ድለ

ሓባራዊት ቤትና ንዝኾነት መሬት ንምዕቃብ ገዓር ተፈጥሮ ጽን ቢልና ንስማዕ! ር.ሊ.ጳ

ስቡሕ አንተ ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ትእወጅ ድሮ ሸውዓተ ሓሊፉስ ብዙሕ ነገራት ከምዝተፈጸሙ ዝዝከር እዩ፤ ካብ ሕጻናት ክሳብ ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራት እዛ ሓባራዊት ቤትና ዝኾነት ተፈጥሮ ብዝገበርናዮ ዕንወት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ብምግንዛብ ንምክንኻናን ንዝተገብረ ጌጋ ንምእራምን ንዝተገብረ ዝተፈላለየ ምንቅስቃሳትን ዝገደፍዎ ኣሰርን ንምምልካት ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ጒዕዞ ብምምልካት እዛ መልእኽቲ እዚኣ ዘበርከተቶ ግደ ነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

እዛ ሓባራዊት ቤትና ዝኾነት ክንነብረላን ክንከናኸናን ሓደራ ዝተዋህበትና መሬት ሓደ ግለሰብ እንተትኸውን በዚ ወሪድዋ ዘሎ ኣደራዕ ኣብ ቤትሕክምና ኣትያ ነቲ ወደር ኣልቦ ስቃያን ቃንዛኣን ንምጽዋር ዝተፈላለየ ፈውሲ ቃንዛን ካልእ ሓይሊ ዝህብ ኢንፍዩዥንን ኣብ ቅልጽማ ተተኺሉ ምተዓዘብና። እቲ ዘገርም ክሳብ ክንድዚ ዘቊሰላን ዘማሰናን እቲ ክነብረላን ክከናኸናን ብ እግዚኣብሔር ሓደራ ዝተዋህቦ ወዲሰብ ምዃኑ እዩ፤ ምናዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዓ ሓምሳ ዓመታት እንታይ ወሪድዋ ኣሎ ኢሉ ኣብ ዘካየዶ ሃሰሳ ብከላን ሃንደበታዊ ለውጢ ክሊማን ጽንተት ናይ ገሊኦም ፍጥረታትን ዝገደደ ከኣ ሓንቲ ዓለም ክንሳ ብድኽነት ሰሜንን ደቡብን ተባሂላ ክትምዝመዝን ክሳብ ንሰብ ኣብ ምጒሓፍ ደረጃ ዝበጽሕ ናይ ምጒሓፍ ባህሊ ተጠርዩ ኣብ ባርነትን ምዝመዛን ሕጻናትን ደቂኣንስተዮን ድኻታትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ተበጺሑ። ብሓንቲ ቃል ዳርጋ መንሽሮ ሒዝዎ ኣብ መወዳእታ ሕይወት ንዝሰሓግ ሰብ መሲላ ኣላ። ከምቲ ዝኾነ ሓኪም ንኩሉ ፈቲኑ ኣብ ቅድሚ ዝመውት ምንም ክገብር ዘይክእሎ ደረጃ ከይብጻሕ የስግእ። ኣብዚ ከምዚ ኩነት እዩ እምበኣር ናይ ሎሚ ሸውዓተ ዓመት ይገብር ከምዛ ሎሚ ብዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ማሕሌት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብምንቃል ስቡሕ ኣንተ ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያዊት መል እኽቲ ብምጽሓፍ ነዛ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዘላ ሓባራዊትቢቤትና ዝኾነት ዓለምና ንምድሓን ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዝተኻእሎም ክገብሩ ሓካይም ኮይኖም ካብቲ ትሰሓጎ ዘላ ቅልውላው ከሕውይዋ ጻውዒት ኣቅሪቦም። እዚ በዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እዚኣ ዝቀረበ ጻው ዒት ኣብ ኅብረተሰብ ኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካትዊትቢቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጒዕዞ ፖሎቲካስ ይኹን ቊጠባ ኣብቲ ከም ሓንቲ ቊሾት ዘቅርባ ኣከባብያዊ መጽናዕቲ ትንቢታዊ ዝኾኑ ቃላት ኣስተንፊሳ።

ትንቢታዊ ቃላት!

