ድለ

ዓርቢ ስቕለት ሚያዝያ 14 2014 (4/22/22)

ተሰቅለ ተሰቅለ ተሰቅለ ወሓመ ቤዛ ኩሉ ኮነ፥ በመስቀሉ ቤዘወነ እሞት ባልሓነ
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ኢሳያስ 52፡13-53፡12፥ ዕብ 4፡14-5፡9፥ ዮሓ 19፡16-37

ፍሉይ ዕለት አምላኽን ሰብን ብመስዋዕቲ ወዲ አምላኽ ዝተዓርቁሉ። ሕይወት ክርስቶስ ብምልኡ ብዓርቢ ስቅለት አብቲ ዝለዓለ መግለጺ ተልእኮኡ በጺሑ። ኩልና ብክርስቶስ ድሒና መሰል ውልዱነት ደቂ አምላኽ ናይ ምዃን በቒዕና። ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና በጃ ኮይኑ አፍደገ ሰማይ ከፊቱልና አሎ። እሺ ኢልካ ምእታው ናይ ነፍሲ ወከፍና ግደ እዩ።

ክልተ አሕዋት አብ ሓደ ገዛ ብሓንሳብ ዝነብሩ ነሮም። እቲ ዓቢ ቅኑዕ ሰራሕተኛ አምላኽ ዝፈርሕ እንክኸውን እቲ ንእሽቶይ መጠፋፍኢ፥ ሰራቒ ብረት ገሩ ዝዕምጽ ንኽፍአት ድሕር ዘይብል ነሩ። እቲ ንእሽቶይ ኩሉ ጊዜ አምስዩ ሰኺሩ ብዙሕ ገንዘብ ሰሪቑ ይአቱ ነሩ። እቲ ዓቢ ሓው ብዙሕ ጊዜ እዚ እትገብሮ ሕደጎ ክፉእ ኢኻ ትገብር ዘሎኻ እናበለ ኩሉ ጊዜ ይመኽሮን ይልምኖን ነሩ። እንተ ኾነ እቲ ንእሽቶይ ውሉድ ምስማዕ አብዩ።

ሓደ ምሸት እቲ ንእሽቶይ ሓው እናሃደመ ብረት ትኪ እናውጽአ ክዳውንቱ ኩሉ ደም ተጸይቁ አብ ገዛ አተወ። ሰብአይ ቀቲለ እናበለ እናአንቀጥቀጠ ንሓዉ እና ነገረ ፖሊስ ንገዛ አኽቢቦሞም። ክልተ አሕዋት ከምልጡ ከምዘይክአል አረጋገጹ። ክቐትሎ ኢለ አይኮንኩን ቀቲለዮ አጋጣሚ እዩ ክመውት አይደልን እየ እናበለ ንዓቢ ሓዉ ብዝገበሮ እናበኸየ ተዛሪብዎ። ከምዚ እናበሉ ፖሊስ ማዕጾ ይኵሕኵሑ ነሮም። እቲ ዓቢ ሓዉ ሓንቲ ሓሳብ መጺአቶ። ንሓዉ ኩሉ እቲ ደም ተጸይቑ ዝነበረ ክዳውንቱ ከውጽእ ነገሮ እሞ ናቱ ሂብዎ ንሱ ግን ናይ ሓዉ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ንፖሊስ ማዕጾ ከፊትዎም። ፖሊስ ንወዮ ዓቢ ደም ተጸይቁ ምስረአዩ ቀታሊ ንሱ እዩ ኢሎም ሒዞም አብ ፍርዲ አቕሪቦም ንሞት አፍሪዶሞ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ። ንሱ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ምእንቲ ንኡስ ሓዊ ኢሉ መይቱ። ምእንቲ ሓውካን ሓፍትኻን ኢልካ ሕይወትካ ምሕላፍ ካብ ኢየሱስ ኢና እንምሃሮ።

