ድለ

ችዘርንይ፥ ማርቲኒ ነቢዪ ራእያቶም ሎማዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጒዕዞ ኣቐዲሙ ዘማዕደወ! ችዘርንይ፥ ማርቲኒ ነቢዪ ራእያቶም ሎማዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጒዕዞ ኣቐዲሙ ዘማዕደወ! 

ችዘርንይ፥ ማርቲኒ ነቢዪ ራእያቶም ሎማዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጒዕዞ ኣቐዲሙ ዘማዕደወ!

ኢየሱሳዊ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መደረኦም ነቶም ንሰበኻ ሚላኖ ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ዝመርሑ ኢየሱሳዊ ካህን ሊቀ ጳጳሳት ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ንቕዱስ መጽሓፍ ዝነበሮም ፍቕሪ “ኣብ ታሪኻዊ ኵነታት ናይ ምትርጓም ፍሉይ” ክእለት ክህልዎም ከም ዝገበሮም ገሊጾም፥ “ራእያቶምን ናይ ጒስነት መርሕነቶም ንቢዪ የብሎም። ነቲ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ክትኸዶ ዘለዋ መገዲ ኣቐዲሙ ዘመላኸተ እዩ”

ናይ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ከተማ ሚላኖ እታ ብቤት ማሕተም ቦምፒያኒ እተሓትመት “ገዛእ ርእስኻ ቀረባ ምግባር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሻድሻይ መድብላዊ ዓቢይ ድርሰት ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ እተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ማርቲኒ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝሓተቶ ዝፈጸሙ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ነቶም ካብ 1978 ክሳዕ 2002 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ሚላኖ ዝመርሑ ካብዛ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለዩ መበል 20 ዓመት ዘቑጽሩ ዘለዉ ጓሳ፡ ኣብ ሚላኖ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርትያን እውን “ናይ ሓቂ ምስክር ቃል ኣምላኽ” ዝዀኑ “ነቢዪ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ እውን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እናቴ ናታሊ ብኵዋርት እውን ተረኺበን መደረ ከም ዘስምዓ ኣፍሊጡ።

ኣገባብ ምስማዕን ጸሎትን ህይወትን

ኢየሱሳዊ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መደረኦም ነቶም ንሰበኻ ሚላኖ ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ዝመርሑ ኢየሱሳዊ ካህን ሊቀ ጳጳሳት ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ንቕዱስ መጽሓፍ ዝነበሮም ፍቕሪ “ኣብ ታሪኻዊ ኵነታት ናይ ምትርጓም ፍሉይ” ክእለት ክህልዎም ከም ዝገበሮም ገሊጾም፥ “ራእያቶምን ናይ ጒስነት መርሕነቶም ንቢዪ የብሎም። ነቲ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ክትኸዶ ዘለዋ መገዲ ኣቐዲሙ ዘመላኸተ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቤተ ምርምር ንሲኖዶዊት ቤተ ክርስቲያን

እታ ብቤት ማሕተም ቦምፒያኒ እተሓትመት ንንበብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ነቲ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ማርቲኒ ኣብ 1985 ዓ.ም. ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቶም እተዘኻኽር ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሰማንያ ዓመታት ኣብ ሚላኖ ናይ ሓቂ ቤተ ምርምር ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘበገሱን ጒስነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክቡር መዝገብን ነቲ ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበራብርዎ ዘለዉ ጒዕዞ ሲኖዳውነት ዘጉልሕን እዩ። ብሓባር ኴይና ንኣምላኽ ክንደልዮ እንኽእል ብኸመይ እዩ? ንድምጺ ኣምላኽ ብኸመይ ኢኻ እተለልዮ? ብኸመይ ከም ትእዛዞ? ምስትውዓልን ውሳኔን ዝገብር ማሕበረሰብ በየናይ መግድን መዓስን ኢኻ እትውድቦ?” ዝብላ ሕቶታት ኣቕሪቦም፥

ምንባብን ዳግመ ንባቤን

ብመሰረት ናይ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብዚ ኣረኣእያ እዚ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ማርቲኒ እንታይ ዓይነት መርሕነትን ስልጣንን ከም እተጠቀሙን ምስትውዓል “ኣዚዩ መሳጥን እዋናውን እዩ።” እቲ ሊቀ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ማእከልነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቶም ዝሃነጽሉ ስእሊ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝገለጽሉ ምሳልያዊ ዛንታ ሕያዋይ ሳምራዊ ማእከልነቱ ዘነጽር እዩ። “ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ውሽጢ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐየረ ግን ከኣ ብዓቢይ ምቅይያራት ኣብ ዘርኢ ዓለም ክልተ ጓሶት ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ “ብጻየይ መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ዝሃቦ ሱር ሰደድ መልሲ ዘንብብ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ርድኢት ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከነምጽእ ንኽእል ኢና። ሲኖዶሳውነት እምበኣር ከስ ልክዕ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዳግመ ንባቤን ዝቘመ እዩ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ደቂ ሰብ ኪትርጒምዎ ብዚኽእሉ መገዲ እዩ ዚንበር” ቢሎም ብዘይካዚ “ቤተ ክርስቲያን ቦታ ትህብ። ንወንጌል ብሕታዊ ምላሽ እትህበሉ ቦታ እውን እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዘይዓግብ ኣፍቅሮት

ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብዚ እውን ኣብ መንጎ እቲ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ  ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝገብሮ ቈራጽ ህርኵት ጻዕሪ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ እቲ ካርዲናል ማርቲኒ ዘቕረብዎን ዘማዕበልዎን ግብረ ሰናይ ዝናበብ እዩ - “እቲ ኣብቲ ወቕቲ እተገብረ ኤቅለሲያዊ ምርጫታት ብዓቢዩ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ማርቲኒ “ብሃንደበታዊ ዘይዓግቡ የግዳስ ነባሪ መገድታት ኣብ ዘለዎ መዋቕር ዘተኵሩ እዮም።” እዚ ኸኣ “ንፍትሕን ሓልዮትን ዕቤትን ሰላምን ብኸመይ ከም እትሓብር መንግስታዊ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ፖለቲካዊ መልክዕ ብኸመይ ከም እትህብ ዝፍለጥ ማሕበራዊ መልክዕ ዝህብ ተግባር” እዩ ነይሩ።

“ሎሚ ግዜና እዩ”

ብጹዑነቶም ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፥ ካርዲናል ማርቲኒ “ከምቲ ብግዜ ንእስነቶም ልክዕ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ጽድያ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዜመልከትዎ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሓተቶ ዝገበሩ እዮም።” ካብቲ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ “ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ከም እንምነ ዝገበረና ራእያት” ጠፊኡ እዩ። ይዅን እምበር ይብሉ ብጹዕነቶም፥ “ሎሚ ግዜና እዩ ንኣሰራርሓ ወከላ ዓለም ምሉእ ብምሉእ እንቕይሮ ሰረት ቁጠባዊ ኣሰራርሓ እንደገና እንሓስበሉ እንተ ዘይኰይኑ ግን ነቲ ምልክታ ሕማም ጥራይ እና እንገጥሞ። እቲ ሓርነትና ኣብ ሓደጋ ዘእትወሉ ሓላፍነት ዝስምዓናን ቀንዲ ተዋሳእትን ዝኾንናሉ ስደት ንኽንላቐቕ ዝድርከና ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ዓይነት ሕልሚ - ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 May 2022, 16:53