ድለ

መዓልቲ አደታት! ኣደታት አበሰርቲ ትንሣኤ ነረን ሕጂ’ውን ይኹና!

ብድምጺ ንምክትታል!

መዓልቲ አደታት! ኣደታት አበሰርቲ ትንሣኤ ነረን ሕጂ’ውን ይኹና!

ንባባት፡ ግ.ሓ. 14፡21-27፥ ራእ 21፡1-5፥ ዮሓ 13፡31-35

አብ አመሪካ አብ ካልአይ ሰንበት ናይ ወርሒ ግንቦት “መዓልቲ አደታት” ተባሂሉ ክብዓል ብ1914 ዓ.ም ብፕረስደንት ዉድሮው ዊልሶን ተወሲኑ። አብ ካልእ ሃገራት እውን አብ ዝተፈላለየ እዋን ከም ብዓል ይኸብር እዩ። በዚ ዕለት አብተን ዘብዕልኦ ሃገራት ናይ አደታት አብ ምክልኻል ሃገር፥ አብ ምምዕባል ሃገር ዝተጻወትኦ ተራን ከምኡ መሰል ደቂ አንስትዮ ክኸብር ከምዘልኦ ዘኪሮም ይውዕሉ።

መዓልቲ አደታት ሃይማኖታዊ ብዓል አይኮነን ንኹለን አደታት እምነተን ብዘየገድስ ዝምልከት እዩ። ብዛዕብኡ ምስ እምነትና ዝኸይድ ትርጉም ምሃቡ ጥቕሚ አልኦ። አቦኻን አደኻን አኽብር ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ነዚ የጠቓልሎ እዩ። አደ ክትከብር ድላይ አምላኽ እዩ። “መሰል አደ ዝሕሉ መሰል ሃገር እዩ ዝሕሉ”። አደ ሃገር እያ። ሃገርን አደን ክልተ ክቕየሩ ዘይክአሉ እዮም።

አብ ሃገርና ጳጉሜን 3 ብናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ሩፋኤል መልአኽ ዝብዕለሉ አደታት አኽቢረንኦ ይውዕላ። ብሓንሳብ ኮይነን ቅዳሴ ይሰምዓ ከምኡ መግቢ ሰሪሐን ብሓንሳብ መአዲ አሓት ይሳተፋ። ብዝያዳ ክዓብን አብ ኩሉ ክንገርን ዝግብኦ ብዓል እዩ።

መዓልቲ አደታት አኽብሮትና ፍቕርናን ምስጋናና ነደታት እንገልጸሉ ፍሉይ ዕለት እዩ። በዚ ዕለት ንኹለን አደታት እንቋዕ አብዚ አብጽሓክን እናበልኩ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልክን። አደ ክትሕጎስ እንከላ ኩሉ እዩ ዝሕጎስ፥ አደ ክትጉሂ እንካላ ኩሉ ይጉሂ ምኽንያቱ አደ ማእከል ናይ ኩሉ ስለ ዝኾነት። ናይ አደታት ብዓል ናይ ኩላትና ብዓል እዩ። አብዚ ቍምስናና ከምኡ አብ ዝተፈላለየ ቦታታት እትርከባ አብ እነዕርጎ መስዋዕቲ ቅዳሴ እንዘከርና አብዚ ጊዜ ትንሣኤ መንፈስ ትንሣኤ ለቢስክን መስከርቲ አምላኽ ክትኮና ከምኡ ንስድራኽን ንቤተ ክርስትያንክን ክትመርሓን ክትሕብሕባን ሓደራ እብል።

እዚ መዓልቲ አብ እምነትና እንታይ ትርጉም አልኦ። ከም ካቶሊካውያን እንታይ ኢና እንዝክር ዘሎና። ንስለ ዝኽሪ ድዩ ወይስ ፍሉይ መልእኽቲ ከነምሓላልፎ ዝግብአና ነገር አሎ። አብ አብያተ ክርስትያናትና ዳርጋ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ አደታት እየን ዝሳተፋ። አብ ቤተ ክርስትያን ዘልአን ተራ ሓደ አይኽሕዶን እዩ። ስለዚ ብዛዕብአን ክንሓስብ ግቡእ እዩ። ሎሚ ኸአ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ።

