ድለ

ሰንበት ዘምኵራብ ጾም ፵ የካቲት 4 2014 ዓ.ም. (3/14/ 2022)

መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ክተሕድሩ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ቆላስ 2፡16-ፍ፥ ፩ጴጥ 3፡18-22፥ ግ.ሓ 5፡17-36፥ ማር 1፡12-15።    ስብከት፡ እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9። 

ቅ. ጳውሎስ ንስኻትኩም ታቦት አምላኽ ኢኹም ይብለና። ታቦት ዝብሃል አብ ኦሪት ዓሰርተ ትእዛዛት፥ በትረ አሮን፥ ህብስተ መና ዝሓዘ እዩ ነሩ። እዚ ታቦት ህላዌ አምላኽ አብ መንጎ ደቂ እስራኤል ዝገልጽ እዩ። ታቦተ ኪዳን አብ ማእከሎም ስለ ዝነበረ እሳራኤላውያን ኩሉ ጊዜ ይጸናንዑ ንጸላእቶም የሸንፉ ባህርያውን ሰብ ዝፈጠሮ ጸገማትን ይሓልፍዎ ነሮም። ታቦተ ኪዳን መራኸቢ ምስ አምላኽ ገሮም ይርእይዎ ነሮም። ጳውሎስ ሓዋርያ ነዚ ርድኢት ሒዙ ልባትና ሕይወትና ናይ እቲ ፈጣር ኩሉ ዝኾነ አምላኽ ታቦት ወይ መቕደስ እዩ ይብል። ቤት አምላኽ ስለ ዝኾነ መንቅብ ክርከቦ አይግባእን አጽሪና ዝግብኦ ክብሪ ሒዝና ክንሕዞ ይግባእ።

ናይ ሎሚ መዝሙር እውን ነዚ ሓሳብ እዩ ዝነግረና። ልባትና ካልእ ከይውንኖ አምላኽ ጥራሕ ዋንኡ ክኸውን ከምዘለዎ የዘኻኽረና። ገንዘብ ሰይጣን ዓለም ንልብና ንሕይወትና ክውንኑ ዝቃለሱና ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና ዳንከራ መዝሙሮም ክንሰምዕ ልብና ክንከፍተሎም ዕለት ዕለት የዚሙ አለዉ ስለዚ እዩ እንሰምዖ ድምጺ አለሊና ክንክእል ዘሎና። ናይ መን ድምጺ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ ክንብል እዋኑ እዩ። ታቦት አምላኽ ዝኾነ ልብና ካልእ ድምጺ ሰሚዑ ማኅደር ካልእ ከይ ከውን ሎሚ እውን ክነስተውዕል እሞ ጉዕዞና ክንርኢ ንሕተት አሎና።

አብ አስተንትኖና አብነት ክኾነና ዝኽእል ጽውጽዋይ አብ መንጎ አደን ግዐርን አግማል ዝተዘርበ ዕላል ክንርኢ አደን ውላድን እናአዕለሉ እንከለዉ፥ እቲ ሕወር አደ ስለምንታይ ኢና ጸፍሕ እግሪ ዘሎና ኢሉ ሓቲቱ አደ ኸአ አብ ምድረ በዳ እናኸድና ከይንሽከል ምእንቲ ኢላ መሊሳትሉ። እንደገና አደ ስለምንታይ እዩ ሸፋሽፍቲ ዓይንና ዓቢን ዝዕጾን ዝኽፈትን ኢሉ ሓቲቱ አደ ኸአ አብ ምድረ በዳ እናከድና ሓመድ ደሮናን አብ ዓይንና ከይአቱ ኢላቶ፥ ጽንሕ ኢሉ አደ ስለምንታይ እዩ ምንጉዳ ዘሎና ኢሉ እንደገና ሕትኡ አቕሪቡ አደ ኸአ ሕቶታት ስለ ዘብዝሐ ሕርቕ ኢላ አብ ምድረ በዳ ንነውሕ ክንጉዓዝ አንከሎና ከይንጠምን ከይንጸምእን ምእንቲ ኢላቶ፥ እሞ አብ ሓመድ ምድረ በዳ ከይንሽከል ጸፍሕ እግሪ ከሎና፥ ሓመድ ዓይንና ከይአትዎ ገፍሕ ሸፋሽፍቲ ካብ አሎና፥ ከይንጸምእን ከይንጠምን ምንጉዳ ካብ አሎና አብዚ ናይ እንሳታት ዙ Zoo እንታይ ንገብር አሎና ኢልዋ ይብሃል። ዘሎናዮ ሕይወት አብ ገለ እዋን ከም ገመል አብ እንዳ እንስሳታት አብ ዘይ ቦታና ከም እንነብር ይገብረና እዩ። ከምቲ ገመል አብ እንዳ እንስሳታት ክትነብር ዘይኮነት አብ ምድረ በዳ ክትከይድ ዝተፈጥረት ንሕና እውን መን ምዃና ክንፈልጥ አብ ገለ እዋናት አብ ምድረ በዳ ሕይወትና ክንወጽእ የድልየና እዩ። እዋን ጾም አብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ክንአቱ ዝዕድም እዩ።

