰ ብሔር ጊልየርሞ ላሶ ንምቅዋም መዓዝ ከብቕዕ ዘይተገልጸ ሓፈሻዊ ኣድማ ከም ዝኣወጀ ክንገር እንከሎ፡ በዚ መሰረት ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ካብ ሰኑዕ ክሳዕ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ ምሸት ፍሉያት ጒጅለታት ሓይሊ ጸጥታ ነቶም ናይ ፈደራላውዊ ጥምረት ማሕበር ደቀባት ኣቦ መንበር ሊዮኒዳስ ኢዛ፥ በቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዒቢ ምኽንያት ዝፍጠር ናይ ዘሎ ዕንወት ንብረት ተሓታቲ እንክብል ኣብ ትህቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም ከም ዝነበረን ንጽብሒቱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ምውጻእ ኢዛን ነቲ ተባሪዑ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ደው ከም ዘየበሎ ዜና ቫቲኣክን ምንጭታት ዜና ኤኳዶር ጠቒሱ የመላኽት።

ገለ ካብቲ እቶም ተቓወምቲ ዝሓትትዎ ቀንዲ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ደው ምባልን ሃገራዊ ንብረት ንናይ ግሊ በዓል ሃብቲ ምሻጥን መሰላት ደቀባት ምኽባርን ከምኡ እውን ዋጋታት መሰረታዊ ነገራት ንምቁጽጻር ዘኽእል ቀዋሚ መምርሒ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኤኳዶር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዋዕላ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቱ፥ “ንገዓር እቶም ዝሓሸ መነባብሮ ዝደልዩ ህዝብና ግዲ ይግበረሎም የሎን። እንተዀነ ግን እዚ እቲ ንዅሉ ብሉጽ ዝኾነ መነባብሮ እንሃንጾ ብዘተን ብምቕዳም ሓባራዊ ረብሓን ኢና እነረጋግጾ፥ ስለዚ ብሓባር ክንሃንጾ ዘሎና መገዲ መገዲ ዘተ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ዘተ ባህሊ

ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤኳዶር፥ “ንዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓምጻ“ ብምዅናን “ዝሓሸት ኤኳዶር ክንሃንጽ እንተ ደሊና ብመገዲ ዓመጽን ሁከትን ክንጓዓዝ የብልናን፡  ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክኮ ዝብልዎ፥ ግጭታት “ብናይ ዘተ ባህሊ” ጥራሕ ከም ዝፍታሕ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ዘተ ባህሊ “ከመይ ገርና ዘራኽብ ድልድል ከም እንሃንጽን ነቲ ዚፈላልየና መናድቕ ብኸመይ ከም እነፍርሶን” ዘኽእለና ምዃኑ ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ምሕጽንታ ተወኪሶም፥ “ህዝቢ ኤኳዶር ነዚ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ናቱ ገይሩን ነቲ ከም ኣሕዋት መጠን ዜቀራርበና ድልድላት ይሕነጽ” እንክብሉ ጻውዒት ዘቕረቡ ብጹዓን ጳጳሳት ኤኳዶር፥ “ከም ጓሶት እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ መጠን፡ ምስ ህዝቦምን ኣብ መንጐ ህዝቦምን ዝጓዓዙ ምዃኖም ኣጒሊሖም፥ “በቲ ወንጌላዊ ፍቕርን ሓቅን ፍታሕን ምድግጋፍን ተደሪኽና ጸገማቶም ተስፋታቶም ወትሩ ንካፈል” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

18 Jun 2022, 15:59