ድለ

2022.05.28 death of ex-provincial capuchin friars eritrea 2022.05.28 death of ex-provincial capuchin friars eritrea 

እስመ አልቦ ለአግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሠት! ዜና ዕረፍት ኣባ ተወልደ በየነ

ክቡር ሓውና፣ ኣባ ተወልደ በየነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 20/5/2022 ኣብ 70 ዕድሜኦም፣ ኣብ 52 ዓመተ ምንኵስናኦም፣ ኣብ 45 ዓመተ ክህነቶም፡ ካብዚ ዓለምዚ ብሃንደበት ተሰናቢቶም፣ ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ቀዲሞምና ሓሊፎም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ገድሊ ሕይወት ኣባ ተወልደ በየነ

ኣባ ተወልደ፣ እንካብ ክቡራንን መንፈሳውያንን ወለዲ፣ ኣቶ በየነ ሃብተሚካኤልን፣ ወይዘሮ ለተድንግል ወልደገብርኤልን፣ ብ27/3/1952 ተወልዱ። ዓዶም ኣፈልባ እንጋንኣ፣ ዝተወልዱሉ ግን ከተማ ደቀምሓረ ኢዩ። ንሶም ብደረጃ ዕድመ፣ ካብ 8 ኣሕዋቶም፣ 6ይ መትሎ ኢዮም። እንትርፊ ወይዘሮ ኤልሳን ኣቶ ተስፋይን ኣሕዋቶም፣ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቶም ኲላቶም፣ ናብ ዓዲ ኲልና ሓሊፎም ኢዮም።

ዶክተር ኣባ ተወልደ በየነ እዚኦም ነበሩ!
ዶክተር ኣባ ተወልደ በየነ እዚኦም ነበሩ!

ኣባ ተወልደ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ ክርስቲያን ደብረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኰይኖም፣ ተዀስኲሶም ዝዓበዩ፣ ወለዶም ካብ ደቀምሓረ ናብ ጎዳይፍ ኣስመራ ምስ ተቐየሩ ኢዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ደብረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከኣ፣ ካብ 1958 ክሳብ 1964፡ ናይ መዋእለ ህጻናትን፣ መባእታውን መደብ ትምህርቲ ምስ ወድኡ፣ እቶም ሽዑ ሓለቓ ገዳምን ቤት ትምህርትን ዝነበሩ በዓል ጥዑም ዜና ዝዀኑ፣ ኣባ ሩፊኖ ካራራ፣ ናይቲ ንኡስ ተመሃራይ ተወልደ፣ ፍሉይ ትግሃትን መንፍዓትን፣ ከምኡ ድማ፣ ልዙብን መንፈሳውን ጠባይ ምስ ተዓዘቡ፣ ናብ ገዳም ንኼእትውዎ ንስድራኦም ተወከሱ።

ወላዲት ሕጻን ተወልደ ዝዀና፣ ኣደይ ለተድንግል ግን፣ “ኣባቴዋ፡ ወደይ ናብ ገዳም ኪኣትወለይ፣ ሕጕስቲ እየ፣ ካህን ኪኾነለይ ከኣ፣ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ። እንተዀነ ግን፣ 12 ዓመት’ውን ዘይመልኤ ቈልዓ ስለ ዝኾነ፣ ሓንሳእ ይዕበየለይ እሞ፣ ድሕሪ ቊሩብ ዓመት ትወስዱዎ፡” ዚብል ምላሽ ሃባኦም። ኣባ ሩፊኖ ብወገኖም፣ “ኣይፋልኪን፣ ኣብ ገዳም ባዕላ ኣደይ ማርያም ከተዕብዮ ኢያ፣” ብምባል ንሕጻን ተወልደ፣ ዳርጋ ካብ ሑቝፊ ወለዱ መንዚዖም፣ ናብ ንኡስ ዘርኣ ምንኲስና ማኅበር ካፑቺን ናብ እምባትካላ ለኣኹዎ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገዳም ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዝበቖለ ፍራንቸስካዊ ጸዋዕታ ኣባ ተወልደ፣ እናዓበየን እናደልደለን ከደ። ጸጋ እግዚኣብሔር፣ ጥጡሕ ቦታን ድልው ተቐባልነትን እንተ ረኺቡ፣ ኣብ ፍረ ኢዩ ዝበጽሕ። ኣባ ተወልደ፣ ነዊሕ ጒዕዞ ዓመታት ትምህርትን ኵስኰሳን እናወሰኹ፣ ናብቲ ኵላትና እንፈልጦ ዘሐብን፣ ናይ ሊቅነት ልዑል ክብሪ ጨቢጦም፣ ናብ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ኪበጽሑ ከኣሉ።