አብ ብሉይ ኪዳን እንተ ረአና ምድረ በዳ (desert) ብህዝበ እግዚአብሔር ዝፍለጡ ዕብራውያን ዝተወልዱሉ ቦታ እዩ። ዕብራውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ከም ሓደ ህዝቢ ኮይኖም አብ ትሕቲ አምላኽ አብ ምድረ ተስፋ አትዮም። አብ ምድረ በዳ ምስ አምላኽ ኪዳን አትዮም ከም ህዝቢ አምላኽ ከአ ተፈሊጦም። አብ ጉዕዞ ታሪኾም እንተ ረኤና ፍቕሪ አምላኽን እምነትን የጉድሉ ነሮም፥ ነብያት ብአምላኽ ተላኢኾም ንህዝቢ አብቲ ሓቀኛ መንነቶም ክምለሱ፥ አብ ጸዋዕትኦምን ተልእክኦምን፥ አብ እምነቶም ከም መበራበርን መጽንዕን፥ ምስ አምላኽ ንዝነበሮም ኪዳን ክሕልዉ መዘኻኸሪ ኽኾኖም አብ ምድረ በዳ ክወጹ ይነግርዎም ነሮም። ኤልያስ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት፥ ዮሓንስ መጥምቕ አብ በረኻ ዝሰብኩ ዝነበሩ፥ መግቢ ምድረ በዳ ዝምገቡ ዝነበሩን ግሩህ ሕይወት ለቢሶም ነቲ ሕይወት አብ ምድረ በዳ ዘስተማቕሩ እዮም ነሮም። ምድረ በዳ ከም ሓደ ዩኒፈርሲቲ አምላኽ ንህዝቡ ዘስተምህረሉ ዝነበረ እዩ ዝርአ። ምድረ በዳ ንኹሉ ሓዲግካ ምስ አምላኽ ክትዛረብ ክትሰምዕ ክትልአኽ ዝሕግዝ ፍሉይ ቦታ እዩ፥ እዚ ኸአ እዚ አቲናዮ ዘሎና ጾም እዩ ዘመልክት። ጾም ምስ አምላኽ ክንዛረብ ክንሰምዖ ክንልአኾ ሕራይ ክንብሎ እንሰናደወሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንተ አንበብና ኢየሱስ ምስተጠምቀ ብቕጽበት ከአ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድረ በዳ ድማ አውጽኦ፥ አብቲ ምድረ በዳ ብሰይጣን እናተፈተነ አርብዓ መዓልቲ ጸንሐ ምስ አራዊት ከአ ነበረ፥ መላእኽቲውን የገልግልዎ ነበሩ (ማር 1፡12-13) ይብል። አብ መድረ በዳ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሰንዩ፥ ብሰይጣን ከአ ተፈቲኑ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ነሩ፥ መላእኽቲ ኸአ ይልአኽዎ ነሮም። ምድረ በዳ ከም ሓደ ቤት ትምህርቲ፥ ኢየሱስ ድምጺ አምላኽ ክስዕቦ ክሰምዖ ዘለዎ ድምጺ ዝሰምዓሉ ብአንጻሩ ከአ ካብ ሰይጣን ንመንነቱ ዝትንክፍ ፈተና ዝሰምዓሉ እሞ ካብ ክልቲኡ ነየናይ ፈላልዩ ክሰምዕ ከምዘለዎ ዝተማህረሉ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንግሆ ምስ ተንሳእና ክሳብ ምሽት እንድቅስ ክንደይ ዓይነት ድምጺ ንሰምዕ? አብ ራድዮ አብ ጋዜጣ፥ ተለቭዥን፥ ድምጺ ናይ እቶም ምሳና ዝነበሩን ዝሰርሑን፥ አብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ገዛእ ርእስና ድምጺ፥ እዝን ካልእን ንሰምዕ። አብ ምድረ በዳ መብዝሕትኦም እዞም ድምጽታት እዚኦም ድሕረና ንሓድጎም እሞ አብኡ አብ መንጎ ድምጺ አምላኽ ዝሕልወናን ዝመርሓናን ከምኡ ናይ ሰይጣን ድምጺ ዝፈታተነና ንሰምዕ።