እወ ኢየሱስ ምእንቲ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና መይቱ፥ ንሕና ክንድሕን ሕይወት ረኺብና ደቂ አምላኽን ሕጉሳትን ክንከውን ኢሉ። ንኹሉ በደላትና ባዕሉ ተቐቢልዎ። ምእንታና ኢሉ ተሳቕዩ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ መይቱ። እዚ ኹሉ ዝገበረ ብዝልዐለ ስለ ዘፍቀረና እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ኢየሱስ ከም ዘፍቅረና ካልእ መረጋገጺ አየድልየናን እዩ። ካብ ሕይወት ብምሕላፍ ንላዕሊ ምእንቲ ካልእ ኢልካ እትገብሮ ፍቕሪ የለን።

ሎሚ ዓርቢ ስቕለት እዩ። ፍሉይ ዕለት ኩልና ብሓደ ኮና ንሕማማትን ሞትን ክርስቶስ አብ መስቀል ንዝክር አሎና። ሎሚ አብ ስርዓትና ቅዳሴ አይቅደስን እዩ፥ አብ ክንድኡ ምሉእ መዓልቲ ናይ ሶምነ ሕማማት ጸሎታትንን ንባባትን እንቢብና አብ መጨረሽታ ኸአ መስቀል ተሳሊምና ንዛዝሞ። አብ እግሪ መስቀል ኮና ምስጢርን ትርጉምን መስቀል አብ እምነትና ንሓስብን ነስተንትንን። ነተን ናይ መጨረሽታ ሰዓታት አብ ሕይወት ኢየሱስ ተመሊስና እንተ ርኤና፥ ነቲ አብ ጎቦ ቀራንዮ ዝኾነ ኩሉ ብፍሉይ ነቲ አብ ማእከል ክልተ ዓመጽቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ብጽሞና እናሓሰብና ነስተንትን።

አብዚ ሶምን ካብ ሆሣዕና ጀሚርና በብዕለቱ ፍሉይ ንባባት ካብ ኦሪትን ሓዲስን ኪዳናት አንቢብና ሎሚ ካብ ንግሆ ጀሚርና ካብ ክልቲኡ ኪዳናት ንምስጢር ድሕነትና ዝገልጽ አንቢብና። ኩሉ አብ ወንጌል እንረኽቦ ብዛዕባ ሕማምን ስቕለትን ሞትን ኢየሱስ እነንብቦ ተመሳሳላይ ይኹን እምበር አብ ነፍሲወከፍ ወንጌላዊ ፍሉይ ካብ ካልኦት አልኦም፥ ነፍስወከፎም ፍሉይ ብዛዓባ ግላዊ ርድኢቶምን አገላልጽኦምን አልኦም። ቅ. ዮሓንስ ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ናቱ አቀራርባ አልኦ፥ ልዕሊ ኹሉ ንሱ ናይ ዓይኒ ምስክር እዩ።

ንቅዱስ ዮውሓንስ፥ ኢየሱስ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንዓለም እዩ። ቃል ሥጋ ኮነ፥ አብ መስቀል ሞቱ ምስጢር ፍቕሪ እዩ። እዚ እዩ ምስጢረ ስጋዌን ምስጢረ ድሕነትን። ብምልኡ ናይ ዮውሓንስ ትረኻ ሕማማት ኢየሱስ ዘተኹሮ በቲ ጨካን ሞት ነቲ ዝዓበየ ናይ ድሕነት ፍቕሪ ከም ዝተገልጸ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ኢየሱስ ብምሉእ ነጻነትን ድለትን ሕይወቱ ምእንቲ አዕርኽቱ አሕሊፉ ሂቡ። እዚ እቲ ዝዓበየ ናይ ሰብ ግብሪ እዩ። ኢየሱስ ነቲ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ንዓለም ገሊጽዎ።