አደ አብ ሕብረተ ሰብ ዝለዓለ ቦታ ዝሓዘት ፍጥረት እያ። መሰረቱ ኸአ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። እግዚአብሔር ከመይ ገሩ ንሰበይቲ ከምዝፈጠራ ክነግር እንከሎ “እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ንአዳም ከቢድ ድቃስ አውደቐሉ። ደቂሱ ኸሎ ኸአ ካብ ጎኑ ሓንቲ መሰንገለ ወሰደ። ነታ ሥፍራአ ድማ ብስጋ መልአ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ነታ ኻብ አዳም ዝወሰዳ መሰንገለ ሰበይቲ ገይሩ ሠርሓ እሞ ናብ አዳም አምጽአ አዳም ከአ እዚ ዓጽሚ ኻብ አዕጽምተይ ሥጋ ኸአ ካብ ሥጋይ እያ፥ ካብ ሰብአይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይተ ትብሃል በለ፥ ስለዚ ሰብአይ አብኡን አዲኡን ይኃድግ ምስ ሰበይቱ ኸአ ይወሓድ፥ ሓደ አካል ድማ ይኾኑ” ይብል።

ሰብ ብአምሳል እግዚአብሔር ተፈጢሩ ዘፍ 1፡27 “አምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፥ ብመልክዕ አምላኽ ፈጠሮ ተባዕታይን አንስታይን ገሩ ፈጠሮም”። ክብሪ ወድሰብ መሰረቱ አብዚ እዩ። ኩሉ ሰብ ይዕበ ይንአስ ነዚ ጸጋ እዚ ዝተዓደለ ስለ ዝኾነ ክኸብር ክፍቀር ኩሉ መሰሉ ክሕለወሉ ድላይ አምላኽ እዩ። ነዚ አምላኽ ዝሃቦ ህያብ ከሕድግ ስልጣን ዘለዎ የለን። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ግን ነዚ አምላኽ ዝሃቦ ክብርን ጸጋን ዝቕንጥጡ በብእዋኑ ተራእዮም ሕጂ እውን አለዉ። ንሰብ ኩሉ መሰሉ አሕዲጎም በቲ ንሶም ዝደልይዎን ዝብልዎን እምበር በቲ አምላኽ ካብ መጀመርያ ዝሃቦ ከይነብር መሰሉ ተገፊፉ ይነብር። አብ ስርዓት ግልያነት ሰብ አብ ደረጃ እንስሳን ንብረትን ተቖጺሩ ይሽየጥ ይልወጥ ነሩ። አብዚ እዋና ዝተፈላለየ መጋበሪታት፥ ስነ ሓሳባት ከምኡ ፖሎቲካዊ መምርሒታት ንመሰል ሰብ ዝግህሱ እሞ ንሰብ ንሕና ዝሃብናካን ዝበልናካን ጥራሕ ተቐበል እናበሉ ናቶም ትምህርትን ድለትን ጥራሕ ሒዞም ነታ አምላኽ ዝሃባ ህያባ ባዕሎም ዋናታታ ኮይኖም ዝነብሩ አብ ዓለምና መሊኦም አለዉ።

ነደታት ብዝርኢ እንተ ረኤና እውን ዝገደደ እዩ። ንድለት ሰብአይ ክተማልእ ከም ዝተፈጥረት ገሮም ዝርእዩ ውሑዳት አይኮኑን። በቲ አምላክ ዝሃባ ጸጋ ክንዲ እትኸብር ከም ሕስርትን ድኽምትን ፍጥረት ተራእያ ማዕረ ሰብአይ ክብርን ሓላፍነትን ከይውሃባ ብሕጊ መምርሒ አብ እምነቶምን አብ ስርዓት ምሕደርኦም ገሮም ዝካየዱ ዓለምና መሊኦማ እዮም። አብ አደታት ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ በደል ማእለያ የብሉን። እዚ ኹሉ መበቆሉ ነታ አምላኽ ንኹልና ዝሃባ ጸጋ ብምሕዳግና እዩ።

አብዚ ክነስተውዕለሉ ዘሎና መሰል አደታት ክብሃል እንከሎ ከምቲ አምላኽ ዝሃበን ብአኡ መሰረት መሰላት ምሕላው እምበር እዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ዘይናቱ መልክዕ ሂብካ ወረ ምንፋሕ ብዝያደ ነመሰልን ነጻነት አደ ምግሃስ እዩ።

መዓልቲ አደታት እምብአር ነቲ ካብ መጀመርያ አምላኽ ንሰበይቲ ዝሃቦ ክብሪ ክንሕሉ ዘንጊዕና እንተ አሎና ኸአ ክንምለስ ዘዘኻኽር እዩ። ከምኡ አደታት አብዚ ዕለት ነቲ አምላኽ ዝሃበን ጸጋን ዝተፈላለየ ህያባትን ከምቲ አምላኽ ዝሃበን ክጥቀማሉ መብጽዕኤን ዝሕድሳሉ አጋጣሚ እዩ።

ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ነደታት ብዝርኢ፡  

 