ንማእከላይን ንላዕለዋይን ትምህርቶም፣ ካብ 1964 ክሳብ 1969፣ ኣብ እምባትካላን ኣብ መንደፈራን፣ ኣብ ውሽጢ ገዳም ማኅበር ካፑቺኒ ኰይኖም ፈጸሙዎ። ኣብቲ እዋን ዓመታት ትምህርቶም፣ ብጠባዮምን ብንቕሓት ትምህርቶምን፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብሉጽ ነጥቢ የምጽኡ ከምዝነበሩ ኵላትና መማህርቲ ብጾቶም እንምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣብ ሕቝፊ ወለዶምን፣ ኣብ ንኡስ ዘርኣ ምንኵስና ማኅበርን ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ኵስኰሳ ከኣ፣ ደልዲሉ፣ ናብቲ ንምሉእ ሕይወቶም ኪጐዓዝዎ ዝነበሮም፣ ፍራንቸስካዊ ኵስኰሳ፣ ንምቕጻልን፣ ብሱል ንምግባርን፣ ብ13/7/1969፣ ኣብ ገዳም ደቀምሓረ ዓመተ ተመክሮ ፈጸሙ።

ብ14/7/1970 ከኣ ኣሰር ኣቦና ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ተኸቲሎም፣ “ብናይ ድኽነትን ተኣዝዞን ንጽሕናን” መንፈሳውያን ሓይላት ተቘሪኖም፣ ንወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቲሎም ንኪነብሩዎ መጀመርያ መብጽዓኦም ገበሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ፍራንቸስካዊ ጸዋዕታ ደቀባት ኣብ ኤርትራ ብቝጽርን ብብስለት ትምህርትን ኣብ ዝበርከተሉ እዋን፣ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዝመደበሩ ሕልቅና ማኅበር ካፑቺን፣ ዘርኢ ፍራንቸስካዊ ጸዋዕታ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ እውን ሰጊሩ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ምእንቲ ኪምዕብልን ኬስፋሕፍሕን፣ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማኅበር፣ ናብኡ ኪልእኽ ጀመረ።

እዚ ሕጂ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፣ ቀንዲ መዂስኰሲ ጸዋዕታ ማኅበር ካፑቺንን፣  ኲላተን ሰበኻታትን እታ ሃገር፣ ማኅበራት ውፉይ ሕይወትን ኰይኑ፣ ዘገልግል ዘሎ ተቅዋመ ፍልስፍናን ተዮሎጊያን ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጉለለ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ማኅበር ኣባ ፓስካል ሪዋልስኪን፣ ሊቀ ጳጳስ ኣዲስ ኣበባ፣ ብጹዕ ኣቡነ ኣስራተማርያም የምሩን፣ ካልኦት ብዙሓት ዕዱማትን፣ ኣብ ዝነበሩሉ መዓልቲ፣ ብዓቢይ ዓጀባ ተመረቐ። ኣባ ተወልደ ከኣ፣ ምስ 25 ሰብ ንኡስ መብጽዓ ኣኅዋቶምን ብጾቶምን፣ ንዝተመደበሎም ትምህርቲ ፍልስፍና ንኪመሃሩ፣ ምስ ኣሕሉቖምን መምህራኖምን ብሓባር፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቐዲሞም ኣትዮም ብምንባሮም፡ ኣብቲ ዕለተ ጽንብል ውዒሎም ነበሩ።

