ካርዲናል ባሰቲ፥ መንፈስ ቅዱስ ጽን እትብል ንመራሕቲ ሃገራት ሕቶ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን!
ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክሳዕ ዕለት 27 ግንቦት ዝቕጽ ዕለት 23 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝተኸፍተን ኣብ ሮማ ከባቢ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዘሎ ሂልተን ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ዝካይ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ ኣማእኪሎም ነዚ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እዚ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝመርሑ ናይ ተልእዀ ዘመኖም ዘብቅዑ ናይ ፐሩጃን ከተማ ፒያቨ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ኢጣሊያ ብጽዓን ጳጳሳት ንስደተይናታትን ነቶም በቲ ጭካነ ዝመልኦን ዘይርትዓውን ተግባራት ንስቓይ ዝዳረጉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘርእይዎ ዘለዉ ቅርበትን ዘቕርብዎ ሓገዝን ንኢዶም፡ ሳላ እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሲኖዶስ መገድታት ዘንብሮ ዝፈጥሮ ዘሎ ሕዳሴ ኣተሓሳስባን ንመእሰያት ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ትምህርትን መደብ ሕንጻትን ኣጒሊሖም፡ ዓለማውያን ምእመናን ደቀንስትዮ ብንጥፈት ክሳተፋትን ጭቡጥ ምርጫታት ይግበር ከም ዘሎ ድሮ እውን ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓድሽ ናይ ሰላም ወቕቲ
ነቲ መበል 76 ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣማእኪሎም ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብኦም ዝነበሮም ትውክልቲ ኣመስጊኖም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብጹዓን ጳጳሳት ዘኪሮም ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ምስቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጭንፈር ኢጣሊያ ብምትሕብባር ንስቓይ ተቐማጦን ስደተይናታትን ህዝቢ ዩክረይንን ንምቅላል ዝግበሮ ክብሩ ዕዮ ገሊጾም፡ እዚ ተግባር እዚ “ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ሓድሽ ወቕቲ ዕርቂ ፍትሒ ከምኡ እውን በሪ ሰላም ዝኸፍት ክኸውን ንምነ” እንክብሉ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም፡
ምስ ኢየሱስ ቀጻሊ ርክባት ከይብተኽ
. . . መገዲ ብጹዓን ጳጳሳት ብሓድነትን ብሓቅን ብምትሕብባርን ብተወፋይነትን ክቕጽልን ውጽኢታዊ ክኸውን ኣብ ኢየሱስ ዘተኰረ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጾም . . . ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብወንጌል ኣይንሕፈር። ኣቡናት ካህናት ብሓቂ ኣቦታት ኪዀኑን መሰኻኽር ፍቕርን ሓልዮትን ጐይታ ኮይኖም ከገልግሉ ዝተጸውዑ እያቶም ቢሎም ምስ እዚ ብትሕሓዝ ህልዉ ኩነታት ኢጣሊያ ዳህሲሶም፥
ትምህርትን ህንጸትን ንመእሰያት
ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ካብ ኵሉን ንላዕሊ ሓዲሽ ወለዶ ከም ዘተሓሳስባን እዚ ወለዶ እዚ እውን ንቤተ ክርስቲያን ትግሃትን ሕዳሴን እዩ ቢሎም፡ ናይ ሓቂ ናጽነት ንኽረኽቡ መገዲ ዝኸፍት ክርስቲያናዊ ትምህርቲ ክቐርበሎም ኣተሓሳሲቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኣባ ቶኒኖ በሎ “መንእሰይ ወለዶ ውዕዉዕ ሓይሉ ከባኽን ዘይኮነስ ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ከውዕሎ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ለበዋ ዘኪሮም . . . ምስቶም ንኡሳንን ዝተናዕቁን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ክንከውን ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነ ዑቝባ ክረኽቡን ክንከላኸለሎም ከም ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ጽዉዓት ኢና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣተሓሳስባ ምሕዳስን ምቕያርን
ኣብዚ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎናሉ እዋን፡ ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ከምኡ እውን ብእኡ ንኽንምራሕ ኪንፈቐደሉን መንፈስ ቅዱስ መታን ክዓዪ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ንኣኡ ኣብ ምስማዕ ክትተግህን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘይኮነስ ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ኰይንና ብሓባር ድላይ መንፈስ ቅዱስ ምልላይ ዝብል ሓዋርያዊ ኣካይዳ ተተባብዕ ኣላ ቢሎም፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ፍስሐን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ቅድስና ኣድማሳዊ ጻውዒት ምዃኑ ትምስክር . . . ።
ቤተ ክርስቲያን ወሳኒ ሕልና ሕብረተሰብ ክትከውን ትኽእል እያ
“ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ደኣ ተመሪሓ ወሳኒ ሕልና ሕብረተሰብ ክትከውንን ትኽእል። ኣብዚ ኪደት እዚ እውን ብዙሕ ሳቓይ ከጋጥማ ዝከኣል እዩ። . . . ኣተሓሒዞም ህልው ኵነታት ስድራ ቤትን መንግስቲ ዝኽተሎ ንስድራ ቤት ዝምልከት ፖለቲካን ቁጠባውን መደባቱን እውን ዘኪሮም፡ እዚ መደብ እዚ ህይወት ዘማእከለን ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ንምድጋፍን ካብቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ንኽላቐቑ ዘብቕዕ ሓገዝ ክቐርብ እውን ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ እውን ንጒዳይ ስደተይናታት ዝምልከት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስፍሓት ክብሪ ደቀንስትዮ ምድንፋዕ
. . . ድሮ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ካብ ሓላፍነት ምቕባልን ክሳዕ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘለወን ግደ ይድንፍዕ ምህላዉ ገሊጾም፡ እዚ እውን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍሉይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት መንፈስ ጐይታ ከምኡ እውን ጥንታዊ ኣገልግሎት ብዝብል ኣርእስቲ ንዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሰረት ዝገበረ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።