ድለ

ሰንበት ዘቅድስት የካቲት 27 2014 ዓ.ም. (3/06/2022)

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር . . . . . ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ፥ ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቆርዎ፥ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚሩልና አሎሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበቱ ነኽብር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡     2ቆሮ 5፡20 - ፍ፥ 1ጴጥ 1፡13-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡17-30፥ ማቴ 6፡16-25   ስብከት፡  እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ  እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ መዝ። 96፡5።

ናይ ሎሚ መዝሙር ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ የዘኻኽረና ከምዚ ከአ ይብል፥ ንአምላኽ ክነገልግሎ ክንምስከሮ አብ ግላዊ ሕይወትና፥ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ሰናይ ተግባር ክንገብር ዘጋጊ ከይዕወተልና ኩሉ ጊዜ ጥንቑቓት ክንከውን፥ ንክርስቶስ አሰር አሰሩ ክንጉዓዝ ፍቕሪ አሕዋት መለለይና ገርና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና።

አነ ከም አነ ብግለይ ንአምላኽ ክረኽቦ ይግብአኒ።

ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ ክነዕልሎ፥ ጸገምና ክነካፍሎ፥ ክንልምኖ፥ ብግልና እንደልዮ ክንሓቶ፥ ከምኡ ንሱ ካባና ዝደልዮ ክንሰምዖ ብሓጺሩ ምስኡ ግላዊ ዕላልና ክንገብር እዋኑ እዩ። ሕይወትና ንአምላኽ ክሳብ ዘይረኸበት ዕረፍቲ የብላን። ንአምላኽ ዝረኸበት ሕይወት ናይ ኩሉ ተኽእሎ አለዋ ምኽንያቱ አምላኽ ናይ ኩሉ መልሲ እዩ። ምስ አምላኽ ዝራኸብ ግድን ውሽጣውን ግዳማውን ለውጢ የምጽእ። ሙሴ አብ ደብረሲና ነርብዓ መዓልቲ ምስ አምላኽ ገጸ ንገጽ ከም ዝተራኸበ (ዘጽአት 19)፥ አብ ዘዳግም 9፥ ከምኡ አብ ዘኁልቅ 12፡8 እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ምስኡ ከምዝተዛረበ ይነግረና። አብ ደብረሲና ምስ አምላኽ ምስ ተራኸበ ካብ ግንባሩ ጩራ ክወጽእ ጀሚሩ ተቐይሩ ይብለና ምስ አምላኽ ክንራኸብ ከሎና ምሉአት ንኸውን መንፈስና ይሕደስ፥ ፍሉይ ፍቕሩ ይሓድረና። ሰብ ዝርበሽ ዘይቀስን አምላኽ ምስኡ ምስ ዘይህሉ ጥራሕ እዩ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ርቡሽ እዩ። ስለዚ አምላኽ ክንረኽቦ አብዚ ጊዜ ጾም ግድን እዩ።

ጎ.ኢ.ክ. አብዚ ዓለም ሥጋና ለቢሱ ካብ ማርያም ምስ ተወልደ ንኹልና ናይ ደቂ አምላኽ ምዃን ጸጋ ሂቡና ዮሓ 1፡12 ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝአመኑ ኹሎም ግና ውሉድ አምላኽ ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም ይብለና።ትስብእቲ ክርስቶስ ብግልና ንአምላኽ ክንረክብ አፍደገ ከፊቱልና፥ ንኢየሱስ ብብዙሕ መንገደኢ ብግልና ክንረኽቦ ንኽእል፥ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ቀሪብና ሥጋኡን ደሙን ብንጹሕ ሕልና ክንቅበል ከሎና፥ ቃል አምላኽ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንሰምዕ ከሎና፥ ብቤተክርስትያን ዝውሃበና ትምህርትን መምርሕን ኩሉ ብእምነት ክንቅበል ከሎና። ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ መራኸቢና እዩ።   

