ድለ

ጸሎተ ኃሙስ: ሓዋርያቲሁ ከበበ እግረ አርዳኢሁ ሓፀበ ኮኖሙ አበ ወእመ ወመሃሮም ጥበብ።

ስብከት፡ ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ፥ “እንጻር እቶም ዝሳቕዩኒ አብ ቅድመይ መአዲ ሰራዕካለይ፥ ንርእሰይ ብቅብኢ አለስለስካዮ” መዝ.23፡5
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ቆሮን 11: 22-30፥ 1ዮሓ 5፡5-10፥ ግ.ሓ. 26፡33-38፥ ዮሓ 13፡4-16.   ምስባክ፡ ትነዝሓኒ ብአዞም ወእነጽሕ፥ ትሓፅበኒ እምበር እጸዓዱ፥ ታስምዓኒ ትፍሥሕተ ወሓሤተ (መዝ. ፶) ።

ጸሎተ ኃሙስ ማእከል ናይ ሶሙን ሕማማት እሞ ንሓዲስ ርክብ ምስ ኢየሱስ መድሓኒና ዝተፈጸመላ ዕለት እያ። ካብ ኩለን ዕለታት ፍሉይ ዝገብራ ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ ንሓዋርያቱ ናይቲ ኩሉ ዘስተምሃሮምን ዝረአይዎን ነገራት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ገሊጽሎም ነቲ ኹሉ ዝገበሮ አብ መንግኦም ከም ብሓዲስ ክግበር መጋበርን ሥርዓትን ብርእሱ ንሱ አብ መንግኦም ዝነብረሉ መገዲን ሓቢርዎም። ቅዱስ ቍርባን ሰሪዕሎም፥ ክህነትን ምስጢረ ንስሓን ሰሪዕሎም፥ አገልግሎት አብ ነነድሕዶም መለክዒ እምነቶም ከምዝኾነ ነጊርዎም። ዮሓንስ ወንጌላዊ አነጺሩ ይነግረና። ኢየሱስ ንሓዋርያት ሕማማቱ ሞቱ ከም ዝቐረበ ከርድኦም ኢሉ ድራር ፋሲካ ከሰንድዉ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኩሉ ከሰናድዉ ለአኾም። ኢየሩሳሌም ኩሉ ዝተፍጸመላ ከተማ እያ ንኢየሩሳሌም ምኻድ አብ ሕይወት ኢየሱስ ፍሉይ ትርጉም አለዎ በዚ እዩ ወንጌላውያን ኩሉ ጊዜ ንኢየሩሳሌም ገጹ እና ኸደ ከምዚ ገበረ ዝብሉና። አብ ዕለት ኃሙስ ዝተፈጸመ ክንርዳእ ቅድሚኡ ኢየሱስ ዝበሎን ከምኡ ብሓፈሻ ዝነበረ ኩነታት ሓዋርያትን እዋንን ክንርኢ ነቲ ምስጢረ ሕማማትን ትንሣኤን ብዝያዳ ክንርዳይ ይሕግዘና። ኢየሱስ ንኹሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንሓዋርያት ብዓል ፋሲካ አይሁድ ምስ ቀረባ ናብ ከተማ ብዓል ከብዕሉ እሞ አብኡ ኩሉ ምስጢር ተልእኮኡ ከም ዝፍጸም ነጊርዎም ነሩ። 

