ቀዳማይ ዓለት ዳሊት ካርዲናል፥ ተልእኾይ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ድኻታት ቈልዑ ምሕጋዝ እዩ ቀዳማይ ዓለት ዳሊት ካርዲናል፥ ተልእኾይ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ድኻታት ቈልዑ ምሕጋዝ እዩ 

ቀዳማይ ዓለት ዳሊት ካርዲናል፥ ተልእኾይ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ድኻታት ቈልዑ ምሕጋዝ እዩ

እዞም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍቕሪ ብሓልዮትን ቀሪብካ ካብቲ ዝርከብሉ ትሑትን ሕሱምን መነባብሮ ንኽላቐቑ ትምህርቱ ክረኽቡ ምግባር ወሳኒ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ታሪኽ ህይወተይን ጸዋዕታይን ክምርምር ከስተንትን ክነብርን ብዓቢዩ ካብኦም ሓገዝ እረክብ. . . ህላወ ክርስቶስ ኣብ ድኻታት ጭቡጥ ስለ ዝኾነ

ካብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 27 ነሓሰ ማዕርገ ካርዲናል ክቕበሉ ካብ ዝሓረይዎም ሓደ ናይ ሃይደርኣባድ ኣብ ድቡባዊ ህንዲ እትርከብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ተላንጋና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤንቶንይ ፑላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ምሕራዮምን ተልእኾኦምን ኣማእኪሎም፥ ክሕረዩ ዘይሓሰብዎ ምዃኑ እሞ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብኦም እምነት ኣሕዲሮም ካርዲናል ክሰምዩኒ ምድላዮም ከሕጒሶም እንከሎ ዓቢይ ሓላፍነት ድማ እዩ፡ ተልእኾኦም ብዝተኻእለ መጠን ንብዙሓት ድኻታት ቈልዑ ምሕጋዝ ዝብል ምዃኑ ይገልጹ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ተልእኾ እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ዝንጸሉ እሞ በቶም ገዛእ ርእሶም ምሩጻት ገይሮም ብዝሓስቡ ዝንጸጉ -  ዘይትንከፉ ተባሂሎም ንዝግለጹ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባን ኣገልጋልን ምዃን ክርስቲያናዊ ጸዋዕታና ምዃኑ ንኸነስተንትን ይዕድሙና።

ብጹዕነቶም “ዳሊት” እትብል ቃል ሓደ ካብቲ ኣብ ህንዲ ዓበይቲ ቋንቋታት ተባሂሎም ካብ ዝፍለጡ ሳንስክሪት ቋንቋ ዝመጸ ምዃኑ ገሊጾም። ትርጒሙ ከኣ ዝተሰብረ ወይ እተጨቈነ ማለት እዩ፡ እዚ መጸውዕ እዚ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ደረጃ ኣዝዮም ትሑት ካብ ምዃኖም እተላዕለ ከም እተገሉ ወይ ካብ ኣርባዕተ ደርቢ ዘለዎ ማሕበረሰብ ሂንዱ ወጻኢ ተገይሮም ዝርኣዩ እያቶም። እዞም ሰባት እዚኣቶም መብዛሕቲኡ ግዜ “ዘይቅረቡ ወይ ዘይትንከፉ” ተባሂሎም ስለ ዝግለጹ፡ ኣደዳ ምዝመዛን ግፍዕን ኮይኖም ይርከቡ እንክብሉ ብጹዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ድኽነት ኣብ ህንዲ
ድኽነት ኣብ ህንዲ

እዞም 60 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ መጻኢ ካርዲናል ብጹዕ ኣቡነ ኤንቶንይ ፑላ፥ ዓሌታዊ ስርዓት ብብልሑታዊ መዳይ እንተ ተሳዕረን ብወግዒ ዝተሓከ እውን እንተዀነ ኣብ ብዙሓት ኵርናዕ ዓለምን ኣብቲ ንሶም ዝርከብሉ ግዝኣት ህንዲ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ጸዋዕታይ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሕትናን ምሕጋዝን ምግልጋልን እዩ፡ ኣብቲ ንሶም ዝርከቡሉ ግዝኣት ዘለዉ ውሁዳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም ውሕስ ክኽወን ምእንቲ ኣኽብሮት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዘገልግሉ ይሕብሩ።

“ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ንኽኸውን ካብቶም ዝሓረይዎም ሓደ ምዃነይ ምስ ሰማዕኵ ተገረምኵ፡ ካርዲናል ክኸውን ሓሲበዮን ሓሊመዮን እውን ኣይፈልጥን ስለዝ “ካርዲናል እንክብሉ ክሰምዩኒ ብዝያዳ ንኸገልግል እዩ”

