ድለ

ሰንበት ዘሆሣዕና ሚያዝያ 9 2014 ዓ.ም. (4/17/2022)

መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ. . . . ንብዓል ፋሲካ ሶምን ተሪፍዎ ከሎ አርድእቲ ናብቲ አምላኽ ጽድቂ ናብ ደብረ ዘይቲ ናብታ ከተማ እግዚአብሔር እተውርድ ዐቐብ ቀረቡ እሞ ብዙሕ ሕዝቢ አረገውትን ቆልዑትን ጨናፍር ስየ ኂዞም ፡አብ ሰማየ ሰማያት ሆሣዕና እናበሉ ተቐበልዎ። ንሱ አድጊ ተወጢሑ ብታሕጓስን ብደስታን ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም አተወ፥ ኃይልን ሥልጣንን ይህቦም ይብል።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሆሣዕና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ

       ንባባት፡  ፊሊጵ 2፡6-11፥ ፩ጴጥ 4፡1-12፥ ግ.ሓ. 18፡12-ፍ፥ ማር 11፡1-11።   ምስባክ፡.  ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥  እግዚአብሔ  እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ      እዩ፤ አብ መቕደስ  እግዚአብሔር  ኮና  ንባርኸኩም  አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ  ተገሊጹና እዩ፥  መዝ. 117፡26-27።

ሰንበት ዘሆሣዕና ፍሉይ ሰንበት አብ ጊዜ ጾም አርብዓ እዩ፥ ምኽንያቱ ሶምን ሕምማት ዝጅምረሉ ከምኡ ምስጢረ ትንሣኤ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ዝጅምረሉ ስለ ዝኾነ። ከም ሓደ ፍጻሜ ክንወስዶ ይግባእ ምስጢረ ትንሣኤ። እዚ ኸአ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ከምኡ ዕርገትን ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዘጠቓለለ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ ኹሉ አብ ዓርቢ ስቕለት አብ መስቀል ተራእዩ እዩ።

ሰንበት ሆሣዕና ናይ ኢየሱስ ብዓቢ ዓጀባ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዓባይ ከተማ ነጋውስ ዝአተዉሉ ዝዝክር እዩ። ሆሣዕና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ወዲ ዳዊት ብሩኽ እዩ። ነዚ ሎሚ እውን አብ ዕለተ ሆሣዕና አብ ቅዳሴ ዘጎርጎርዮስ ከምኡ አብ ጊዜ ዑደተ ሆሣዕና ንደግሞ። ንኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ግድን እዩ ነሩ ምኽንያቱ ንሱ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ስለዝኾነ። አብ ኢየሩሳሌም አብታ ንጉሣዊት ከተማ ምእታው ነቲ አቐዲሙ ብነብያት ዝተነግረ ምፍጻም እዩ፥ ግዝአት መንግስቱ እናዓበየ ክኸይድ እዩ፥ ብዘመን መንግስቱ ድማ ዅሉ ጊዜ ሰላም ኪኸውን እዩ። አብ ዝፋን ንጉሥ ዳዊት ኮይኑ ኺገዝእ እዩ። ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብሓቅን ብፍትሕን ኪገዝእ እዩ (ኢሳ 9፡7) ይብል።

አብ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ሕማማትን ውርደትን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ብግሉጽ ይንገረና። ኢሳያስ ነብይ ነዚ አብቲ አብ መዝሙር  ዝሳቐ አገልጋሊ ዝብል ይዛረበሉ። ጳውሎስ ከአ ነዚ አብ መልእኽቱ ከምዚ እናበለ ይነግረና ንሱ ብባህርዩ አምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ‘አይገድፍን’ ኢሉ አይተኸራኸረን። እንተ ኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ፥ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ (ፊሊጵ 2፡6-8) ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ ቀጺሉ እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ (ፊሊ 2፡5) ይብለና።