ቅዱስ መጽሓፍ ቃል አምላኽ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ከም ፍጡር አምላክ አልዒሉ ወይ አጉዲሉ ዝርእዮ የብሉን። ነፍስወከፍ ሰብ አብ ግራት አምላኽ ዓቢ አበርክቶ ክግብር ድላይ አምላኽ እዩ። ነደታት ብዝርኢ ድሕሪ ውድቀት አዳም በብግዚኡ ብዙሓት አደታት አብ ታሪኽ ድሕነት ዓቢ ተራ ተጻዊተን። አምላኽ ንድሕነት ህዝቡ አብ ታሪኽ ንብዙሓት ልኢኹ። አስተር ንአብነት ንህዝባ ካብ ጥፍአት ንጉሥ ፋርሳውያን አድሒናቶም። አብ ብዙሕ ተራ አደታት ዓቢ ምዃኑ ዘጠራጥር አይኮነን።

ገለ ካብተን አብ ብሉይ ኪዳን ብዝያዳ ዝንገረልን ክንጠቅስ፡

       ሳራ ሰይቲ አብርሃም፡

ሳራ አደ ይስሓቕ ንሰብአያ አብርሃም ብኹሉ ትእዘዞ ከምዝነበረት ነንብብ (ዘፍ 18~21)። “ሣራ ንአብርሃም ጎይታይ እናበለት ትእዘዞ ነበረት ንስኻትክን ከምኡ ጽቡቕ እንተ ገበርክን ገለ ነገር እውን እንተ ዘይፈራሕክን ደቃ ኢኽን” (1ጴጥ 3፡6) ዝብል ነንብብ። ንኹለን አደታት ጠባይን መገድን ሣራ ክሕዛ ቅ. ጴጥሮስ ይነግር። ሣራ ንአብርሃም አብ ኩሉ ብጸይቲ ሓጋዚቱ ኮይናቶ። አብ ስደት አብ ዓዲ ጓና ምስኡ ኩሉ ተሳቲፋ። አብ መጨረሽታ ይስሓቕ ብምውላዳ ወራሲ ሂባቶ ዝዓበየ ህያብ አደ።  

       አደ ሙሴ ነብይ፡ 

ንወዳ ካብ ቅትለት ፈርዖን ከመይ ገራ ከምዝድሓነቶ አብ ዘፅ 2 ነንብብ። አብ ምድሓን ሙሴ አብኡ አይጥቀስን እዩ አዲኡ እያ ነቲ ኹሉ እትገብር። ንወዳ ክተድሕን ዓቢ ጥበብ ገራ አድሒናቶ። ሙሴ ኸአ ንህዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ አውጺእዎም። ናይ ወላዲት ሓልዮትን ፍቕርን ንሞት አብ ሕይወት ይቕይር። አደ ሙሴ አብነት ናይ እተን አብ ጽንኩር እዋን ንስድርኤን ዝመርሓ አደታት እየን።

       ሓና አደ ሳሙኤል፡

ሃና መኻን ስለ ዝነበረት አምላኽ ውላድ ክህባ ኩሉ ጊዜ ትልምን ነራ። አምላኽ ውላድ እንተ ሃባ ንአገልግሎት አምላኽ ክተወፍዮ ምዃና መብጽዓ አትያ። አምላኽ ልመንአ ሰሚዑ ንሳሙኤል ሂብዋ። ጸሎታ አብ ቅድሚ አምላኽ በጺሑ ነቲ ዝአተወቶ መብጽዓ ኸአ ንውዳ ወዲ ሰለስተ ዓመት እንከሎ አወፈያቶ። ሳሙኤል ብኹሉ ንአምላኽ ዘሓጉስ ሕይወት እናመርሐ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ሳሙኤል ቅቡእ አምላኽ ኮይኑ ንእስራኤል ብመንፈሳዊ ሕይወቶም አብ ቅድሚ አምላኽ ዝመርሕ ዝነበረ ቅዱስ ናይ አምላኽ ሰብ እዩ ነሩ።

አብ ብሉይ ኪዳን ብዙሓት አብ ታሪኽ ድሕነት ዓቢ ተራ ዝተጻወታ ከም ብዓል አስተር ዮዳት ዝአመሰላ አለዋ። አብ ኩሉ እንርእዮ አደታት እውን አብ ድሕነት ታሪኽ ዓቢ ታራ ከምዝነበረን ንህዝበን ንስድርኤን ከድሕነ ዝገበራኦ ዓበይቲ ፍጻሜታት ንርኢ።