ኣባ ተወልደ ፣ ካብ 1970 ክሳብ 1973 ን3 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሥሩዕ ትምህርቲ ፍልስፍና ተማህሩ። ቀጺሎም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ካብ 1973 ክሳብ 1977፣ ኣብ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ገጅረት ኣሥመራ፣ ን4 ዓመት ናይ ንባበ መለኮት ትምህርቲ፣ ተማሂሮም ጨረሱ። ኣብ ገዳም ገጅረት ምስ ካልኦት 3 ብጾቶም (ሓደ ካብኦም ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ምዃኖም’ዩ) ብ19/6/1976 ብዓቢይ መብጽዓ፣ ናብ ኣምላኾም ተወፈዩ፣ ብ10/7/1977 ከኣ ብኢድ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ፣ መዓርገ ክህነት ለበሱ።

ንክህነታዊ ኣገልግሎትን ንኵስኰሳ መንእሰያት ደቂ ማኅበርን ዚበቅዕ፣ እኹል ፍልጠትን መንፈሳውነትን ደኣ ይሃልዎም እምበር፡ ኣሕሉቕ ማኅበር፣ በቲ ኣባ ተወልደ፣ ዓመት መጸ ዘርእዩዎን ዘፍርዩዎን ዝነበሩ ዕዙዝ ምዕባለ ትምህርቶም ብምንግዛብ፣ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኪውስኹን ንኪመሃሩን ናብ ወጻኢ ሃገር ንኪኸዱ ወሰኑ።

ብኣኡ መሠረት ከኣ፣ ኣባ ተወልደ፣ ካብ 1977 ክሳብ 1982 ኣብ “ጳጳሳዊ ግረጎርያን ዩኒቨርሲቲ፣” ሮማ፣ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተማሂሮም፣ ናእዳ ብዝመልኦ፣ ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ፣ ናይ ዶክተር መዓርግ ተቐበሉ። ቀጺሎም ከኣ፣ ካብ 1983 ክሳብ 1985 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ብናይ ታሪኽ ዓለም ትምህርቲ፣ ካብ “ካቶሊክ ዩነቨርሲቲ ኦፍ ኣመሪካ፣” ተመሳሳሊ ናእዳ ብዝመልኦ፣ ብናይ ዶክተርነት መዓርግ ፍርያም ዝዀነ ዓወት ረኸቡ።

ኣብ ሮማን ኣብ ዋሺንግተንን ትምህርቶም ወዲኦም ናይ ዶክተርነት ዲግሪ ምስ ሰቐሉ፡ እቶም ምርኡይ ሊቅነቶም ዝተዓዘቡ ሓለፍቲ ክልቲኡ ዩኒቨርሲቲ በብወገኖም፣ ነባ ተወልደ ኣብቲ ዝተማህሩሉ ፋካልቲ ሽዑ ንሽዑ ከም ቀዋሚ መምህር ኮይኖም ከገልግሉ ከምዝሓተቱዎም፡ ንሶም ግን “ነታ ዘዕበየትንን ዘምሃረትንን ሰበኻ ማሕበረይ ዕዳኣ ክኸፍል ስለዘሎኒ፡ ንዓደይ ተመሊሰ ዝተዋህበኒ ጸጋ ነሕዋተይን ንቤተ ክርስቲያነይን ከካፍል ግቡኤይ ኢዩ” ብምባል፡ ንዝቐረበሎም ወርቃዊ ዕድል ገዲፎም ናብ ሰበኻ ማሕበሮምን ዓዶምን ከምዝተመልሱ ዘይፈልጡ ኪህልዉ ስለ ዝኽእሉ በዚ ኣጋጣሚዚ ክንምስክር ንደሊ።

