ናይጀሪያ፥ ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ክልተ ካህናት ዝርከብዎም ሰባት ጨውዮም
መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣጽዋር እተዓጥቑ ሰባት ዕለት 25 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ክልተ ካህናትን ክልተ ምእመናንን ብጠቕላላ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝጨወዩን እቶም ክልተ ካህናት ኣባላት ውሉደ ክህነት ሰበኻ ሶኮቶ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ሰበኻ ሶኮቶ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ሶኮቶ ዘገልግሉ ካህናት መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብቲ መንበሪ ናይቶም ካህናት መጥቓዕቲ ፈጺሞም ነቶም ካህናት ከም ዝጨወይዎም ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜና ከም ዝሓበራን ብመሰረት ጸብጻብ ዜና ማዕከናት ናይጀሪያ እቶም ዝተጨውዩ ካህናት ኣባ ስተፈን ኦጃፓን ኣባ ኦሊቨር ኦክፓራን ክልተ ምእመናን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፥
ጸሎት ምእንቲ እቶም ዝተጨውዩ
ናይ ሰበኻ ሶኮቶ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ኣባ ክሪስ ኦሞቶሾ እቲ ጨወያ ከም እተፈጸመ ኣረጋጊጾም መላእ ምእመናን ሰበኻ ሶኮቶ እቶም ዝተጨውዩ ብሰላም ናጻ ክልቐቑ ክጽልዩ ተማሕጺኖም፥ ብመን ከም እተጨወዩን ኣበይ ከም ዝርከቡን ዘይፈለጥ ከም ዝኾነን “እቶም ዝተጨውዩ ድሕንነቶን ንኺረኽቡን ንኺፍትሑን ንሓትት። ምእንቲ ኵሎም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝተጨውዩ ናጻ ክልቐቝ ኩሉ ኣብ ጸሎት ክሓብር እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስግኣትን ጨወያን ኣብ ሰሜን ናይጀሪያ ክብ ይብል
ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ብተደጋጋሚ ጨወያን ቅተለትን መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ዝፍጸም ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ መባእታ ወርሒ ግንቦት ናይ ካዱና ርእሰ ሰበኻ መግለጺ፥ ኣባ ጆሰፍ ኣከተህ ባኮ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተጨውዩ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ተቐቲሎም ከም እተረኽቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ናይጀሪያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ቦኮ ሓራምን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ጓሶት ሰበኽ ሳግምን ተቐማጦ ሓረርስቶትን ብተደጋጋሚ ብዝፍጠር ሕድሕዳዊ ግጭት ንድሕነት ዝምልከት ብድሆታት ከቢድ እናዀነ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ እቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ዘረፍቲ ተባሂሎም ዝግለጹ መንነቶም ዘይፍለጥ ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት፡ ንናይቲ ዞባ ሓይሊ ጸጥታን ሰበ ስልጣንን ብርቱዕ ሻቕሎት ይፈጥረሎም ከም ዘሎን ኣብ ገጠራት ናይ ዝፍጸም ዘሎ ጨወያን መጥቃዕትን ዘረፋን ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ናይቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ናይ ህዝቢ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ዘድሊ ስጒምቲ ክወስድ ስንድው ምዃኑ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሓን ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።