ድለ

ማርያም ደዓሪት ግንቦት 21 2014 ዓ.ም. (5/29/2022)

ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት። ናይ ህዝቢ ሃብታማት፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። (መዝ 44.12)
ብድምጺ ንምክትታል!

ማርያም አደ ምሕረት

ንባባት፡ ገላትያ 4፡1-9፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ.1፡12-14፥ ሉቃ. 1፦39-56

በዚ ብሩኽ መዓልቲ ማርያም ድዓሪት ዘኪርና ነብዓል አሎና። ማርያም ደዓሪት ፍሉይ ዝገብራ ባህርያዊ ከባቢአን ብዕለቱ ዝግበር መንፈሳዊ ጸሎትን ናይ ኩሎም ነጋድያን ፍሉይ ሓድነትን እዩ። ከም ሎሚ ደርቅን ነቕጽን ከይኮነ ማርያም ድዓሪት ብወሓዚ ማይን ብአብ ከባቢአ ዝርከብ ፍሩታታትን ጠለትን ጽቡቕ አየርን ናይ ኩሎም አብኡ ዝመጽኡ ብሓጎስ ዝመልኦ ገጽን ትፍለጥ። ደረፍቲ ከይተረፈ ንደርፎም ፍሉይ ትርጉምን ህቡብነት ክረኽቡ ኢሎም “ወለት ከረን ጻዕደታ ማርያም ደዓሪት ሳትይታ ሰላም ቦላ ግለየ” እናበሉ ካብ ማይ ማርያም ደዓሪት ዝሰተ ፍሉይ ነገር ከም ዝረክብ ምዃኑ እናገለጹ ንሰላም ዝዕድም ድምጺ የስምዑ።

ጀመርቲ ንግደት ማርያም ደዓሪት ሰብ ጽቡቅ ዝኽሪ ዝኾና ደናግል ደቂ ፍቕሪ ምስተን ዝአልይአን ዝነበራ ዘኻትም ብ1881 ዓ.ም. ብሓባር እናጸለያ እየን ጀሚረንኦ። አብዚ ልሙዕን ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተሸለመ ከባቢ ኮይነን ንወላዲተ አምላኽ እናለመናን መቑጸርያ እና አብጽሓ የሕልፍኦ ነበራ። አብ ጽምው ቦታ ኮንካ ንአምላኽ ምልማን ካብ ክርስቶስ መምህርና ኢና ተማሂርናዮ በዚ ምኽንያት እዩ መብዝሕትኡ ገዳማት ሃገርና አብ እምባ እዩ ተደኲኑ እንረኽቦ። እግዚአብሔር ንብዙሓት አብ እምባ ይረኽቦም ንአብነት ንሙሴ፥ ኤልያስ. . . . ። አምላኽ ካብ ዋዕዋዕታ ወጺእና ንብሕትና ክንረኽቦ ክንዕልሎ ይደሊ።

ገብርኤል መልአኽ ንማርያም ክበስራ እንከሎ ንብሕታ አብ ጽምዋ እንከላ ትውፊት ከም ዝብሎ እናጸለየት እዩ ተራእይዋ “ሰላም ንአኺ ኦ ማርያም ጸጋ ዝመልአኪ” እናበለ ናይ ኩሉ ምስጢር ሕይወታ እናገለጸ ተራእይዋ። አብ ጽምዋ አብ ጸሎት ተጸሚድና ንአምላኽ እንተ ለመና ክሰምዓና ቀሊል እዩ። ጽምዋ ሓደ ካብቲ ብአምላኽ ዝፍቶ እዩ። ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ብዙሕ ጊዜ አብ ጽምዋ እንከለዉ ይመጽኦም ከም ዝነበረ ነንብብ። ሎሚ አብ ጽምዋ ሕልናና አቲና ምስ ማርያም ኮና ንአምላኽ ክንሰምዕ ጽን ንበል።