ወትሩ ኣብ ትምህርቲ
ወትሩ ኣብ ትምህርቲ

ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ኣስመራ ካብ 1987 ክሳብ 2005፣ ኣብ ሠለስተ ገዳማትና (ማለት ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ገጅረት፣ ኣብ ካተድራለ፣ ኣብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ጎዳይፍ) ተመዲቦም፣ ምእንቲ ማሕበርን፣ ቤተ ክርስቲያንን ቢሎም፣ ብዓቢይ ክእለትን ተወፋይነትን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ኣበርከቱ።

ከም ሓለቓ ተመሃርቲ ፍልስፍናን ተዮሎጊያን ገጅረት (3 ዓመት)፣ መምህር ኣብ ተቅዋመ ተዮሎጊያ ኣስመራ (12 ዓመት)፣ መምህር ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (12 ዓመት)፣ ሓለቓ ገዳም ካተድራለ (9 ዓመት)፣ መንፈሳዊ ኣቦ ወይ ጓሳ ናይቶም ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረቡ ምእመናን ነበርቲ ኣስመራ (9 ዓመት)፣ መንፈሳዊ መራሒ ዓለማዊ ፍራንቸስካዊ ማኅበር (3 ዓመት)፣ ኣብታ ብር.ሊ.ጳጳሳት ዝተሰምየት “ንዕቃቤ ታሪኻዊ ቅርጺ ቤተ ክርስቲያን እተጽንዕ ኮሚቴ” ኣማኻሪ (10 ዓመት)፣ ኣማኻርን ምኽትል ላእከ ሰበኻ ማኅበርን (6 ዓመት)፣ ኣብ መጨረሻ ከኣ፣ ሓለቓ ወይ ላእከ ማኅበር ካፑቺን ኣብ ኤርትራ (6 ዓመት) ኰይኖም ብዓቢይ ተወፋይነት ኣገልገሉ።

መሪሕነቶም ብሩህን ንጹርን፣ ጻዕራምን ለጋስን ነበረ። ኣብ ምጅማር ዘመነ ሕልቅነቶም፣ ንሥነ መዕበያ ምእንቲ ኪጥዕም ብዝብል ኣተና፣ ንቤት ጽሕፈት ሓለቓ ማኅበር፣ ካብ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ገጅረት፣ ናብ ገዳም ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዝግዕዝ ገበሩ።

ኣባ ተወልደ፣ ነዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት እናወፈዩ እንከለዉ፣ ማዕረ ማዕርኡ ድማ በቲ ዝነበሮም ብስለት ቋንቋ ጥልያንን እንግሊዝን ሳላ’ቲ በሊሕን ትኩርን ኣእምሮኦም፣ “ደኺመን ኣይጥዕመንን” ዘይፈልጥ ተወፋይነቶምን፣ ብፍቕሪ ማኅበሮምን ቤተ ክርስቲያንናን ተደሪኾም፣ ንብዙሓት ተመሃርቶምን ውልቀ ሰባትን፣ ካህናትን ፈለስትን ጥራሕ ዘይኮነ’ስ፣ ንኣሕሉቕ ገዳማውያን ማኅበራትን ንኣቡናትን ከይተረፈ፣ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሮምን ሓገዞምን፣ የወፍዩ ከም ዝነበሩ፣ ነፍስ ወከፍና ብሞሳን ብኣድናቖትን እንምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገርና እንከለዉ፣ ካብ 2000 ክሳብ 2004 ናይቲ ኣብ ደምበ ሕቡራት ሃገራት፣ ብስም “ፍራንሲስካንስ ኢንተርናሽናል” ተባሂሉ ዚፍለጥ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ተፈጥሮኣዊ ክንክንን ዚጣበቕ፣ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኣባል ኮይኖም እውን ብትግሃት ሰርሑ።

ኣብ ኤርትራ ዝተዋህቦም ተልእኮ ምስ ፈጸሙ ናብ ዓዲ ጣልያን ተጸዊዖም ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ተቐሚጦም፣ ናይ’ቲ “ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ዕቃቤ ፍትሕን ሰላምን ሥነ ተፈጥሮን” ሓላፊ ኰይኖም ካብ 2005 ክሳብ 2007 ኣገልገሉ።

መማኽርቲ ጳጳሳትን ሊቃውንትን!
መማኽርቲ ጳጳሳትን ሊቃውንትን!

