ድለ

ጳጳሳት ኣውስትራሊያ፥ ‘ፈደራላዊ ህዝባዊ ምርጫ ንዝሓሸ ፖለቲካ!’ ጳጳሳት ኣውስትራሊያ፥ ‘ፈደራላዊ ህዝባዊ ምርጫ ንዝሓሸ ፖለቲካ!’ 

ጳጳሳት ኣውስትራሊያ፥ ‘ፈደራላዊ ህዝባዊ ምርጫ ንዝሓሸ ፖለቲካ!’

ህይወት ሓደ ሰብ ዋጋ ኣብ ዘይብሉ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ንዝብል ሓሳብ ዝድግፍ ሕግታት የሻቕለና፡ እዚ ብፍላይ ሓደገይና እዩ። ከመይሲ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ተኣፈፍትን ብቐሊሉ ንዝትፈላለዩ ሕማማት ክቓልዑ ንዝኽእሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝሃስዩ እዩ!

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ፈደራላዊ ምርጫ፡ እቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ዜጋታት ድምጾም ንጽጉማትን ኣካብን ምዕቃብ ንዝብል ሓላፍነት ክጥቀምሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ እቲ ዕለት 21 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝካየድ ፈደራላዊ ህዝባዊ ምርጫ ዚግበር ወፈራ ምረጹ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ናይታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ምእመናን ነቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ጒዳያት ብመሰረት ክርስቲያንዊ እምነቶም ኪሓስቡሉ ምሕንጽታ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ብሪስባነ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪድገ ክታም ኣብ ዝተመብሮ ዝሓለፈ ዕለት 19 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ መልእኽቶም ዘጒልሕዎ ቀንዲ ኣርእስታት፡ ኣካባብያዊ ሻቕሎት ዝሓሸ ክንክንን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ድኽነትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት መሰላት እቶም ዕቝባ ዚሓቱን መሰላት ደቀባትን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ከምኡ እውን ምርጫ ኣባይቲ ትምህርትን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፖለቲካ ንኣገልግሎት ሓባራዊ ጥቕሚ

ብጹዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብሓቂ ንኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ዝጠቕም ዝሓሸ ፖለቲካ” ንክህሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ኵላዊ መልእኽቶም ዘቕርብዎ ለበዋ ጠቒሶም፥ “ክርስቲያናዊ እምነትና ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዚምስክሩ ልኡካን ክንከውን የተሓሳስበና፡ እምነትና ብሕታዊ መንፈሳውነት ዘይኮነስ ብግብሪ ብዝግለጽ ፍቕሪ እዩ ዝምስከር” ቢሎም፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ክርስቲያን ንምዃን ዘድሊ ኣገዳሲ ግደ “ንሕብረተሰቦም ንጥቕሚ ኵሎም ብምምራጽ ክገብርዎ ብዛዕባ ዘኽእሉ ሰናይ ነገራት” ምስትውዓል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ለብዒ ዘበገሶ ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕል

ኣውስትራሊያ ካብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. እተገብረ ናይ መወዳእታ ሕዝባዊ ምርጫ ኣትሒዛ እብ ዝነበረ ዓመታት ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ ሳዕቤን ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሰላምን ፍታሕን ምትሕብባርን ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ዘጒልሕ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን ትርኢ ኣላ” እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ለብዒ ቝጠባዊ ምምሕያሽ ክትደሊ እንኰላ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ማሕበራዊ ጒጅለ ከይንጸልን ከይሕደግ ሓባራዊ ጥቕሚ ዜተባባዕ “ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕሊ” ኪግበረሎም ብጹዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ኣብ መልእኽቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሰብኣዊ ክብረት ሕብረተሰብ “ንህይወት ኵሎም ሰባት እንኮላይ ንህይወት እቶም ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወቶም ንዘለዉ” ዋጋ ኽህብ ስለ ዝሓትት፡ ክንክን ጥዕና ብፍላይ ከኣ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክንክንን መለክዕታት ሕክምናን ምምሕያሽ ኣድላዪ ምዃኑ እንክሕብሩ፥

ህይወት ሓደ ሰብ ዋጋ ኣብ ዘይብሉ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ንዝብል ሓሳብ ዝድግፍ ሕግታት የሻቕለና፡ እዚ ብፍላይ ሓደገይና እዩ። ከመይሲ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ተኣፈፍትን ብቐሊሉ ንዝትፈላለዩ ሕማማት ክቓልዑ ንዝኽእሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝሃስዩ እዩ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካቶሊካዊ ስነ መዕበያ ምትብባዕ

ስእነት ስራሕ ዜስፍሕ ጒዳያት ንምውጋድ ነቶም ኣብ ድኽነት ዘለዉን ንምሕጋዝ ዝድርኽ ፖለቲካዊ ውሳነ ክህሉ፡ ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ ናጽነት ክሕሎ ከም ዘለዎን “ካብ ኣድልዎ ናጻን ማዕርነትን ሃይማኖታዊ ማሕበራት ብመሰረት እቲ ብእምነት እተለዓዓለ ተልAኾ ናይ ምምሕዳር ናጽነትን ዕቝባ ዝግብኦ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብኣቢያተ ክርስቲያን ዚመሓደራ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ዓመት ልዕሊ 777 ሺሕ ተማሃሮ ዘእንግዳ ምዃነን ብጹዓን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፥ ፖለቲከይናታት “ናይ ኣባይቲ ስድራ ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ምምራጽ መሰል ክኽበርን ብፍላይ ከኣ ነቶም ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ዝተዓናቖፎም ክፍሊ ሕበረተሰብ ክሕገዙ ዝገብር መደብ” ሓለፋ ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ንጽጉማት ዝሓልይ ሰብኣዊ ስርዓት

መሰላት ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ኣብቲ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰሎም ክጥቐሙን ኣብ ውሳነ ግደ ክህልዎም ምትብባዕ ይግባእ ዝበሉ ብጹዓን ጳጳሳት፥

ቅዋማዊ ተፈላጥነትን ዕርቂ ንምግባር ዝድግፍ ንጡፍ ስጒምትን መሰረታዊ ስነ ምግባራዊ ጒዳያት እዩ። ኣውስትራልያውያን ተመክሮታት ደቀባት ኣውስትራልያውያንን ንመጻኢ ዘለዎም ተስፋን ብምስማዕ ሓቂ ክንገሮም ግድን እዩ።

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስደተይናታት እውን ሓልዮት የድልዮም፥ ስደተይናታት ዘቕርብዎ ናይ ዕቝባ ሕቶ ንምግምጋም ግቡእን ሰብኣውን እዋናውን ኣገካብ ክቐውም ይሓትቱ ቢሎም፥ ፖለቲከይናታት “ማሕበራውን ቍጠባውን ጥዕናን ስነ ምህዳርን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣካባብያዊ ቅልውላው” መልሲ ንምሃብ “ሓድሽ ዘይንጽል ምህዳራዊ መደባት” ክሕንጽጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ሰናይ ፖለቲካ ምንዳይ

ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፥ ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ፖለቲካ ዘለዎም ኣረኣእያ ምልስ ቢሎም፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምምራጸ መሰል ዘለዎም ዜጋታት ነዚ መሰል እዚ ብሓላፍነት ኪጥቀሙሉ ሓቲቶም፥

ሰናይ ፖለቲካ ንፍቕሪ ምስ ተስፋን ዘሳንይ ኣብቲ ኣብ ኣልባብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ኣብ ዘሎ ሰናይ እምንቶ ዘጣመረ እዩ

ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍርናንቸስኮ ሓሳብ የቃልሑ።

21 Apr 2022, 17:15