ድለ

ክሌኣዊ ዘተ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን ፓትሪያርክ ኪሪል ዛዕባ ህልው ኩነታት ዩክረይን ክሌኣዊ ዘተ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን ፓትሪያርክ ኪሪል ዛዕባ ህልው ኩነታት ዩክረይን  

ክሌኣዊ ዘተ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን ፓትሪያርክ ኪሪል ዛዕባ ህልው ኩነታት ዩክረይን

ብመሰረት እቲ ካብ ላምቤት ቤተ ጳጳስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ውግእን ዓመጻን ንዘይ ምስምማዕ መፍትሒ ኣይኰነን ቢሎም

ዕለት 17 መጋቢት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ክብሩነቶም ጁስቲን ወልባይ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ምስ ናይ ሞስካን ናይ መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 16 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ናይ ሩሲያን መላእ ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ምርኻቦም ዕለት 17 መጋቢት ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርባርይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጃስቲን ወልባይ ኣብ ዩክረይን ብህጹጽ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደብ ክብል ዘኽእል መገዲ ሰላም ክድለ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመያየጠ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ካብ ናይ ካንተርበርይ ቤተ ሊቀ ጳጳስት ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ውግእ ፍታሕ ኣይኮነን

ብመሰረት እቲ ካብ ላምቤት ቤተ ጳጳስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ውግእን ዓመጻን ንዘይ ምስምማዕ መፍትሒ ኣይኰነን ቢሎም፡ ብዘይ ዓመጽን መከራን ኤውሮጳ፥ ብሰላም ጐረባብቲ ኴንካ ናይ ምንባር መገድታት ዝርከበላ ትዅን እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ሓቢሩ።

ኣቢያተ ክርስትያን ንሰላም ሓድነት ይሃልወን

ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ገበርቲ ሰላም ክዀኑ ዘቕረበሎም ዓቢይ ጻውዒት ብምስዓብ ሓድነት ክህልዋ ይግባእ ቢሎም፡ እዚ ኸኣ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምእንቲ ናይ ኵሎም ሰባት ናጽነትን መሰላትን ንምቛም ክዓዩ ዘተባብዕ እዩ። ስለዚ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ኣብቲ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ክሓብሩ ዓዲሞም ኣንግሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያ ብህጹጽ ኣብ ፍትሒ ተመርኲሰን ነባሪ ሰላም ክርከብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣሚነን ኣብዚ መዳይ እዚ ብሓባር ክስጒማን መገዲ ሰላም ኣብ ምምልካት ሓቢረን ክዓያ ምዃነን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ከም ዘረጋገጻ ዜና ቫቲካን ካብ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

18 Mar 2022, 16:34