ስደት ይኹን ሞት ካብ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልየና የልቦን! ስደተኛታት ኣብ ሱዳን በዓለ ትንሣኤ እንከብዕሉ
ዕለቱ ብስባሔ ያሬዳውያን፡ ሰዓት 5 ቅ. ቀ. ጀመረ። እቲ ብጹዕ ኣቡነ ሉዊስ ሙጌል፡ እንደራሴ ቫቲካን ሱዳንን ኤርትራን፡ ማዕሪጉ ዝወዓለ፡ መስዋዕቲ ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 7 ቅ. ቀ. ጀመረ። ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይ ሰራዒ ካህን፡ ብየማነ ጸጋሞም ከኣ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን ኣባ ማሕደር ቃልኣብን ነበሩ።
ቃለ እግዚኣብሔር ዕለቱ ብብጹዕ እንደራሴ ተዋህበ። ሓደ ካብቲ ዘካፈሉና ዓሚቕ ሓሳብ ኣስተንትኖ፡
1. ትሑት ስእሊ ሕይወት ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤ። ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንሰቐልቱን ንጢላጦስን፡ መሲሉኩም ደኣ እምበር፡ ኣነስ እንሆኹ ተንሲኤ ክብሎም ዘይኮነስ፡ ነቶም ተስፋ ቆሪጾም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ደቂ ኤማውስ፡ ትሒቱ ኣብ ጉዕዝኦም ተጸንቢሩ፡ ተስፋ ክህብ ኢዩ ዝተረኽበ። እምበኣር መንፈስ ትሕትና ሕጂን ሎምን’ውን ንዓና የድልየና ኣሎ። ሃየ ንመሃረን።
2. ዝርሕርሕ ስእሊ ሕይወት ኢየሱስ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንኢየሱስ ኣብ ድሮ ስቕለቱ ዝኸሓድዎ፡ ቅ. ጴጥሮስ ኢዩ። ዝተንስኤ ኢየሱስ ግን፡ ምሒሩ ምስኡ፡ ካብቲ ዝገፈፎ ዓሳ ከምጽኣሉ ክሓቶ ኢዩ ተረኺቡ። ዝተንስኤ ኢየሱስ እምበኣር፡ ሎሚ ንዓና’ውን ንምሕረት ሓድሓድ ክንመሃራ ገና ይዕድመና ኣሎ።
3. ትንሳኤኡ ብደቂንስትዮ ክብሰር ደልዩዎ። ኣብ ፍጻሜ ትንሳኤ ኢየሱስ፡ ደቂ ኣንስትዮም ልብን ሞቶርን ስብከተ ወንጌል ክኾና ንርእየን ኣሎና። ኢየሱስ እዚኣተን ሎሚ’ውን ገና፡ ኣብ ስድራ ቤትን ቤተክርስትያንን ልብን ሞተርን ብርሃንን ንሳተን እየን’ሞ፡ ዕቤት ሞያኤን ኣፍልጦ/Recognition ክንህቦ ይዕድመና ኣሎ በሉ።
ብጹዕ ጳጳስ፡ ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም፡ ክንድዚ ዝበዝሕ ቊጽሪ መንእሰይ ኣብዚ ቤ/ያን’ዚ ምርኣየይ፡ ውሽጠይ ኣለዓዒሉኒ። ብሓቂ ካቶሊካዊት ቤ/ያንና ኣብ ካቶሊካውያን ምእመናን ኤርትራ ተስፋ ኣሎዋ’ውን ኣቢሉኒ። ስለዚ መንእሰያት ደቀይን ኣሕዋተን፡ ኣብ ዝኸድኩምዎ ኬድኩም፡ ካብ ቤ/ያንኩም ኣይትርሓቑ ሓደራ’ውን በሉ።
ኣብ ምዕዳል ቅዱስ ቊርባን 7 ካህናትን 5 ደናግልን (ደቂ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦንን ቅድስቲ ሃናን ሃገርና) ተሳተፍና፡ ንኹሉ ምእመን ከነቚርብ 30 ደቒቕ ወሰደልና።
ድሕሪ ቊርባን ክልተ መንእሰያት፡ መልእኽቲ ፋሲካ፡ ጓሶት ካህናት፡ ካፑቺን ደቂ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ፡ ስደተኛታት ሕዝብና፡ ብኽልቲኡ ቋንቋ (ትግርኛን ብሌንን) ቀረበ። ጽማቕ ትሕዝቶኡ እዚ ዝስዕብ ነበረ፥
