ድለ

ኣብ ኮንጎ ናይ ሰበኻ ኪክዊት፥ “በቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገብርዎ ምብጻሕ እተባረኽና ኮይኑ እዩ ዚስምዓና” ኣብ ኮንጎ ናይ ሰበኻ ኪክዊት፥ “በቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገብርዎ ምብጻሕ እተባረኽና ኮይኑ እዩ ዚስምዓና” 

ኣብ ኮንጎ ናይ ሰበኻ ኪክዊት፥ “በቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገብርዎ ምብጻሕ እተባረኽና ኮይኑ እዩ ዚስምዓና”

ኣብታ ብዙሕ ውጥረት ዘለዋ ከተማ ጎማ ዋላ እውን ሃገርና ብጸጋታት ተፈጥሮ ኣዚያ ዝሃብተመት እውን እንተዀነት ብስስዐ ተደሪኾም ራዕዲ ዘስፋሕፍሑ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዙሕ ዝንቀሳቐስሉ ዞባ ይኹን ናብኡ እውን ክበጽሑ እዮም

ብጹዕ ኣቡነ ቲሞተ ቦዲካ ማንሲያ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 5 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ናብ ሃገሮም ዝገብርዎ ምብጻሕ ትዕድልቲ ምዃኑ ምስ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ብዛዕባ ትጽቢት ምእመናን ከምኡ እውን እዚ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነታ ዝቘሰለት ሃገር መልእኽቲ ዕርቂ ዘብጽሕን መገዲ ሰላምን ዘመላክት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብዛዕባ መደብ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምስ ተነግረና ኣዚና ተሓጐስና። ቅዱስ ጴጥሮስ ክበጽሓና ኣብ እምነት ከጽንዓና ናባና ክመጽእ እዩ። ብቅዱስነቶም ክንብጻሕ ንኣና ቡራኬ እዩ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ኮንጎ ማእከላይ ምዕራብ ናይ እትርከብ ከተማ ኪክዊት ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቲሞተ ቦዲካ ማንሲያ ምስ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኮይኑ እዚ ካብ ዕለት 2 – 5 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ኮንኮ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምእጋድ ምድላዋትን ትብጽቢት ምእመናን ህዝብን እንታይ ይመስል ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ትጽቢት ምእመናን

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዚበጽሑ ድሕሪ 37 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምእመናን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ክራኸቡ ክበጽሑና እዮም፡ እዚ ዓቢዪ ሓጐስን ህንጡይነትን ይፈጥረልና ብሰንኪ እቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስቓይ ኣብ ዝርከብሉ ዘሎ እዋን ነዚ ግምት ብምሃብ ክበጽሑና ምድላዮም ኣብ ሃገርናን ሕብረተሰብና ዕርቅን ሰላም ዘነቓቕሕ እዩ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮንጎ መዓልታዊ ድሕሪ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ስለ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድዎ ምብጻሕ ማእከል ዝግበረ ጸሎት ይድገም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ኮንጋውያን ተዓረቑ”

“ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዓባይን ኣዝያ ሃብታምን ሃገር እኳ እንተ ዀነት ኣብ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ግን ስቓይ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝረአ። ናይ ሰበኻ ኪክዊት ጳጳስ ከም ዝበልዎ፥ ኣብ ናብራ ሃገርና ዕርቂ ገና ርሑቕ ኣብ ዝዀነሉ ኣዚዩ ሽግር ዝመልኦ እዋን እዩ ቅዱስነቶም ክበጽሑና ዝደለዩ። ንኣብነት ኣብታ ብዙሕ ውጥረት ዘለዋ ከተማ ጎማ ዋላ እውን ሃገርና ብጸጋታት ተፈጥሮ ኣዚያ ዝሃብተመት እውን እንተዀነት ብስስዐ ተደሪኾም ራዕዲ ዘስፋሕፍሑ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዙሕ ዝንቀሳቐስሉ ዞባ ይኹን ናብኡ እውን ክበጽሑ እዮም” እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ህዝብ እታ ሃገር ዕርቂ ክወርድ ዝሓትት ተባዕ ውሳኔ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንምእመናን ዋጋ ምሃብ

እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እነካይዶ ርክብ ገለ ባህርያት ናይ ኮንጎ ቤተ ክርስቲያን ንኸነፍልጥ ኣጋጣሚ ክኸፍተልና እዩ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ቦዲካ ኣስዒቦም፥ “ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ደድሕሪ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ዋጋ ኣብ ምሃብን ዓቢይ ግምት ክወሃቦም ኣብ ዝብሉ መደባት ብዙሕ ምምሕያሻት ክህሉ ኣበርቲዕና ጽዒርና ኢና። ኣነ እውን ኣብ ናይ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ከም ምዃነይ መጠን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮንጎ ንምእመናን ዓቢይ ግምት ኣብ ምሃብ መዳይ ብዙሕ ንቕድሚት ከም ዝሰጐመት ዝምስክሮ እዩ። ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንና ንቕዱስነቶም ክንሕብርን ካብኦም ኣብ እምነት ዘጽንዕ ቃለ ምዕዳን እግዚኣብሔር ክልገሰልና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 May 2022, 09:22