መጽሓፈ ምሳሌ 31፡10~ፍ

አብ መጽሓፍ ምሳሌ ናይ ሓንቲ አደ ጽልዋ አብ ስድርአ አብ ሕብረተ ሰብ ብግሉጽ ይዛረብ። አብዚ መጽሓፍ እቲ ነባርን ሃናጺን ነገር በደታት ክግበር እንከሎ እዩ ይብል። አደ ኩሉ እያ። ንሳ እንተላ ኩሉ አሎ ንሳ እንተ ተበገሰት ኩሉ ይሰልጥ። “አደ ኃያልን ክብርትን እያ በቲ ዝመጽእ መዓልቲ ኸአ አይትጭነቕን እያ፥ ብልዙብ አዘራርባ ጥበብ ትምህር”። ኵሉ ሕይወት አደ አብ ሕይወት ምልእቲ ስድራ አሎ። ናይ አደ ጠባይ፥ ኩሉ ናታ ዘበለ ንገዝአ ይጸልዎ። “ንሓንቲ ስድራ ክትፍልጣ ጣባይ አደ ሕተት” ይብሃል። መጽሓፍ ምሳሌ ብዙሕ ብዛዕበ አደ ይዛረብ።

አብ ሓዲስ ኪዳን፡

     ማርያም፡ 

ማርያም አደ ኢየሱስ ዝኸበረት አደ። ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝሕብረና ማርያም ካብ ኩልና ደቂ ሰብ ዝኸበርት ፍጥረት ከምዝኾነት እዩ። ንሳ አደ አምላኽ ብምዃና፥ ካብ አምላኽ ብዝተዋህባ ጸጋ፥ ባዕላ ብዝገበረቶን ንአምላኽ ከምዝሓጎሰት ንርኢ። አደ አምላክ ኮይና ንድሕነትና ንወዳ አብ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ሰዊዓቶ። ነታ ንሱ ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን አደ ኮይና መሪሓታ። አብ ኩሉ ሕይወት ክርስትናና ማርያም ዓቢ ቦታ ክህልዋ እንከሎ ምልአት አልኦ። ማርያም ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ከም አደ መጠን ትላበወና። ድላይ ወዳ ጽቡቅ ክንገብር ንኃጢአት ክንሓድግ እዩ። አደታት ብፍሉይ ብባህሪ አሓት ማርያም ስለ ዝኾንክን ማርያም መራሒትክን ክትገብርአ አብ ሕይወትክን ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ሉቃስ ማርያም ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ከም ዝነበረት ይነግረና (ሉቃ 2፡51)። አደ ታቦት እያ ይብሃል እዚ ማለት ከአ ንኹሉ እትጸውር ስለ ዝኾነት እዩ። አደ ብዘይ ሓበላ ዓይኒ ዘይትኽውሎ የብላን ይብል ምስላ ሃገርና። ንኹሉ አብ ልብኽን ምሓዝ ካብ ማርያም ተመሃርኦ።

       አደ ክልተ ደቂ ዘበዴዎስ፡

አብ ኢየሱስ ቀሪባ ክልተ ደቃ ሓዲኦም ብየማን ሓዲኦም ብጸጋም አብ መንግስቱ ክገብረላ ንኢየሱስ ለሚና። አድታት ንውሉደን ክብላ ዘይገብርኦ የብለንን። ደቀን ክዕወቱ አብ ዝለዓለ ክበጽሑ ዝክአልን ኩሉ ይገብራ። (ማቴ 2፡20~28፥ ሉቃ 22፡24~27፥ ማር 10፡35~41)።

       ማርያም መግደላዊት፡

ሓንሳብ ሕይወታ ቀይራ ንኢየሱስ ምስ ሰዓበቶ ድሕሪት አይጠመተትን። ክዋረድ ክስቀል ክመውት እንከሎ ከምቲ ንሱ ዝለዓለ ፍቕሪ ዘርአያ ንሳ እውን ዝለዓለ እምነትን ፍቕርን አርእያ። ድሕሪ ሞቱ አብ ኩሉ ደልያቶ ክሳብ እትረኽቦ ደው አይበለትን። ቀዳመይቲ አበሳሪት ትንሣኤ ንሳ እያ። ትውፊት ከምዝብሎ አብ መወዳእታ ብሰማዕትነት ከም ዝሞተት ይነገር።

       አደታት አብ ቀራንዮ፡

ኩሎም ወንጌላውያን ከም ዝሕብሩና ኢየሱስ አብታ መጨረሽታ ሰዓት ንኢየሱስ ብጽንዓት ዘሰነያኦ አደታት እየን። “ምእንቲ ደቅኽንን ምእንቲ ርእስኽንን ብኸያ እምበር ምስእንታይስ አይትብከያ እናበለ” አጸናኒዕወን (ሉቃ 23፡27~28)። አብ መስቀል እንከሎን ምስተቐብረን ደው ኢለን ዝዕዘባ ዝነበራ አደታት እየን። ልዕሊ ኹሉ መጀመርያ ትንሣኤ ዘበሰራ አደታት እየን። እዚ መሰረት ናይ ኩሉ ሰናይ ግብሪ አደታት ይገልጸልና። ምድንጋጽ ምብካይ ባህሪ ናይ አደታት እዩ። ነቲ ጨካን ሞት ኢየሱስ ርእየን ካብኡ አይተፈልያን ፍቕረን ብብኽያተን ገሊጸናሉ። እዚ ፍሉይ ህያብ እዩ። አብ ጽንኩር እዋን ፍቕርኻ ገሊጽካ ምኽአል።

