ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ፥ ንዑቕባ ሓተትቲ መደብ ብሪጣንያ -  ሩዋንዳ ሕጊ ንባህርይ ኣምላኽ ዝጻረር እዩ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ፥ ንዑቕባ ሓተትቲ መደብ ብሪጣንያ - ሩዋንዳ ሕጊ ንባህርይ ኣምላኽ ዝጻረር እዩ 

ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ፥ ንዑቕባ ሓተትቲ መደብ ብሪጣንያ - ሩዋንዳ ሕጊ ንባህርይ ኣምላኽ ዝጻረር እዩ

“ነቶም ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ እተገዱ ሰባት ዘይግደስ መስርሕ እዩ፡ ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም ሰባት ጒዳይም ካብኻ ምርሓቕን ብሓቂ ነቶም ሓለዋ ዘድልዮም ሓለዋ ምንጻግ እዩ፥ እዚ ጒዳይ እዚ ስነ ምግባርዊ ሕቶ እዩ - ቢሎም - ነቲ ናይ ሃገሮም መራሔ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶንን ብሓባር ምስ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚንስትሮም ኮይኖም መብርሂ ዝሃቡሉ ኣዋጅን እቲ ኣዋጅ ዝወስዶም ስጒምትታት ኣብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዘቕርብ እዩ

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ንስደተይናታትን ነቶም ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ጒዳዮም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘይኮነ ኣብ ሩዋንዳ ክረአን ዝብል ዘጽደቖ ሓድሽ መስርሕ ጒዳይ እቶም ስደተይናታት ናብ ወጻኢ ምግዓዝ ኮይኑ ናይቶም ስደተይናታት ጸገም ምፍታሕ ዘይኮነ እዚዩ ክተሓላለኽ ዝገብር እዩ እንክብሉ ነቒፎም፡ ቅረታኦም ከም ዘስምዑን ዝተፈላለያ ንሰብኣዊ መሰልላትን ክብረትን ዝሕለቓ ማሕበራት እውን ተመሳሳሊ ነቐፈታ የቕርባ ከም ዘለዋ ዜና ቫቲኣክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጃስቲን ወልባይ ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ ሃገሩ ውሽጢ ዝርከቡ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ነጺጉ ጒዳዮም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ሩዋንዳ ክርአን ዝብል ዘጸቖ መስርሕ ምስ መንግስቲ ሩዋዳ ናይ ስምምዕ ውዕሊ ዝፈረመሉ ውሳኔ፡ ንበዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ብኣጽችንዖት ከም እተቓወሙዎን፥ “ነቶም ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ እተገዱ ሰባት ዘይግደስ መስርሕ እዩ፡ ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም ሰባት ጒዳይም ካብኻ ምርሓቕን ብሓቂ ነቶም ሓለዋ ዘድልዮም ሓለዋ ምንጻግ እዩ፥ እዚ ጒዳይ እዚ ስነ ምግባርዊ ሕቶ እዩ - ቢሎም - ነቲ ናይ ሃገሮም መራሔ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶንን ብሓባር ምስ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚንስትሮም ኮይኖም መብርሂ ዝሃቡሉ ኣዋጅን እቲ ኣዋጅ ዝወስዶም ስጒምትታት ኣብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዘቕርብ እዩ። ብሪጣንያ ብክርስቲያናዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እተመስረተት ሃገር ከም ምዃና መጠን “ነታ ጽቡቕ ክትግበር እትደሊ ሃገረ ሩዋንዳ እውን ከይተረፈ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣንጻር ባህርይ ኣምላኽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውዕል ብሪጣንያን ሩዋንዳን

መራሔ መንግስቲ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን መንግስቶም ምስ ሩዋንዳ ስምምዕ ከም ዝገበረን እዚ ስምምዕ እዚ ከኣ ገለ ገለ ሰባት ሕይወቶም ንሓድጋ ኣቃሊዖም ዑቕባ ደልዮም ናብ ሕቡራት ምድረ ነገስታት ዝመጹ ናብ ሩዋንዳ ክለኣዅን ጒዳዮም ኣብኡ ክጻረን ዝብል ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ስጒምቲ እዚ ንሰባት መትረብ ብሪጣንያ ከይሰግሩ ክሰግሩ ዝደልዩ እውን ሓደገይና ፈተና ከየጓንፎም ዝዓግት ነቶም ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘዳኽም እዩ እንክብሉ ነቲ ሓድሽ ውጥን መመኽነይታ ከም ዝሃቡሉ ገሊጹ፥ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሺሕ ስደተይናታት ናብ ሕቡራት ምድረ ነገስታት ከም ዝኣተዉን እቲ ሓድሽ ውጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ዝዓዪ ናይ ብሪጣንያ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚንስትር ፕሪቲ ሱሺል ፓተል ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ሃገሮም ከም ዘዕቆበት ገሊጸን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ስደት ቅልውላው የጋጥም ከም ዘሎን ነዚ ተራእዩ ዘይፈልይ ጸኣት ስደተይናታት እዚ ንምምሕዳር ነቲ ዝነበረ መስርሕ ምቕያር ግድን እዩ፡ እቲ ሓድሽ ውጥን ኣብዚ ዋቒዕ  እዚ ዝጸንዔ እዩ እንክብላ መግለጺ ከም ዝሃበ ይሕብር።

በዓለ ትንስኤ ናይ ተስፋን ሕዳሴን እዋን እዩ

ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ካተድራል ካንተርበሪ ንበዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ “ናይ ህይወትን ተስፋን እዋን ንስሓን ሕዳሴን እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ “ምጒዳል ፍታሕን ጭከናን እከይን ዘይጠቅም ትካላትን እዛ ዓለም እዚኣ ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይብሉ፡ ንነፍሲ ወከፍ ህዝብን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ከም ዘድሕን እውን ቃል ኣትዩ እዩ” ቢሎም ኣተሓሒዞም እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ውግእ ሳዕቤ ኵሉ ሰብኣዊ መዳያት ዝጸልው እዩ። ሩሲያ ነቲ ውግእ ደው እተብለሉን ብቖራጽነት ናብ ዘተ እተብለሉ እዋን ይዅን” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ “ናብ መገዲ ሰላም እንምለሰሉ እዋን እዩ -  ክርስቶስ ይስዓር ጸልማት ውግእ ይወገድ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልት ተሓለቕቲ ማሕበራት ነቐፌታ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝተፈላለያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝሓልያ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ክብረትን ተሓለቕቲ ማሕበራት፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ጆንሶን ውሳኔ ይነቕፋ ከም ዘለዋ ክንብገር እንከሎ፡ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ማሕበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፥ መንግስቲ ሕቡራት ምድረ ነገስታት ዘውጸኦ መደብ ነቶም ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ዝነግጽ ሕቶታቶም ብዕሙቆት ዘይምልከት ካብ ቅድመኻ ንምልጋስ ዝድርኽ እምበር መፍትሒ ኣይኮነን፡ ንሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዓቢይ ንዕቐት እዩ” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እውን ብወገኑ፥ እቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘጽደቖ መስርሕ ነቲ መንፈስ ናይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ውዕሊ ዝጻረር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስግኣት ዘብእስን እዩ እንክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፥ ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ዘመሓድራሉ መስርሕ ምስ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ክብረትን ከምኡ እውን ምስ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ መሰላትን ክብረትን ውሳኔ ዝሰማማዕ ክኸውን ሓደራ እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Apr 2022, 13:36