ዛምቢያ፥ ካህናት ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኪከናኸኑን ኬዕቍቡን ጳጳሳት የተባብዑ
ኣብ ዛምቢያ ናይ ማንሳ ሰበኻ ጳጳስት ብጹዕ ኣቡነ ፓትሪክ ኪሳንጋ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ዝሰርዕዎ ሊጡርጊያ ስርዓተ ባርዀት ቅዱስ ዘይቲ ካህናት ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዛምቢያ ኪከናኸኑን ከዕቁቡን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕ ኣቡነ ኪሳንጋ ጳጳስ ዘመንበረ ማንሳ ኣብ ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ዝሰርዕዎ ስርዓተ ባርዀት ቅዱስ ዘይቲ፡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞም ጸገም ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣተኩሮ ክረክብ መታን ካህናት ኣብዚ ጒዳይ እዚ ቀንደይና ተዋሳእቲ ኮይኖም ኪርከቡን ጒዳያት ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ኪህብሉ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣረጋውያን ምክንኻንን ምክልኻልን
“ካህናት ናብቲ ናይ ጸዋዕትኹም መዳሕንቲ እተቐብረሉ ነቲ ኣብ ምድሪ ካልአ ክርስቶስ ኣብ ምዃን ኣገልግሎትኵም ተልእኾዀም መሰረት እዩ እሞ። ነዚ መሰረታዊ ቅዱስ ምኽንያት ጸዋዕታዅም ዳግም ኣሐዲስኵም ነቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዉ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ፍሉይ ቈላሕታን ሓልዮትን ክትህቡ እልምነኵም። ሰበኻና 2022 ዓ.ም. ዓመት ኣረጋውያንን ኣረጋውትን የብዕል ኣሎ . . . ብዕድመ ዝደፍኡ ብፍላይ ድዅማት ዋጋ ዘብሎም ኰይኑ ከይስምዖም ብፍቕሪ ክርስቶስ ሕቝፋት ምዃኖም ቀሪብኵም ኣብ ምግልጋሎም ኣረጋግጹሎም። . . . ብጽሕዎም ቅርበዎም ሰብ ተመክሮ እያቶም እሞ ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾኹምን ህይወትኵምን ኣሳትፍዎም . . ሓደራ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንዅሉ ኣቦን ኣደን ኵኑ!
ብጹዕነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ካህናት ንቤተ ክርስቲያንን ንማሕበረሰብን ኣብ ምግልጋል ምእንቲ ክቕጽሉ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘሕልፍዎ ሰፊሕ ተመክሮ ቀሪቦም ከስተውዕሉ ተማሕጺኖም፥ “ተሓለቕቲ ድሕነቶም ኵኑ። ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ካብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻን ሸለልትነትን ጸባባን ተጣበቑ” ቢሎም ኣስዒቦም፥ “ሓደ ካህን ኣብ ሕብረተሰብ ‘ኣቦ’ ተባሂሉ ስለ ዝጽዋዕ ነቲ ናይ ኣቦን ኣደን ባህርያት ከንጸባርቕ ጽዉዕ እዩ። እዚ ባህርያት ካህነት እዚ ኣብቶም ካቶሊክ ማሕበረሰብ ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን የብሉን። ሃይማኖት ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ፍቕርን ግብረ ሰናይን ልቡን ክዝርግሓሎም ግድን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።