       አደ ጢመቴዎስ፡

ጢመቴዎስ ካብ ዓባዩ ሎይድ ከምኡ ካብ አዲኡ ኤውንቄ ድልዱል ክርስትያናዊ መዕበያ ከም ዝረኸበ ቅዱስ ጳውሎስ አብ (2ጢመ 1፡5) ይነግረና። አደ ክትምህር እንከላ አብ ልቢ አብ ሕይወት እዩ ዝአቱ። ጢመቴዎስ እሙን ተኸታሊ ቅ.ጳውሎስ ኮይኑ አብ ንኡስ ዕድሚኡ ጳጳስ ኮይኑ መራሕ ቤተ ክርስትያን ከምዝነበረ አብ መልእኽቲ ብጳውሎስ ዝተጻሕፈት ንርኢ፥ እዚ ኹሉ ጥዕይቲ አደ ስለ ዘስተምሃረቶ እዩ።

       ቀዳሞት አደታት አብ ክርስትና፡

ክርስትና ብቐሊል አብ ኩሉ ክበጽሕ ዝኸአለ ብዙሓት አደታት ስለዝሰበኻኦ እዩ። ከም ብዓል ቅድስቲ አኘስ (304)፥ ቅ. አጋታ(250)፥ ቅ. ስስልያ (230) ብዙሓት ካልኦትን ብሰማዕትነት ከም ዝሞታ ታሪኽ ሰማዕታት ይነግረና። አብ ገዝኤን አብ ዓደን አብ ኩሉ ወንጌል ሰቢኸን። ዓበይቲ ቅዱሳን ከም ብዓል ቅ. ሞኒካ፥ ቅድስት ካተሪና ብዓልቲ ሴና፥ ቅ.በኪታ ሱዳናዊት፥ቅ. ክላራ፥ ቅ. ተረዛ ብዓልቲ አቪላ . . . . ብሕይወተን ብሰማዕትነተን ወንጌል ሰቢኸን።

       ናይ ዘመና አደታት፡

ስብከተ ወንጌል ሎሚ እውን ናይ አደታት ሱታፌ እዩ አብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ገርዎ ዘሎ። ሰብ ሓዳር አብ ቤተን ከምኡ አብ ምስዮናት አብ አገልግሎት ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ ንቤተ ክርስትያን ሕይወት ዝህባ አደታት እየን። አምላኽ ፍሉይ ጸጋ ሂብወን ብዙሓት ንዓለም ብትምህርተን ብሕይወተን ዝቐየራ አለዋ። ከም ብዓል ማዘር ተረዛ ከምኡ ማዘር አንጀሊካ ዝአመሰላ ናይ ዘመና መማህራን እምነት እየን። አብ ዓድና ሰብ ኪዳን አደታትን ከምኡ ብእናቴታ ዝፍለጣ አደታትና አብ እምነት ነፍሲ ወከፍና ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራልና ከምኡ ዘስተምሃራና ኩልና እንምስክሮ እዩ። ብዙሓት አደታት ገዝኤን ሓዳረን ቤት አምላኽ ገርን ዝመርሓ ከምዘለዋ ኩልና እንርእዮ እዩ። መሰረታዊ እምነትና ብእናቴታ ሃገርና ተማሂርና። አብ ቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ዘገልግላ ዳርጋ አደታት እየን። እምነት አደታት አብ ግብሪ ክትርእዮ ቀሊል እዩ። አደታት ሽልማት ቤተ ክርስትያን እየን። አደታት ዘይሳተፍኦ ቍምስና ጨው ዘይብሉ መግብን ሓደ እዩ።

መልእኽቲ ናይ እዚ ብዓል እንታይ እዩ፡

መጀመርያ አደ ምዃን ህያብ አምላኽ እዩ። ንሕና ደሊና አይኮናን አንስተይቲ ወይ ተባዕታይ እንከውን አምላኽ ስለ ዝደለዮ እዩ። አምላኽ ከአ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ክህበና እንከሎ ካባና ዝደልዮ ስለ ዘልኦ እዩ። በዚ ሕይወት እዚ መንግስቲ አምላኽ ክነስፍሕ እዩ ጸዋዕታና። አደታት እምብአር አምላኽ ንፍሉይ ጉዳይ እዩ ሓርዩክን ከምቲ ከድሕነና ምስ ደለ ንማርያም አደ ሓደ ወዱ ክትከውን ዝሓረያ ንአኽን ከአ ሓርዩክን። እንታይ እዩ አምላኽ ካባኽን ዝደልዮ።