ቅዱስ ዮውሓንስ ዘተኵሮ አብቲ ኢየሱስ ዘርአዮ ፍጹም ምልኪ ካብታ ዝተታሕዘላ ሰዓት ጀሚሩ አብ መጋብየአ ክሳብ አብ መስቀል ዝመውት ባዕሉ ንኹሉ ዝመርሖን ዝቆጻጸሮን ከምዝነበረ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ናይ እቲ ተዋስኦ ቀንዲ ተዋሳአይን መራሕን ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ነሩ። ዮውሓንስ ንኹሉ ሕማማቱን አብ ጌተሰማኒ ከምዝጸለየን ዝተሳቐየን አይጠቕሶን። ኢየሱስ አብ ዝለዓለ ምምራሕ እዩ ነሩ ማለት ካብታ ዝተታሕዘላ ሰዓት ጀሚሩ፥ ብሓደ ካብ ተመሃርኡ አሕሊፉ ክህቦ እንከሎ፥ ብለይቲ አብ ጸልማት ክሕዝዎ ክመጽኡ እንከለዉ ብወተሃደራት እናተጋፍዐ ክትሓዝ እንከሎ አብ ኩሉ ሓንቲ ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ ከላግስ አይርአን፥ ተስፋ ቑርጸት አየርአየን። ባዕሉ ነቶም ክሕዝዎን ክቐትልዎን ዝደልዩ ብፍቓዱ ሂቡ፥ ንጴጥሮስ ሰይፉ አብ ቦትኡ ክመልሶ ይነግሮ ነርድእቱ ኸአ ክኸዱ ይሓድጎም። አብ ወንጌል ዮሓንስ እቲ አብ ካልእ ወንጌላት ንኢየሱስ ንቀራንዮ ክጉዓዝ እንከሎ ዝሓገዘ ስምዖን ብዓልቀረነ ከምዝሓገዞ አይነግርን እዚ ኸአ ኢየሱስ ባዕሉ ንኹሉ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝገበሮ ከምልክት ኢሉ እዩ። ካብ ዘኁልቅ እና ጠቐሰ ኢየሱስ አብ ጎልጎልታ ሓፍ ከም ዝበለ አብ መስቀል ሞቱ ትንሣኤ ከምዝኾነ ይገልጽ። አብ መስቀል ሞት ዓወት ሕይወት ትንሣኤ ከምዝኾነ ይገልጽ። ቅድሚ ነፍሱ ምውጽአ ተፈጸመ ክብል እንከሎ ተልእኮኡ ከምዝረፈጸመ፥ ፍቕሪ ሰማያዊ አብኡ ከምዝገለጸ ይነግረና። አብዚ ኹሉ የውሓንስ ዝሕብረና ኢየሱስ ምስ ምሉእ ምቁጽጻር ሓይሉ ከምዝነበረ ንሱ አምላኽ ከምዝኾነ ይገልጸልና።

ዮሓንስ ክልተ ፍርዲ ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝሕብር። እቲ ቀዳማይ አብ ቅድሚ ሃና ሊቀ ካህናት ናይ እቲ ዓመት ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ አብዚ አብ ቅድሚ ጲላጦስ ቅድሚ ምቕራቡ ዝገበርዎ እዩ ዝገልጽ። ኢየሱስ ንጉሥ አይሁድ እየ ስለ ዝበለ ናይ ንግሥነቱ ምልክት እሶኽ ተቲዖም አኽሊል ደፊኦምሉ። ጲላጦስ ንስኻ ንጉሥ አይሁድ ዲኻ እናበለ ሓቲትዎ። ኢየሱስ ክምልስ እንከሎ መንግስቱ ናይ እዚ ዓለም ከም ዘይኮነ እዩ ገሊጹ።

ናይ ኩሉ ሕማማት ዝልዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ እቲ አብ ጎልጎልታ (ሓምሓም ርእሲ) አብ ዝብሃል ቦታ ኢየሱስ ምስተሰቕለ እዩ ተፈጺሙ። እታ ጊዜ ስቕለት ዓወት ዝተደፍአላ ፍልይቲ እዋን እያ። አብ ልዕሊ መስቀል ብዕብራይጢ ብላቲን ብግሪኽ ናይ ግዚኡ ዝለዓሉ ቋንቋታት “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ አይሁድ” ዝብል ተጻሒፍዎ ነሩ። ወላእኳ ሊቃነ ካህናት እንተ ተቋወሙ ጲላጦስ ግን ዝጸሓፍኩ ጽሒፈዮ ኢሉ ምቕያር አብዩ። እዚ እዩ ናይ እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ መጸውዒ ዝኸውን ካብዛ ጊዜ እዚአ።