እዚ እዩ መለክዒ ፍቕሩ ንነፍሲ ወከፍና አብ መስቀል ሕይወቱ አወፍዩ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ። ተመራመርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ክገልጹ እንከለዉ እዚ ሕማማት ኢየሱስ ዝገልጽ ጽሑፍ እዩ መጀመርያ አብ ወንጌል ተጻሒፉ ይብሉ። ካብ መጀመርያ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ነቲ ናይ ጎይታና ስቓያትን ስቕለትን በብሓደ ሓንቲ ከየጕደሉ ይነግሩ ነሮም ማርቆስ ወንጌላዊ ከም ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ልደትን ጊዜ ሓፃንነት አይዛረብን፥ ግን ሓደ ሕምሲት ናይ ወንጌሉ ግን ብዙዕባ ሕማማት ይነግር። ንኡኡን ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌልን መስቀል ማእከል ናይ ኩሉ እዩ።

ንመስቀል ካብ እምነትና ነልግሶ እሞ ሽዑ ነቲ ቀንዲ ነገር እምነት ክነልግስ ኢና።

አብ ታሪኽ ሊቀ ጳጳሳት ፉልትን ሺን ዝብሃሉ አመሪካዊ ቀንዲ ሰባኺ አብ 1960-70ታት ዝነበሩ ከም ዝንገር ሓደ እዋን ሓደ አይሁዳዊ ዓርኮም ወርቂ ዝሸይጥ አብ ኑዮርክ አመሪካ ብዙሕ ጊዜ አብ ድኳኑ ዝበጽሕዎ ዝነበሩ ብዙሕ መሳቕል ረኺበ አሎኹ ክትርእይዎዶ ትደልዩ እናበለ ዓንጠረኛ ወርቂ ደወለሎም። አቡነ ሺን አብ ድኳኑ ምስ መጹ ብዙሕ ንአሽቱ ናይ ብሩር መሳቕል አርእይዎም። ካበይድአ ረኺብካዮ እናበሉ ሓቲቶሞ። ካብ ካቶሊካውያን ደናግል አብዚ መጺአን ካብ ሕጂ ንድሓር ነዚ መሳቕል አይንገብሮን ኢና ምኽንያቱ ነዚ መስቀል ዝረአየ ምቕራብ አብዩና ካብ ዓለም ፈልዩና፥ እሞ ክንደይ ትገዝኦ ኢለናኒ እንታይ እዩ አጸጊሙ ዘሎ አብ ቤተ ክርስትያን እናበለ ነገሮም። ቀጺሉ ምስ መዘንክዎ ሰላሳ ቍርጽራጽ ብሩር ኮይንለን ኢልዎም። እዚ እዩ እናበሉ አቡነ ሺን መሊሶም ጽልኢ ናይ ክርስቶስን መስቀሉን እዩ ዓለማዊ ዝገብሮ በልዎ።

ሊቀ ጳጳሳት ፉልተን ሺን ነዚ ምስ አስተንተኑ እዮም አብ ሕይወቶም ዓቢ መስካሪ መስቀል ዝኾኑ። ነቲ ዓንጠረኛ ወርቂ ዋጋ ድሕነትና ደም ክርስቶስ ከም ዝኾነ ምስ ገሊጸሉ አብ መጨረሻ ነቲ እምነት ተቐቢሉ አብኡ ኸአ መይቱ።

አገልጋሊ አምላኽ ከድሕነና ኢሉ ንኹሉ መከራ ተቐቢሉ። ሕይወትና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክምለስ ሕይወቱ በጃ ሂቡ፥ እሞ እንታይ ኢና እንምሃር ሎሚ ካብ ሕይወት ክርስቶስን ካብዚ ናይ ሎሚ ንባባትን። እቲ ቀንድን አድላይን ነገር አብ ሕይወት ክንዕወትን ክነብርን ንደሊ እንተ ኾና ዓቢ ትዕግስቲ ትሕትናን የድልየና። እቶም ክሳብ መወዳእታ ዝዕገሱን ዝጽመሙን እዮም ዝዕወቱ። አብ እምነትና እንተ ጸናዕና አምላኽና ክሕግዘና እምነትና ከየጥፋእና ክነብር ኢና።