ተልኮኡ አብ መፈጸምታ ከም ዝበጽሐ ክነግሮም ኢሉ ሓደ ካባኻትኩም አሕሊፉ ክህበኒ እዩ፥ በሎም ኩሎም ከአ ሰንበዱ። ኩሎም መን እዩ እናበሉ ተረበሹ። ኩሎም አነዲየ ጎይታይ እናበሉ አብ ርእሶም እምበር ንኻልእ ሰብ እከለድዩ አይበሉን፥አብዚ ነፍስወከፎም ክክሕዱ ተኽእሎ ከምዘሎ ክንርኢ ንኽእል። ከም ሓቂ እንተ ረአና አብቲ ጽንኩር እዋን ኩሎም ክሒዶሞ ካብኡ ሓዲጎሞ ሃዲሞም። ይሁዳ እውን አነ ዲየ እናበለ ሓቲቱ ኢየሱስ እቲ እትገብሮ ግበሮ እናበለ መሊስሉ። ካብ ጸላእቱ አይኮኑን አሕሊፎም ዝሃብዎ እንታይ ድአ ሓደ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ። ምስኡ አብ ሓደ መአዲ ኢዱ ዘንበረ ምልክተ ዕርክነትን ሓድነትን ዝተቐበለ፥ ይሁዳ ሓደ ካብቶም ተኸተልቱ አብ መአዲ እንከለዉ ቆሪሱ ምስ ሃቦ ቆሪቡ ወጸ እንተኾነ ሽዑ ሸይጣን አብ ልቡ ሓዲርዎ አሕሊፉ ክህቦ ከምዝኸደ እዚ ኸአ ብለይቲ ከም ዝኾነ ይነግረና። ቅዱስ የሓንስ ለይትን/መዓልትን፥ ብርሃንን/ጸልማትን ክብል እንከሎ ፍሉይ ርድኢት አልኦ። ጸልማት ናይ ሰይጣን፥ ጸላኢ ዓመጽ ዝፍጽመሉ ጊዜ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ዘሕዝን ነገር ምስ ሰምዐ እና መሓለ ካብኡ ከምዘይፍለ ወረ ሕይወቱ በጃ ከምዝህብ ተዛረበ እንተኾነ እዚ ዝበሎ ኩሉ አብ ሓቂ እምነት ዝተመስረት አይነበረን ንሱ እውን አብ ጽንኩር እዋን ሰለስተ ጊዜ ክሒዱ። ካብ ይሁዳ ዝፈልዮ ስለዝተጣዕሰን ዝተነስሐን እዩ። ናብ ርእስና ምልስ ኢልና እንተ ረአና ክንደይ ጊዜ ኮን ንአምላኽን ንሰባትን ዘይከሓድና። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ተሳቲፍና ክነብቅዕ ክንደይ ጊዜ ሕቖና ዘይሃብናዮ ከምኡ ንሰባት ዝባና ዘይሃብና። አብ መንበረ ኑዛዜ አቲና ካልአይ ጊዜ ከይንወድቕ ክንደይ ጊዜ ዘይወሰና እንተኾነ ነቲ ዝመሓልናዮ ደጊምና ንጥሕሶ። አብ ከቢድ እዋን ንኹሉ ክንዕወት ጸጋ አምላኽ የድልየና። ብወገና ንጸጋ አምላኽ ክፉታት ክንከውን ክንነብዕ የድልየና።

ይሁዳ አሕሊፉ ሂብዎ ይብልና ወንጌል፥ አብ ሓዲስ ኪዳን አሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ብተደጋሃሚ ንረኽቦ ንዮውሓንስ መጥምቕ አሕሊፎም ሂቦሞ፥ ንኢየሱስ አሕሊፎም ሂቦሞ፥ ተኸተሊ ክርስቶስ አብ ታሪኽ ንብዙሓት ነቲ ዘስተምህርዎ ከጥፍኡ ምስ ደለዩ አሕሊፎም ከምዘሃብዎም ነንብብ። ገለ እዋን ንአና እውን ሰባት አሕሊፎም ክህቡና ይኽእሉ እዮም። እሞ ናታትና መልሲ እንታይ እዩ። ይሁዳ ንመምህሩ ብ30 ብሩር ሸጥዎ ማቴዎስ ጥራሕ ነዚ ይነግረና። አብ ትንቢት ዘካርያስ ነብይ 11፡11~13 ዋጋ ናይ ሓደ ጓሳ ዝተሰጐ ደሞዝ እዩ ይብል። አብ ዘጽአት 21፡32 ዋጋ ናይ ሓደ ባርያ ምዃኑ ነንብብ። ኢየሱስ ብሕሱር ተሸቱጡ፥ ንአና ናብ አምላኽ ክመልስ ዝተሓተን ዝሓሰረን ሕይወት መሪጹ። ነዚ ከረድአና ዮሓንስ ወንጌላዊ አምላኽ ሰብ ኮነ ይብለና። እቲ ዝዓበየ ውርደት አምላኽ አብ መስቀል ምሟት ዘይኮነ ሰብ ምዃን እዩ። 

ፋሲካ አይሁድ ከብዕሉ አብ ዝሰናደዉሉ ዝነበሩ እዋን ኢየሱስ ፍሉይ ትእምርቲ ሂብዎም። አብ ስርዓት አይሁድ ክልተ በዓላት ጥቓጥቓ የብዕሉ ነሮም ምስቲ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝኾኖን ዝመሳሰል። ብዓል ቅጫ ወይ ዘይበዅዐ እንጌራን፥ ፋሲካ አይሁድን። ፋሲካ ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ዝወጽኡሉ ብመገዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰገርዎን ናብ ምድረ ተስፋ ንኽአትዉ ዝተጓዕዝዎ ጉዕዞ ዘኪሮም ዘብዕልዎ እዩ። እቲ ብዓል ምሸት ፀሓይ ምስ ዓረበት በቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዝተሓርደት በግዕ አብ መበል 14 መዓልቲ ናይ ኒሳን ይጅምር። ምስኡ ዘይበዅዐ ቅጫ ይብላዕ፥ እዚ እዩ ኢየሱስ “እዚ ሥጋይ እዩ” ኢሉ ዝተጠቕመሉ። ነዚ ቅጫ ንሓደ ሶምን ብምቕጻል የብዕልዎ እዚ ኸአ ነቲ አብ ጉዕዞ ዘሕለፍዎ ስቓይ ንምዝካር ኢሎም እዮም። ንዝሓለፈ ዘመስግኑሉ ንዝመጽእ ብተስፋ ዝጽበዩሉ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዓቢ ምስጢር ክሓድገሎም ደልዩ። ዮሓንስ 13 ነቲ ዝተፈጸመ ሥርዓት ይነግረና።

ሕጽበት እግሪ።

ወንጌል ሥርዓት ሕጽበት እግሪ ተንቲኑ ይነግርና ምኽንያቱ ፍሉይ ነገር ስለ ዝኾነ። አብዚ ተመሃሮ ዘይኮኑስ መምህር አእጋር አርድእቱ ይሓጽብ። ጴጥሮስ እቲ ሓዲስ ሥርዓት ስለ ዘይተረድኦ አይከውንን እናበለ ተቋዊሙ ምኽንያቱ ናይ ድሕነት ምስጢር ዝፍጸመሉ ሥርዓት ምዃኑ ስለ ዘይተረድአ። እንትኾነ ብዘይ እዚ ሥርዓት ጴጥሮስ ሓንቲ ክፍሊ አብ ሕይወት ኢየሱስ ከም ዘይብሉ ተነጊርዎ። እዚ ሥርዓት ንሓዋርያ ምስ መምህሮም የወሃህዶም ከምቲ ኢየሱስ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘለዎ ውህደት። እዚ ብዛዕባ ማይን ሕጽበት አእጋርን አይኮነንን እንታይ ድአ ብዛዕባ ቅዱስ ርክብ ኢየሱስን ሓዋርያቱን አብቲ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ዝምስረት እዩ።

ከምዚ አነ ዝገበርክዎ ንስኹም ከአ ከምኡ ገበሩ፡ ሓዋርያት ናይ እቲ ዝበሎም ትርጉም አይተረድኡን። ንሱ ነቲ ንሱ ዝገበሮ አብ ነነድሕዶም ክገብርዎ ይእዝዞም። ንሱ አብነት ኮይንዎም። እዚ ምሕጻብ እግሪ ናይ አገልግሎት፥ ፍቕሪ፥ምሕዝነት፥ትሕትና ምልክት እዩ። መሰረትን ምመርሕን ንኹልና ተኸተልቲ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ንሰማይ ዓሪጉ እዩ ተኸተልቱ እዮም እምብአር ንደቂ ሰባት ምስ ኢየሱስን ምስ ሰማያዊ አቦን ዘራኽቡ። እዚ ሓድሕዳዊ አገልግሎት እንተሎ አምላኽ አብ መንጎና እሎ። ከምዚ አነ ዝገብሮ ግበሩ ኢልዎም፥ ንኹሉ ተኸታሊ ክርስቶስ ዝብሃል እዩ፥ ንሕና ሎሚ ነዚ ሓዲስና ክነተግብሮ ስንድዋት ክንህሉ ይግብአና።  

ሰዓቱ ስለ ዝአኸለት ክሳብ መጨረሽታ አፍቀሮም። አብዚ አብቲ መጨረሽታ ምዕራፍ ሕይወት ኢየሱስ ንአቱ። አእጋሮም ክሓጽቦም እንከሎ ንሱ መን ምዃኑን ተልእኮኡ እንታይ ምዃኑ ክገልጸሎም ምእንቲ ዝገበሮ እዩ። አብዚ ተራ ናይ አገልጋልን ጎይታን ይጻወት። እቲ ተግባር ናይ ኢየሱስ ናይ መጨረሽታ ፍቕሪ አብ ሓዋርያቱ ዝነበሮ ይገልጽ። እቲ ዝለዓለ ህያብ ፍቕሪ አብ መስቀል ምስ ሞተ ከርእይዎ እዮም።

