ድለ

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 30 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም (5/8/2022) ንዝተንሥአ ኢየሱስ አለሊኻ ምኽአል

መዝሙር፡ ወበእኁድ ሰንበት. . . . . . . አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ጌና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ዕብ 5:11-14። ፩ጴጥ 1:1-9፥ ግ.ሓ. 5፡27-41፥ ዮሓ 21:1-19።  ስብከት፤  ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡ ኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106።

አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር እንርእዮ እምነት ማርያም መግደላዊት እዩ፥ ንሳ ንመምህራ ክሳብ እትረኽቦ ብጸልማት ብቐትሪ አብ ኩሉ ክትደልዮ ንርእያ። ክሳብ እትረኽቦ አይዓረፈትን። ክትረኽቦ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ እምነትን ፍቕርን ገራ ስለ ዝደለየት ባዕሉ ረኺብዋ። አብዚ እዋን ትንሣኤ ኩልና ንኢየሱስ ክንደልን ክንረኽቦ ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። አብ ሕይወትና ከይረኸብናዮ ክነዕርፍ የብልናን። ከየለለናዮ ከይሓልፈና አዒንቲ ሕልናና ክፈተልና ኢልና ንለምኖ።

አብዚ ፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጎይታ ከም ዝኾነ ንሰብኽ፥ አብ እነዕርጎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሱ እቲ የዋህ በግዕ መስዋዕት ከም ዝኾነ ደጊምና ነረጋግጽ። ንሱ ኵሉ ስልጣን ክብሪን ግርማን ይግብኦ። ንባባትና ብፍላይ ካብ ዕብራውያንን ካብ ግ.ሓ. ዝተነቡ ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ዓቢ ነገር ብዝበለጸ ምስክርነት ይህቡ።

ግ.ሓ እቶም ፈረሓትን ተጠራጠርትን ዝነበሩ ሓዋርያት ዝዓበየን ዘደንቕ ነገራት ይገብሩ ከም ዝነበሩ ይነግረና፥ ብጴጥሮስ ተመሪሖም ነቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ምስክርነት አብ ቅድሚ ኩሉ ብዘይ ሰጋአት ሂቦም። እቶም ቅድም ዘፈርሕዎም ዝነበሩ አይሁድ ከይተረፈ ደው ከብልዎም አይከአሉን። አብዚ እዋን ፍርሒ ቀደም እዩ ነሩ እምበር ሕጂስ ብድፍረት ነቲ ዝአምንዎ ክሰብኩ እዮም ዝርአዩ። ጴጥሮስ ነቲ ሊቀ ካህናት ብትብዓት ከይፈርሐ ንሕና ናይዚ ነገር እዚ ምስክር ኢና፥ እቲ አምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ እናበለ ተዛሪቡ። አብ ሕይወቶም ኵሉ ውርደትን ዓመጸን እኳ ይውረዶም እምበር ጴጥሮስ ደጋጊሙ “ካብ ንሰብሲ ንአምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ” ኢሉ አብ ክርስቶስ ዘልኦም እምነት ገሊጹ በዚ ኸአ ዓላማ ዘልኦም ኮይኖም ንዝኾነ ናይ ሰባት ነገራት ነጺጎም ናይ አምላኽ ነገር ቀዳምነት ክህቡ ጀሚሮም። ካብዚ ንድሓር ከምቲ መምህሮም ክርስቶስ ንሞት ዝሰዓሮ ንሶም እውን ከም ዝስዕርዎ ምሉእ እምነት ነርዎም። አቋሞም ዘዘኻኽረና ንአምላኽ ምእዛዝ አብ ጸዋዕታና ጸኒዕና አብ እንገብሮ ኽግለጽ ከም ዝክአል እሞ በዚ ኸአ ንክርስቶስ ንምስክር።

ሰብ ሎሚ ነቲ ናይ አምላኽ ዘይኮነ ነገራት ክሰምዕን ክገብርን ብዝያዳ ይርአ። ሓዋርያት አብ ምሉእ እምነትን አፍልጦን ምስጢር ትንሣኤ ምስ በጽሑ ንነገራት ክርእዩ ስለ ዝኸኣሉ ንሓቅን እምነቶም ክገልጹ ፍርሕ አይ በሉን እኳ ድአ ምእንቲ እምነቶም ክዋረዱን ክሳቐዩን እንከለዉ ይሕጎሱ ነሮም። አብዚ ደረጃ እምነት ክንበጽሕ እንተ ኸአልና ጥራሕ ኢና ምሉእ እምነት አሎና ክንብል እንኽእል።

ዘመን ትንሣኤ ከም ሓዋርያት አብ እምነት ክንድልድል ንእምነትና ክነብሮ እሞ ንኻልኦት አብ እምነቶም ክጸንዑ ክንሕግዝ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥረልና እዩ። ፍርሒ ወይ ጥቕሚ እምነትና ካብ ምምስካር ክዓግተና አይግባእን።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሳልሳይ ጊዜ ከም ዝተራእዮም ይነግረና። ዓሣ እናገፈፉ እንከለዉ ተራእይዎም። ተስፋ ብምቑራጾም አብ ናይ ቀደም ሕይወቶም ተመሊሶም። ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ አብቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ እዩ ዝምለስ “ተሓጺብካ አብ ጭቃ” እዩ ነገሩ። ሓዋርያት በቲ ዝነበሮም ተመክሮን አፍልጦን ምሉእ ለይቲ ክገፉ ሓዲሮም እንተ ኾነ ሓንቲ ከይሓዙ ተመሊሶም። እዚ ዝኾነ ቀንዲ ምኽንያት ምናልባት እቲ ቀንዲ ስርሖምን ተልእኮምን ስለ ዝሓደጉ ክኸውን ይክአል እዩ። አንጻር እቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ተልእኮ ስለ ዝኸዱ እዩ፥ ተልእክኦም “ካብ ሎሚ ንድኃር ገፈፍቲ ዓሣ አይ ኮንኩምን ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” (ማቴ 4፡19) ዝብል እዩ ነሩ። ንተልእኮ ጎይታ ክቕጽሉ እምበር ስርሖም ክገብሩ አይ ኮነን ተልእክኦም።