ዝኸበርኩም ምእመናን፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ‘ሃሌ ሉያ ደቂ ትንሳኤ፥ ሃሌ ሉያ ደቂ ብርሃን፥ ሃሌ ሉያ ደቂ ተስፋ፥ ሃሌ ሉያ ደቂ ምሕረት ክርስቶስ’ ስለዝገበረና’ ክብ ዝበለ ምስጋና ንዓኡ ይኹን። ዝተንስኤ ክርስቶስ ንዂሉ ጸልማት ሕይወት መነባብሮ ስደትኩም ቀንጢጡ፡ ብርሃን ትንሳኤኡ የብርሃልኩም። ጓሶትኩም (ኣባ ስብሃቱ ዘርኣይ፥ ኣባ ፍከኢየሱስ ገ/ስላሴ፡ ኣባ ብርሃኑ ሃብተ)
-ንኹልካትኩም፡ ኣብዚ ምሳና ዘሎኹም ኮነ ካብ ዓድና ዝመጻእኩም ኣቦታት ኣደታት
-ንኹልኻትኩም ብሕማምን ሽምግልናን ኣብ ኣባይትኹም ተጋዲምኩም ትርከቡ ዘሎኹም
-ንኩልኻትኩም መንእሰያት፡ ደቅተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን
-ንኹልኻትኩም ሕጻናት፡
ሰላምታና ኣቐዲምና፡ ብሩኽ በዓለ ፋሲካ ይግበረልኩም ንብለኩም። ንሕና ደቂ ትንሳኤ ስለዝኾና፡ ወላ እኳ ኣብ ከባቢና፡ ብዙሕ ውግእን ጸበባን ዝስማዓሉ ጊዜ እንተኾነ፡ ኣጆኹም፡ ገና ሰናይ ነገር ምትስፋውና ንቐጽል’ውን ንብለኩም፡፡ በቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝህበኒ ሓይሊ፡ ንኩሉ ክበድ ናብራ ስደት ክሰግሮ እየ’ ትብሉ ምእመናን ክትኮኑ ደጊምና ኣጆኹም ንብለኩም።
ሎሚ’ውን በዓለ ፋሲካና፡ ንዓና ‘ስለምንታይ ንሕያው ኣብ ሞንጎ’ቶም ምዉታት ተናድይዎ (ዮሓ. 5፡23) ኣሎኹም ይበሃለና ምህላዉ ንዘክር። ከምኡ ንበሃለሉ ዋና ምኽንያት ከኣ፡ ንዝተንስኤ ክርስቶስ ዘይምስክር ሕይወት ሒዝና ንመላለስ ስለዘሎና ኢዩ። እምበኣር ኣጆና፡ ነፍስወከፍና እዛ ፋሲካ እዚኣ ‘ፋሲካ ለውጢ ሕይወተይ ክገብራ እየ ንብለላ ፋሲካ ትኹን።
ኣብ መጨረሽታ ከኣ፡ ነታ ክሳብ በዓለ በራቕሊጦስ ‘ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፡ በዓቢይ ሃይለ ወስልጣን፡ ኣሰሮ ለሰይጣን፡ ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ይእዜሰ ኮነ ፍስሓ ወሰላም’ ንደግማ ጸሎት ብወንን እምነትን እናደገምና፡ ንዘመነ ትንሳኤና ንጎዓዞ እናበልና፡ ደጊምና፡ ትጽቢታትኩምን ሕልምታትኩምን ዘግህድ በዓለ ፋሲካ ይግበረልኩም ንብለኩም’’።
ቀጺሉ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ነቶም ብተሳትፍኦም ንበዓለ ፋሲካና ዘማዕረጉ እንደራሴን፡ በቲ ዝሃቡና ዓሚቕ ስብከትን፡ ምስጋናኦም ኣቕረቡ። ምስኡ’ውን ንዂሎም ነቲ ዝነበረ ምዕሩግ በዓል፡ ኣብ ምምዕራግ ዝተዋስኡ ኩሎም ኣመስገኑ። በዚ’ውን ቅዳሴ ተዛዘመ።
ድሕሪ ቅዳሴ ንካህናትን ደናግልን፡ ቀለስቲ ዝነበረ መደብ ዕለቱን ጥራይ፡ መደብ ቊርሲ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤ/ያን ስዓበ። ኣዳለውቲ ቊርስን ቡንን ኣባላት ካቶሊካውያን ምንቅስቓስ ተሓድሶ ቊምስናና/Catholic Charismatic movement of our Parish community ነበሩ። መደቦም ጽፉፍ፡ ቁርሶም-ምሳሖም ጥዑም ነበረ። ኣብ መጨረሽታ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ነቲ ኩሉ ዝገበርዎ ወጻኢታት ኣምላኽ ክትከኣሎም መሪቖም፡ ንጉጅለ ምንቅስቓ ተሓድሶ ብዙሕ ኣመስገኑ። ብጹዕ እንደራሴ’ውን በቲ ኲሉ ዝውዓለ ሓጎሶም ገሊጾም፡ ወትሩ ኣብ ጎድንና ክኾኑ ምኳኖም ቃል ኣትዮም፡ ንመደብ ምሳሕ ብጸሎት ዓጸውዎ፡፡
ክርስቶስ ብሓቂ ተንሲኡ’ዩ፥ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ!
ኣባ ክፍለኢይሱስ ገ/ስላሴ