ትርጒም ምሕራየይ፥ “ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ ፍቕርን ድንጋጸን ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ወሰናስን ህላወን ከተማታትን ንዝርከቡ ምግልጋል እዩ፥ ስለዚ ትርጒም ከምቲ ቅዱስነቶም ዝብልዎ - ንድኻታት ድኻ ቤተ ክርስቲያን” ዝብል እዩ። . . . ንዅሎም እቶም ብሕድሪ እተወሃቡና ሰባት ምግልጋል። ኣብቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ምስ ኢየሱስ ምርኻብ።

ድኽነት ኣብ ህንዲ
ድኽነት ኣብ ህንዲ

እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ስርዓት ዓሌታውያን ብወግዒ ተሓኺዅ እዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ግን ብሓቂ እንታይ እዩ?  ዓሌታዊ ስርዓት ከም እተሳዕረ ክንዛረብ ንኽእል ኢና፡ እንተዀነ ግን ገለ ማሕበራዊ ረቛሒታት ሕጂ እውን ኣሎ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ሕጂ እውን እተወሰነ ፍልልያት ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር፡ ተውህቦኦምን እተፈላለየ ንጥፈታቶምን ኣፍልጦ ክወሃቦ ብሓቂ ዝቃለሱ ኣለዉ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን እቶም “ዘይትንከፉ” ተባሂሎም ብሕብረተሰብ ዝግለጹ ዓሌት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ ኣይክእሉን እዮም ዝነበሩ። ሎሚ ኣብ ህንዲ ዘሎ መንግስቲ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ኣነ ዝመጻእኩለን ግዝኣታት ቴላንጋናን ኣንድራ ፕራደሽን ነዞም ድምኻታትን ዳሊትን እዚኣቶም ዝያዳ ኣጋጣሚታት ክወሃብ ይገብር ኣሎ፡ ክመሃሩን ከጽንዑን የተባብዖም እዩ። ብዛዕባ ሰብ ዘሎና ግንዛበ ምዕባይ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ኵሉ ማዕርነት ንምምጻእ ብዙሕ ምጽዓር የድሊ።

ኣብ ኣገልግሎትኵም ንህዝቢ ዳሊት ወይ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ህብዚ ህንዲ ብፍላይ ዝደረኸኵም ወይ ነባሪ ጦብላሕታ ዘሕደረልኵም ነገር እንታይ እዩ? ኣብ ሰበኻ ክርኖል እየ ተወሊደ፡ ኣብ ሰበኻ ካዳፓ ድማ ተማሂረ። . . . ጸዋዕታ ሓዲሩኒ ድማ ክሂነን እውን። ኣብ መደብ ሓገዝ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ድማ አገልግል ነይረ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት እንኰለዅ ምሕድግ ዝበላ ኣቛሻት ከምዘለዋ ተስተውዕል፡ ቀድም ዘይትፈልጦ ዘይኮነስ ብቐረባ ኣብ ምፍላጥ እዩ እትፍልልይ ዘምጽኣለይ ኣነ ኣካል ናይቶም “ዘይትከፉ ዝበሃሉ ሕብረተሰብ እየ። ነዞም “ዘይትከፉ” ዝብል ዘሰንብድ መጽዋዕ ዝወሃቦም ሰባትን ደቃቶምን ክንሕግዝን ኣብ ቁምስናታት ክንምህር ምስ ጀመርና ገሊኦም ምእመናን እውን መግቢ ብምቕራብ ነቶም ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክናብዩ ምስ ጀመሩ . . . እዞም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍቕሪ ብሓልዮትን ቀሪብካ ካብቲ ዝርከብሉ ትሑትን ሕሱምን መነባብሮ ንኽላቐቑ ትምህርቱ ክረኽቡ ምግባር ወሳኒ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ታሪኽ ህይወተይን ጸዋዕታይን ክምርምር ከስተንትን ክነብርን ብዓቢዩ ድማ ካብኦም ሓገዝ እረክብ።

ንእሽተይ እንከለዅ ሻብዓይ ክፍሊ ምስ ወዳእኩ ብድኽነት ምኽንያት ከቋርጽ ተገደድኩ። እንተዀነ ግን ተገዳስነት ዘሕደሩን ናብ ካዳፓ ዘምጽኡንን ትምህርቲ ንኽመሃር ዝሓገዙንን መብዛሕቲኦም ልኡካነ ወንጌል እያቶም። ተመሪቐ ትምህርተይ ምስ ወዳእኵ ምስቶም ንኽመሃር ዝሓገዙኒ ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰመዓኒ። እቲ ብዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ንኽምረቕ ዘብቅዓኒ ድማ ሓገዞም ምዃኑ ቀስ እናበለ ተሰቆረኒ። እዚ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ክኣቱ ደረኸኒ ካህን ምስ ኰንኵ ድማ እቲ ኣነ ዝረኸብክዎ ካልኦት ክረኽብዎ መታን ዘብቅዕ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ክዋፈር ከም ዘሎኒ ተሰመዓኒ . . . ።