ድሕር’ዚ፣ ብሰንኪቲ ዘሕለፍዎ ህልው ኵነታትን ዝነበሮም ጻዕቂ ስራሕን በብቝሩብ ተዋህሊሉ ዝጸንሔ ኣካላዊ ድኻምን፣ ሕማም ኵሊትን፣ ንጥዕናኦም ዚፈታተን ጸገም ኣጓነፎም። ካብ ሮማ፣ ናብታ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኪቕመጡላ ዝጸንሑ ኣብ ቪያ ቺስላጊ - ሚላኖ ዘላ ቤት ማኅበርና ተቐይሮም፣ ውራይ ጥዕናኦም እናገበሩ፣ ዕለታዊ ሥራሖም ብዘይ ምቊራጽ እናፈጸሙ ጸንሑ።

ንልዕሊ 10 ዓመት ዚኸውን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ጊዜ ናብ ቤት ሕክምና እናተመላለሱ ንዝሓመመ ኵሊቶም እናተኸናኸኑ፣ (ዲያሊዚ እናገበሩ) ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ2017 ናይ ካልእ ሰብ ኵሊት፣ ምስ ተለገሰሎም፣ ንኣምላኾም ኣመስገኑ። ንዝወረዶም ሕማም፣ ከም ፈኲስ መስቀል ገይሮም፣ ብልብን ብእምነትን ብምቕባል፣ “ንዝወረደካ ሕማም ብሓቦን ብተስፋን ብእምነትን ተሰኪምካዮ ምንባር ኢዩ” ዝብል ዘየወላውል ቃል፣ መውጽኢ ኣፎም ነበረ።

ካብኡ ንደሓር፣ ነቲ ዘወትር ዝነበሮም ፍቕርን ተገዳስነትን ማኅበር፣ ኣሓዲሶም፣ ካብ ቦታኦም ብዙሕ ከይተንቀሳቐሱ፣ ኣብታ ቤቶም ኮይኖም ምስ ኣሕሉቕን፣ ኣሕዋት ደቂ ማኅበሮምን፣ ምስ ብዙሓት ደቂ ዓድን ወጻእተኛታትን ሊቃውንቲ፣ ብሕልፊ ከኣ፣ ምስ ተራመርቲ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽሑፋቶም እናተዋስኡ ጸንሑ።

ከምኡ ድማ፣ ናይቶም ንዶክትረይት ኰነ ንፒ ኤች ዲ መዓርግ ንምርካብ ዝሠርሑን ዝጽዕሩን ተመሃሮን ተመራመርትን፣ ነቲ ንሳቶም ብቋንቋ እንግሊዝን ብቋንቋ ጥልያንን ዘሰናድውዎ ዝነበሩ ጽሑፍ፣ ብብቕዓትን ብጽፈትን፣ ይእርሙሎም ነበሩ። ንሶም ብወገኖም፣ ነቲ ደኺመ ከይበሉ፣ ምስ ተመራመርቲ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብመጽናዕትን ብዳህሳስን፣ ዘፍረዩዎን ዘበርከቱዎን ጽሑፍ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ መጽሔታትን መጻሕፍትን፣ ተሰኒዱን ተኃቲሙን ይርከብ።

