መብጽዓ ካሪታስ ኣብ ሞልዶቫ ንዝነብሩ ዩክሬናውያን ስደተኛታት
ናይ ማልዶቫ ጨንፈር ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስያን ካሪታስ ሓላፊ ሓው ፔትሮ ክዮባኑ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝነጥፍሉ ግዜ እቲ ኲናት ናብ ትራንስኒስትሪያ ከየስፋሕፍሕ የፍርሕ እዩ ኢሎም።
ዜና ቫቲካን
ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ናይ ትራንስኒስትርያ ዘይተጽበናዮ ሂምታ ይስማዕ ብምህላዉ ብሩስያ ዝሕገዛ ምፍላይ ዝኣምና ኣብ ግዝኣት ማልዶቫ ዶብ ዩክሬንዝርከባ ዞባታት ኲናት ከይዛመት ይፍራሕ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ናብ ኣብ ትራስፖል ዝርከብ ሃገራዊ ድሕነት ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ቀደም ሶቭየት - ሕበረት ማዕከን ራድዮ ከምኡ እውን ወተሃደራዊ መዓስከር ፓርካኒ ዝዓለመ ቶኽሲ ከምዝነበረ ሰበ-ስልጣን ትራንስኒስትሪያ ክሕብሩ ከለዉ ዝወረደ ሓደጋ ግን ገና ኣይተጸብጸበን ክብሉ ኣብሪሆም።
እቲ ወጥሪ ኣብቶም ቅድሚ 30 ዓመት ሓጺር ኲናት ብምግባር ኣብ ወሰናስን ተፈልዮም ዝርከቡ ሓይልታት ስግኣት ድሕነት ማልዶቫ ከይኮኑ ይፍራሕ።
ምዕዛዝ ኣድህቦ
ናይ ጀርመን ምኒስተር ወጻኢ ኣናለና ባርቦክ ነዚ ኣብ ማልዶቫ ዘሎ ኩነታት መጥቃዕቲ ትራንስኒስትሪያ ዋላ እኳ መን ይደፍኦ ኣሎ ተዘይተፈልጠ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ ክብላ ትማሊ ሮቡዕ ገሊጸን። ናይ ሞልዶቫ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ብወገኖም እዚ ኩነት መርኣያ ውድቀት ድሕነት ሃገር እዩ ኢለን።
ብጹዕ ኣቡነ ችዝናው ኣንቶን ኮዛ ብወገኖም እቲ ዝዓበየ ስግኣት ፈጢሩለይ ዘሎ እቲ ብደገ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ዘይኮነ እዛ ንእሽቶ ሃገር ውሑድ ሀዝቢ ዘለዋ ተመቒላ ገሊኣ ደጋፊት ሩስያ ገሊኦም ድማ ደገፍቲ ዩክሬን ኮይኖም ኣብ ነንሕድሕዶም ዝፍጠር ግጭት እዩ።ኣነ ዝብህጎ ግን እዛ ሃገር ብክርስትና እምነታ ጸኒዓ ንሰላም ክትሰርሕን ብሰላም ክትነብርን ጥራይ እዩ እንክብሉ ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።
ስደተይናታት ዩክሬን ኣብ ማልዶቫ
ብተዛማዲ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር ከሎ እቲ ዝበዝሐ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣአንጊዳ ዘላ ህገር ማልዶቫ፣ 2.59 ሚልዮን ብዝሒህዝቢ ኣለዋ።
ዩክሬን ኲናት ካብ ዝጅምር የካቲት ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 11 ሚልዮን ህዝቢ ክስደዱ ከለዉ ካብዚኦም 421,130 ማልዶቫ ዝረገጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 101,331 ኣብ ማልዶቫ ክተርፉ ከለዉ 8000 ድማ ናብ ኣብ ወሰናስን ትራንስኒስትሪያ ዘለዉ ክፍለዩ ዝደልዩ ወገን ዝተጸንበሩ እዮም።
ካሪታስ ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ የገልግል
ኩናት ካብ ዝጅምር ብዘይ ምቁራጽ ነቶም ካብ ዓዶም ሂወቶም ከትርፉ ዝተሰደዱ ዩክሬናውያን ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስያን ካሪታስ ብተወፋይነት ኣብ እዋኑ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዛት እናገበረት ትርከብ።
ሓው ፐትሮ ክዮባኑ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተክርስያን ማሕበር ረድኤት ካሪታስ ጨንፈር ማልዶቫ ኣብ ቺዘናው እቲ ቤተክሪስትያን ንስደተኛታት ዝተገብረ ልገሳን ምንብባርን ንዜና ቫቲካን ክገልጹ ከለዉ፡ ኣብ ኩሉ ምሕደራ ልግሲ ክሳዕ ሕጂ መጽለሊ፣ ውዑይ መግቢ፣ ናይ ኣእምሮ ምኽሪን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከምኡ ውን ውሑስ ናይ መጓዓዚያ ኣገልግሎት ከምዝሃቡ፣ ብዛዕባ ህዝቢ ማልዶቫ ክገልጹ ከለዉ ከኣ፥ እቲ ኣድህቦ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ከም ኦዴሳን ቲራስፖልን ዝተደብደብኦ ኣብኦም ውን ከይፍጸም ይሰግኡ ምህላዎም ርዱእ እዩ ኢሎም።
እዚ ዘሎ ኩነታት ክልወጥ፡ ትራንስኒስትርያ ካብ ሓደጋ ትድሕነሉ ከም ካህን መጠን እውን ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣቑሪሩ ናብ ዝነበረ ሰላም ክመልሰና ጸሎት ንገብር ኣሎና ክብሉ መግለጺኦም ዛዚሞም።