ጴጥሮስ ኩሉ ኩነታት ደስ አይ በሎን “አነስ ዓሣ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” ኢሉ አብ ናይ ቀደም ስርሑ ተመሊሱ። ንሕና አብ ገለ እዋን ሕይወትና ምስ ቤተ ክርስትያን ዘሎና ርክብ ነዝሕሎ ወይ ነቋርጾ፥ አብ ገለ ጊዜ ኸአ አብ አምላኽ ዘሎና ተስፋ ነቋርጾ እሞ እምነትና ሓዲግና አብ ሰባት ንአምን። አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እዩ “ጎይታ እዩ እምበር” ዝብል ዘድልየና። ጎይታና ምሳና ከምዘሎ ክንሓስብ ተስፋና ክንሕድሶ እሞ እምነትና ኃይልን ብርታዐን ክህበና አብኡ ግልጽ ንበል።

ጴጥሮስ ጎይታ እምበር እዩ ዝብል ምስ ሰምዐ ኵሉ ተቐይርሉ። ጴጥሮስን ሓዋርያት ብጾቱን  አብ ትንሣኤ ክአምኑ ምስ ጀመሩ ኩሉ ነገራት ክቕየረሎም ጀሚሩ። አብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ነቲ ዘይንቕነቕ ዝመስል ዝነበረ መንግስቲ ሮማውያን ስዒሮሞ፥ ነገስታት አብ ቅድሚኦም ወዲቖም ነጋውስ ተአዝዝኦም አርእዮም። “ጎይታ እምበር እዩ” እትብል ንዅሉ ቀይራ ትብዓት ሂባቶም። ንጎይታ ርኢና እንተ ኸአልና ኩሉ ክበርሃልና እዩ ሽዑ ጉዕዞና ምስ ክርስቶስ ክንገብሮ ኢና።

አብዚ ክነስተንትን እንከሎና መጀመርያ ካብቲ አምላኽ ዝሃበና ጸዋዕታ ወይ ተልእኮ ወጺእና አብ ናትና አብ ድላይና ክንከይድ ከሎና ነገራት ፋሕ እዮም ዝብሉና። አምላኽ ዘይተሓወሶ ግብሪ ፍረ የብሉን። አብ ዓቕምናን ሃብትናን አፍልጦናን ተመርኲስና ጥራሕ እንተ ተጎዓዝና ፍረ አይ ክህልወናን እዩ መወዳእታኡ ክሳራን ባዶ ኢድካ ገዛኻ ምእታው እዩ። ሓዋርያት ምሉእ ለይቲ አብ ጸላም ክሰርሑ ሓዲሮም ሓንቲ አይሓዙን እዚ ነቲ አብ ሕልናና ጥራሕ ተመርኲስና ንአምላኽ ሓዲግና አብ ጸልማት ነፍስና ጥራሕ ክንዓይ ኮሎና እዩ ዘመልክት ስለዚ ሎሚ ምስ መን እዓዪ አሎኹ፥ ነቲ አምላኽ ካባይ ዝደልዮዶ እኽተል አሎኹ እናበልና ንርእስና ክንሓትት እንተ ኸአልና አብ ብርሃን ክንምለስ ኢና።

ኢየሱስ ቀጺሉ ንጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢሉ ምስ ሓተቶ ዕያውተይ አብልዕ. . . አባግዐይ ሓሉ ኢልዎ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ነቲ ሰለስተ ጊዜ ዝኸሓዶ ክቕይር ዕድል ከፊትሉ  ከምኡ ከምቲ ንክርስቶስ ዝበጽሖ ዕጫ ዝመሳሰል ከም ዝገጥሞ ክገልጸሉ ኢሉ እዩ ነዚ ኢልዎ። አብ መጓሰኡ ክሕሉ እንከሎ ምሉእ ተወፋይነት ከምዘድሊ ከረጋግጽ፥ ዕብየትን ግፍሕን ተልእክኡ ከብርሃሉ ኢሉ ሰለስተ ጊዜ ሓቲትዎ።

ንአና እውን መዘኻኸሪ አለዎ “ብዙሕ ዝተዋህቦ ብዙኅ እዩ ካብኡ ዝሕተት”። ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጽዋዔና ክሳብ ክንደይ ዓቢ ከም ዝኾነ እናገለጸ ከም አርድእቱ ምእንቲ ስብከተ ወንጌልን ኢልና ዝኾነ ውርደትን ዓመጽን ብትሕትና ክንቅበል ከም ዘሎና ይነግረና አሎ።

