ኣህጉራዊ ጒባኤ ኣቢያት ክርስቲያን ናብ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ዘቕረቦ ጻውዒት
ናይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኣቢያተ ክርስያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብ ሮማኒያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ካህን ኣባ ያን ሳውካ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቝልጡፍ ደው ኪብል ናብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ምእንቲ ሰላም ድምጾም ከስምዑ ዝሓትት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ፈላሚ ዕለት ኣብ ዩክረይን ሰላም ምእንቲ ክወርድ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝሓበራን ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ክቡርነቶም ኣባ ሳውካ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቝልጡፍ ደው መታን ክብል ድምጾም ከስምዑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሸምጋሊ ምዃን
ኣባ ያን ሳውካ ኣብቲ ናብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትሪያርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ምእንቲ ኪርከቦ ምስ ሰበ ስልጣን ሃገሮም ናብ ሰላም ዘሰንይ መገዲ መታን ክምረጽ መንጐይና ኮይኖም ክሽምግሉ ከም ዝሓተቱን፥
እቲ ኣብ ዩክረን ዝተፈነወ መጥቓዕትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘሕዝን ብዙሓት ንስቓይን ሞትን ምዝብልናን ይዳርግ ኣሎ!
እዞም ሮማኒያዊ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ዋዕላ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣስዒቦም፥ መብዛሕቲኦም እቶም ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዎ ኣሕዋትና ኣሓትናን ምእመናን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስያን እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ወቕቲ ዓቢይ ጸሎም እዋን ዕርቂ እዩ!
ኣብ ምዕራባውን ምብራውቓውን ኣቢያተ ክርስትያን ረቡዕ ሓሙኹሽቲ ዝብል ሊጡርጊያዊ መጽውዕ ዘለዎ ጸሞ ነነዌ ሓሳብ ዝገበረ መበገሲ ወቕቲ ዓቢይ ጾም ተፈጺሙ፡ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ድማ ንርከብ ሰንበት ዕለት 6 መጋቢት መዓልቲ ዕርቂ ከነብዕል ኢና እዚ ኣብ ክርስቲያናዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዘሎ ሓያል እዋን እዚ “ናብ ንስሓ ሰላም ከምኡ እውን ዕርቂ” ይጽውዓና እንክብሉ ገሊጾም፥ “ነዚ መንፈሳዊ ህሞት እዚ ከነብዕል ከለና ነዚ ውግእ እዚ ምፍሳስ ደምን መከራን ደው ንምባል ከምኡ እውን ብዘተ ሰላም ንምምጻእ ዘኽእል መገዲ ክብገስ ሰበ ስልጣን ነዚ መገዲ እዚ ክሓርዩ መታን ክትሽምግሉ ናባዅም ናብ ቅዱስነትኵም ምስ ምሉእ ኣኽብሮት መልእኽተይ አመሓላልፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጻውዒት
እቲ ናብ ወራር ሩሲያ ዝመርሕ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ውግእን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ዕለት 24 ለካቲት እቲ ኣብ ዓለም 500 ሚሊዮን ክርስቲያን ዝውክላ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቍፍ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ግጭት ብዘተ ፍታሕ ክረክብ ንዘተ ሓለፋ ዝብል ሃዋሁ ክፍጠር መታን ደጋጊሙ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዕለት 25 ለካቲት ክቡርነቶም ኣባ ሱዋካ ነቲ ዕለት 24 ለካቲት ርእሰ ብሔር ፑቲን ዘበገስዎ ውግእ ምኽንያት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውግእን መጥቓዕቲ ምስቲ ቃኤል ኣብ ልዕሊ ኣቤል ዝፈጸሞ ቕትለት ኣመሳሲሎም እቲ መጥቃዕቲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምስ ዝነበሩ ምስ ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምትእስሳር ዘለዎም ናይ ዩክረይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝሓበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ውግእ ምቕትታል ኣሕዋት
ልዕሊ 200 ካህናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያ እውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ነቲ “ውግእ ሕድሕዳዊ ምቕትታል ኣሕዋት” እንክብሉ ገሊጾም እዚ ምቕትታል ኣሕዋት ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩ እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ምስራቓውን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝበዓል ሰንበት ዘፍርድን ሰንበት ዘዕርቅ ኣብ ዘሎ እዋን ዝቐረበ እውን ምዃኑ ሓቢሩ።