 አብ መጨረሽታ ሰውነት ኢየሱስ ክቐብርዎ ኢሎም ካብ መስቀል አውሪዶም አብ ሓዲስ መቓብር ቀቢሮሞ። ዮሴፍ ብዓል አሪማትያን ኒቆዲሞስ ክቐብሩ መጺኦም። ምስኦም ዝተፈላለየን ብዙሕን አብ ቀብሪ ብስርዓት አይሁድ ዝገብርዎ ዕጣን ከርበ ከምኡ ካልእ ዓይነት ቅመማቕመም ተማሊኦም እዚ አብ ሓደ ንጉሣዊ ቀብሪ ዝፍጸም ስርዓት እዩ። እዞም ክልተ ንኹል ፍርሒ አብ ግምት ከየእተዉ ንሬሳ ኢየሱስ ቀቢሮም። እቶም አብ ጸልማት ዝነብሩ ዝነበሩ ሕጂ አብ ብርሃን ይአትዉ። ናይ አምላኽ ናይ ፍቕሪ ቃል አብ ልዕሊ ሞት ተዓዊቱ።

ቅ. ዮሓንስ ንኢየሱስ በግዕ እግዚአብሔር ምእንቲ ዓለም ዝተሓርደ እናበለ እዩ ዘቕርቦ። ከምዚ እናበለ ይገልጾ ጲላጦስ ንኢየሱስ ዝፈረደሉ እሞ ንአይሁድ አሕሊፉ ዝሃቦም ስዕት ክገልጽ እንከሎ ንጋሆ ድማ ነበረ ንድራር ፋሲካ ዝቀራረቡሉ እዋን እዩ ነሩ ኢሉ ይገልጾ። እዚ ዝኾኖ ምኽንያት ከአ እቶም ካህናት ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ በጊዕ ፋሲካ ክሓርዱ ስለ ዝኾኑ እዩ። ንየዋህ በግዕ አምላኽ አብ መስውዒ ክሓርድዎ ወሰድዎ ይብል።

ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ሞተ ካብ መስቀል ከውርድዎ እንከለዉ ትንቢት ቅዱስ መጽሓፍ ምእንቲ ክፍጸም አእጋሩ አይሰበርዎን እዚ ኸአ ብመንጽር በግዕ ፋሲካ ክንርእዮ ንኽእል። ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኢየሱስ ከም ዝሞተ ከረጋግጽ ኢሉ ብኲናት ጎኑ ወጊእዎ ሽዑ ንሽዑ ማይን ደምን ወጸ። እዚ አብ ትንቢት ዘካርያስ ዝተባህል ክፍጸም ኮነ “ነቲ ዝወግእዎ አብኡ ክጥምቱ እዮም” ይብል። እቲ ካብ ጎኑ ዝወጸ ማይ አምሳል መንፈስ እዩ ንደቂ ሰብ ሕይወት ዝህብ መዋቲ ሕይወት ዘይኮነ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህብ። እቲ ደም ንሰብአዊ ባህርይ ኢየሱስ ምእንቲ ካሕሳ ኃጢአት ዓለም ዝተኸፍለ የምልክት። እዚ ኹሉ ዝተባህለ ዘመልክቶ ሓይሊ ሞት ኢየሱስ ዘምጽኦ ፍረ ይገልጽ።

አብ ትንቢት ኢሳያስ አብ ምዕ. 52-53 ዘሎ ብዛዕባ እቲ ዝሳቐ አገልጋሊ አምላኽ ይዛረብ። ንሱ ሕማቕ ረኺቡ አዋሪዶሞ፥ ውርደት ሕፍረት ከም ዝረክብ ገረሞ፥ ልዕሊ ክሕሰብ ዘይክአል አብ ልዕሊኡ ዓመጽ ተፈጸሙ፥ ንሱ ንኹሉ ብትዕግስቲ ተቐቢልዎ። “መልክዕን ውቃበን አይነበሮን ምስ ረአናዮ ዜብህግገና ትርኢት አይነበሮን፥ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ፥ ብዓል ስቓይ ብሕማም ልዱይ ከምቲ አብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጕልብቡሉ ሰብ ዝተዋረደ ነበረ ንሕናውን ገለ እኳ አይቆጸርናዮን. . . . ግናኸ ርእሱ አዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ፥ አፉውን አይከፈተን፥ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኽብከብ ገንሸል ከምታ አብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በግዕ አፉ አይከፈተን. . . ሓሶት አብ አፉ ዘይተረኽበ ኸንሱስ ምስ ኃጥአን ከም ዝመውት ገበሩ. . . ሞቱ ኅድገት ኃጢአት ዜምጽእ መስዋዕቲ ነበረ. . . ። ኢየሱስ ምእንታና ኢሉ መስቀል ምስ ጾረ ነዚ ትንቢት ኩሉ ፈጺምዎ እዩ።

