ድለ

ቤተ መቕደስ ድንግል ማርያም ዘጽሞና መበል ካልኣይ ዓመቱ ተኸቢሩ ቤተ መቕደስ ድንግል ማርያም ዘጽሞና መበል ካልኣይ ዓመቱ ተኸቢሩ  

ቤተ መቕደስ ድንግል ማርያም ዘጽሞና መበል ካልኣይ ዓመቱ ተኸቢሩ

አዚ ቤት መቕደስ አዚ ብዕለት 13 ግንቦት 2020 ብናይ ሰበኻ ኣቨዛኖ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፔትሮ ሳንቶሮ ብመሰረት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ንጹር ሕቶ ናብቲ ንዘጽሞና ድንግል ማርያም እተወፈየ ቤተ መቕደስ ተቐየረ

እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣብ ኣቨዛኖ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብታ ስእሊ ዘጽሞና ድንግል ማርያም ዓቂባ ዘላ ቤተክርስቲያን ክኸውን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝተወሰነ ኢዩ። ሓለቓ ናይዚ ቤተ መቕደስ ሓው አሚሊዮ ኣንተኑቺ ፦ "እዚ ፍሉይ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝግበር መንፈሳውነት ተፈላጥነት እናረኸበን እና ዓበየን ይኸይድ ኣሎ። ስቕታ ሓቀኛ ተሓድሶን ፍሉይ ዝኾነ ናይ ዕቤት ሓይሊ ቤተ-ክርስትያን እዩ።" ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እታ ጽሞና ዝመንነታ እኖና ድንግል ማርያም ናይ ዕለታዊ ሕይወትና እኖ ኢያ፣ ከመይ ወትሩ ዓሚቝ ስቕታ ጽሞናን ማለት ሓድነትን ስቕ ምባልን ጸሎትን ምስትንታንን ንዘድልዮ መዓልታዊ ህይወትና ኣብነትና ክንዲ ዝኾነት ኢዩ። ቀዳም 8 ግንቦት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታገለ ክልተ ዓመት ይገብር ብተበግሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮ ኣብ ኣቨዛኖ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ ቤተ መቕደስ ድንግል ማርያም ዘጽሞና ኣብ እተገብረ ዋዕላ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካርዲናል ታግለ፦ ማርያም ብጽሞና ዝመልኦ ህላወኣ ዓው ኢላ ትጭድር 

እዞም ፊሊፒናዊ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ከምኡ ውን ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ካሪታስ ኢንተርናሲዮናሊስ ኣቦ መነበር ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፣ ማርያም "ምስ ኵለን እተን ምስ ደቀን ዓመጽ ዘሕለፋ ኣዴታት ኣብ እግሪ መስቀል" ክትጸንሕ ከም እትኽእል ገለጹ። ብጹዕነቶም ኣንክገልጹ "ማርያም ኣብ ጐድኒ እቶም ግዳያትን ኣዴታቶምንን ብምዃን ነዚ ዓመጻ እዚ ተቓወመቶ።" "ደጊም መስቀል ዓው ኢሉ ዚጭድር ዘይኮነስ፣ ንሱ በቲ ህላዌኡ ጥራይ ብስቕታ ኢዩ ዝጭድር"።   

መንፈሳውነት ኣብዚ ቤተ መቕደስ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ 

ቅድሚ ካርዲናል ታግለ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ እዚ ቤተ መቕደስ ኣብሩዞ ካብ መንጐ እቶም ኩሎም ካልኦት ዘአንገዶም ምስክርነታት ኣንድርያ ሞንዳ ናይ ኦሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ፣ የኔታ ሉስያኖ ኣሊማንዲ የኔታ ጊዶ ማሪኒ ከምኡውን ኣደ መንበር ናይ ቤተ ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ማሪየላ ኤኖክ ዝሃብዎ ምስክርነታት ኣአንጊዱ ኢዩ። አዚ ቤት መቕደስ አዚ ብዕለት 13 ግንቦት 2020 ብናይ ሰበኻ ኣቨዛኖ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፔትሮ ሳንቶሮ ብመሰረት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ንጹር ሕቶ ናብቲ ንዘጽሞና ድንግል ማርያም እተወፈየ ቤተ መቕደስ ተቐየረ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕላዊ ስርዓት ኣምልኾ ንኺግበር ዘቕረብዎ ሕቶ 