ጴጥሮስ ተፍቅረኒዶ ኢሉ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሓተቶ እወ ኢሉ መሊሱ። እዚ ሰለስተ ጊዜ እወ ዝብል መልሲ ነቲ ሰለስተ ጊዜ አብ ምጅማር ሕማማቱ ዝኸሓዶ ዝቕይር መልሲ እዩ (ዮሓ 18፡15-18, 25-27)። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መልሲ ኢየሱስ ነባግዑ ክሕሉ አዚዝዎ። እዚ ነቲ አብ ዮሓ 10፡1-21 እነንብቦ ኢየሱስ ንሱ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ነባግዑ ቀቅድሚአን እናኸደ ዝሕሉ ከምኡ ምእንቲ አባግዑ ነፍሱ በጃ ዝህብ ከም ዝኾነ ጴጥሮስ ከአ አሱሩ ክኽተል ከምዘለዎ ንምሕባር እንተ አድለየ ኸአ ክሳብ ሞት በጃ ክሓልፍ ከም ዝግብኦ ንምግላጽ እዩ።

ጴጥሮስ ከም ጓሳ ንመጓሰ ኢየሱስ ክመርሐን ክምግበን ካብ ዝኾነ አራዊት ክከላኸለለን አለዎ አብ መወዳእታ ከም ኢየሱስ ክሳብ ሞት ክበጽሕ እዩ በዚ ኸአ ንአምላኽ ክብሪ ክህብ እዩ። አብዚ እንርእዮ ወላ እኳ ብዛዕባ ናይ ጴጥሮስ ጉስነት ይዛረብ እምበር እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ግን ርእስኻ ምውፋይ ልዕሊ ዝኾነ ሓላፍነት አብ ቤተ ክርስትያን ዝውሃብ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ንምግላጽ ዝዓለመ እዩ። ንኢየሱስ ምኽታል ከም አገላልጻ ናይ እዚ ወንጌል ጓሳ ምዃን ንመጓሰ ምምጋብን ከምኡ ከምቲ ኢየሱስ አቐዲሙ አብ ሕይወቱ ዝገበሮ ምእንትአን ሕይወትካ በጃ ምሕላፍ እዩ።

ተፍቅረኒዶ? ዝብል ሕቶ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ይቐርበና አሎ። ሓደ ሰብ ከም ዘፍቅረና አብ ኵሉ ከሓጉሰና አብ ግብሪ ክንርኢ ከሎና ክንደይ ንሕጎስ። አብ ሰብ ሓዳር ብፍላይ አብተን ቀዳሞት እዋናት ሓዳሮም ብቃልን ግብርን ፍቕሮም ይገልጹ እንተ ኾነ ጊዜ እናነውሐ ምስ ከደ እቲ ፍቕሪ ዳርጋ አይግለጽን አብኡ እንከሎ ዝቕጽል ዘሎ ይመስል ግን ባህሪ ፍቕሪ ዕለት ዕለት ክኹላዕ አለዎ። ኢየሱስ ነዚ እዩ ዝሓተና ዘሎ ብስም ቃል ኪዳን አሰርና ወይ መዓርገ ክህነት ምንኩስናዊ ሕይወት ገበርና ፍቕርና ምሉእ አሎ ማለት አይ ኮነን። ፍቕርና ዝግለጽ ነቲ ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ ዕለት ዕለት ብዝተሓደሰ መንፈስ ክነብሮ ከሎና እዩ። እዚ እዋን አብ ጎደና ፍቕሪ ክንቀሳቐስ ዝዕድም እዋን እዩ። አምላኽ ከምእነፍቅሮ ከም ጴጥሮስ ዓው ኢልና አብ ርክባትናን አብ ተግባራትናን ክነርኢ አሎና።

ሰብ ሎሚ ካብ ኩሉ አጉዲልዎ ዘሎ ፍቕሪ አምላኽን ሰብን እዩ። አምላኽ ዳርጋ ከም ቀዳሞት ወለድና ብዘይ ብአኻ ምንባር ይሕሸና ኢልና ደፊርና ንአምላኽ ዘሕዝን ክንገብር ንርአ አሎና። አምላኽ ዝሃበና ሕግጋት ብሰብ ዝሰርሖ ክንቅይር ንባህርያዊ ሕጊ አምላኽ ከም ጌጋ ተራእዩ ነቲ ንሕጊ አምላኽ ዘፍርስ ሕጋጋትና አብ ግብሪ ክነተግብር ንርአ አሎና። ይቐይረልና አብ ዝብሃል ኢና በጺሕና ዘሎና። ከምኡ ፍቕሪ ሓውናን ሓፍትናን አብ ጥቕምን ናይ ጥዓመንን ጥራሕ ኮይኑ ሰብ ከም አራዊት ክጨኻኸን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሎሚ ንሰብ ክጠልም ክትዕምጽ ዝኾነ ክፉእ ነገር ክትገብር እንከሎኻ ዓወት ረብሓ ኮይኑ እዩ ዝርአ ዘሎ። እዚ ግን ጨሪሹ ንጥፍአትና ዘምርሕ እዩ። ንሓውናን ሓፍትናን ገፊዕና አይንዕወትን ኢና እኳ ድአ ከምቲ ንቃኤል ዝተባህሎ እንታይ ገርካ ኢኻ ድምፂ ደም ኃውኻ/ሓፍትኻ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ (ዘፍ 4፡10) ዝበሎ ይብለና አሎ።