ንሱ አእጋሮም ምስ ሓጸቦም ከምኡ ክገብሩ አዚዝዎም። ሎሚ ንሕና ነዚ ክንእዘዝ አብዚ ተአኪብና አሎና። ሕይወትና ምስ መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ክነወሃሃድ፥ ንኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን ክንቅበሎ፥ አብ አምልኾኡ ጊዜ ክንሕልፍ፥ አብቲ ናይ ቅዱስ ቍርባን ህያቡ ብዝያዳ ክነስተንትን ንማለት እዩ። አእጋር ክንሓጽብ ከሎና ከምቲ ኢየሱስ ብመዓልቲ ኃሙስ ቅድሚ ሞቱ ዝገበሮ ዘኪርና አብ ነነድሕድና ንፍጽሞ። ዮሓስን ነቶም ናቱ ክሳብ መወዳእታ አፍቀሮም ይብለና። ዕሞቕ ፍቕሩን ክገብርዎን ክኽተልዎን ዝደልዮ መገዲ ብግብሪ አርእይዎም። ፍቕሩ ከርእዮም ምእንቲ ሕይወቱ አብ ታቦት መስቀል ሰዊዑ፥ ከምቲ አብ ብሉይ ኪዳን በግዕ ፋሲካ ብደሙ ህዝበ እግዚአብሔር ዝድኃኑ ከምኡ ብደም ኢየሱስ ድኂና። መስዋዕቲ ኢየሱስ መሰረቱ ፍቕሪ ወዲ አዳም እዩ። ሎሚ ንሕና እውን አሰር መድኃኒና አብ መንጎና ፍቕሪ ክንገብር እሞ ሰላም ፍቕሪ አብ ዓለምና ክነነግስ ንሕተት አሎና። ኢየሱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ከም ዝምህረና ፍቕሪ አምላኽ ብርእሱ እዩ። ንሕና ንፍቕሪ አምላኽ ክንርድኦ ወይ ክንበጽሖ አይንኽእልን ኢና። በቲ ዘሎና ንሰናይ እንተ ተበገስና አብ ፍቕሪ ንጉዓዝ አሎና። ፍቕሪ ምስ አምላኽ ምዃን ማለት እዩ።

ከምቲ አነ ዝገበርክዎ ክትገብሩ እእዝዘኩም አሎኹ። ቅዱስ ጳውሎስ ድሕሪ ሕጽበት እግሪ ኢየሱስ ዝበሎ ይዝክር፥ “እዚ ሥጋይ እዩ. . . እዚ ጽዋእ ሓዲስ ኪዳን ናይ ደመይ እዩ. . . ንዝኽረይ ግበርዎ”። ናይ ኢየሱስ እቲ አገልጋሊና ትሕትና ከነስተንትን እንተ ደለና ናይ ፋሲካኡ ዝኽሪ ክነብዕል ቅሩባት ክንከውን አሎና። ሎሚ ንመስዋዕቱ አሜን ሕራይ ክንብል ኩሉ ነገር ብሩህ እዩ ዘሎ። ሥጋኡ ክንበልዕ ደሙ ክንሰቲ ድልዋት ኢና። ንኢየሱስ አብ ነነድሕድና፥ አብ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተክርስትያን እንተዘይ አለለናዮ ነቲ አብ ዝተባረኸ ህብስቲ ወይንን ዘሎ እውን ክነለልዮ አይንኽእልን ኢና። እዚ እዩ ኢየሱስ አእጋር አርድእቱ ምስ ሓጸበ ክንገብሮ ዝአዘዘና። 

ቅዱስ ቍርባን

ማርቆስ ወንጌላዊ አብ 14፡22~26 ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ ሓዲስ ስርዓት ከም ዝሀቦም ይነግረና። ህብስቲ አልዒሉ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ሃቦም ጽዋዕ አልዒሉ ድማ አመስጊኑ ሃቦም ኩሎም ካብኡ ሰተዩ ንሱ ኸአ እዚ ምእንቲ ብዙኃት ዚፈስስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ደመይ እዩ. . . ንዝኽረይ ከአ ግበርዎ በሎም።

