ካብ ቃታ ሽጉጥ ናብ ቃታ ሕድነት፥ ካብ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ናብ ምንኵስና ሕይወት
እዚ ታሪኽ እዚ ብዛዕባ እተን ካብ ንእስነተን ኣትሒዘን ኣላዪት ህሙማን ወይ መምህር ክኾና ዝምነያ ዝነበራ በጽሒ ምስ ኰና ከኣ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ክኾና እተመነያን ንምዃን ዝበቕዓን ሕጂ እዚ ዅሉ ትምኒት እዚ በቲ ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዘለወን ጸዋዕታ ገዳማዊ ህይወት ዝጠቓለል ኮይኑ ከም ዝረኸበኦን፡ “ንኣምላኽ ኣብ ገጽ ድኻታትን ዛንታቶምን ኣለልኽዎ ኣብእቶም ድማ ንኣኡ እሰግድን አመስግኖን፥”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነዚ ዝበላ ሎሚ እናተ ቶስካ ፈራንተ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ታሪኽ ጸዋዕታአን ዘዘንተዋ፥ ናይ ኢጣሊያ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ዝነበራ እየን፡ ኣብ ህይወተን ዕጋበት ዝህበን ኣብ ምድላይን ትርጒም ህይወተይ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሰን ካብ ምቕራብ ዘይቦኸራ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ኰይነን ዘገልግላ ዝነብራ ካብ ቃታ ሽጉጥ ቃታ ድሕነት ክሕዝ ተጽዋዕኵ እንክብላ የብርሃ።
ንኻልእ ቀረባ ምዃን፥ እተፈልየ ኣነባብራ
ቶስካ ፈራንተ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ኮይነን ክነብራ ጀሚረን ከም ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ጐደናታት ዘጓንፍወን ዝነበሩ ድኻታት ማለት ውሉፋት ዕጸ ፋርስ ግዳያት ምንዝርና ዝዀና መንእሰያት ኣዋልድ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝጽበዩ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ኢድ ናይ ገበን ጒጅለታት ዝወድቑ ስደተይናታት ብሓጺሩ ድኽነትን ባዶነትን ኣከይን ኣዚዩ ብዙሕ ምዃኑ ከስተውዕላ ከም ዝገበረን ይገልጻ።
ንህይወት ዘፍቅር ሕቝፊ
ውሽጥኻ ዝትክፍን ዘንብዕን ጸቕጢ ዘሕድረልካ ዛንታታት። እሞ ብዙሕ ዘይግደሰሉ ዝነበርኵ እዩ። “ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ተመዲበ ዝሰርሓሉ ዝነበርኵ ክፍለ ከተማ ሮማ ቶርፒይናታራ ኣብ ዝርከብ ኑቕጣ ሓይሊ ጸጥታ ሓደ ክሰርቕ እንከሎ ዝሓዝዎ መንእሰይ ክሕልዎ ምስ ተኣዘዝኩ እቲ መንእሰይ ንመጀመሪያ ግዜ ዝፈጸሞ ገበን ከም ዝዀነ ይሕብረንን ክበክን ክንቅጥቀጥን እንከሎ ይዝከረኒ፡ ፈሪሐ ሕቖፋኒ ድማ በለኒ። እነ ግን ልብሲ ሓይሊ ጸጥታ ስለ ዝገበርኵ ሕጊ ከም ዝእዝዞ ድማ ኣፋይል በልክዎ፥ እቲ ንሱ ዝሓተተኒ ልክዕ ሓደ ውላድ ካብ ኣዲዩ ዝደልዮ ሓልዮትን ፍቕርን ኣደነት እዩ። ደሓር ግን ስርሐይ ወዲአ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኵ፥ ነቲ ናይቲ መንእሰይ ታሪኽ እናዘከርኩ፥ እንታይ ኢየ ዝኸውን ዘለዅ ናብ እንታይ ይቕየር ኣለዅ? ዝብል ሕቶ ክስምዓኒ ይጅምር፥
ናብ ምንኵስና ህይወት
ከም ኣባል ሓይሊ ጽጥታ እቲ ታሪኽ መንእሰይን ካልእ ኵሉ ዘጓንፈን ዝነበረ ልክዕ ከም መገዲ ደማስቆ ኮይኑ ክስምዐን ጀመረ፡ ኣብዚ ኵነት እዚ እንከለዋ ምስረቓ ህይወተን ይጅምራ። ፍቕሪ ዘቕርቦ ስግኣት ክነብር ተመነዅ። ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት ድማ ናብተን ሽጉጥ ተዓጢቐ ኣብ ጐደናታት ሮማ ጸጥታ ንምኽባር ተዋፊረ ከገልግል እንከለዅ ብተምሳሳሊ መገዲ ድማ ጸጥታ ብኻልእ ኣገባብ ማለት ነቶም ድኻታትን ብድኽነት ተደሪዀም ገበን ዝፍጽሙ ዝነበሩ ክኣልያን ክከናኸናን ዝወጻ ዝነበራ ኣባላት ማሕበር ደናግል ንግስተ ሓዋርያት ይርእይ ነይረ። ናብዚ ናይ ደናግል ገዳም ክኣትው ድላይ ክስምዓኒ ይጅምር እሞ “ምስቶም ድኻታት ዝነበረኒ ርክብ ኣምላኽ ካባይ እንታይ ከም ዝደሊ ንኽርዳእ ሓገዘኒ። “እዚ ኸኣ ህይወተይ ካልኦት ንምክንኻን ዝነበረኒ ባህጊ” ናይ ሽጉጥ ቃታ ዘይኮነ ቃታ ድሕነት ክሕዝ ከም ዘሎኒ ኣነጺሩለይ።”
እናቴ ቶስካ ካብ ቍልዕነተን ኣትሒዘን ኣላዪት ህሙማን ወይ መምህር ምዃን ትምኒት ዝነበረን ምስ ዓበያ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ናይ ምዃን ትምኒት ዝነበረን እሞ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ንምዃን ዝበቕዓን ሎሚ ብዝተዓደለኦ ጸዋዕታ ኣቢለን ንመሳኺን በጽሕታት ንምዕቋብን ኣብ ጐድኒ ድኻታትን መሳኪንን ይነብራን ኣለዋ። ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተኣፋፍያን መንእሰያት ንምእላይን ንምክልኻልን ናይ ዝግበር ዕዮ እወሃሃዲት ኰይነን ድማ የገልግላ ኣለዋ።
ጸዋዕታና ኣብቲ ህልው ኩነታት ንኽነብር ዝሓትት እዩ
መን ምዃንና ጸዋዕታና እንታይ ምዃኑ ምልክት ኮይኑ ዝሕብረና ኣብ ከባቢና ዘሎ ኵነታት ህይወት እዩ፡ ከም ኮዀብ ኮይኑ ዝመርሓና። ጸዋዕታና ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ክውንነት ማለት ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ድኽነት ኣብ ምርኣይ ኢና እነስተውዕሎ፡ ኣብ ገጽ እቶም ትማሊ ከም ገበነይናታት ዝሕዞም ዝነበርኵ ብድኽነት ተደሪኾም ንዝተፈለየ ገበን ዝቓልዑን ኣደዳ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ኣምላኽ ዝራኸበሉን ዝሰግደሉን ኵነት ምዃኑ ኣስተውዒለ፡ ኣብኣቶም ምስ ኣምላኽ እራኸብን እሰግደሉን፡ ኣብኣቶም ንኣምላኽ አመስግን! እንክብላ ኣሕጽር ኣቢለን ብዛዕባ ጸዋዕተኤን ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይዛዝማ።