ድለ

ሸቭቹክ፥ ኣብቲ ኣርዓዲ ወግእ እውን ዕምበባ ሰላም ክውለድ ይኽእል! ሸቭቹክ፥ ኣብቲ ኣርዓዲ ወግእ እውን ዕምበባ ሰላም ክውለድ ይኽእል! 

ሸቭቹክ፥ ኣብቲ ኣርዓዲ ወግእ እውን ዕምበባ ሰላም ክውለድ ይኽእል!

“እቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ ንሃገረ ዩክረይን ብትኪ ክትዕብለል ዝገበረ እውን እንተዀነ ዕለት 1 መጋቢት ወቕቲ ጽድያ ዝጅምረሉ እዋን እዩ። ይዅን እምበር እቲ ክርአ ዝጅምር ዕንባባ ኣርዓዲ ወግእ እውን ይሃሉ ብቐጻሊ ብሓይሊ ፈንጺጒ ይዕንብብ

ኣብ ዩክረይን ናይ ኪየቭን ሃልይችን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ  ኣቡነ ሸቭቹክ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መዓልታዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ህዝቢ ብጽልኢ ከይዕብለል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ምእንቲ እቶም በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ለብዒ ኮቪድ 19ን ግዳያት ዝዀኑን ናይታ ዝነኣሰት ረፓብሊካዊት ሞልዶቫ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ  ኣንቶን ኮዛ ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ካብ ዩክረይን ንዘምልጡ እንገዳን ዑቕባን ንዘድልዮም ምትሕባርን ድጋፍ ዘቕርብ ጓስጓ ከም ዘበገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዩክረይን ዝተበገሰ ውግእ ሻድሻይ መዓልቲ ኣብ ዘቑጽረሉ ዕለት 1 መጋቢት እውን ወቕቲ ጽድያ ዝጅምረሉ ዕለት ምዃኑ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኪየቭን ሃልይችን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቪያቲስላቭ ሸቭቹክ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መዓልታዊ ንሰላምን ምድግጋፍን ዘተባብዕ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ “እቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ ንሃገረ ዩክረይን ብትኪ ክትዕብለል ዝገበረ እውን እንተዀነ ዕለት 1 መጋቢት ወቕቲ ጽድያ ዝጅምረሉ እዋን እዩ። ይዅን እምበር እቲ ክርአ ዝጅምር ዕንባባ ኣርዓዲ ወግእ እውን ይሃሉ ብቐጻሊ ብሓይሊ ፈንጺጒ ይዕንብብ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ ውግእ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ሰላምን ብርሃንን ፈንጺጉ ዚዕንብብ ምዃኑ የረጋግጸልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምፍቃር ንመሃር

ናይ ኪየቭን ሃልይችን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣስዒቦም፥ “ኣብዘን ቀረባ መዓልታት እዚኣተን እቲ ዘስካሕክሕ ሓድሽ ውግእ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና። ኣባይቲ ትምህርቲ ኣባይቲ ዜጋታት ኣባይቲ ትምህርቲ ቈልዑ ኣባይቲ ሲነማን ቤተ መዘክራትን ክድብደብ፡ ከምኡ እውን ዕለት 1 መጋቢት 2022 ዓ.ም.  ቤት ሕክምና ህጻናት ብተወንጫፊ ሮኬት ክፈርስን ዝነበረ ኵነት እናሓሰቡ ስለምንታይ እዩ ኣንስትን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ግዳያት እዚ ውግእ እዚ ዝዀኑ? ምእንቲ ሰላም ንጽሊ ነቲ ውግእ ድማ ንቃወሞ። ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ናይ ተራ ሰባት ትብዓትን ጅግንነትን ርኢናን ንርኢ እውን ኣሎና። ኣብ ካርኪቭን በርድያንስክን ናይቲ ዝተፈነወ ናይ ሮኬት መጥቓዕቲ ግዳያት ዝዀኑ ኪቐብሩ ንርኢ ኣሎና። ኣብዚ ዘሕዝን ህሞት እዚ ፍቕሪ ንመሃር” እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ህልው ኵነታት ብጽልእ እንተተዓብለለ ቋንቋ ጽልእ ፈጺምና ኣይንጠቀም። ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. መእተዊ ዓቢይ ጾም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክኸውን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ንንበሮ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ ግዳያት ውግእን ኮቪድ 19ን ንጸሊ

ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰላም ክቐውም ትምሕጸን። ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ኣብዚ መሉእ እዋን ዓቢይ ጾም እዚ ምእንቲ እቶም ብውግእን ብለብዒ ኮቪድ - 19 ዝሞቱ ክጽለን ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ክዝከሩን ሓደራ ቢሉ፡ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስዒቡ፥ “ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኡንብኡ ከብቅዕ መታን መስርሕ ሰላም ምእንቲ ክብገስ ተላቢዩ ሰላም ካብ ዝዀነ ይዅን ፍሉይ ረብሓታትን ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ዝግበር ትውክልትን እዚዩ ዝበርተዐ እዩ ቢሉ፥ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም እዚ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝሳቐዩን ገና ምስቲ ዘየብቅዔ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝቃለሱን ዘለዉ ሰባት ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዋ ንምርግጋጽ እቲ ለብዒ ከብቅዕ ንምሕታት ከምኡ እውን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ግዳያት ኮቪድ ንምዝካር ኣጋጣሚ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት በቲ ኣብ ኡክራይንን ኣብ ምስራቕ ኤውሮጳን ብዝርከብ ጨንፈር ካሪታስ ኣቢሉ ይንቅሳቐስ ከምዘሎ ክንገር ኣንከሎ፡ ብፍላይ በተን ኣብ መላእ ኡክረይን ብዝርከባ 19 ማእከል ካሪታስ ኣቢሉ ዘድሊ ህጹጽ ሓገዝን ማሕበራዊ ደገፍን ኣግገልግሎት መጓዓዝያን የቕርብ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ካብ ዞባ ምዕራብ ዩክረይን ዝመዛበሉ ንዘለዉ ቈልዑ ንምእንጋድን ንምክንኻንን ትምህርቶም ከየቋርጹ ዘኽእል ሓገዝ የቕርብ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኣብ ፓላንድን ሞልዶቫን ሮማኒያን ነቶም ዝመዛበሉ የእንገዱ ከምዘለዉን፡ ዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ንምሕጋዝ እውን ወለንተይናታት ዓቢይ ኣብርክቶ የቕርቡ ከም ዘለዉን ኣብ ሞልዶቫ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ሰበኻ ቺሺናው ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶን ኮዛ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ግዴታና ንጸሎት ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ማዕጾና ዝዅሕኵሑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ከፊትና ብቕልጡፍ፡ ካብ ፍቕሪ ብዝምጭው መንፈስ ጭቡጥ ስጒምቲ ምውሳድ የድሊ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ረፓብሊካዊት ሞልዶቫ ነዚ እያ እተካድ ዘላ። ጽባሕ ንሕና እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታትን ኣብ ጸገም ክንርከብ ንኽእል ኢና፡ ነዚ ረዚን ኣፍልጦ ብምሃብ ንዅሎም ሰባት ከምኡ እውን በቲ ንዓና ምኽንያት ተስፋ ብዝዀነና ኣቢልና ነቶም ተስፋ ዘድልዮም ተስፋ ነካፍል” ኢሎም።

02 Mar 2022, 17:52