ወርኂ ግንቦት ንማርያም ዝተዋህበት ወርኂ እያ ስለዚ ነዚ አብ ግምት ገረን ደናግል ደቂ ፍቕሪ አብ ሩባ ደዓሪት እናመጽአ ፍሉይ ጊዜ ጸሎት አብ ትሕቲ ዓባይ ድማ ኮይነን ተአምራታዊት ምስሊ ማርያም አብ ቅድሚአን ገርን ይጽልያ ነረን። ንሕና እውን አሰረን ተኸቲልና ነዛ ተአምራታዊ ማርያም ብልቢ ክንልምና ከሎና ፍሉይ ጸጋ ከም ዘወርደና አሚነና ብዓልና ነብዕል።  ነዚ ዝረአዩ ምእመናን ክሕወስወን ጀሚሮም መጠን ጊዜ ዝሓለፈሉን ክነታት አብ ዝጸንከረሉ እዋን ብሓባር እናጸልዩ ከብዕልዎ ጀሚሮም፥ ብፍላይ አብቲ ሃገርና ሰላም ስኢና አብ ከቢድ ውግእን ሞትን እንከሎና ማርያም ድዓሪት ዋልታናን ጸግዕናን ገርና ንጽሊ ከም ዝነበርና ናይ ትማሊ ዝኽሪ እዩ።

ሎሚ ብሃገር ደረጃ ተፈሊጣ ኩሉ ጸጋ አምላኽ ዝደለ ናብአ ክውሕዝ ይርአ “እዚ ኹሉ አበይ ዝበለ ናብ እኖይ ማርያም ምሕረት/ሰላም ዝደለ” እናበሉ አብታ አደ ኹሉ ዓዳሊት ጸጋታት ዝኾነት አዲኦም ክውሕዙ ይርአዩ።

ማርያም ድዓሪት ብዙሕ ነገራት ፍሉይ ዝገብራ እኳ እንተ አልአ ሓደ ብፍሉይ ክንጠቕሶ እንኽእል “ማእከል ሓድነት” እያ። ክርስትያን አስላም ዓበይትን ንአሽቱን ጥዑያትን ሕሙማትን ዝተፈላለየ ጸጋ ዝደልዩ ብሓባር እናጸለዩን ተሓጎሱን ዘብዕልዋ ስለ ዝኾነት ናይ ሓድነት ቦታ ክንብላ ንኽእል። ከምቲ አብ ጽርኃ ጽዮን ንቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ አኪባ ንምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተሰናዱ ዝነበረት ሎሚ እውን ምስ ወዳ ብሓድ ልቢ ሰሚርና ክንርከብ ትሕግዘናን ትመርሓናን።

ሓድነት አብ ክርስትና አብቲ አብ ስላሴ ዘሎ ሓድነት ክምስረት እዩ ዝድለ። ኢየሱስ መድኅና ሓደ ካብቲ ብፍሉይ ዝጸለዮ ምእንቲ ሓድነት አመንቱ እዩ። አብ ሓደ ፍቕርን ልብን አቲና መለልይና ሓድነት ክኸውን ጸልዩ። እንተ ኾነ ከም እንርእዮ ዘሎና ሓድነት ክርስትያን ዳርጋ የለን እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝርሓቐ አይ ኮነን። ማርያም ንክርስቶስ ምስ ወለደት ሓድነት ምስ አምላኽ አምጺአትልና ሎሚ እውን ነዚ ጸጋ ሓዲሳ ክትህበና ንለምና።

ሓደ ካብቲ መጸውዒ ማርያም “አደ ምሕረት” ዝብል እዩ። ኪዳነ ምሕረት ንብላ። ክርስቶስ ካብአ ምስ ተወልደ ምስ አምላኽ ዕርቂ ስለ ዝተፈጥረ “አደ ምሕረት” ንብላ። አብ አኮቴት ቍርባን ማርያም “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” እናበለ ናይ ማርያም ተስፋ ድሕነት ምዃና ይገልጽ። አብ ኩሉ ጸሎታትና ማርያም ብእኣ ኩሉ ተስፋ ድሕነት ከም እተፈጸመ ክንገልጽ ከሎና “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” ንብል። አብቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ናይ ድሕነት ስራሕ ከም ዝተሳተፈት ንገልጽ። ብርግጽ እቲ እንኮ መንጎኛ ድሕነትና ክርስቶስ እዩ ግን ማርያም ከአ ዓቢ ተራ ተጻዊታ እያ ንሳ ንክርስቶስ እንተ ዘይትወልደልና ክርስቶስ አይምመጽአናን ስለዚ “አምጻኢተ ምሕረት ንብላ”።

