ድለ

መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካርዲናል ዙፒ መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካርዲናል ዙፒ 

መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካርዲናል ዙፒ

ብመሰረት ብጹዕነቶም ዝበልዎ፥ ኣብዚ ኣርኣእያ እዚ እቲ ቐጻሊ ዝኹነ “ጒዕዞ ሲኖዳውነት” ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ታሪኽ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝደልይዎ ጒዕዞ ዝብገስ ዘይመስሎም ዝሓበሩ ኣለዉ፡ ብርግጽ ነዚ ክመስል ዝገበሮ ከኣ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ንኸይንራኸብ ገይሩ ስለ ዝነበረ እዩ

ኣብቲ ካብ ዕለት 23 – 27 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝተካኻየደ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተሓርዩ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ከም ኣቦ መንበር ኣብ ዝሃብዎ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ብዛዕባ ንጥፈታት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ እተዘገበ ጸብጻብን ዝቐረቡ ሓብሬታ ማህሰይቲ ጸብጻባት ብተወሳኺ ካብ 2020 ክሳዕ 2021 ዓ.ም. ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ተፈጺሙ ዝበሃል ጥርጡር ድዩ እተረጋገጸ ናይ ክሲ ጸብጻብ ኣማእኪሎም መብርሂ ከም ዝሃቡን እዚ ጸብጻብ እዚ ዕለት 18 ሕዳር ተሓቲሙ ወግዓዊ ክኸውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን “ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር ውግእ ጥራይ ክሕሰብ ከም ዘይብሉን ኢጣሊያ ጸረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውዕሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተጽድቖን ዝብሉ  ኣርእስታት እውን ከም ዝዳህሰሱን፥ “ምሕብባእ ኮነ ተቓውሞ ካብ ኣቡናት ኣይክህሉን እዩ። ነቶም ግዳያት ስቓዮም ቀዳምነት ክንህበሉ ኣሎና። ምእንቲ ስቓዮምን ምእንቲ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን እውን።” ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እተፈጸመ ማህይሰይቲ ዝገልጽ ሃገራዊ ጸብጻብ ሰፊሕን ነዊሕን መብርሂ ከምዝሃቡሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ጸብጻብ

እቶም ኣብቲ መበል 76 ሓፈሻዊ ምልኡ ዓመታዊ ጒባኤ እተሳተፉ ናይ ኢጣሊያ ብጽዓን ጳጳሳት “ነቲ ህሳይ ዘምጽእ ተርእዮታት ንምክልኻን” ሓሙሽተ ናይ ስጒምቲ መደባት ከም ዘዳለዉን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንመንእሰያትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ተኣፋፍያን ንምዕቋብ ተባሂሉ ዝዳሎ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ሰበኻታት ኢጣሊያ ምድልዳልን ኣብዚ መዳይ እዚ ሰበኻታት መርበባዊ ኣሰራርሓ ክህልወን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻን ቍምስናን ናይ መስምዒ ማእክላት ክቐውም ምዃኑን ድሮ እውን ከም ምእተበገሰን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ዘማእከለ ዝርዝራዊ ጸብጻዕ ዕለት 18 ሕዳር ወግዓዊ ክኸውን እዩ እዚ እውን እተረጋገጸን ዝጥርጠርን ጒዳያት ገበን ዝምልከት እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ 2000 – 2021 ዓ.ም. እተገብረ ዓሚቝ መጽናዕቲ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር፥ ኣብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመን ወይ ዝጥርጠርን ህስያ ዝምልከት ካብ 2000 – 2021 ዓ.ም. ዝኸይድ ጸብጻብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዕምቆት ክምርም ምዃኑ ሓቢሮም፥

