ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ምልክት ምጽንናዕን ሰላምን!
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናይ ሰበኻ ጎማ ጳጳስ ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 7 ሓምላ 2022 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ንመላእ ህዝቢ ኮንጎ ሓሴት ዘብጽሕን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሃረርታ ሰላም ዘወዓውዕ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ናይ ምጽንናዕን ሰላምን ምትብባዕን ምልክት እዩ። ብፍላይ ንምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጉ ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሰበኽ ጐማ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዊሊ ንጉምቢ ንገንገለ፥ ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኮቪድ - 19 ብድሆታት ሓዲግካ ኣብ ዕለት 22 ግንቦት 2021 ዓ.ም. እሳተ ጐመራ ንዪራጎንጎ ተፈንጂሩ ሓዲግዎ ዝሓለፈ መጉዳእትን ኮታ ሳዕቤናቱን ብቐረባ ክርእዩን ምስቲ ክራኸቦም ሃረር ዝብል ህዝቢ ክራኸቡን ኣብ ጸገምን መከራን ንህዝቢ ኮንኮ ንዝገለጽዎ ቅርበትን ሓገዝን ንኸመስግን እውን ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተፈንጀረ እሳተ ጉኦመራ ኒራጎንጎ ዳርጋ 40 ሺሕ ህዝቢ ካብ መረበቶም ከም ዘመዛበለን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ቅትለትን ስደትን ጭውያን
ከም ሎሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊካ ኰንጎ ጉጅለ ዓለወይናታት ዝፈጸመዎ ቅትለት ዘሰንብድ እዩ፡ ኵነታት ጸጥታን ደሕንነትን ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሓደገይና እዩ። ብተደጋጋሚ ዕጡቓት ጒጅለታት ዝፍጽምዎ መጥቓዕትን መቕተልትን ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ዝፍጸም መጥቓዕትን ጨወያን መቕተልትን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ምስቶም ዓጀብቶም ዝተቐትሉን ዘኪሮም እዚ ዅሉ ሞትን ማህሰይትን ህዝቢ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ከብል ደሪኽዎ ነዚ ርኢኻ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ናይ ተስፋን ሰላምን ምጽንናዕን ምልክታ እዩ ኢሎም።
ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሰላምን ፍትሕን ከምጽኣልና እዩ
ኣብቲ ከባቢ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ዘሎ እውን እንተዀነ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ሰላምን ፍትሕን ዘነቓቕሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘህለው ከም ዝኸውን ተስፋ ንገብር ትስፉዋት እውን ኢና ዝበሉ ናይ ሰበኻ ጐማ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ንጉምቢ ንገንገለ ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ኵነታትና ስለ ዚፈልጡ እዮም ክበጽሑና ዝደለዩ ንዓና ዘለዎም ናይ ኣቦነት ህያው ፍቕሪ ዝግለጽ እዩ፥ ምጽንናዕ ዕርቂ ሰላም ከምኡ እውን ሓድነት ዘደልድል ናይ ተስፋ ቃላትን እዚዩ ኣብ ዘድልየና እዋን ኢና እንርከብ፡ ስለዚህ በዚ መሰረት እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ንጹር ይኸውን” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።