·         ቅዱሳት ክትኮና። ህይወትክን መስካሪ አምላኽ ኮይኑ ክርከብ። እዚ ንኹልና ደቂ ሰብ ዝቐርብ መጸዋዕታ እዩ። ክርስቶስ ምእንታኽን መይቱ ደቂ ሰማይ ገሩክን። ክትቅደሳ ደቂ መንግስተ ሰማይ ክትኮና ድላይ አምላኽ እዩ። እዚ ምኽሪ አይኮነን ትእዛዝ እዩ። ክትሰምዓኦ ክትቅበላኦ ግድነት እዩ። ቅድስና ደሊኻ እትገብሮ ጸልኢካ እትሓድጎ ጉዳይ አይኮነን። ንአምላኽ ክንመርጾ ወይ ክንሓድጎ አይ ኮነን ፈጢሩና ናቱ ኮና ክነብር እዩ ድላዩ። እሞ አደታት ሕልናኽን ክትሓታ ሕይወትክን ክትግምግማ ሎሚ መዓልትኽን እያ። አብ ቅድሚ አምላኽ ከመሎኹ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲዶ ሒዘ አሎኹ ወይስ ተደናጊረ ጋሻ መገዲ ሒዘ እጉዕዝ አሎኹ ኢልክን ምስ ነፍስኽን ክትዛረባ እንተ ኸአልክን ካብ አምላኽ ርሑቓት አይኮንክን። ሎሚ ከቢዱ ዘሎ ሕልናኻን ሕይወትካን በበይኑ ኮይኑ እንከሎ ሓንቲ ከምዘይኮንካ ምንባር እዩ።

·         አበሰርቲ ትንሣኤ ክትኮና። ቅድስና ፍረ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። ቅድሚ ኹሎም ንጣዕሚ ትንሣኤ ዝረአያን ዘስተማቐራን ዝሰበኻን አደታት እየን። እተን ንሓዋርያት እዚ ዝነገራ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ማርያም ሰይቲ አደ ያዕቆብን ካልኦት አንስትን (ሉቃ 24፡10) እየን። ለይቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ዓዚዝወን፥ ሓዋርያት ብፍርሒ አብ ገዛ ተዓጽዮም እንከለዉ ንሳተን እየን አብ መቓብርን አብ ኩልን ንኢየሱስ ዝደልያ ዝነበራ። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ስርሓ አደታት ንኢየሱስ አብ ኩሉ ደሊኽን ክትረኽብኦ እሞ ንአና ክትነግራና። ሎሚ ኢየሱስስን ብዙሓት ጠፊእና አሎ። ገለና ገዝኡ ጠፊኡና ገለና ንስሙ እንአምኖ ገለና ኸአ ወሪኡ ስኢና አሎና፥ ከም ሓዋርያት ብፍርሒ ዓለምን ብኻልእ ዋኒናን ተሓቢእና አሎና እሞ አብቲ ቦታ ተሓቢእናዮ ዘሎና ንኢየሱስ አምጽአልና።

·         ቀንዲ ስራሕክን ምምህርና እዩ። ኩልና አደታትና ብዝመሃራና ኢና እዚ ሒዝናዮ ዘሎና። አብ ከርሳ እንከሎና ጀሚራ ክሳብ ዓቕሚ አዳም ወይ ሔዋን እንበጽሕ ዝበዝሐ ክፍሊ ሕይወትና እትምህረና አደና እያ። አደ ምምህርና እንተ ሓዲጋቶ ወይ እንተ ዘየላ ዝኽትምና ይአቱ ምስኡ ኩሉ ቅጽዓት ዝክትምና አትዩ ሕይወትና ይበላሾ። እሞ አደታት መማህራን ዘሎኽን ወይስ ዘንጊዕክን አሎኽን። ንፉዕ መምህር ንተመሃርኡ ሓንቲ ደቒቕ አይዝንግዕን እዩ። አደታት ክትዝንግዓ ካልእ ውራይክን ክዓዘክን ናታትክን አይኮነን። ስለዚ ንመገዲ አምላኽ እትምህራ ንፍልጠት እትምህራ ንሰብ ሰብ ክኸውን እትምህርኦ ንስኽን ኢኽን።