አብ ወንጌል ማርቆስ ከም እንረኽቦ ብዓል ሆሣዕና ዝተፈላለየ ምልክታት ትርጉምን ዘልኦ ዝሓዘ እዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስየ ሆሣዕና፥ አድጊ፥ ህዝቢ ወዘተ። ሆሣዕና ንግሥነት ክርስቶስን ሰላማዊ ግዝአቱን የመልክት፥ አድጊ ናይ ክርስቶስ ንጉሥ ትሕትና ይነግር። ንሱ ወላ እኳ ንጉሥ ይኹን ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝሓመቐትን ዝደኸመትን መሪጹ አብአ ተጻዒኑ አብ ከተማ አትዩ። እዚ ነዚ አብ ዓለምና እንርእዮ ተጻዩ እዩ፥ መራሕቲ ሃገራት ዝግበረሎም ተቕባልን ዝጥቀሙሉ መጓዕዝያን ኩሉ መነባብርኦም ክንርኢ ከሎና ዘገርም እዩ። ህዝቦም ብጥመት ሓለንጊ እናተገርፈ ከምኡ እናተዋረደ ንሶም አብ ምቾትን ጣዕሚ ርእሶምን ጥራሕ ይነብሩ። ክርስቶስ ነዚ አገባብ ክጥቀም እንከሎ ትሕትና ጥራሕ አይኮነን ምሂሩ ምስ ድኻታትን ድኹማትን ዘልኦ ሓድነት እውን ገሊጹ እዩ። ሰብ ኢየሩሳሌም ነቲ ዝገብረሎም ርእዮም ክኽቅበልዎ ወጺኦም።

ናይ ሎሚ ዑደትናን ብዓልናን ብኽልተ መኽንያት እዩ። ፩ያ ንክርስቶስ ንጉሥ አብታ ንጉሳዊት ከተምኡ ክአቱ እንከሎ ክነኽብር ምእንቲ። በዚ ምኽንያት ኢና ነቲ ብስም አምላኽ ዝመጽእ ወዲ ዳዊት ሆሣዕና ሆሣዕና እናበልና እንዝምር። ፪ይ ምኽንያት ብዓልና ምስ ክርስቶስ ኮና ነቲ ዝኸበደ ጉዕዞ ድሕነት ዘምጽአልና ተሳትፎና ክንገልጽ። ስለዚ ሎሚ እውን ሆሣዕና እናበልና ክንዝምር እንከሎና አምላኽ ክሳብ መጨረሻ እሙናት ኮና እንጉዓዘሎ ጸጋ ክዕድለና ክንልምኖ አሎና። እቲ ዘሕዝን መብዝሕትኦም ካብቶም ሆሣዕና እናበሉ ዝዝምሩ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ አብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ስቐሎ ስቐሎ እናበሉ ይጭርሑ ነሮም።

እዚ ፍሉይ ፍጻሜ መብዝሕትኡ ጊዜ ከመይ ኢልና ዕለታዊ ሕይወትና ከም እንነብር እዩ ዝገልጽ። ሎሚ ምስ ክርስቶስ ኢና ጽባሕ ግን አንጻሩ፥ ክርስቶስ ምስ ጸበበና ምስ ተሸገርና ዓርክና እዩ፥ ምስ ጠዓመና ኩሉ ከም እንደልዮ ምስ ከደልና ግን አየድልየናን እዩ። አብ መንጎና ዘሎ ርክብ እውን ብከምዚ ክርአ ይክአል ማለት ክንጽገም እንከሎና ሰብ የድልየና ኩሉ ምስ ጥዓመና ግን ሰብ አየድልየናን እዩ። ሎሚ አዕሩኽ ኢና ጽባሕ ግን ተጻላእቲ። 