ናይ ቅዱስ ዮውሓንስ ትረኻ ሕማማት ኢየሱስ ክህነታዊ መልክእ ዝሓዘ እውን እዩ። እቲ ኢየሱስ ለቢስዎ ዝነበረ ቀሚሽ “ግና ካብ ላእሊ ካስብ ታሕቲ ኵልንትናኡ እሉም ነበረ እምበር ስፋይ አይነበሮን”። አብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ባህሊ አይሁድ ንቀሚሽ ሊቀ ካህናት ዝርኢ ሓንቲ ስፋይ ዘይርከቦ ከም ዝነበረ አብ ጽሑፋቶም ንረኽቦ። አብዚ ቅ. ዮሓንስ ዝዛረቦ ዘሎ ብደቂቕ ናይ ኢየሱስ ሕማማትን ክህነቱን እዩ።

አብ መልክእኽቲ ዕብራውያን ተመሳሳላይ ሓሳባት ንረክብ። ኢየሱስ እቲ ፍጹም ሊቀ ካህናት እዩ ምኽንያቱ እቲ ንሱ ዘዕርጎ መስዋዕቲ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ሕድገት ኃጢአትና ዘቕረቦ ስለ ዝኾነ። ንሱ ፍሉይ ሊቀ ካህናት እዩ። ክህነቱ ብሰለስተ ነገራት ይልለ፡ ፍቕሪ ኢየሱስ ንደቂ ሰብ አብቲ ናይ ርእሱ ተመክሮ አብ ሰብአዊ ድኽመት ዝተመርኮስ፥ መልሲ እግዚአብሄር ንናይ ክርስቶስ ጸሎት ምእንቲ ነጻ ክንከውን፥ ካብ ኩሉ ጥቕሚ ዘልኦ ካብቲ ክርስቶስ ዘስተምሃሮ ትምህርቲ ተአዝዞ “ወዲ አምላኽ እኳ እንተ ኾነ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ፥ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኹላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም (ዕብ 5፡8-9)።

አብ መስቀል ክንጥምት ከሎና ንኽልተ መገዲ ክንጥምት አሎን ሓደ ንሓደ ምልአት ዝህብ መገዲ። መጀመርያ ካብ አምላኽ ናብ ሰብ ዝወስድ፥ አብዚ መስቀል ከም ናይ አምላኽ ናይ ድሕነት ተግባር ይርአ። ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እግዚአብሔር ንኃጥእ ሰብ ድሕነት ክገብረሉ እንከሎ። እቲ ካልአይ መገዲ ኸአ ካብ ሰብ ናብ አምላኽ ዝወስድ መገዲ። እዚ ማለት ከአ አብ ርእሲ እቲ መስቀል ናይ አምላኽ ናይ ድሕነት መገዲ ዝገልጽ ምዃኑ ሰብ ከአ ፍጹም ናይ ተአዝዞ መንፈስ ከርኢ እንከሎ ንድለት አምላኽ ክእዘዝ እንከሎ። ብኻልእ አዘራርባ ሓቀኛ መስዋዕቲ እቲ አምላኽ ካብ ሰብ አብ ሓቀኛ ውፈያ ገዛእ ርእሱ አብ ተአዝዞ ዘርእዮ ማለት እዩ።

አብ መወዳእታ ክልተ ናይ መጨረሽታ ፍጻሜታት ኢየሱስ ቅድሚ ምማቱ አብ መስቀል እንከሎ ዝተፈጸማ ንርኢ።

·       ንማርያምን ነቲ ዘፍቅሮ ረድኡ ዝበሎ። ክልቲኦም አብ እግሪ መስቀል ደው ኢሎም እንከለዉ ዝበሎ እዩ። አብ አዲኡ ጥምት አቢሉ አቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ በላ። ነቲ ወዲ መዝሙሩ ኸአ “እንሃ አደኻ” በሎ እቲ ወዲ መዝሙሩ ኸአ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ (ዮሓ 19፡25-27)። በዚ መገዲ ኢየሱስ ነዲኡ አደ ቤተ ክርስትያንን አደናን ክትከውን ይህበና ዮሓስን ከአ ንአናንን ንቤተ ክርስትያንን ወኪሉ ይቕበላ።