ብዙሕ ክንምሃሮን ክንሓስበሉ ዝግብአና ነገራት አሎና። አብ ገለ እዋን ንጸዋዕታና ምእንቲ ካልእ ግዝያዊ ነገራት ወይ ጥቕሚ ኢልና አወንዚፍና ንነብር። አብ ክንዲ እንሕጎስ ከም ጴጥሮስን ብጾቱን ብዙሕ ስሪሕና አይንዕወትን አይንሕጎስን ውጽኢቱ አብ ተስፋ ምቑራጽ ንበጽሕ። ዝኸሰርና ኮይኑ ስለ ዝርአየና አብ መገዲ አምላኽ እንተ ዘይተመለስና ገራት እናጸልመቱን ሓርበቱናን ይኸዱ “አብ ሕመቕ ቦታ ወይ ጽቡቕ ነገር እናገበርና አብ ሕማቕ ጊዜ ንርከብ” ሽዑ ነገራት ይተሓዋወሱና። ንድላይ/ፍቓድ አምላኽን ንጸዋዕታና ክንሓድግ እንከሎና ምሉእ ለይቲ/መዓልቲ ከንቱ ኢና እንዓዪ። አብ ክንዲ ድለትና ንመንፈስ አምላኽ ጥራሕ እናሰምዕና እንገብር አብ ሰብአዊ ስምዒትና ወይ ድለትና ጥራሕ ተመርኲስና ክንጉዓዝ ከሎና አብ ሓሶትን ዝተታለለ ሕይወት ኢና እንነብር።

ከምቲ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ አብ መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ንርእሱ ዝገለጸሎም ንአና እውን አብ መአዲ ቅዳሴ ዕለት ዕለት ክነዕርግ ከሎና አብ መንጎና ቀጺሉ አሎ። አብ ቅዳሴ ብቀሊ ኅብስትን ወይንን ንህላዌ አብ አምላኽ አብ መንጎና ከም እንረክብ ገሩልና። ዘይምእማናን ኵሉ ድኽመታትናን ብዘየገድስ አብ መንጎና ክርከብ ደላዩ እዩ። አብ ቅዱስ ቍርባን እምነትና የጽንዓልና፥ ተልእኮና እናአዘኻከረ ከመይ ዝበልና ክንከውን ከምዘሎና ይነግረና።

በዚ ብሩኽ ሰንበት ኢየሱስ አብ ማእከልና ኮይኑ ተፍቅሩኒዶ ይብለና አሎ “እወ ነፍቅረካ” ንበሎ። በረኸት ትንሣኤ ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን አልቢሱ እሙናት መስከርት ትንሣኤ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     

 

ንዝተንሥአ ኢየሱስ አለሊኻ ምኽአል

ንባባት፡ ግ.ሓ. 4፡13-21፥ ዮሓ 21፡1-14

 

ሓደ ካብቲ ፍሉይ ህያባት አምላኽ አለሊኻ ምኽአል እዩ። እንስሳ ግዝያዊ ምልላይ አለዎም፥ ዋንኦም ገዝኦም፥ ውሉዶም ንዝተወሰነ ጊዜ ከለልዩ ይኽእሉ። ሰብ ግን ለባዊ ፍጥረት ስለ ዝኾነ ናይ ምልላይ ክእለቱ ልዑል እዩ። ፈታዊኡን ጸላኢኡን ከለሊ ይኽእል። አብ ከባቢኡ ንዘሎ ነገራት ፈላልዩ ክፈልጥ ይኽእል። አብ ገለ እዋን ግን ነቲ ጽቡቕ ገሩ ዝፈልጦ ዝነበረ ክጋገዮ ይኽእል። በዚ ኸአ እቲ ዝተገገ ይገርሞ ወይ እውን ይሓርቕ፥ ከለልዮ ዝግብኦ እንከሎ ስለ ዘየላለለዮ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምልላይ ዓቕሚ ይፈላለ እዩ። አብዚ ዘገድሰና ግን ንአምላኽ አላልሊኻ ዘይምኽአል እዩ።

ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ንብዙሓት ናይ ቀረባ ተኸተልቱ ምስኡ ዝበልዑ ዝሰትዩ ዝነበሩ፥ ንዓመታት ምስኡ ዝጉዓዙ ዝነበሩ፥ ብዙሕ ጊዜ አብ ዝተራእዮም ከለልይዎ ይጽግሞም ነሩ። ወንጌላውያን ነዚ ንኢየሱስ ዘይምልላይ ብብዙሕ መገዲ ይገልጽዎ። ልቦም ደንዚዙ ነሩ፥ ፈሪሖም ከለልይዎ አይክአሉን፥ ምትሓት ወይ መንፈስ ይመስሎም ነሩ፥ ንገለ ኸአ መንገደኛ ወይ ጋሻ ይመስሎም ነሩ፥ ገለ ኸአ ማንም ሰብ ይመስሎም ነሩ። ገሊአቶም ወላ አነ እየ ርአዩ አእዳወይን አእጋረይን ዝተሸከንከርክዎ ርአዩ እናበለ ይነግሮም ነሩ። ክልተ ንኤማሁስ ገጾም ዝኸዱ ዝነበሩ አብቲ ጉዕዞ መገዲ ተሓዊስዎም ምስኦም እናኸደ እሞ እናገለጸሎም እንከሎ ከለይዎ አይ ክአሉን። አብ መአዲ አብ ምቝራስ እንገራ ምስ በጽሑ ሽዑ አዒንቶም ተኸፍታ እሞ አላልዮሞ። ባዕላቶም ከም ዝብልዎ ቅ. መጽሓፍ ኩሉ ነብያት ዝበልዎ ብዛዕባ መስሕ ኽገልጸሎም እንከሎ ልቦም ይወቕዖም ነሩ ግን ከለልይዎ አይክአሉን። ማርያም መግደላዊት ኢየሱስ ሓላው አታኽልቲ መሲልዋ፥ ክሳብ ብስማ ዝጽውዓ ክተለዮ አይክአለትን። ነዚ ኹሉ አብ ግምት ምስ አእቶና እንበጽሖ ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ከላልይዎ ጸገም ነርዎም።   

ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስ አብ ቀላይ ጥብርያርዶስ አብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ እንከሎ ንሱ ኢየሱስ ከምዝኾነ ክፈልጥዎ ከምዘይክአሉ ይነግረና። ክሳብ ነቶም ኩሎም ዝሓዝዎም ዓሣ አብ ገምገም ምስ አውጽእዎም እቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ረድኢ እዩ ኢየሱስ ከም ዝኾነ አለልዩ ንጴጥሮስ ጎይታና እዩ ዝበሎ።

እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንኢየሱስ ከለልይዎ ዘየኽአሎም። ቅ. መጽሓፍ ብንጹር መልሲ አይህበናን። ኢየሱስ ብርግጽ ድሕሪ ትንሣኤኡ ግዙፍ ሰውነት ነርዎ እዩ፥ ብርግጽ አብዚ ምድሪ ይረግጽ ይኸይድ ይበልዕ ይሰቲ ነሩ፥ እዚ  ብልክዕ እቲ አብቲ አዳራሽ ቅድሚ ምስቃሉን ምማንቱ ዝነበሮ ልክዕ ሰውነት እዩ። ናይ ስቕለቱ ምልክት አቝሳል ዝጾረ እዩ ነሩ። ግን ከአ ፍሉይ ነገር ከአ ነርዎ። ኩላትና ከምእንፈልጦ ምድራዊ ሰውነትና ይበላሾ ይአርግ አብ ሓደ ብምድራዊ ቦታ ጥራሕ ዝተደረተ እዩ። ናይ ኢየሱስ ግርማ ሞገስ ዝለበሰ ሰውነት ግን ቅድሚ ሕጂ ወላ ሓደ ፈጺሙ ከምኡ ርእዩ ዘይፈልጥ እዩ። መንገሰተ ሰማይ ዘለዓለማዊ ሕይወት አብ ምድራዊ ሰውነት ምስኡ ተሰዂዑ ይርከብ።

ሰብ ካብዚ ምድሪ ምስ ሓለፈ ዝለብሶ ሕይወት ነዚ ዝስዕብ አብርባዕተ ነገራት ዝሓዘ እዩ።

  • 1.        ሰብ ድሕሪ ሞቱ ዝኾነ አብዚ ዓለም ዘሳቕዮ ዝነበረ ግዙፋዊ ክፉእ ነገር ካብኡ ነጻ እዩ (Impassibility)። እዚ ኸአ ከም ካብ ሕማማ ሞት ቃንዛ ኩሉ ስቓይ ነጻ እዩ። በዚ ኢና ሓደ ዝሳቐ ዝነበረ ሰብ ምስ ሞተ አዕሪፉ/ፋ እንብል። ግዙፋዊ ስቓይ አብዚ ምድሪ እዩ ዝተርፍ።
  • 2.     Clarity ስብ ምስ ሞተ ካብዝኾነ ጉድለት ነጻ ይኸውን በዚ ኸአ ብጽባቔን ብምንጽብራቕን ይሽለም። ድሕሪ ሞት እንገብሮ ክፉእ የለን። ድሕሪ ሞት ዝገበርናዮ ዓስቢ ኢና እንቕበል።
  • 3.     Agility ንቑሕ ምዃን፥ ነፍሲ ንሰውነት ብምሉእ ምልኪ ተንቀሳቕሳ በዚ ኸአ ነጻነት ምንቅስቓስ አሎ። ነገራት ብቕልጢፍን ብምልአትን ምርዳእ።
  • 4.     Subtility ሰውነት ጨሪሹ መንፈሳዊ ኮይኑ ብምሉእ አብ ትሕቲ ቍጽጽር ነፍሲ ይኸውን። ኃጢአት ኽገብር አይክእልን።

እዚ አርባዕተ ሓሳባት አብቲ ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ አብ ዝጸሓፎ ድሕሪ ሞት ዝህልወና ኽገልጽ እንከሎ ዝበሎ ብምልኡ ንረኽቦ። እዚ ነቲ ኢየሱስ ድሕሪ ሞቱ ንሓዋርያቱ ክርአዮም እንከሎ ዘርአዮ ሕይወት እውን ክንርዳእን ኽንገልጽን ይሕግዘና። ዝተንሥአ ኢየሱስ ልክዕ እቲ ዝፈልጥዎ እዩ ግን ከአ ፍሉይ እዩ።

