ድለ

ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስተንፍሶ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’ ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስተንፍሶ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’ 

ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስተንፍሶ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’

ብመሰረት እቲ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ሮማ ቀንዲ መንበሪኡ ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራን ምስጢረ ተክሊልን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተመርኵሱ

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቺታ ኑዎቫ - Città Nuova እተሰምየ ቤት ማሕተም፥ “ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዘሕልፈኦ ናይ ሕይወት ተመክሮታት ዝገልጽ - ተግባር ስድራ ቤት ሓደ ናይ ሕይወት ቅንስል” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዘብቀዔ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ እውን ነቲ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣበርክቶ ንምግባር ልዕሊ ኵሉ ድማ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝለገስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንብሮም ቃላት ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ክትርጐም ዝከኣል ምዃኑ ንምምልካት እተዳለወት መጽሓፍ ምዃና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስተንፍሶ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’
ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስተንፍሶ ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’

ብመሰረት እቲ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ሮማ ቀንዲ መንበሪኡ ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራን ምስጢረ ተክሊልን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተመርኵሱ ዝሓንጽ መደብ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ቤት ማሕተም ቺታ ኑዎቫ ካብ ኵለን ሃገራት ዝኣከቦ ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት ዝገልጽ ዛንታታት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጠርኒፉ ዘቕረቦ ሓባራዊ ፍቕሪ ኣብ ዝርከበሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ እቲ ዝኸበደ ብድሆታት ከጋጥም ከም ዝኽእልን ዘረጋገጽን ሰብኣይን ሰበይትን ዜጋጥሞም ቅልውላው ተኣማንነት ሓዳር ኣካለ ጒዱኣት ውላድ ዘጋጥሞም ሰብ ሓዳር ቍጠባዊ ጸገማት ስእነት ስራሕ ትምህርታዊ ዕዮ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት እርጋንን ርዕመትን ዝብሉ ብዝርዝር ዝትንትን ኮይኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ መኽፈቲ፥ “ንክርስቲያናዊ ስድራ ቤታት ንውህበት ሓዳርን ስድራ ቤትን ኣኽቢሮም ንኽርእይዎ ንከም ልግሲ ተወፋይነት ተኣማንነት ቃል ኪዳን ትዕግስቲ ዝኣመሰለ ስነ ምግባራዊ ክብርታት ዝመልኦ ድልዱል ፍቕሪ ክሕልዉን ምልክት ምሕረትን ቅርበትን ክኾኑ ንምትብባዕ፡” ስዒቡ እውን፥ “ኵሉ ሰብ ናብራ ስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይተፈጸመሉ ወይ ብሰላምን ብሓጐስን ኣብ ዘይፍጸመሉ እዋን ምልክት ምሕረትን ምቅርራብን ክኸውን ንምትብባዕ” ዝዓለመ እዩ።

23 June 2022, 16:12