እዚ ዅሉ ኻብቲ ሎሚ ኣመሓዳሪ ናይዚ ቤተ መቅደስ ሓው ኤሚልያኖ ኣንቴኑቺ  ዝወሰድዎ ብተበግሶ እዩ ተረኺቡ፣ እዚ ድማ ብ2010 ነቲ ስእለ እግዚእትነ ማርያም  ብየማነይቲ ኢዳ ኣብ ከናፍራ ብምምልካት ስቕታ እተመልክት ብናይ በነዲክቶስ ደናግል ማሕበር ኣብ ደሴት ሳን ጁልዮ ዲኦርታ ምስ ተወፈየት ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ሰነ 2016 ሓው ኤሚልያኖ ነቲ ቀዳመይቲ ስእሊ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣቕረብዋ፣ ቅዱስነቶም ድማ ነታ ስእሊ ባረኾም ብድሕሪ እቲ ስእሊ ድማ "ብዛዕባ ኻልኦት ኣይትዛረቡ!" ዝብል ጽሑፍ ከቲሞም። ድሕሪኡ ብ2019 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሓለቓ ኣውራጃ ማሕበር ካህናት ካፑቺን ኣብሩዞ ደብዳበ ጸሓፉ፣ "ነዛ ዘጽሞና ድንግል ማርያም ዝከውን ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ ቦታ ቤተ ክርስትያን ርኸቡ" ድማ በልዎም። ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወርሒ እዚ ሎሚ መበል ካልኣይ ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ቤተ ቅዱስ ተመስረተ። ሎሚ ኣብታ ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን እቲ ስእሊ እግዝእትነ ማርያም ኣብ ልዕሊ መንበረ ታቦት ተዓቂቡ ይርከብ ኣሎ፣ ካብ መላእ ኢጣልያ ንዝመጹ ነጋድያን ድማ መስሕብ ኮይኑ ይርከብ።

መጽረዪት ልሳናት

“እዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ናይ ጸጋን ተኣምራታትን ኢየን ዝነበራ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንፈስውነት፣ ኣብቲ ሓው ኤሚልያኖ ንረድዮ ቫቲካን ዝሃቦ ርእይቶ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ንገጽናን ዘረባናን ከነጽርየልና ኽንሓታ እንኽእል ኣደ እዛ ናይ ጽሞና ድንግል ማርያም እያ። ስቕታ ሓቐኛ ተሓድሶን ፍሉይ ዝኾነ ሓይሎ ዕቤት ቤተ-ክርስትያንን እዩ።" "እዚ ኣነ ከም ሓለቃ ኮይነ ዘገልግለሉ ዘሎኹ ኣብ ዓለም ንዘጽሞና ድንግል ማርያም እተወፈየ ቤተ መቕደስ ናይ መጀመርታ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ፍሉይ መንፈሳውነት ስለ ዝነበሮም እዮም እዚ ክምስረት ዝወሰኑ። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅዳሕ እቲ ስእሊ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኸም ዘለዎም ካልእ ስእሊ ድማ ኣብቲ ቤ-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ቫቲካን ከም ዘሎ ውን ዝፍለጥ ኢዩ። ስቕ ምባል ናይ መጀመርታ ቛንቋ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ ካብ ካልኦት ንላዕሊ በዚ ቋንቋ እዚ እትዛረብ እኖና ድንግል ማርያም ኢያ ኢለ ብርግጽነት ዝኣምንን ዝምስክርን ዘሎለኹ።” 