ሓደ ምሁር ናይ ቅ. መጽሓፍ ተመራማሪ ነዚ ፍጻሜ ከስተንትንን ኽገልጽን እንከሎ ከምዚ እናበለ ይጽሕፍ ከምዚ እናበልካ ክሕተት ይክአል እዩ፥ ከመይ ኢሉ እዩ ዮሓንስ ንክርስቶስ አቐዲሙ ካብ ካልኦት ዘለለዮ ይብል እሞ ባዕሉ ከምዚ እናበለ ይምልስ ጴጥሮስ አብቶም ዝሓዞም ዓሣታት ጥራሕ እናጠመተ እንከሎ ዮሓንስ ግን አስተውዒሉ አብ ኢየሱስ ጠሚቱ፥ ኢየሱስ ከአ መጀመርያ ግልጸቱ ንዮሓንስ ገሩ ምኽንያቱ ዝነጽሐ ስለ ዝነበረ። አብ ሕይወት ርኢኻ ምኽአል ዝመስልዎ የለን። ብዙሓት ንኢየሱስ እንታይ ኽገብረልካ ትደሊ ምስ በሎም ክርኢ እደሊ ይብሉ ነሮም እዚ ኸአ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ክተለሊ ክትፈልጥ ንማለት እዩ። ንጹሓት ልቢ ንአምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም (ማቴ 5፡8)። አብ ቀዳመይቲ ሰንበት ማርያም መገደላዊት ንሬሳ ኢየሱስ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን ኢላ ምስ ነገረቶም ዮሓንስን ጴጥሮስን እናጎየዩ ኸይዶም ሽዑ ዮሓንስ ርእዩ አሚኑ ዝብል ነንብብ፥ እዚ ነቲ ውሽጣዊ ወይ እምነታዊ ምርአይ እዩ ዘመልክት ስለዚ ዮሓንስ ምስ ኢየሱስ አብ ፍቕርን እምነትን ዝተመስረተ ጥቡቕ ርክብ ነርዎ። በዚ እዩ ኵሉ ጊዜ ዘለልዮ ዝነበረ።

ትውፊት ከምዝብለና ካብ ሓዋርያት ዘይተመርዓወ ዮሓንስ ጥራሕ እዩ። አብ ርእሲኡ አብ ኢየሱስ ፍሉይ ፍቕሪ ነርዎ። አብታ ናይ መጨረሻ መአዲ አብ አፍልቢ ኢየሱስ ተጸጊዑ ነሩ እዚ ኸአ ምስኡ ዘነበሮ ርክብን ፍቕርን ዘመልክት እዩ። መጠን ዝያዳ ምቅርራብን አፍልጦን ምስ አምላኽ አብ ዝገበርናሉ፥ ብዝያዳ ዘስተንተናሉ፥ ዘመስገናሉን ንአምላኽ ዘፍቀርናሉን፥ እዚ ኸአ ብጸሎትን ንኻልኦት ብምግልግላልን ክኸውን እንከሎ መጠኑ ብዝያዳ ናይ አምላኽ ባህሪ ክነለልን ክንፈልጦምን ንኽእል። ንአምላኽ ክተለሊ አብ ምሉእ እምነት ዝደየብካ ክትከውን አሎኻ። እምነት ምሉእ እንተ ዘይኮነ ክነለሊ አይክአልን እዩ።

እዚ ተመራማራይ ቅ. መ/ፍሓፍ ቀጺሉ ንጹሕ ልቢ ማለት መጀመርያ ንጹሕ አእምሮ ካብ ኩሉ ትምኒታት ወይ ሃረርታታትን ናይ ሥጋን ዝንባሌን ነጻ ዝኾነ ማለት እዩ። ካልአይ ንጹሕ ሕልና ካብ ዝኾነ ናይ ኃጢአት ብከላ ንጹሕ፥ ካብ ሕማቕ ሓሳብን ሃረርታን ንጹሕ ዝኾነ. . . ሕማቕ ሓሳብ ብፍላይ ምጥፍፋእን ፈሪሳውነትን ዘይርከቦ ማለት እዩ ይብል።

ቅ. ዮሓንስ ንኢየሱስ አለልይዎ ምኽንያቱ ንኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ገሩ ስለ ዝረአዮ። ንሱ ጥራሕ እዩ ንኹሉ ጉዕዞ ቀራንዮ ካብኡ ከይተፈለ ክሳብ አብ መስቀል ሞቱ ደው ኢሉ ዝሰዓቦን ዘሰነዮን። ሎሚ እምብአር ነቲ አብ ዮሓንስ ዝነበረ ንጹሕ ልብን ፍቕሪ ኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ርኢና ክህበና ንለምኖ። በዚ ኸአ ንኢየሱስ አብ ኩሉ ዝጓነፈና አብ ጉዕዞ ሕይወት አለሊና ምስኡ ክንጉዓዝ ክሕግዘና ለምነልና ንበሎ።  

ምስጢር ትንሣኤ ክነሰማቕር አለሊና ክንክእል አሎና። አብ ሕይወት ከይነለሊ ዝኽልክሉና አለዉ ስለዚ ፈሊና ክንርእዮምን ክንፈልጦምን አሎና።

