ኣበዓዕላ ፋሲካ ካቶሊካውያን ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ከሰላን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብን
- 17-04-2022 ትንሳኤ ናይ ስርዓት ላቲን ስለዝነበረ ብጽቡቕን ድምቁን ኣገባብ ሓሊፉ። በዚ ኣጋጣሚ 98 ሕጻናት ንኡሰ ክርስቲያን ጸጋ ጥምቀት፡ ሜሮንን ቁርባንን ተቀቢሎም። ካብዚኣቶም 36 ንኡሰ ክርስቲያን ሰለስቲኡ ምስጢራት ብቆሞስ ኣባ ገብራይ ብእደማርያም ተፈጺሙሎም።
- ብሕማማት ዝጀመረ ኣስተንትኖን ስግደት ዓርቢ ስቕለትን ምስቲ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩርን ብተጻዋርነት ካብ ስዓት 8፥30 - 400 ተኻይዱ።
-ቀዳም ብድሮ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ኣዛሚድና ስዓት 8፥30ድ ቀ ዝጀመረ መስዋዕቲ ቅዳሴ 11፥00 ተዛዚሙ፡፡
- ሰንበት ንግሆ ኣብ መዓስከር ወዱ ሸሪፈይን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን ብክልቲኡ ስርዓት ማለት ስርዓተ ቅዳሴ ብስርዓት ግዕዝ፡ መስዋዕቲ ቅዳሴ ከኣ ብስርዓት ላቲን ብቋንቋ ኩናማ ብመዝሙር ዝተሰነየ ድሙቕ ቅዳሴ ፈጺምና።
- ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣባ ሰሎሞን ነጋ ካብ ከሰላ ብዕለት 20-04 22 ናብ ሸገራብ ከዱ። ድ ቀ ካብ ስዓት 4፥30 - 7፥30 ኑዛዜ ገበርና።
- ጸሎተ ሓሙስ ንግሆ ስዓት 5፥00 ቅ ቀ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዕረግና። ካብ ድሕሩ ቅዳሴ - 11፥30 ከኣ ኑዛዜ ቀጸልና። ምሸት ድሕሪ ቀትሪ ሕጽበተ እግሩ ስዓት 4፥30፥ጀመርና ክሳብ ስዓት 8፥30 ከኣ ኑዛዜ ቀጺሉ ኣምሰየ።
- ምስቲ ዝነበረ ምቀትን ሃሩርን ኣብ ግምት ብእታው ስግደትና ስዓት 4፥30 ቅ ቀ ዝጀመረ ስዓት 12፥30 ተዛዘመ። ምእመናን እናሰገዱ ጎኒ ጎኑ ኣባ ሰሎሞን ከናዝዙ ወዓሉ። ድሕሪ ቀትሩ ከኣ ካብ ስዓት 400 - 7፥30 ኑዛዜ ኣካየድና።
-ቀዳም ስዑር ንግሆ 5፥30 መስዋዕቲ ቅዳሴን ምዕዳል ስርዓት ሰትን ተገብረ። ክሳብ ስዓት 10፥00 ከኣ ኑዛዜ።
- ቀዳም ብድሮ ስዓት 7፥30 ድ ቀ ንባብ ራእይ የሓንስ ጀመርና ቀጺልና ማሕሌት ገበርና፡ ዕደት፡ ምስላን መስቀል፡ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዕረግና። ስዓር 3፥00 ወጋሕታ መደብና ብሰላም ዛዘምና።
መንእሰያት መንፈሳውን ባህላውን ጸወታ ገበሩ። ብፍላይ ንናይ ትንሳኤ መስዋኢቲ ቅዳሴና መሳጢ ዝገበሮ መንእሰያት ኩናማ ብህላዊ ሳዕስዒ እናሳዕስዑ፡ ካብ ደገ ንውሽጢ ብምእታውን ዝተፈላከየ ህያባት ብምቅራብ፡ ነቲ ዝነበረ ታሕጓስ ታሕጓስ ወሲኹሉ። ብዕለት 26-04-22 ብሰላም ናብ ከሰላ ተመሊሰ፡፡
- ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዘሎ መንእሰይ መንፈሳውን ስጋውን ሞራል ዘድልዮን ኪኸውን እንከሎ ኣብ እምነቱ ዘለዎ ተገዳስነት ብልቢ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። በቲ ለሚኑ ዝረኽቦ ገንዘብ ከኣ ኣብ ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ይርከብ ኣሎ። በቲ ካብ ምእመናን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝግበረልና ዘሎ ድጋፍ ብልቢ ነመስግን።
ብሩኽ በዓላት ትንሳኤ ይግበረልና። ኣሜን።
ኣባ ሰሎሞን ነጋ
ከሰላ ሱዳን።