ኣብ ምስጢር ንምጥሓል ስቕ ምባል 

ሮበርቶ ኢታሎ ዛኒኒ ዝተባህሉ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ንብዙሓት መንፈሳውያን ቦታታት ኣብ ምምርማር ልምዲ ዘልዎም እውን ናይዚ ቤተ መቕደስ እዚ ሰሓብነት ኣገንዚቦም መጽሓፍ ጽሒፎም ይርከቡ። ኣሰናዳኢ ናይታ ኣቨኒረ ናይ ኢጣልያ ብጹኣን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጋዜጣ ዛኒኒ ካብ መንጎ እቶም ንመጽሃፎም ክጽሕፉ ቃለ-መጠይቕ ዝገብሩሎም ሓው ኤሚልያኖ  ከምዚ ክብሉ ተረኽቡ - "ኣብ ኢጣልያ ካብ ጽላለ ሕልፍ ዝበለ ዝመስል መንፈሳውነት ፍቕርን ስቕታን ይርከብ።" "ኣብዛ ቦታ እዚኣ ምስ በጻሕኩ ስቕታን ጽሞናን ዓብዪ ትንቢታዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ፈለጥኩ። ኣገዳስነት እዚ ቤተ መቕደስ ስእሊ ዘጽሞና ድንግል ማርያም ዝርከበሉ ከም ምዃኑ እየ ዝኣምን። እቲ ደራሲ ኣስዒቡ "ብዛዕባ እታ ኣብ ከናፍር ድንግል ማርያም ዘላ ኣጻብዕቲ እታ ኻልአይቲ ኢድ ከኣ ብኽፉት ኢድ ናብቶም ተዓዘብታ ኸም እተመልክት ዘላ ዘርኢ ስእሊ እኖና ድንግል ማርያም ብዙሕ እዩ ዚንገረላ"። "ግናኸ እዚ ማርያም ዝገበረቶ ኣካላዊ ምልክታት ሓደ ነገር ጥራይ ከም ዚነግረና እኣምን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ምስጢር ኣንክንህሉ ስቕ ክንብል ከም ዘሎና ኢዩ። ስቕ ምባል ኣኽብሮት ስለ ዚሓትት ጥራይ ዘይኰነስ ስቕ እንተ ዘይበልና ንምስማዕ ውን ጽሞና እንተ ዘይገብርና ነቲ ምስጢር ክንርድኦ ወይ እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጥና ኽንጥሕል ስለ ዘይንኽእል እዩ።" 

ንመላእ ዓለም ዝከውን መንፈሳውነት 

ሎሚ እዚ ቤተ መቅደስ አዚ ከም መካነ ንግደት ኻብ ዝጅመር ዕስራን ኣርባዕተን ወርሒ ኣቑጺሩ ይርከብ ኣሎ፣ እቶም ሓለቓ ናይዚ ዘጽሞና ድንግል ማርያም ዝተወፈየ ቦታ ክጅመር ብዛዕባ ዝጋተሞምም  ኣጋጣሚታት ይዝክሩ። "ሓደ መዓልቲ ኣዒንተይ ኣብቲ 'ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ' ዚብል ክፋል ቅዱስ መጽሓፍ ቀው ኢለን ከንብባ ትዝ ይብለኒ። እዘን ቃላት ወንጌል አዚእተን ኣብቲ ኣብ ኣቨዛኖ ዚርከ ቤተ መቅደስ ከም እተጋህዳ ክምስክር ደስ ይብለኒ ፦ ትማሊ ኻብ ደቡብ ኮርያ ነዚ መንፈሳውነት እዚ ከስፋሕፍሑ ዚደልዩ ጽሒፎምለይ። ካብ ቻይና እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ከማኡ ክብሉ ጽሓፉለይ።" "ናብ መጻኢ እንክጥምት - ብምባል ሓው ኤሚልያኖ ሓሳባቱ ይገልጽ - እዛ ዘጽሞና ድንግል ማርያም እዚኣ ኣብ መላእ ዓለም ክትፍለጥ ተስፋ እገብር። ንመጻኢ ናይ ቤተ-ክርስትያን እውን ኣገዳሲ ምዃና እኣምን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሎሚ ብዙሕ ኣኼባታት ይግበር ኣሎ እቲ ምስ ሕልናን ውሽጥኻን ከማኡ ውን ምስ ካልኦትን ዝግበር ናይ ምሕዝነት ጥበብ ድማ ጠፊኡ ይርከብ።" 

14 May 2022, 14:28