  • 1.       ካብ ኃጢአት ክነጽሕ አሎና።  ዓቢ ኃጢአት ካብ አምላኽ ይፈልየና መንፈሳዊ ሞት የልብሰና ሽዑ ምስ አምላኽ ርክብ ስለ ዘይብልና አብ መንፈሳዊ ጸልማት ንነብር። አብ ጸልማት ክትርኢ ክትከይድ ቀሊል አይኮነን፥ ብርሃን የድልየና ንሱ ኸአ ከም ብሓዲስ ምስ አምላኽ ክንራኽብ ጸጋ ክህልወና ይግባእ እዚ ኸአ ዕርቂ ምስ አምላኽ ብምግባር ንረኽቦ። ኃጢአትና ብንስሓ ሓጺብና አብ አምላኽ ክንምለስ እንተ ኽአልና ንአምላኽ ክንፈልጦ ክንሰምዖ አየጸግመናን እዩ።
  • 2.     ተመክሮ ምስማዕ ቃል አምላኽ የድልየና። ንፍቕሪ አምላኽ ንድምጺ አምላኽ ክነለሊ ተመክሮ የድሊ። ሳሙኤል ንእሽቶይ እንከሎ አምላኽ ምስ ጸውዖ ኤሊ ካህን ዝጸውዖ ይመስሎ ነሩ እዚ ኸአ ልምምድ ናይ ድምጺ አምላኽ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ምስ ፈለጦ ግን ኩሉ ጊዜ ሰሚዑ ይልአኽ ነሩ (1ሳሙኤል 3፡2-18)። ሳሙኤል እግዚአብሔር ዝበሎ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ገሩ ይነግር ስለ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ብሉይ ኪዳን ገሮም ይርእይዎ ነሮም። ንአምላኽ ክተለሊ ዕለት ዕለት ድምጹን ፍቕሩን ክትምስከር አሎካ።
  • 3.     አምላኽ ንዝብለና ክንሰምዕ አሎና። ሓዋርያት ኢየሱስ ደጋጊሙ ከም ዝመውትን ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ዝትንስእ ነጊርዎም ነሩ ግን ነዚ ከስምዑ ከስተብህሉ ጸጊምዎም። ብዙሕ ጊዜ ዝጽግመና ነቲ አምላኽ ዘርእየና ወይ ዝብለና ስለ ዘይንሰመዕን እንኽተልን ኢና። እስራኤላውያን ንአምላኽ ክሰምዑ ይኸብዶም ስለ ዝነበረ ክመልስዎም ነብያት በብእዋኑ ይልእከሎም ነሩ። ሎሚ እውን ክንሰምዖ ክነለልዮ ብቤተ ክርስትያኑ ይዛረበና አሎ ዝሰምዕ ልቢ ይሃልወና።
  • 4.     ካብ ሰብአዊ ፍርሒ፥ ርድኢት ክንርሕቕ አሎና። ሓዋርያት ሓደ ካብቲ ከለልይዎ ዘጸግሞም ዝነበረ ፍርሒ እዩ። ምስ ረአይዎ ምትሓት ወይ እውን ማንም ሰብ ኮይኑ ዝርአዮም ዝነበረ አብ ልቦም ፍርሕን ምጥርጣርን ይመልኮም ስለ ዝነበረ እዩ። እቶም ክልተ አርድእቲ አብ መገዲ ኤማሁስ ፈሪሖም ተስፋ ቆሪጾም ንምዕራብ ይሃድሙ ነሮም። ልብና ሕይወትና ምስተ ረበሸ እንገብሮ አይንፈልጥን ኢና ስለዚ አብ እምላኽ ክንምለስ አሎና ልብና ክረግእ።
  • 5.     እምነት ክጎድል እንከሎ። ጎደሎ እምነት ንአፍልጦናን ጉዕዞ ሕይወትና ስለ ዝጸልዎ ሓቂ ክንፈልጥ ይኸብደና። ሓዋርያት አብ ኢየሱስ ዝነበሮም እምነት ምሉእ አይነበረን በዚ ኸአ ኩሎም ብዘይካ ዮሓንስ አብ ጊዜ ምትሓዙ ሃዲሞም ገለ ኸአ ክሒዶሞ። ድሕሪ ትንሣኤ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ግን ምሉእ እምነት አብኡ ስለ ዘሕደሩ ብትብዓት ወንጌል ሰቢኹም መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት መይቶም። እምነት ኽጎድል እንከሎ ሓቂ አይፍለጥን በዚ እንገብሮን እንብሎን ሓቂ ይጎድሎ።

አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና አብዚ ቅዱስ እዋን ትንሣኤ ንኢየሱስ አለልየ እኽእል ዘሎኹ ክንብል ይግብአና። ሎሚ ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ነገር ሰብ ዳርጋ ጽቡቕን ሕማቕን፥ ምስ አምላኽ ምህላውን ዘይምህላውን ክፈላሊ አብ ዝጸገመሉ እዋን ኢና ዘሎና። ብዙሓት እምነት ዘይብሎም ወይ እውን ንአምን ኢና ዝብሉ ግን ምስ እምነት ዘይከይድ ሕይወት ሒዞም ክነብሩ ዝደልዩ፥ ወይ እውን ነቲ ክርስቶስ አነጺሩ ዝመሃሮን ብቤተ ክርስትያኑ ዝምህሮ ሓዲግካ ናትካ ሰሪዕካ እዚ እዩ ሓቂ እናበልካ ንብዙሓት ንኢየሱስ ከምዘየለልዩ ምግባር ዘሎና ከቢድ ጸገም እዩ።

