ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ፍሽለት ፖለቲካን ሰብኣውነትን መግለጺ እዩ! ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ፍሽለት ፖለቲካን ሰብኣውነትን መግለጺ እዩ! 

ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ፍሽለት ፖለቲካን ሰብኣውነትን መግለጺ እዩ!

መራሕቲ ዓለም ብፍላይ ከኣ እቶም ንቕዱስ ስርዓታት ሃይማኖት ዚስዕቡ ነቲ ብዕድልካ ዝብል ዘይኮነስ መደብ ሰላም ኣሎኒ ንዝብል ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ሓደራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ካብ ሮማኒያ ዕለት 10 ሚያዝያ ተበጊሱ ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ይክረይን ክሳብ እትርከብ ከተማ ቸርኒቭትስ ዝበጽሕ ናብ ዘካየደኦ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእቲ፥ እቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ምእንቲ ሰላም ንግደት መርሕ ቃል ኵለን ሃይማኖታት ብሓባር ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይን ዝብል ምዃኑ ብምዝኽካር ነቲ ጽዩፍ ዝኾነ ተግባር መዕለቢ ክግበረሉ ብስም ኣምላኽ ድምጽና ብዓውታ ከነስምዕን ይግባ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንብዙሓት ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሰባት ከቢድ መካራ የስዕበሎም ከም ዘሎን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን እቶም ንጹሓን መንእሰያት ንሞት ኣሕሊፉ ዝህብን ተስፋ ዜቕርጽ ህድማ ኣንስትን ቈልዑን . . . እዚ ዅሉ እቲ ውግእ ዘስዕቦ ዘሎ መግለጺ ዘይብሉ ስቓይ ንሕልና ዘናውጽ ብሱቕታ ክይንምልክቶን ኣብ ቅድሚ እዚ ዓመጻ ቃኤልን ኣውያት ኣቤልን ብስም ኣምላኽ ነዚ ዜፈንፍን ተግባር እዚ መወዳእታ ኪንግበረሉ ብሓይሊ ክንሓትት ንግደድ። ነዚ ዝበሉ  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ስቓይ እተሕልፈሉ ሰዓታት

ኣስዒቦም፥ “እዛ እንነብረላ ዘሎና ሰዓት ብሓይልታት እከይ እትሳገር ብምዃና ከም እንጒሂ ይገብረና” ቢሎም ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም “እቲ ካብ ሓያሎ መዓልታት እንርእዩ ዘሎና ዘስካሕክሕን ዘሳቕን ፍጻሜታት ውግእ ‘ናይ ፖለቲካን ደቅሰብ ፍሽለትን ዘሕፍርን ኣብ ቅድሚ ሓይልታት እከይ ኢድካ ምሃብ ንግብረ እከይ ተሰዓሪ ናይ ምዃን’ መግለጺ እዩ”  ምስ በሉ፥ መራሕቲ ዓለም ብፍላይ ከኣ እቶም ንቕዱስ ስርዓታት ሃይማኖት ዚስዕቡ ነቲ ብዕድልካ ዝብል ዘይኮነስ መደብ ሰላም ኣሎኒ ንዝብል ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ሓደራ” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖታት ንሰላም

ኣብቲ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞ ናይ ኵለን ሃይማኖታት፥ ናይ ክርስትና ኣይሁድን ኣንግሊካዊትን ሂንዱን ብድሃን ኦርቶዶክስን ምስልምናን ሃይማኖታት መራሕቲ ከም እተሳተፉን እዚ እውን ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኤውሮጳን ኣብተን ወግእ ዝካየደለን ሃገራት ድምጺ ጠያይትን ኣጽዋር ውግእን ክዕበስን ህዝቢ ብሰላም ዝነብረላ ኣብ ፍትሕን ሕውነት ዝጸንዔት ዓለም ኵሉ በቢ ጸዋዕታኡን ሓላፍነቱንን ክዋሳእ ጻውዒት ዘቕረበ መደብ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

14 Apr 2022, 16:04