ትስብእቲ ኢየሱስ ንደቂ ሰብ ምስ አምላኽ ምዕራቕን ብቐጻሊ ነዚ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ብቅዱስ ቍርባን ምቕጻልን እዩ። አብቲ ጽንኩር እዋን አብ አፍደገ ሞት እንከሎ ከም ዘይሓደጎም ክገልጽሎም ኢሉ ንወሩ አብ መንግኦም ሕያው ዝገብሮ መንገዲ ሠሪዕሎም። ነዚ ዝበልዐ ነዚ ዝሰተ አነ አብኡ እነብር ንሱ አባይ ይነብር እናበለ ሓዲስ አገባብ አብ መንግኦም ምህላዉ ገሊጽሎም። ሓዋርያት ሽዑ ኩሉ ተሓዋዊስዎም እንተኾነ ድሕሪ ትንሣኤ እዚ ሓቂ አብ ሕወት ቤተክርስትያን ክርእይዎ ክኢሎም። ኢየሱስ ዝለዓለ ህያብ አብ መንጎና ንወትሩ ዝነብረሉ ሂቡና። አብኡ ምስኡ ክነብር። ሎሚ መዓልቲ ሓሙስ ክንዝክር ከሎና መድኃኒና አብ መንጎና ብሥጋኡን ደሙን ምስኡ ክንነብር ኩሉ ጊዜ ከም ዝደልየና አብ ሥጋኡን ደሙን ክነብር ከሎና ሕይወት ከም ዘሎና ነጊሩና። ምስ ኢየሱስ ክነብር ከሎና ኩሉ ምሳና አሎ ሓጎስ፥ ጸጋ፥ ዕግበት፥ ምሕረት፥ ሰላም አሎ።

አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንካፈል ከሎና ጥራሕ እዩ ምስኡ አሎና ክንብ እንኽእል። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ምዕ. 11 ነዚ አመልኪቱ ብዝርዝር ይነግረና። ሥጋ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕባልና ተሰናዲና  ከምቲ ዝድለ ኮና ክንቅበሎ ይግባእ።

አብ ናይ ሎሚ ብዓልና ፍሉይ መልእኽቲ ንነፍስወከፍና አሎና።

·       አብ መንፈስ ኢየሱስ ክንርከብ። ሕይወትና ናቱ ምስኡ ውህደት ክህልወና። ምስ ክርስቶስ ምዃን ማለት መንፈስካ ሓሳብካ ኩሉ ሕይወትካ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮንካ ክትርከብ ፍቓደኛ ምዃን። ነዚ ክንገብር ንስሓ ሓጢአትና ክንገብር ይግባእ። ትሕትና አብ መአዲ ንስሓ ስለ ዘቕርብ ንእቡይ መንፈስና ስዒርና አብ መንበረ ኑዛዜ ብድፍረት ንቕረብ ሽዑ አብ ደምበ ክርስቶስ ክንሕወስ ኢና።

·       ንሓውናን ሓፍትናን ብዓይኒ ክርስቶስ ንርአዮም። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ አብ መንግኦም ክህሉ ዘልኦ ክገልጽ አእጋሮም ሓጺቡ፥ ንሕና እውን አእጋር አሕዋትና ብፍቕርን ትሕትናን ክንሓጽብ ትሑዛት ኢና። ትሕትና መለለይና ገርና ፍቕርን ሕውነትን አብ ኩሉ ንዝራእ ሽዑ ኢየሱስ አብ መንጎና ክህሉ እዩ።

·       ቅዱስ ቍርባን ሓዳሲ ሕይወትና እዩ። ኢየሱስ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን አባን ይሓድር ምሳና ሓደ ይኸውን ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ከምንጉዓዝ ይገብረና። ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ታቦት አምላኽ ንኸውን፥ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ንኸውን። ግን ይሁዳ እውን ቅዱስ ቍርባን ተቐቢሉ እዩ፥ ንሕና ክንልወጥ ምስኡ ክንወሃሃድ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። ቅ. ቍርባን ስንቅና ገርና አሰር ኢየሱስ ንጉዓዝ።