ማርያም አደ ምሕረት ንብላ ምኽንያቱ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰማያዊ አብኡ ተላኢኹ ከም መግለጺ ምሕረት አምላኽ ኮይኑ መጺኡና (ዮሓ 3፡16-18)። ክርስቶስ ዝመጸ ምሕረት ክገልጽ እምበር ክኹንን አይኮነን (ማቴ 9፡13)። እቲ ዝዓበየ ምሕረት ንሱ ብአካሉ አብ መንጎና ምስ ተረኽበ እሞ ክንራኸቦ ምስ ጸውዓና ምስ ጴጥሮስ ኮና “ወዲ ሕያው አምላኽ” (ማቴ 16፡16) እናበልና እምነትና ምስ ገለጽና እዩ ዝርከብ። ንምሕረት አምላኽ ክድምስስ ዝኽእል ወይ ደው ከብሎ ዝኽእል ዝኾነ ኃጢአት ወዲ ሰብ የለን ሓንትስ ንእኡ ጥራሕ ንጸውዕ።

ምሕረት አምላኽ ድሕነት እዩ አምጺእልና። ምሕረት አምላኽ አብ ምልአት ዝበጽሐ እቲ አተስፊዩና ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ አብ መንጎና ምስ ሓደረ ሓዲስ ሕይወት ረኺብና። “ዝገበርናዮ በደልን ኃጢአትን ዕብየቱ ብዘየገድስ አምላኽ ንገጽምድሪ ኩሉ ጊዜ ይሕድሶ” (መዝ.104፡30)። እዚ ተሓድሶ ኩሉ ጊዜ ጽቡቕ ከም እንገብር ንአምላኽ ዘሓጉስ ከም እንገብር ገሩ ምስ ድላዪ ዝኸይድ ክንገብር ይሕግዘና።

ማርያም አደ ምሕረት ካብ ኮነት አብ ምድሓና ተሓባቢራ እያ ስለዚ መንጎኛ ኩሎም ጸጋታት ንብላ። ነዚ ዝሕብር አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግር ንረክብ። ገብርኤል መልአኽ መልእኽቲ አምላኽ ምስ ገለጸላ “ሕራይ” ብምባላን አብ ኩሉ ምስ ተሓባበረቶ ንመድኃኒ መጋበሪ ድሕነት ዝኾኖ ሥጋ ወዲ ሰብ ሂባቶ። እቲ አብ መስቀል ዝተሰውአ ሥጋ ክርስቶስ እዩ አድሒኑና።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ II አብታ Redemptoris Mater (1987) ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት  መልእኽቶም “መንጎኛ ናይ ኩሎም ጸጋታት” “መንጎኛ ምሕረት” ኢሎም ይሰመይዋ። “ንርእስና ከም ሕፃናት አብ ስድራቤት አምላኽ እንተ ሓሰብና አብታ አብ ስድራቤት አምላኽ ዘላ አደ ከም እንጽጋዕ እዩ ዝገብረና “ማርያም አደና” መንጎኛና ክትከውን እሞ ኩሉ ዘድልየና ክተውህበና።

ማርያም ሕራይ ምስ በለት እቲ ምንጭን መንጎኛ ናይ ኩሎም ጸጋታት ድሕነት አብ ስድራ ደቂ ሰብ መጺኡ። “ቃል ሥጋ ኮነ አብ መንጎና ኸአ ኃደረ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ. . . .  ካብ ምልአት ጸግኡ ጸጋ አብ ልዕሊ ጸጋ ረኺብና (1ዮሓ 1፡14-16)። ናይ ማርያም ሞራላውን አካላውን መንጎኝነት ንክርስቶስ ስለ ዘምጽአትልና አብ ዓለም ብነጻ ዝርከብ ጸጋ (Uncreated grace) ካብኡ ካብ ሰብነት ክርስቶስ ዝምንጩ ጸጋታት ንህዝበ አምላኽ ዘቕውም ተረኺቡ። ማርያም አብዚ ፍጻሜ ዓቢ ተራ ተጻዊታ።

ሎሚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ማርያም ደዓሪት እናዘከርና ካብ ማርያም እንምሃሮን እንረኽቦን ነገራት አሎና።