ንኣዋጅ እዛ መልእኽቲ ስዒቡ ዝተራእየ ፍሕትሕት ዳርጋ ሸበድበድ ዝተሓወሶ ኰይኑ ዓለም ብምሉኡ በብዘለዎ ገለ እንተዘገበርዋ ሓቢርና ከይንጠፍእ ዘስግእ ስለዝኾነ ኩልና ብሓባር ክንዮ ዝኾነ እምነታውን ፖሎቲካውን ኣተሓሳስባ ቀዳምነት ንህላዌና ንሃብ ብማለት በብወገኖም ክወዳደቡን ጭቡጥ ስጉምታት ክወስዱን ተጀሚሩስ ክሳብ ብ ዓለምለኸ ደረጃ ሓባራዊ ሕውነት ብምፍጣር ነታ ስ ዒባ ዘርከበት ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና እትብል መል እኽቲ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፍጠር ኰይኑ። እንተኾነ ዕንቅፋት ዘይተርፍ ምዃኑ ዘረጋግጽ ክመስል ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከምዝበሃል ብ2019 ዓም ንመላእ ዓለም ካብ ኣፍ ዕንቚ ዘጽበበን ሕይወት ብዙሓት ዝቀዘፈን ሰፍ ዘይብል ቊጠባዊ ቅልውላው ዘስዓበን ለበዳ ኮቪድ 19 ሎምዘመን ከኣ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ንምውላዕ ዝደናደን ዘሎ ዓለምለኻዊ መልክዕ እናሓዘ ዝመጽእ ዘሎ ዘይተኣደነ ኣጽዋር ጽንተት ዝወጣወጠሉ ዘሎ ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎ ናይ ኩሉ ዕንወትን ጥፍኣትን ንኩሉ ኣብ ቅልውላው ኣውዲቁ ማለት ቊጠባውን ፖሎቲካውን ቅልውላዋት ንመላእ ዘመደ ኣዳም ኣሸቊሪሩ ንዕዘቦ ዘሎና ጒዳይ እዩ።

ቅዱስነቶም ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዘዘኻከርዎ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምናዳ ኸኣ ቅዱሳን ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ከማኡ እውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ደጋጊሞም ዝጠቀስዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲቢቤተክርስትያን ካብቲ ደቂሰባት ድሕሪ ሳዕሪ ኣይበቈል ዚዓይነቱ ቅጥዒ ኣልቦ ናብራ ክበራበሩ እሞ ከምቲ ንሶም ካብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝተረከብዎ እዛ ዓለም ናይ በይንና ዘይኮነ ንደቂደቅናን ድሕሪኦም ንዝመጹ ወለዶን እውን ስለዝኾነት ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣዕናዊ ዝናባሌ ኣሊና ነዛ እትደንቅ ትዕድልቲ መነባብሮ ዝኾነት መሬት ብዘይ ምንም ህርፋንን ጣዕሚ ጥራይ ምድላይን ኩልና ማዕረ ብዝኾነ መንገዲ ማለት ብዘይ ሌላን ጉሌላን ብውህደት ክንካፈላን ክንከናኸናን ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብምዝኽኻር ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስ መጽሓፍ ዝምህረና ዓለምና ካብ መልክ ዕን መስር ዕን ኣልቦ ባዶ ዘይኮነ ብመደብ እግዚኣብሔር ናብ ህልውና ዝተጸወዔ እዩ፤ እዚ ከኣ ብፍቅሩ እዩ። ስለዚ ህዋ ብምሉኡ ጽቡቅን ሠናይን እዩ፤ ነዚ ምስትንታን ናይ ፈጣሪ ጽባቀን መወዳእታ ኣልቦ ርሕራሔን ከም እንርኢ ይገብረና፤ ፍጡር ዘበለ ኩሉ ዋላ እታ ዝደቀቀት ብለውሃት እግዚኣብሔር ዝተፈጥረት ኰይኑ ነፍሲወከፍ ኣብዚ ዓለም ቦታ ከምዝህልዎ ዝገበረ ንሱ እዩ፤ ኩሉ ዝተኣሳሰረ እዩ፤ ስለዚ ብውህደት ንንበር ኢሎም ነበሩ።

ኩሉ ዝተኣሳሰረ እዩ! ቅልውላው እውን ከይተረፈ!

ቀዳማይ መልእኽቲ ስቡሕ ኣንተኸስ እቲ ቀደም በብመስር ዑ ከምዝተፈላለየ ጉዳያት ገቢርካ ዝረኤ ዝነበረ ሓደ ምዃኑ ስለዚ ከኣ ኢንተግራል ኤኮሎጂ ወይውን ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተታሓሓዘ ሓባራዊ ኤኮሎጂ ዝብል ኣምር ብምምሃዝ ኩሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኩለንትናዊ መጽናዕትን ክንክንክንን ክግበር ጸዊዖም፤ ማሕበራዊ ቅልውላውን ኣከባብያዊ ቅልውላውን ቢልካ ፈላሊኻ እትርእዮ ዘይኮነስ ሓደ ሶሾኢንቫይሮመንታል ማሕበረ ከባብያዊ ቅልውላው እዩ፤ ዓለምና ሓሚማ ኣላ ሰብውን እንተኾነ ኣይጠዓሞን ሕማም ጥሜት ሃንደበታዊ ሓደጋታት ተፈጥሮ ባዕሉ ዝፈጥሮ ብልሽውና ድሂኽዎ ናበይ ገጹ ከምዝኸይድ ከይፈለጠ ካብዚ ሓደጋታት ኪሃድም ይደሊ እንተኾነ ዘላቶ ዓለም ሓንቲ እዛ እንነብረላ ዓለም እያ፤ ካልእ ቅያር የልቦን ብማለት ኣበርቲዖም ምስ ጸሓፉ፤ ኩሉ በብወገኑ ነዚ ከጋውሕ ብዙሕ ጽ ዒሩ። ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን እውን ካብ ጻት ዓለም ናብ ጻት ዓለም ነዚ ብዝምልከት እንታይ ይገበር ከምዘሎ ዝተፈላለየዚዜናታት ኣቅሪቡ እዩ።

ዝተሓንጸጹን ዝተገብሩን መደባት!

እቲ ሓደጋ ብግህዶ ኣብ ድርኩዂት ነፍስወከፍ ምዃኑ ምስበርሄ ብደረጃ ሰበኻታት ረኪበ ጳጳሳት ወዘተ ብዙሕ መደባት ተገሩን ይግበር ኣሎን። ን ኣብነት ረኪበ ጳጳሳት ጋና ነቲ መንግሥቶም ‘ሓምላይ ጋና’ ብዝብል ወርሒ ሰነ 2021 ዘበገሶ ወፍሪ ብምድጋፍ ሓደ ሚልዮን ኣታኽልቲ ክትከል ዝገበርዎ ተበግሶ ይዝከር፤ ከማኡ እውን ነቲ ቅዱስነቶም ብ2015 ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ‘ንዕንወት ዱርን ምድረበዳነትን ንምክልኻል ኦም ምትካል ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ፤ እንተኾነ ነቲ ዘሎ ጒድለት ፍትሕን ውርድነትን ንምልዋጥ ብተግባር ገለ ንምግባር ተበግሶ ናይ ምውሳድ ምትእምማን የድሊ’ ንዝበልዎ ተኸቲሎም ኣብ ከንያ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ናይ ዝተፈላለያ እምነታት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣብ ካካመጋ ዝተገብረ ወፍሪ ፈልሲ ምስቲ ኣብ ናይሮቢ ንጐሓፍ ደጊምካ ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ብዝብል ዝተኸፍተ ማእከልን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ትካላትን ዘሕደሮ ጽልዋን ዝሃቦ ኣዎንታዊ ውጽኢትን ካልእን ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካል ኦት ዝማዕበላ ሃገራትን እውን ካብ ምጽራይ ኣከባብን ፕላስቲክ ካብ ገማግም ባሕሪ ምእላይን ምስትምሃርን ምንቅቃሕን ጀሚርካ ክሳብ ብደረጃ ሰበኻታት ተልእኮ ላውዳቶ ሲ ዝብል ምንቅስቃስ ብምቋም ኣብ ምክንኻን ኣከባቢ ብዙሕ ንጥፈታት ይካየድ፤ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ባህርያዊ መታካእታ ናይ ጸዓት ንምርካብ ዝግበር ግድል ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተገብረ ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ናሕሲ ኣድራሽ ጳውሎስ ምእካብ ጀሚርካ ብንፋስን ካልእ ካብ ብከላ ነጻ ዝኾኑ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ሲኖዶስ ኣማዞን ቤተክርስትያን ዘበርከተቶን ነዚ ሳንቡእ ዓለምና ዝኾነ ክፍሊ ዓለምና ካብ ምብራስ ኣእዋም ንምድሓንን ዝተፈላለዩ ፍጥረታት ዝዕቈቡሉ ቦታ ምዃኑ ንምርግጋጽን ገና ኣብ ቃልሲ ይርከብ።

ትጽቢት ዝግበረሉ ፍረታት ናይዚ ጻውዒት’ዚ!