ካብ ክርስቶስ ትሕትናን ትዕግስትን ምስተመሃርና ጥራሕ ኢና ጽቡቅ ክንገብር እንኽእል። ዝበለጸ ክንገብር እንኽእል ነቲ ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ከምቲ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና አብዚ ሶምን ዝገበረልና ንሕና እውን ነሕዋትና ከምኡ ገርና ክነወፊ ምስከአልና ጥራሕ እዩ። ስለዚ አምላኽ ምስኡን ምስከማና ዝበሉ ሰባትን ጽኑዓትን እሙናትን ክገብረና ጸግኡ ክዕድለና ንለምኖ። ሎሚ ከምቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት እንገልጽ ዘሎና አብ ነነድሕድና ዘሎና ፍቕርን ሓድነትን ክንገልጽ አሎና። እዚ ኸአ አብ ካልኦት እቲ ትሑት ንጉሥ ክርስቶስን እቲ ዝሳቐ አገልጋሊ አምላኽ ክርስቶስ ስለ ዘሎ እዩ። እዚ ኸአ እዩ ብዝበለጸን አብ ግብርን ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ዝገልጽ።

አብ ክርስትናና ብዙሕ ምልክታት ንጥቀም እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ምልክት መስቀል እዩ። አብ ኩሉ መስቀል አሎ አብ ክሳድና አብ ቤትና አብ አብያተ ክርስትያናትና አብ ከተማታትና ምልክት መስቀል ፍሉይ ምልክትና እዩ። ቨትናማዊ አቡን ንወን ቫን ቱዋን ዝተባህሉ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ 13 ዓመት ብርቱዕ ማእሰርት ካብ ማእሰርቲ ኮሚኒስት ምስ ወጽኡ አብ ሓደ ሱባአ አብ ዝተዛረብዎ ብዛዕባ መስቀል ከምዚ ኢሎም፡ አብ መስቀል ጠምት እሞ ኩሉ እቲ ዘጸግመካ ዘጥቅዓካ ፈተናታት መልሲ ክትረኽበሉ ኢኻ። አብዚ ብዙሓት ከምኦም ዝበለዎ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ዕምቆት እምነትና ክንርዳእ አብ ትሕቲ መስቀል ቆምና ነቲ አብኡ ዝተሰቕለ ነስተንትን። እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ አብ ትሕቲ መስቀል እዩ ተዋሂቡ።

እዚ ሎሚ ብዓጀባ ከም ንጉሥ አብ ከተማ ዝአቱ ዘሎ ክርስቶስ አብ ዕለተ ዓርቢ ንኹሉ መክራ ክሕደትን ውርደትን ተቐቢሉ አብ መስቀል ክስቐል ክንዝክሮ ኢና። ካብ ሎሚ ጀሚርና ምስኡ ክንጉዓዝ ነቲ ንሱ ዘርአየና ፍቕሪ አብ አሕዋትናን ሰባትን ክነርእዮ ልብና ንኽፈት።

እብስም አምላኽ ዝመጽእ ብሩኽ እዩ እናበልና አብ ልብና አብ ሕይወትናን አብ ነፍስውከፍ ገዛን ሕይወትን ንቀበሎ። ሓንትስ ልብና ንኽፈተሉ እምበር ንኹሉ ክቕይረልና እዩ። እሞ ሎሚ ንኢየሱስ ክንቅበል ካብቲ ከይንቐርብ ፈልዩና ዘሎ ወጺእና አብኡ ገጽና ብንስሓ ኃጢአትና ተሰኒና እነኹ ክቕበለካ መጺአ አሎኹ ንበሎ።

አብ ቅድስና ርእስናን ሰላም ዘውርድ ቅዱስ ሶምን ሕማማት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

16 April 2022, 12:16