እንታይ ንግበር? ንኢየሱስ ርኢና ክንክእል፥ አለሊና መገዱ ክንሕዝ ክንፈልጦን ክንምስክሮን እንታይ ንግበር? ፩ያ ህድእ ኢልና አብ ኢየሱስ ዝርከቦ ንቕረብ። አብ ቅ.መጽሓፍ አብ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ልዕሊ ኹሉ አብ ቅ. ቍርባን፥ ብሓባርን ብግልን አብ እንገብሮ ጸሎትን ሰናይ ግብርን፥ ንኹሉ ንሰብ ዘሳቒ ነገራት ክነጥፍእ ክንዓዪ ከሎና፥ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ በቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ ክንዝርግሕ ከሎና ግብሪ አምላኽን ብርእሱ አምላኽ ክንርኢ ክነለሊ ንኽእል።

ንሓደ ክትፈልጦ ክተለልዮ ዘይክአልካ ነገር ምሕታት ናይ ለባም ስራሕ እዩ። መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከም ዝብሃል ንመገዲ አምላኽ ዝፈልጡን ዝነብርዎን ክሕብሩካ ምሕታት አብ ምፍላጥ አምላኽ እዩ ዝመርሕ። ሓዋርያት ኪዱ አብ ምሉእ ዓለም ከድኩም ወንጌል ስበኹ ተባሂሎም። ንትምህርቲ ኢየሱስ ሰባት ክፈልጥዎ እሞ አብ አምላኽ ክምለሱ ክሕግዙ ተላኢኾም። አነን ንስኹምን ካብታ ዝተጠመቕናላ ዕለት ንድሓር ነዚ ሓላፍነት ለቢስና ሰባት ንክርስቶስ ክፈልጡ ብቓልና ብግብርናን ክንምስክር ክንሰብኽ ቃል አቲና።

እምነትና ዝመውት ወይ ዝድስክል ፍርሒ ምጥርጣር ድንቍርና ክመልኮ እንከሎ እዩ። ሰብ ዝፈርሕ አፍልጥኡ ወይ እምነቱ ጎደሎ ኽኸውን እንከሎ እዩ። ሓዋርያት አብ ቀዳሞት መዓልታት ትንሣኤ ጌና እምነቶም ድልድሉን ምሉእን አይነበረን፥ እቲ ንመምህሮም ዝወረዶ ከይወርዶም ፍርሒ ነርዎም በዚ ኸአ ክሕእብኡ ክሃድሙ ወይ እውን አብቲ ቀደም ዝሓደግዎ ሕይወት ክምለሱ ኢና እንርእዮም። ንሕና እውን ምሉእ ፍረ ትንሣኤ ክንቅበል ብምሉእ አብ ኢየሱስ ክንምለስ አሎና። ሰብ ኤማሁስ ንኢየሱስ ምስ ረከቡ ንድሕሪት ነቲ ዝሓደግዎ አብኡ ተመሊሶም። ንኢየሱስ አለልዩ ዝኽአለ ነዚ እዩ ዝገብር። ካብ ኃጢአት ካብ ቂምን በቐልን ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ወጺኡ ብምሉእ አብ ኢየሱስ ይምለስ። ነፍሲ ወከፍና ነዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ጥራሕ ኢና ደቂ ትንሣኤ እንኸውን።

ማርያም ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ነገር አምላኽ አለልያ ዝኽአለት እሞ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ሕራይ እናበለት ምሉእ መልሲ ሕይወት ዝሃበት እያ። ዝመጽአ መልእኽቲ ብርድኢት ሰብ ክትርእዮ ከሎኻ “ሰብ አደ አምላኽ ክትከውን ካብአ ክውለድ” ዝኾነ ዓቕሚ ሰብ ክበጽሖ ዝኽእል የለን፥ ማርያም ግን ካብ አምላኽ ዝመጽአ መልእኽቲ ከምዝኾነ ምስ ፈለጠት ሕራይ ኢላ ተቐቢላቶ በዚ ኸአ ዓባይ መምህር እምነት ንብላ። ንቃል አምላኽ ስለ ዘለልየት ቀልጢፋ መልሲ ሂባትሉ።

ኩልና ደቂ ትንሣኤ ሎሚ እውን ነቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ አለሊና ምስኡ ካብ ሕልፉ ሕይወትና ተንሢእና ሓደስቲ ፍጥረት ኮና ብርሃን ዓለም ክንከውን ዘዘኻኽር እዋን ኢና ዘሎና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ህላዌ አምላኽ አለሊና መገዲ አምላኽ ክንሕዝ እሞ ምስኡ ክንጉዓዝ ይግባእ። ንኢየሱስ ዘለለየ ቀዳመይቲ ዝገብራ ነቲ ዝአመኖ ንኻልኦት ምስባኽ እዩ። ሎሚ ዓለምና ዝሰብኩ በዚሖማ ብዙሕ ድምጺ እትሰምዓሉ ዘመን ኢና ዘሎና። ስለዚ ነቲ ሓቀኛ ድምጺ አምላኽ ክሰምዑ እንሰብኽን እንነግርን ንሕና ኢና እሞ አምላኽ ንአኻ ርኢና ክንክእል ሓግዘና ንበሎ። ማርያም መግደላት ብስማ ምስ ጸውዓ አላልልያቶ ድምጹ ስለ ዝትፈልጥ፥ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና በብስምና ይጽውዓና አሎ እሞ ነለልዮ ምስጢር ትንሣኤ ነጊርና መታን ክንክእል።

ብሩኽ ዘመን ትንሣኤ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሥ ፍሥሓ

   

 

07 May 2022, 15:47