አብ እዋን ጾም ብሕትውና፥ ጽሞና፥ አስተንትኖ፥ ምስትውዓል ይሓትት ምኽንያቱ ምስ አምላኽና ርክብ ክንገብር ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ። ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጸምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ደአ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይትርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ እናበለ ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ፍሉይ መለለየ ጾም አርብዓ ምዃኑ ንርዳእ። አምላኽ ብግልና አድሒኑና ንነፍስወከፍና ምስኡ ናይ ብሕትና ርክብ ክንገብር ይደልየና። ሰብ ብግሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቡር ፍጡር እዩ ከመይ አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ርክብ አልኦ።

ካብ አምላኽ ዝፈሊ ጋግ ክንፈጥር ከሎና ሽዑ ኩሉ ይሕርብተና ይሽግረና ትርጉም ንስእነሉ። አምላኽ ዘይብሉ ሕልና ወይ ሕይወት ኩሉ ጊዜ አብ ክፍኡ ዝዘንበለ እዩ ጽቡቕ ክገብር የሸግሮ ምኽንያቱ አብኡ አምላኽ የለን። በዚ መንፈስ ዝጉዓዝ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ጸልማት ይጉዓዝ። አብ አምላኽ እንተ ዘይተመልሰ ትርጉም ሕይወት ጠፊእዎ ኩሉ ጊዜ ዘይቅሱን ሕይወት ሒዙ ንርእሱ ተረቢሹ ንኻልኦት ክርብሽ ይነብር። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ውድቀት ወይ ዝኾነ ድኽመት ዘሎና ክንቅይር ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ክነሓድሶ ሎሚ ምቹእ እዋን እዩ። 

ንአምላኽ ብግሊ ክንረኽቦ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ነገራት፡

·          ሰናይ ግብሪ፡ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኩሉ ተግባርና ስዉር ሰብ ዘይርእዮ አምላኽ ጥራሕ ዝርእዮ ክኸውን ከምዝግባእ ይነግረና። የማናይካ ዝገብሮ ጸጋማይካ አይፍለጦ ይብለና። አብ መገዲ ጸጋም ንዝርከብ አብ የማን ክንመልሶ ሎሚ እዋኑ እዩ። አብ ኃጢአት ንዝነብር ደፊርና ክንእርሞ እዋኑ እዩ። ንሓውናን ሓፍተና ብኹሉ ጽቡቕ ግብርና አብ አምላኽ ክንመልሶም ኩልና ጽዉዓት ኢና።

·          ጸሎት፦ ሓደ ካብቲ ንአምላኽ ክንረክብ ክንፈልጥ ዝሕግዘና ቀንዲ መጋበሪ ድሕነት እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጥ። ክትጽልዩ ከሎኹም ዘረባ አይተብዝሑ ይብልና። ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብስዉር ዘሎ አቦኻ ጸሊ እቲ ብሥዉር ዚርኢ አቦኻ ብግሉጽ ኪፈድየካ እዩ ( ማቴ 6፡ 6) ይብለና። ጸሎት አብ መንጎ አምላኽን ሰብን እሞ ብምሉእ ትሕትናን ጽምዋን ዝኸውን ርክብ እዩ። አብ ጽምዋ እዋን ምስ አምላኽ ክንራኸብ ከሎና ብዙሕ ሓገዝ አለዎ። ሓዋርያት ብሂጎም ንመምህሮም ዝሓተትዎ ጸሎት ክምህሮም እዩ። ክትጽልዩ ከሎኹም አቦና አብ ሰማይ እትነብር እንናበልኩም ጸልዩ እናበለ ምሂርዎም። አብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ርክብ ልዕሊ ኹሉ ርክባት እዩ። ብዓቢኡ ንአምላኽ አቦ ክንብሎ ምሂሩና። ነቦና ድላይና ክንሓቶ አይንስከፍን ኢና ስለዚ ንሰማያዊ አቦና ሎሚ ክንልምኖ ድላይና ሃበና ክንብሎ እዋኑ እዩ።