ምስማዕ

ብዛዕባ ህስያ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትጽውዓሉ ብድሆታት እውን እቶም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር እትሰምዓሉ መገዲ እንክሕብሩ፥ ቤተ ክርስቲያን እተሰንን ኣብ ኣብ ጒዕዞ እትመርሕን ሓቢራ እትጓዓዝን ከም መገልግሊት ኮይና ዝስምዓን ኣደነት ኣርኣእያ ዘለዋ ክትከውን ንደቃ ቀረባን ብፍላይ ንዝሳቐዩን ኣደዳ ዓመጽ ንዝዀኑ እተገልግልል እያ። ጸገሞም ማህሰይቶም ዝወረዶም ዓመጽ ናታ ገይራ ስሌኦም እትጣበቕ እያ። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ እተኸስተ ለብዒ ኮቪድ - 19 “ኵላትና ኣሕዋት” ምዃንና ኣነረጺሩልና እዩ። ስለዚ ነዚ ፍልጠት እዚ ብሱላት ክንከውን ኣሎና። ቤተ ክርትያን ከኣ ንስቓይን ትርጒም ንዘለዎም ሕቶታት መልሲ ክትረክብ ኣለዋ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ጒዕዞ ሲኖዳውነት

ብመሰረት ብጹዕነቶም ዝበልዎ፥ ኣብዚ ኣርኣእያ እዚ እቲ ቐጻሊ ዝኹነ “ጒዕዞ ሲኖዳውነት” ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ታሪኽ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝደልይዎ ጒዕዞ ዝብገስ ዘይመስሎም ዝሓበሩ ኣለዉ፡ ብርግጽ ነዚ ክመስል ዝገበሮ ከኣ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ንኸይንራኸብ ገይሩ ስለ ዝነበረ እዩ። ይዅን እምበር ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝምልከት 205 ጸብጻባት ካብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓት ጳጳሳት ንቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ቀሪቡ እዩ፡ እዚ ኸኣ መብዛሕቲኡ ብዓለማውያን ምእመናን ዝቖመ 50 ሺሕ ጒጅለ ሰበካታት ኢጣሊያ ናይ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ጽማረ እዩ፡ ሲኖዳውነት ባህርይ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ክብገስን መስርሕ ክኸውን ዝዕንቅጾ ክህሉ ኣይክእልን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ክርስዑ ዘይግብኦም ዝተረስዑ ውግኣት

ብጹዕነቶም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ዩክረይን ኣማእኪሎም፥ ቅድም ቀዳም ነቶም ስደተይናታት ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል ኣገዳሲ ምዃኑ ተማሕጺኖም፥ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ከቢድ ጸገማት ካብ ዝስደዱ ድሕሪ መሰረታዊ ፍትሓ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ዝተኣንገዱለን ሃገራት ክተርፉ ይመርጹ። እዚ ብዘየገድስ እቲ ዘድሊ ስደተይናታት ምቕባልን ምእንጋድን ተወሃሂሆድም ንኽነብሩ ባይታ ምፍጣር እዩ። . . . እቲ ዓይኒ መላእ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ውግእ ዩክረይን ነቲ ናይቲ እናዀላለፈ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ዓለም መግለጺ ዝኾነ እሞ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘረስዕ ክኸውን የብሉን፥ ኣፍጋኒስታን ሊቢያ ከምኡ እውን ካልኦት ሃገራት መልሲ ክረኽባ ኣለወን ነቶም ኣብ መዲትራኒያብ ባሕሪ ዝተጥፍኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርስዕ የብልናን  . . .  ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኑክለስያዊ ኣጽዋር ምእጋድን ምውጋድን

ኣብ መወዳእታ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ነቲ ኑክለስያዊ ኣጽዋር ንምእጋድ እተገብረ ውዕል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘኪሮም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ኑክለሳዊ ውግእ ከም ብሓድሽ ክዝርከ ንሰምዕ ኣሎና፡ እዚ ጒዳይ እዚ ክንለምዶ የብልናን፡ ነቲ ኤውሮጳ እተወለደትሉ ማለት ንመሰላት እትጣበቐሉ መገዲ ከም እነጥፍእ ዝገብር ጽንሰ ሓሳብ ምእንቲ ከይንለምዶ ንውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቢቕካ ምስዓብ የድሊ። ብተምሳሳሊ “ውግእ ክለምዶ ዝከኣል ክኸውን የብሉን ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ። ከም ክርስቲያን እውን ዘይቅብሉ እከይ ተግባር እዩ። ናይ ምክልኻል መሰል ሕጋዊ እውን እንተዀነ እቲ ዝዓበየ መሰል ግን ሰላም እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

28 May 2022, 16:49