አብ ምድረበዳ እንተ ወጻእና ርእስና ክንፈልጥ ንኽእል፥ ዓቕምናን ድኻምነትናን አነጺርና ክነለሊ ንኽእል፥ ከምኡ ሰማያዊ መጸዋዕታና አምላኽ ካባና እንታይ ከምዝደሊ ክንሰምዕ ንኽእል። ኢየሱስ አብ ምድረ በዳ አራዊት በረኻን መላእኽትን ረኺቡ፥ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ነናትና አራዊት በረኻን መላእኽትን አለዉና። አብ ገለ እዋን ብላዕሊ እነርእዮ ናይ ገዛ ርእስና አፍልጦ፥ አባና ዘለዉ አራዊት በረኻ ክነለልዮም አይንኽእልን እሞ ብትዕቢት ንምለኽ፥ ወይ ምሳና ዘሎ መልአኽ አይነለልን ንገዛእ ርእስና ንጸልእ። አብ ጽምዋን አስተንትኖን ናይ ምድረ በዳ እንተ አቶና ግን ንርእስና ከምዘላቶ ክንፈልጥን ክነለልን ንኽእል ምስ አራዊት በረኻን መላእኽትን ክንሰማማዕ ንኽእል ሽዑ ሰላምን ቅሳነትን ንመጀመርያ ጊዜ ክነስተማቕር ንኽእል።

አብ ርድኢት ብሉይ ኪዳን መስሕ ክመጽእ እንከሎ አብ መንጎ አራዊት በረኻን ሰብን ከምኡ አብ መንጎ ክልተ ተጻረቲ ዝነበሩ ሰላም ከምዝኸውን እዩ እቲ ትንቢት ዝንገር። በታ መዓልቲ እቲአ ንሕዝበይ ምእንቲ ኸይጉድኡ ምስ አራዊት መሮርን ምስ አዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአቱ እየ፥ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሀገር ከጥፍእ ብድኃንውን ከንብሮም እየ (ሆሴዕ 2፡18) ይብል። ኢየሱስ አብ ምድረ በዳ አራዊት በረኻ ቅድሚ ደቂ ሰብ ከለልይዎ ከም ዓርኮምን ንጉሦምን ክርእይዎ ንርኢ። ሰብ ምስ አምላኽ ክዛረብ እንተ ኸአለ ኩሉ የኽብሮ። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ፈተና እዩ። አብ እምነትና እንተ ጸናዕና ንዝመጸና ፈተና ጸኒዕና እንተ ተቓለስና ተፈጥሮን ኩሉ አብ ጎንና ሓጋዚና ክኸውን እዩ። ግን ቀዳማይ ነገር ክንገብሮ ዘሎና ውሳኔን ድለትን ብወገና ክህሉ አለዎ።