ህንዳዊት ሕጻን ኣብ ጸሎት
ህንዳዊት ሕጻን ኣብ ጸሎት

እዚ ነቲ ሎሚ ትነብርዎ ዘለዅም ኣገልግሎት ደረኸኵም . . . ተራ ካህንን ተራ ልኡከ ወንጌል . . . ኣብ ተልእኾ ወንጌል ንዓሰርተ ዓመታት ምስ ኣገልገልኩ ንዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ድማ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተላኣኵ፡ . . . ምስ ተመልሰኩ ኣብ ናይ ሓገዝን ምትሕብባርን መደባት ተመዲበ ክገልግል ምስ ጀመርኵ ናይታ ከም ካህን ዝውከለላ ሰበኻ ኣባይቲ ትምህርቲ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ኰይነ ተመደብኵ ስለዚ ነቶም ትምህርቲ ክረኽቡ ዘይክእሉ ቈልዑ ንኽማሃሩ ክሕግዝን ከተባብዕን ምስ ጀመርኵ ዳርጋ 90 ካብ ሚእቲ ክበሃል ይከኣል እቲ ዘድሊ ግቡእ ትምህርቲ ኪረኽቡ ገርና ኢና። . . . ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘድልዮም ነገራት ከነማልኣሎም ዝግብኦ ብዙሕ ካልእ ነገራት እውን ኣሎ . . .

እንታይ ዓይነት ኣድልዎ ወይ ግፍዒ ርኢዅም? ኣብ ብሕታዊ ህይወተይን ቍልዕነተይን ብዙሕ ኣድልዎ እዩ ዘጋጠመኒ፡ ኣብቲ እቶም ዘይትከፉ ንበሃል እንቕመጠሉ ቝሸታት . . . ማይ ጸሚእና ክንስተይ ናብቲ እቶም “ደቂ - ዓበይቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌት ንኸይድ ንኣና ዝተፈልየ ማይ እንሰትየሉ ዒላ እውን ነይሩ። ገሊኣቶም ከኣ ማይ ኣብ ኢድና ኣፍሲሶም ካብ ኢንድና ክንሰትይ ይገብሩ ነይሮም። ምትንኻፍ ዘይብሉ። እዚ ዓይነት ኣድልዎ እዚ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይኰነስ ኣብ ምሕድግ ዝበላ ኣቝሻት እዩ ዝረአ። ሎሚ እዚ ጸገም እዚ ወይ ኣድልዎ ብዙሕ ኣይራኣይን።

ኣገልግሎትኵም ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ተሰሚዑኩምዶ ተፈልጡ?  ናይ ሃይማኖት ናጽነት። ዝዀነ ይዅን ህዳዊ ዜጋ ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ናይ ምቕባልን ምስኡ ተሰማሚዑ ናይ ምንባር ናጽነት ኣለዎ። ኣብ ህንዲ ተመክሮይ ከም ዚሕብሮ ናጻ ኢና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ እውን ዋላ ሓንቲ ወገን ኣይንሕዝን ኢና ክብል እኽእል። . . . ምስ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱን እስላምን ከምኡ እውን ንክርስትያን ዋላ ሓንቲ ኣድልዎ ስለ ዘይንገብረሎም ኣገልግሎተይ ኣብ ሓደገይና ኵነታት ኣይነበረን። ብማዕረ ምግልጋል! ንዅሎም ከም ደቂ ኣምላኽ ምጥማት።

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ብብዝሒ ህዝቢ ሃገረ ህድኒ ክርአይ እንከሎ ንኡሳን እያቶም ኵነታቶም ብሓፈሻኡ እንታይ ይመስል? ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ ገለ ገለ ስግኣት ይርአ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ህንዲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ህንዲ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ህንዲ ገለ ሓደጋታት የጋጥም እዩ። ገለ ጥርኑፋት ጒጅለታት ኣለዉ ጸገም ዝፈጥሩ። መንግስቲ ግን ይተሓበበረናን ይርድኣናን እዩ። ጸገማትና ፍታሕ ንኽርከቦ እውን ዝካእሎ እዩ ዚገብር። ኣብ ክርናታካ ኣብ ልዕሊ መግለጺ እምነት ክርስትና ብዙሕ መጥቓዕቲ ወሪዱ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ እውን ንመንግስቲ ኣቕሪብናሉ ድሕነት ምእንቲ ክንረክብ ክዓዪ ምዃኑ ተመባጺዑልና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 June 2022, 09:08