ኣብዚ ኣብ ሚላኖ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ገዳም እትርከብ ቊምስና ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኰነ፣ ኣብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን፣ ካህናት፣ ቅዳሴ ንምቕዳስን ቃል ኣምላኽ ንምስባኽን፣ ኪልምኑዎም እንከሎዉ ዘወትር ስንድው ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ገዳሞም፣ ንሥርዓት ማኅበር ሓልዮም፣ ኣብ ጸሎቶምን መንፈሳዊ ሕይወቶምን፣ እሙንን ሥሩዕን ነበሩ። ምስ ፈለስቲ ደቂ ማኅበሮም ኰነ፣ ምስ ዚቐርቦም ዝዀነ ሰብ ተሓጒሶም፣ ብሓቀኛን ሕውነታውን መንፈስ ይዋስኡ ነበሩ። ኣምላኽ ዝዓደሎም ፍሉይ ጸጋ፡ ንብሕታዊ ረብሓን ንርእሰ ጸብለልትነትን ዘይኮነስ፣ እንታይ ድኣ፣ ንኣገልግሎት ኣምላኽን ኣኅዋትን፣ ንመንፈሳዊ ህንጸት ቤተ ክርስቲያንን፣ ንሥነ ፍልጠታዊ ዕብየትን ምዕባለን ሃገር ከምዝዀነ ተረዲኦም፣ ብሓላፍነትን ብለጋስነትን ተጊሆም ኣገልገሉ።

ኣባ ተወልደ፣ ኣምላኽ ዝዓደሎም በሊሕን ትኩርን ኣእምሮ ነበሮም። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብርሃን ኣእምሮ፣ ብቀጻሊ ትምህርትን ጥበብን እንተደኣ ኣሰኒኻዮ ከምዘዓውተካ ይኣምንሉ ስለ ዝነበሩ፣ ተመሃሮ እውን ወረስትን ተጠቀምትን ንኺኾኑ ናይ ለይትን መዓልትን ጻዕሮምን ምኽሮምን ነበረ። ኣብ ተቅዋመ ተዮሎጊያ ኰነ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሥመራ ኰነ፡ ንዝምህሩዎም ተመሃሮ፣ ቅንኣት ትምህርትን ፍልጠትን ከም ዝሓድሮም፣ ይገብሩ ነበሩ።

ልዕሊ ኲሉ ከኣ፣ ነቕ ዘይብል ቅንዕናን ሓቅን ረጊጾም፣ ብገጽ ረኤ ዘይነብሩን ዘይሠርሑን፣ ብዘይካ ብፈሪሃ እግዚኣብሔር ብኻልእ ምኽንያት ሰጋእ ዘይብሉ ሓውን ካህንን ኢዮም ዝነበሩ።

ከምዚ ዝበሉ ፍቁር ሓው፡ ጽሩይ ፈላሲ፡ ክቡር ካህን፡ ሊቅ መምህር ኪኽወሉ ከለዉ፡ ንኣና ንደቂ ማሕበሮምን ነሕዋቶምን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቤተ ክርስቲያንናን ንሃገርናን ኢዮም ዚጎድሉና ዘለዉ። ምድራዊ ጉዕዞኦም ወዲኦም፡ ሕጂ ምስቶም ቀዲሞምዎም ዝሓለፉ ፍቁራን ወለድን ኣሕዋቶምን፡ ምስ 60 ኤርትራውያን ደቂ ማሕበሮምን ተጸምቢሮም፡ ኣብቲ ዓይኒ ዘይረኣዮ እዝኒ ዘይሰምዖ ልቢ ወድሰብን ኪሕልኖ ዘይክእል ናይ ሓጎስ ዓስቢ መንግስተ ሰማያት ከምዝዓትሩን፡ ምእንቲ ኵላትና ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መማለዲ ምሕረትን ሰላምን ከምዝኾኑን እምነትና ኢዩ።

ልዑልን መሓርን እግዚኣብሔር ንነፍሲ ኣገልጋሊኡ ኣባ ተወልደ ኣብ ዘለዓለማዊ መንግስቱ ይቀበለልና፣ ብሞቶም ንዝሓዝኑ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ይሃበልና፣ ንኣኦም ዝመስሉን ዝትክኡን ትጉሃን ፈለስትን ካህናትን ይዓድለና። ንሃገርናን ከባቢናን ንምሉእ ዓለምን፡ ከኣ ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን የንግሰልና። ኣሜን።

ኣባ ሃይለሚካኤል በራኺ፡ ማሕበር ካፑቺን

28 May 2022, 15:10