·         አብነት ኩና። አደ አብ ገዝአ አብ ቤተ ክርስትያና አብ ሕብረተ ሰባ አብነታዊት ክትከውን እንከላ ኩሉ እዩ ዝዕወት። ሕይወትክን ኩሉ ቃልክን፥ መንፈስክን፥ አብነታዊ ክኸውን ይግባእ። ቅዱስ ጵጥሮስ “መልክዕክን ግዳማዊ ብዝኾነ ማለት ብሥርሓት ርእስን ወርቂ ብምእሳርን ብኽቡር ክዳውንትን እይኹን፥ መልክዕክንሲ እቲ አብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን። እዚ መንፍስ እዚ ዘይበርስ አብ ቅድሚ አምላኽ ከአ ክቡር እዩ” (1ጴጥ 3፡3~4) ይብለክን። ኩሉ ነገርክን ሓላፍነት ዝመልኦ ፍርሃት አምላኽ ዝለበሰ ክኸውን ተቓለሳ። እታ ንሰማይ እትወስድ መገዲ ቀጣንን ጸባብን እያ። ስለዚ ትዕግስቲ ለውሃት ሰኒቕክን ቅዱስ ሕይወት ምርሓ።

·         ጸወርቲ መስቀል ኩና። ጣዕምን ምስጢርን መስቀል ቀዲመን ዘስተማቐራ አደታት እየን። “ኢየሱስ ንቀራንዮ ክስቀል ክኸይድ እንከሎ ገሊኤን አንስቲ ዋያዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ምስ ረአየ አብአን ግልጽ ኢሉ ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ብኸያ እምበር ምእንታይስ አይትብከያ”  (ሉቃ 23፡27~29) በለን። ኩሉ እቲ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዕን ውርደትን ይርእያ ዝነበራ አደታት እየን። እዚ ንምስጢር መስቀል ብዝያዳ ክርድአና ክፈልጣን አኽኢልወን። ሎሚ እውን አደታትን አሓትን እዚ ክትገብራ እዩ ድላይ ኢየሱስ። ንመስቀልክን ከቢድኒ ኢልክን አይተውርድኦ። አብ ገለ እዋን ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ክርአየክን እዩ አብ ገለ እዋን ከአ መስቀል ክትቅይራ ፈተና ክመጽአክን እዩ እንተኾነ ትርጉም መስቀል አይቅየርን እዩ እሞ ንዘሎክን መስቀል ጸርክን ከአላ። እሞ መስቀልይ ጸረ ንመድኃኒ እስዕቦ ዘሎኹ ኢልክን ሕይወትክን ርአያ። እወ መስቀለይ ጸረ እስዕበካ አሎኹ በላኦ።

·         ንኹሉ ብልቦና ምርሓኦ፡ ለባም አደ ምዓት ካብ ገዝአ ተርሕቕ፥ ለባም አደ ንዝተጋገየ ትመልስ። ለባም አደ ደፊራ ንጌጋ ገዝአ ትእርም። ጥዑይ ምኽሪ ካብ አደ እዩ ዝርከብ። ንሳ አብ ሕይወታ ዝያዳ ካልኦት አፍቂራ እትኽእል እያ። ንኹሉ ብዓይኒ ፍቕሪ ስለ እትርእዮ ሕነ ክትፈዲ ናይ ካልኦት ውድቀት ክትርኢ ባህርያ አይኮነን ስለዚ ንጸልማት አብ ብርሃን ንሓዘን አብ ምጽንናዕ ክትቅይር አምላኽ ዝሃባ ፍሉይ ጸጋ እዩ። ናይ ሎሚ አደታትከ እዚ ድዩ መለለይኽን ብፍላይ አብ ገዛኽን። አብ ዓለም እታ ዝሓመቐት አደ ገዝአ እተመቓቕል እያ፥ ነቦ ካብ ደቁ ንደቃ አብ ነነድሕዶም እትፈላሊ፥ ድኽምቲ አደ እያ። አደ ከም ጉሓፍ እያ ንኹሉ ክፍአት ገዝአ እትጸውር ንኹሉ ጌጋታት ገዝአ እትሰትር ያ ስለዚ ክቡራት አደታት እዚ መገዲ ሒዝክን እንተ ተጎዓዝክን አምላኽ ይሕጎስ ሕብረተ ሰብ ከአ ይዕረ።