·          ተጋድሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንፉዓት ተዋጋእቲ ኩኑ ይብለና። ውግእና ምስ ስልጣናትን ሓይሊ ከይስን እዩ እናበለ አብ ኩሉ ሕይወትና ንፈተና ከምኡ ባዕልና ካብ እነልዕሎ ናብ ኃጢአት ዝመርሕ ኩሉ ክንርሕቕ ክንጋደል ከም ዝግባእ ይነግረና። ክርስቶስ ባዕሉ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮንኩም ንበሩ ይብለና። ዝጋደል ምረት መከራ ይፈልጥ እዩ። ጸኒዑ ክጋደል እንከሎ ጥራሕ እዩ ዝዕወት ስለዚ ተጋዳልይ አብ ጸልማት ብርሃን ርእዩ ዝኽእል እዩ። እዚ ፖሎቲካዊ ገድሊ ዘይኮነ ሰማይዊ ገድሊ እዩ። ኩሉ ጊዜ ከይዘንጋዕና ንመንገዲ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ሽዑ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንሕወስ ኢና። አብ ጉዕዞ ገድሊ ኢና ዘሎና ክሳብ ዕለተ ሞትና ሓለዋ ዘድልዮ ጉዕዞ ሕይወት።

አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ነፍስወከፍና ተሓዲስና ክንርከብ ምእንቲ ፍሉይ ምስትውዓል የድልየና። ሱባኤ ንአቱ አሎና ነርብዓ መዓልቲ ካብ ኩሉ ክፍእ፥ ኃጢአት ክንርሕቕ ምእንቲ። ነናትና መደብ ክህልወና እምብአር ግቡእ እዩ። ዓይንና ከፊትና መገዲ ጸጋም አለሊና ነታ ቀጣን መገዲ አምላኽ ክንክተል ። ነዚ ዝገብር ሰብ ካብ አምላኽ ርሑቕ አይኮነን። አምላኽ ፍጡራት ርሒቕናዮ ኩሉ መገዲ ጸጋም መሪጹ ዓለምና ትሕመስ አላ አብኡ ንመለስ። ካብ ጽቡቕ ዝገብር ክፉእ ዝገብር ንጥፍአት ሓዉ ሆ እናበለ ዝጭድር በዚሑ ዘሎናዮ እዋን መሓረና ዘብል እዩ። አነን ንስኹምን ነዛ እንነብረላ ዓለም ቀየርታ ክንከውን ንኽእል ኢና ብፍላይ አብዛ ንእሽቶይ ቤትና ቁምስናና ንአምላኽ ክንዕድሞ ምሳና ክነውዕሎ። ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምስኡ ምስወዓሉ ተቐይሮም አሚኖም ከይወዓሉ ከይሓደሩ ንስብከት ወፊሮም እሞ ሎሚ ክንወፍር ክንሰብኽ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና አብ ገዛና አብ ሓዳርና አብ ኩሉ ንርከቦ እሞ ንስማዓዮ።

ዓይንና፥ እዝንና፥ እግርና ኩሉ ዘሎና አብ አገልግሎት አምላኽ ነውዕሎ። ደጊም አብ ሰብ ምግልጋል ወፊሩ ዝነበረ አእገር፥ ናይ ሰይጣን መንፈስ ወሪስዎ ዝነበረ ሕልና ሎሚ ታቦት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ዕላል ምስ ኢየሱስ ይጀምር። ሽዑ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳኻ አብዚ ምንባር ይሕሸና ዝብል መዝሙር ክንጅምር ኢና።

እምብአር ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ጉዕዞ ጾም ምስታ አደና ዝኾነት ማርያም ንጀምሮ ንሳ ምስጢር ወዳ ዝተረድኤት እያ፥ ንወዳ ክንረኽቦ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና ንሱ ዝብሎ ኸአ ጸሎት መምርሒኹም ገርኩም ስዓቡኒ ይብለና። ስለዚ ነደና መገዲ ወድኺ ሓብርና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

05 March 2022, 14:06