·       ኢየሱስ ሎሚ እውን ብአና ክዓዪ ይደሊ። መሳርሕቲ ክርስቶስ ክንከውን ስንድዋት ክንከውን ይግባእ። ከም ጳውሎስ አምባሳደራት ክርስቶስ ክንከውን። ንሱ ብአና ገሩ ትምህርቱ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ይደሊ አሎ። መትዓይይቲ አምላኽ ክንከውን ሎሚ እውን ይጽውዓና አሎ። እዚ ንዝኽረይ ገበርዎ ክብለና እንከሎ ብስም ኢየሱስ አብ እንእከበሉ ሓድነት ፍቕሪ አመንጒና ንኻልኦት አብ መአዲ ክንዕድም ንበገስ።

·       ሕይወትና አካይይዳና ኩሉ ክነሓድሶ ንጽዓር። ንአምላኽ ዘሕጉስ መንገዲ ሒዝና ክንጉዓዝ ከሎና ሽዑ ምስ አምላኽ አሎና ክንብል ንኽእል። ብዓል ቅዱስ ቍርባን መዓልቲ ተበግሶ ንሓዲስ ጉዕዞ ምስ አምላኽ እዩ። አብ ጉዕዞ ድኽመት ክህሉ ይክአል እዩ ግን ንኢየኡስ ሒዝና እንተ ተጎዓዝና ኩሉ ክሰልጠና እዩ።

·       ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ ኢሉና ክርስቶስ። መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ንኹሉ አብ ጽቡቕ ክንቅይር ዝዕድምና እዩ። ኢየሱስ ንሓዘን ናብ ምጽንናዕ፥ ንሞት አብ ትንሣኤ፥ ንጭንቀት ናብ ቅሳነት ዝለወጠ እዩ። ሎሚ እውን ነዚ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ወሪሱ ዘሎ ድኽመት መንፈስን ህዉኽ ሕይወትን ክነሓድሶ እንተኾና አብ ኢየሱስ ንመለስ ነቲ ንኹሉ ጊዜ ክንዝክሮ ዝሃበና ሕያው ዝኽሪ አብ መንጎና ንገበሮ።

ብዓልና ናይ ኩሉ እምነትና ማእከል እዩ። በዚ ዕለት ማእከል ናይ ኹሉ እምነትናን ሥርዓትናን ዝኾነ ኢየሱስ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ዝቐረበና መዓልቲ እያ። ሎሚ ንሕና እውን ብዝተሓደሰ መንገዲ ክንቀርቦ ምስኡ ክንወሃሃድ ብዝሓየሊ መንገዲ ንመርሽ። አገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ቀንድን ግድነትን ክፍሊ ሕይወትና ገርና ክንጉዓዝ ባዕሉ መምህርና አርእዩና። ከምዚ አብ ነነድሕድኩም ግበሩ እናበለ ካብ መአዱ ተኻፊልና አብ ሰናይ አሕዋትና ክንወፍር ተማሕጺኑና።

ኢየሱስ ባሕርይ ትስብእቱ ካብ አዲኡ ወሲድዎ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን እንቕበሎ ሥጋን ደምን ወላእኳ ዝተሓደስን ግርማ መለኮት ዝለበሰን ይኹን እምበር ካብአ ዝወሰዶ እዩ። ኩላትና ደቃ አሕዋት ክርስቶስ ኢና ሎሚ እውን መሰረት ሓድነትኩም ገርኩም አብ መአዲ ወደይ ብዝነጽሐ ሕልናን ሕይወትን ቅረቡ፥ አብ ሕማማቱ ተሳተፉ አብ ትንሣኤኡ ክትሳተፉ ትብለና አላ እሞ፥ ኦ ማርያም አብዚ ሶምን ነቲ ዝተቐበልክዮ ስቓያት አብ ምድሓን ነፍሲ ወከፍና እናዘከርና ንሕና ባዕልና ብዝፈጠርናዮ መኸላእታን ኃጢአትን ከይተዓንቀፍኪ አብ የማን ወድኺ ምለስና። አደና ኴንኪ አብ ብርሃን ትንሣኤ ወድኺ ብሰላም አብጽሕና። ካብቲ ሓዳሲ ሕይወትና ዝኾነ ሥጋን ደምን ወድኺ ተሰሲና ብነፍስን ብሥጋን አብ አገልግሎት ወድኽን አገልግሎትክን አገልግሎት አሕዋትን ከም እንወፍር ግበርና ንበላ።

ቅድስና ዘልብስ ሰሙን ሕማማት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 April 2022, 18:51