ድለ

ካሪታስ ኣውሮጳ ንሰላምን መዓርነትን ይሰምር - ኣተንስ ግንቦት 2022 ዓ.ም. ካሪታስ ኣውሮጳ ንሰላምን መዓርነትን ይሰምር - ኣተንስ ግንቦት 2022 ዓ.ም. 

ካሪታስ ኣውሮጳ ንሰላምን መዓርነትን ይሰምር

ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ኣፍሪቃ ሰነጋል ኒጀርን ናይጀርያን ዝገበርዎ ዑደት መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ ውሕስነትን ውሑስ ዕብየትን ዝውዕል ልቓሕን ሓገዛትን ክረኽባ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ብናይ ከተማ ሀላስ ዝተኣንገደ ናይኣውሮጳ ካሪታስ ዞባዊ ጉባኤ፣ ካብ ብዙሒ ኣኬበኛታት ዝተረኸበ ሃናጺ ሓሳባት ብዛዕባ ህሉው ናይ ረጽሚ ኩነታት ኣብ ዩክሬን ዘጋጠመ ኲናትን ብሰንኩ ዝሰዓበ ሰብኣዊ ጸገማትን ተዘትይሉ። መራሒ ካሪታስ ኣብ ዩክሬን ከምኡ እውን ዋና ኣማሓዳሪ ካሪታስ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኣስፊሖም ብምግላጽ ኩሉ ምትሕብባርን ሓገዛትን ከምኡ እውን ጸሎት ከምዝገበሩ ነቲ ጉባኤ ገሊጾም።

ኣብቲ ዋና መራሒ ካሪታስ ሀላስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ቩትጺኖ ብወግዒ ዝተከፍተ ጉባኤ ብዙሓት ናይ መንግስታትን ዘይመንግስታውያንን ረድኤት ማሕበራት ከምኡ ውን መራሕቲ ሃይማኖት ተረኺቦም ኔሮም።

መልእኽቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ተሳቲፎም ኣገዳስነት ናይ እዚ ጥምረት ኣብ ምክሕሓስ እዞም ኣጋጢሞም ዘለዉ ዝተደራረቡ ኩነታት፣ ብነባራዊ ኣየር ለውጢ ብኮቪድ 19 ከምኡ እውን ብዓቢኡ ኲናት ዩክሬን ዝሰዓበ ተጸበይቲ ሓገዝ ዝኾኑ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝን ንሰላምን ሕጊን ምኽባር መዓርነትን ኣንጻር ድኽነት ምቅላስ ዝኣተኹሞ መብጽዓ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዕዙዝ እዩ ኢሎም።

በቲ ጉባኤ ዝተወስደ ውሳኔ

መራሒ ዋና ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዕ ኣቡነ ላንዳው እዚ ብሓባር ከነተግብሮ መዲብናዮ ዘሎና ስራሕቲ ናብ ኣህጉርና ዝርከብ ህዝቢ ርኡይ ለውጢ ዘምጽእ ሙዃኑ፣ ነቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19ን ኲናትን ኣጋጢሙ ዘሎ ክሳራታት ንምሕዋይ ምውሳእ ሰላምን ምትሕብባርን ምድንፋዕ ኣየናይ ቀዳምነት ይስራዕ ብምፍላይ ኣብ እዘን ዝስዕባ ቀንዲ ዛዕባታት ምርጫ ኣካይዶም።

ምምስራት ጉባኤ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ንህዝቢ ምትብባዕን ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ዝነጥፍ

ብናይ ቤተክርስቲያን ተልእኾ ንካሪታስ ምድንፋዕ ተሳተፍቲ ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ምምስራት

ተሳታፍነት መንእሰያት ደቀንስትዮን ናይ ምምሕዳራት ተሳታፍነት ምብርባር ምቅልጣፍን ምምሕያሽን ምግባር ዝኣመሰሉ መደባት ነቲ ናይ ኣውሮጳ ጥምረት ዝወጠኖ ካብ 2021 ክሳዕ 2028 ዓ.ም. ከም መምርሒን ኣብ እዋኑ ንኽፍጸም ዝሕግዝ እዩ።

 

13 May 2022, 17:15