ቅዱስነቶም ነዛ መል እኽቲ እዚኣ ኣብ ዝደረሱሉ 2015 ዓም ናብ ከንያን ኡጋንዳን ማእከላይ ኣፍሪቃን ሓውጾተ ኖልዎ ገሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስ መራሕቲ ሃገራትን ሰበሥልጣን እተን ሃገራትን ኣብ ዝተራኸቡ ደጋጊሞም ዘዘኻክርዎ ዝነበሩ ‘ኣብ መንጎ ሓለዋ ተፍጥሮን ቅኑዕን ፍትሓውን ማዕርነት ዚዓሰሎ ማሕበራው ሥርዓት ምትካልን ንጹር ምትእስሳር ኣሎ’ እንክብሉ ሓለዋ መሬት ንገዓር እቶም ዝሳቀዩ ዘለዎ ሕዝብታት ሰሚዕካ  ፍትሒ ምውጻእ እውን ከምዘጠቃልል ገሊጾም ነበሩ።

ካብ 2020 ሽሕ’ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ጥርዙ በጺሑ እንተነበረ ምንቅስቃስ ላውዳቶ ሲ ግን ዓቢ ዕብየት ኣርእዩ፤ ኣብ ርእሲ እዚ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝግበር ፖሎቲካውን ሳይንሳውን ክትዕ ከባቢ እቲ ብ2015 ኣብ ፓሪስ ዝተገብረስ ይኹን ብ2021 ኣብ ግላስገው ዝተገብረ ትሕዝተ ላውዳቶ ሲ ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዝነብሮ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነሩ። ኤኮኖሚ ኦፍ ፍራንቸስኮ ቊጠባ ፍራንቸስኮ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝምራሕ ምንቅሳቃስስ ይኹን ንሓለዋ እዛ ሓባራዊትቢቤትና ዝኾነ መሬት ምስ ናይ ምሕረት ስራሓት ነጠቃልል ዝብል መምርሒታት እውን ካብዛ መል እኽቲ እዚኣ እዮም ዝምንጭው፤ ኮታስ ካብታ ከሪዳ ኣማዞናያ ዝተፈቶኺ ኣማዞንያ እትብል ድሕረ ሲኖዶሳዊት ቃለ ምዕዳን ክሳብ እታ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽትን ሰነድ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳምን በዛ መል እኽቲ እዚኣ ዝተወራረቁ እዮም። ብ2019 ኣብ ፓናማ ዝተገብረ ዓለምሓቆፍ ዕለተ መንእሰያት እውን ቅዱስነቶም ንመን እሰያት ‘ወለዶ ላውዳቶሲ ኩኑ’ እንክብሉ ከምዝተማሕጸንዎም ዝዝከር ኮይኑ ብቀንዱ ግን ንኩሉ ሰብኣዊ ዓቅሚ ቅድስት መንበር ብሓባር ንምምዕባል ዝሠርሕ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ቅድስት መንበር ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ርእሲ ዕለት 1 መስከረም ዓመት መጸ ዓለምሓቆፍ ዕለት ፍጡር ክትከውን እሞ ክሳብ ክብረ በዓለ ቅዱስ ፍራንቸኮስ ዘኣሲዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክጽለ ዝተወሰነን ሎምዘመን ዝጀመረ መወዳእታ ሶሙን ወርሒ ግንቦት ሶሙን ላውዳቶ ሲ ኮይኑ ኩሉ ሥነጥበባዊ ሥርሓት ክገልጾ ሙዚቃስ ይኹን ካልእ ሥነጥበብ ክሳብ ችነማ ከይተረፈ ከም ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ማህሌት ፍጥረት ክደርስ እሞ ኣብ ምዕቃቡ ከድህብን ከስተንትነሉን ዝጽውዕ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ፍረ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 May 2022, 14:02