·       ትሕትና ክንለብስ። መለልዪ ማርያም ትሕትና እዩ። ንሳ ወላ እኳ አምላኽ አብአ ዓቢ ነገራት ይግበር ንኹሉ ከም ህያብ ርእያ ንርእሳ ኢሚንቲ ቆጺራ ትነብር ነራ። ዝኾነ ልዕልና አየርአየትን እኳ ድአ ንኹሉ አብ ልባ ትዓቕሮ ነራ። ደቂ ማርያም ሎሚ ነዚ ክንገብር ንሕተት አሎና። ትሑታት ክንከውን አምላኽ ንዝሃበና ጸጋ ርኢና ተመስገን ክብል። አነ ዝብል መንፈስ አርሒቕና ተዋሂቡኒ ጸግዩኒ ክንብል ይግብአና።

·       ንሰባት ምስ ኢየሱስ ከም ዝራኸቡ ምግባር። ማርያም አብ እንዳ ኤልሳቤጥ ክትበጽሕን ክትሕግዝን ምስ ከደት ኢየሱስ አምጺአትሎም። ንሕና እውን ንሰባት አብ ኢየሱስ ከምዝበጽሑ ወይ ከአ ከምዝረኽቡ ክንገብሮ ይግብአና። ኢየሱስ ረኺቡ ዝኽአለ ጥራሕ እዩ አብ ድሕነት ክበጽሕ ዝኽእል። ልኡኻት አምላኽ ኮና ንሰባት አብ ልቦም ክምለሱ ንጽልእን ቅርሕንትን ሓዲጎም አብ ሰላምን ፍቕርን ክምለሱ መገዲ ኢየሱስ ንሓብሮም።

·       ድላይ ኢየሱስ ምግባር። ማርያም ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና አላ። ድላይ ወዳ ፍቕሪ ምሕረትን ሰላምን ምግባር እዩ። ነዚ ክንገብር ክንምሕር ክንሓድግ ይግባእ። ኦማርያም አደና ምስ ወድኺ ዕረቕና ንበላ። ንድላይ ወዳ ክንገብር ንኹሉ ድለታትና ንሕደጎ ሽዑ ተአምራት አባና ክርአ እዩ። ድላይ አምላኽ ዝገብር ጥራሕ እዩ መንግስተ ሰማይ ዝአቱ።

·       ንሓቅን ርትዕን ክንምስክር ትደልየና። ዓለም ሎሚ ንሓቅን ንፍትሕን ረጊጹ ብዓመጽ ንሰባት ጸቒጡ ዝነብር በዚሕዋ ትህወኽ ንርኢ አሎና። ንሰናይ ነገር አብ ቤተና ጀሚርና አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ንግበሮ። ማርያም ደቃ ክውጽዑን ክግፍዑን አይትደልን እያ። አብ ዓለም ሰላም ምህረት ክንገስ ናይ ነፍሲወከፍና ተልእኮ ከምዝኾነ ክንፈልጥ እሞ ዓቅምና ክንገብር ዘዘኻክር ዓለት ኢና ዘኪርና ዘሎና።

·       ደቂ ማርያም ዘብል ግብሪ ይሃልወና። ንመንፈሳዊት ወላዲትና ብኹሉ ክንመስላ እሞ ብሓቂ መፍቅርት አምላኽ ንኹን። አብ ትሕቲ መስቀል ዝተዋህበትና አደ ንስምዓያ ንቕረባ ክትሓቑፈናን ጸግአ ክትዕድለናን። ደቅኺ ኢና እሞ ስምዕና ንበላ።

ሎሚ እምብአር አብ ቅድሚ ማርያም መብጽዓና ንሓድስ አምላኽ ዝፈትዎ መገዲ ሒዝና አብ ምሕረትን ሕድገትን ዝዘንበለ ሕይወት ንሓዝ። አብዚ ወርኂ ግንቦት ዓድና ነጻነት ረኺባ ፍሉይ ህያብ ማርያም ተቐቢልና ስለዚ ሎሚ እውን ነዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝሳቐ ዘሎ ህዝባ ቁልሕ ክትብለና ንለምና። ሎሚ እውን ህያብክን ጸሎትክን የድልየና አሎ ለምንልና ንበላ።

ኦማርያም አደናን አደ መድኃኒናን ነቲ ፍቑር ወድኺ ምሕረቱን ጸግኡን ክዕድለና ለምንልና ንበላ። ኦ ማርያም ደዓሪት ንነፍስወከፍና አብ ጉዕዞ ሕይወትናን ንአኽን ንወድኽን ክነሓጉስ ብጸጋኺ አይትፈለይና።

ብሩኽ ብዓል ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

29 May 2022, 07:28