·       ኢየሱስ ኵሉ ኸም ዝተፈጸመ ርእዩ ጸማእኩ በለ። ነቲ ኩሉ ዝገጠሞ ርኢና ብርግጽ ዝስተ ግዙፍ ማይ እዩ ዘስምዕ ዝመስል እንተ ኾነ ይብለና ዮውሓንስ እቲ ጽሑፍ መታን ክፍጸም ከምዝበሎ እዩ ዝነግረና። ብኻልእ አዘራርባ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ኩነታትና ብዘየገድስ ናታትና ጽምኢ አለዎ። ጽምኢ ፍቕርና አለዎ ብአና ክፍቀር ከአ ጽምኢ አለዎ።

ሎሚ አብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ናይ መድኃኒና ሕማማትን ሞት አብ መስቀል ክንዝክር እንከሎና ንመስቀል ክንስከሞ ዘይኮነ ምስ መስቀል ክንልዓል ዘይኮነ ንመስቀል ክንሓቕፎ እዩ ዝድለ ዘሎ። ናይ ኢየሱስ ስቓያት ንስቓያትና ትርጉም ይህቦ። ንስቓያትን ሞትን ምስ ተቐበል እዩ ንአና ሕይወትን ነጻነትን አውሪዱልና። ንእግዚአብሔር ሕይወት ብዘይ ቃንዛ ክህበና ክንሓቶ አይክአልን እዩ። ብአንጻሩ ከአ ስቓይ ስለ ዝበዝሓና ብአና ከምዘይግደስ ክንሓስብ የብልናን። ንአና ንተኸተልቱ ካብዚ ዝተባህለ ንሓደ ነገር እኳ አየተስፈወናን። “ዝኾነ ክኽተለኒ ዝደሊ ዕለት ዕልተ መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ” ይብለና።

መወዳእታ፦ ስቓይን ሞትን መቕጻዕቲ ኃጢአትን ክፉእ ግብርን ክኾኑ ይክአል እዩ እዚ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ልዕሊ እዚ ናይ ኩልና ድሕነት ክፍሊ መደብ አምላኽ እዩ። ዓርቢ ስቕለት ስቓይ ሕማም፥ መቕጻዕቲ ወይ መርገም፥ ግብረ መልሲ ግብርና፥ ትርጉም ዘይብሉ ከም ዘይኮነ የረድአና። አብ ኢየሱስን ቅዱሳኑን እዚ ጸዋዕታን ተልእኮን ንሰባት ምድሓን ንደቂ ሰብ ብሓበራ ምድሓን እዩ። እዚ ካብ ልብና ከየውጻእና ዕለት ዕልተ ክንህዞ ይግብአና። ኩሉ ጊዜ አብ መስቀል ክንጥምት ከሎና አብ ገጽ ኢየሱስ ምልክት ስቓይን ቃንዛን አይንርእን ኢና። አብ ገጹ እንርእዮ ናይ ፍቕሪ ምጥማት አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና እዩ። ከምቲ መስዋዕቱ ብፍቕሪ ጥራሕ ዝግለጽ ናይ ነፍሲ ወከፍና ህላዌ ካልእ መሰረት ክህልዎ አይግባእን። ክርስትያን ምዃን ማለት ምእንትኡን ምእንቲ ካልኦትን ምንባር ማለት እምበር ምእንቲ ርእስና አይኮናን እንነብር። “ምእንቲ አዕሩኽትኻ ኢልካ ካብ ሕይወትካ ምእንቲ ካልእ ኢላካ ምሕላፍ ኢሉ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን” እዚ እዩ እቲ ሰናይ ዜና ናይ ሎሚ።

ሕማምን ሞትን ክርስቶስ ኃጢአትና ደምሲሱ ንብርሃን ትንሣኤ ብቝዓት ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

22 April 2022, 18:08