ድለ

ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ፒዛባላ፥ በዓለ ፋሲካ ጭርሖ ኣይኰነን ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ፒዛባላ፥ በዓለ ፋሲካ ጭርሖ ኣይኰነን 

ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ፒዛባላ፥ በዓለ ፋሲካ ጭርሖ ኣይኰነን

“ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ህይወትን ምዝራብ ጭርሖ ጥራይ እዩ ዝመስል” ምስ በሉ “ይዅን እምበር በዓለ ትንሳኤ ጭርሖ ጥራጥ ኣይኰነን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብጭቡጥ ክንትንክፎን ክንምከሮን ንኽእል ኢና”

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒዛባላ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ቀጻሊ ውጥረትን ዓመጻን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ኣማእኺሎም፡ ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ነቲ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ህይወትን ዚገልጽ መልእኽቲ በዓለ ትንሳኤ ብትብዓት መሰኻኽር ኪዀኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ህቦባላ ውግእ ንሰሙነ ሕማማት ኣብ እተብዕለሉ ዘላትሉ እዋን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ ግጭትን ምጒዳል ፍትሕን እናህለወ ክነሱ ምእመናን ነቲ ናይ በዓለ ትንሳኤ ምልክታ ክርእዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “በዓለ ትንሳኤ ፍቕርን ሰላምን ህይወትን ዘበስር” እኳ እንተዀነ ብዛዕባ እቲ “ኣብዛ እተገማመዐትን ዓመጻ ዝመልኣን ዓለም” ከምኡ እውን “ሳዕቤን ግጭትን ምጒዳል ፍትሒን ክንርኢ እንኰለና” ዘምጽኦ ተስፋ ምብሳር ኣጸጋሚ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓመጻ ኣብ ቅድስቲ መሬት

ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ መሬት እተለዓለ ዓምጽ ዝመልኦ ውጥረት ብምጥቃስ እዚ ዅነታት እዚ “ ጥርጣረ ከም ዚፈጥርን ነቲ ኣብ በዓለ ትንሳኤ እንእውጆ ተስፋ ከጥፍእ ከም ዝክእል ገሊጾም፥ እዚ ንኸይህሉ ተስፋ ብቓልን ተግባርን ክንምስክሮ ብእምነትን ፍቕርን ንዕደም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩክረይንን ኣብ ካልእ ከባቢ ዓለምን ዘሎ ግጭት

ፓትሪያርክ ፒዛባላ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእ ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም ኣብዚ ኰነ ኣብ ካልእ ዞባታት ዓለም ዘሎ ተመሳሳሊ ኵነታት “ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ህይወትን ምዝራብ ጭርሖ ጥራይ እዩ ዝመስል” ምስ በሉ “ይዅን እምበር በዓለ ትንሳኤ ጭርሖ ጥራጥ ኣይኰነን። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብጭቡጥ ክንትንክፎን ክንምከሮን ንኽእል ኢና” ኢሎም፥

በዓለ ትንሳኤ ጋህዲ እዩ

“ኣብ ዓለም ጸልማትን ዓመጻን ጥራይ ምህላዉ ከምኡ እውን ሞትን ስቓይን ጥራይ ከምዘጋጥመና ጌርካ ምድምዳሙ ትኽክል ኣይኮነን፡ ብጀካ እዚ ምእንቲ ካልኦት ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ ምእንቲ ፍትሒ ዚቃለሱ ምእንቲ ሰላም ዝሰርሑ መጋበርያ ሰላም ዝኾኑ ኣዚዩም ብዙሓት እያቶም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ፥ በዓለ ትንሳኤ ምብዓል ክበሃል እንከሎ ንኽርስቶስ ምልላይን ምብዓልን ማለት እዩ፡ ክርስቶስ ብሕይወትን ብተባዓት መሳኻኽር ኣቢሉ ኣእማን ብኸመይ ከም እነፍርስን ኣብ ህይወት ብዙሓት ኣብ መላእ ዓለምን ኣብታ ቅድስቲ መሬትን ብርሃን ከም እነብርህን ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ከም ዘልወኦ ኣርእዩና እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ፓትሪያርክን ኣርእስተ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም

ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒዛባላ ኣብታ ብሓባር ምስ ኣርእስታት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ጸጋ ናብ ኵሎም ህብዚ ኣምላክ ንምቕያር ትብዓት ዘለዎም መሰኻኽር” ከም ዘድልዩ ጐሊሑ ኣሎ። “እዚ ክርስቲያናዊ ምስክርነት እዚ ነባሪ ሳዕቤን ናይቲ ለብዒ ሃንደበታዊ ምንታጒ ዓመጽን ውግእን ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምጒዳል ፍትሕን ጭቈናን ኣብ ግምት ብምእታው ኣዚዩ ህጹጽ እዩ” ይብሉ።

በዓለ ትንሳኤ ናበይ ከም እኸይድ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ በዓል ዝኽሪ ሓንቲ መዓልቲ ክኸውን የብሉን። ኣብቲ ክርስቶስ ነቶም ተስፋ ዘድልዮም ሰባት በቲ ቅድሱ ሓዊ መለኰታዊ ጸጋ ኣምላኽ ንኸነመሓላልፈሎም ዘቕርቦ ጻውዒት ገዛእ ርእስና እነሐድሰሉ እዋን እውን ክኸውን ኣለዎ!

“እቲ ናይ ሰላምን ዕርቅን መልእኽቲ ጐይታና ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ናብ ኣርባዕተ ኵርናዕ ምድሪ ክዝርጋሕ እንከሎ ዓሚቝ ትርጉም ትንሳኤ ክርስቶስ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ እንኽእል” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2022, 16:17