እግዚአብሔር ንአዳም ምሉእ ክኸውን ኢሉ ሓፍቲ ሂብዎ። ተፈጥሮ አዳም ክሳብ ሔዋን እትፍጠር ምሉእ አይነበረን። ሔዋን እምብአር ንኹሉ እቲ ካብ አዳም ጎዲሉ ዝነበረ መሊአቶ። እንታይ እዩ ጎዲልዎ ዝነበረ ኢልና እንተ ሓተትና ጎዲልዎ ዝነበረ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ጸጋ አብ ግብሪ ከውዕሎ ዓቅሚ አይነበሮን። ሕልንኡ ድኹም አምላክ ዝደልዮ ክገብር ጎደሎ ነሩ። ሔዋን ህያብ አምላኽ እያ ነራ። ሓደ ሰብ ህያብ ክህበና እንከሎ ኩሉ ጊዜ ነታ ህያብ ክንርኢ ከሎና ነቲ ወሃቢ ንዝክሮ። ሔዋን ንአምላኽ እተዘኻኽር ህያብ አምላኽ እያ። አዳም እንተ ዘንግዐ ንአምላኽ ክተዘኻኽሮ ሓላፍነት ዘለዋ ሄዋን እያ። እዚ እዩ አምላኽ ብፍሉይ ንአኽን አደታት ዝሃቦ። ቤትክን አምላኽ ዘይዝከሮ ኮይኑ እንተሎ እትዕርያ ንስኽን ኢኽን። ሕብረተ ሰብ አብ መገዲ አምላኽ ክምለስ እተዘኻኽራ ንስኽን ኢኽን። ሎሚ ዓለምና ዘዘኻኽራ ውሒደንኦ ግዲ አልየን ኩሉ አብ እምነት ዛሕሊ ጥልመት ይበዝሕ አሎ እሞ መልእኽትኽን አይትረስዓ።

ናይ ሓቂ ደቂ ማርያም ኩና፡

ማርያም ብኹሉ አብነትክን ግበርአ። ማርያም እትመርሓ አደ ንኹሉ ክትክእል ጸጋ ክውሃባ እዩ። ማርያም ብፍሉይ ንአኽን ሓፍትኽን ብኹሉ ባህሪ ሰብ ከማኽን ስለ ዝኾነት ብዝያዳ ክትሰምዓክን ዕድል አሎክን። አብ ዓድና ንሓራስ እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ ንብል ብምኽንያቱ ማርያም ብክርስቶስ ምሕረት አምጺአትልና። ናይ ማርያም መንጎኝነት ንኹልና አድላዪ ይኹን እምበር ብፍሉይ ንአኽን የድልየክን እዩ። እሞ ሎሚ ኦማርያም አደና አብነትኪ ተከቲልና ንስድራና ብቕድስና ክንመርሕ ሓግዝና በልአ።

ቅ. ጴጥሮስ “ብዛዕባ እታ አባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓተኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ክትክእሉ ኹሉ ሳዕ ድልዋት ኩኑ፥ ግናኸ ብለውሃትን ብኽብርን ግበርዎ” (1ጴጥ 3፡15) ይብል። ንስኽን ኢኽን እተን አብአን ሓዲሩ ዘሎ ተስፋ መልሲ እትህባ። እቲ እትህብኦ ተስፋ ነቶም አብ ከባቢኽን ዘለዉ ብዝያዳ። ሰብ ኪዳንክንን ደቅኽንን።

ማርያም ሓደ ካብቲ መለለይአ ኩሉ ጊዜ ድልውቲ እያ ነራ። አምላኽ ካብአ ዝደልዮ መልሲ ክትህብ ተሰናድያ ትጽበ ነራ። ንስኻትክን ደቂ ማርያም ንሓቂ ንእምነትክን መልሲ ክትህባ ስንድዋት ኩና። “ዘይብሉ ክህብ አይክእልን እዩ” ሓንቲ አደ ክትህብ ክትመርሕ እንተ ኾይና መጀመርያ ንሳ ዝውሃብ ክህልዋ ይግባእ። ማርያም ምልእተ ጸጋ ስለ ዝነበረት ዝውሃብ ሕሉፍን ትሩፍን ነርዋ። ልክዕ ከም ማርያም ወላ አይትኹና እምበር ጸጋ አምላኽ ንኹሉ ክፉት እዩ ስለዚ ወሃብቲ ክትኮና እሙናት ደቂ ማርያም ኩና።

በዚ ፍሉይ ዕለት እምብአር ንኹልኽን ዝዓበኽን ዝንአስክን አደታት አምላኽ ብፍሉይ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍክን አትዩ ጸግኡ ይዓድልክን። እዋን ትንሣኤ ስለ ዘሎና እቲ አብተን ቅዱሳት አንስቲ ሓዲሩ ንምምስካር ትንሣኤ ከምዘብቅዐን ንአኽን ከአ መስከርቲ ትንሣኤ ይግበርክን። ንሕና አሕዋትክን ደቅኽን ብፍሉይ ጸሎት ነሰንየክን አሎና። አብ ኩሉ ሕይወትክን ምስ ምሉእ ጥዕና ሃሊኽን ክትሕግዛና ክትመርሓና ምእንቲ።

መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብ ኩሉ ይምራሕክን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                     

   

09 May 2022, 13:52