እምብአር እዋን ጾም ናይ ምድረ በዳ ልምምድ ከነጥሪ ዝሕግዘና እዩ። አብ ምድረ በዳ ክንከይድ ምናልባት መብዝሕትና ገመል ክንገዝእ አይንኽእልን ንኸውን እንተ ኾነ አብዚ ጫውጫውታን ዕግርግርን ዝመልኦ ሕይወትና ናይ ገዛእ ርእስና ምድረ በዳ ክንፈጥር እሞ ንርእስና አብ ሓቀኛ ርክብን ሕይወትን ምስ አምላኽ እንፈጥረሉ መገዲ ክንሕዝ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ክንፈሊ፥ ድምጺ አምላኽ እንሰምዓሉ ሃዋህው ክንፈጥር፥ ካብዚ ናይ ዓለምና ጫውጫውታን ዝተፈላለይ ድምጽታት ካብ ምስማዕ እንወጽአሉ ጊዜ ክንፈጥር፥ንድምጺ አምላኽ ክንሰምዕ ጊዜ ክንወስድ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ከመሉኹ ክንብል እሞ ክንርኢ፥ አምላኽ ካባና ንዝደልዮ ሕራይ ክንብል ንሰይጣንን ልኡኻቱን እምቢ ክንብል ፍሉይ ጊዜ ንውሰድ።

አብ ወንጌል ማቴዎስ ኢየሱስ አብ ምድረ በዳ አርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ ይብለና እዚ ግን ቃል ንቃሉ ክውሰድ ዘለዎ ሓሳብ አይኮነን። አርብዓ ዝብል ብተደጋጋሚ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረኽቦ እዚ ኸአ ንንስሓ ምቅርራብን ንምስንዳው ወይ ከአ እዋን መቕጻዕትን መዓት አምላኽ ከም ዝወረድ ከመልክትን ኢና እንርእዮ። እግዚአብሔር አብ ጊዜ ኖኅ ሰብ ንምቕጻዕ አርብዓ መዓልትን ለይትን ከም ዝዘነበን ዘዕለቕለቕን (ዘፍ 7፡12) ነንብብ፥ ሰብ ንነዌ ዮናስ ነብይ እንተ ዘይተነስሑ ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ክጠፍኡ ምዃኖም ምስ ተነግሮም ኩሎም ዓቢኦም ንእሶም እንስሳኦም ከይተረፉ ምሕረት ክረኽቡ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ንንስሓን ጾምን አዊጆም (ዮናስ 3፡4)፥ ሙሴን ህዝቡን ንአርብዓ ዓመት አብ ምድረ በዳ ኮለል ኢሎም (ዘኁ 14፡34)፥ ሕዝቅኤል ነብይ ብየማናይ ጎኑ ንአርብዓ መዓልቲ በጥ ኢሉ እዚ ኸአ ንከተማ ኢየሩሳሌም ዝወርዳ ዕንወት ከመልክት ኢሉ እዩ (ሕዝ 4፡6፥ ኤልያስ ነብይ አብ እምባ ሆሬብ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ (፩ዘነግ 19፡8)፥ ሙሴ አብ እምባ ደብረሲና እንከሎ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ (ዘጽ 34፡28)።

አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ኢየሱስ ቅድሚ ስብከቱ ምጅማሩ አብ ምድረ በዳ አርብዓ መዓልትን ለይትን ከም ዝጾመ ነንብብ (ሉቃ 5፡35)። ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ንሰማይ ዓሪጉ(ግ.ሓ.1፡3) ንሱ ሓዲስ አዳም እዩ ንፈተና ስዒሩ እሙን አምላኽ ዝኸውን። ከምቶም ንአምላኽ አብ ምድረ በዳ ዝጠለሙ ዘይኮነ ንሱ ሓዲስ እስራኤል እዩ ንርእሱ ከም ሓደ እሙን አገልጋሊ አምላኽ አብ ኩሉ ምሉእ እምነትን አብ መለኮታዊ ድላይ ዝገለጸ እዩ። እንተ ኾነ እቲ አቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣን መን መዃኑ እናፈለጠ ፈተና አቕሪብሉ። እስከ ንርአ ንአምላኽ ክፍትን ድሕር ዘይበለ ሰይጣን ንእና ድአ ክንደይ ክፍትነና እዩ?።

ፈተና ክምጸና እንከሎ ብኽልተ ክፍሊ እዩ ዝመጸና፥ መጀመርያ አብቲ ጊዜ ፈተና እትገብሮ ምርጫ ወይ ውሳኔ፥ ካልአይ ቅድሚ ምፍታንካ እትገብሮ ምቅርራብ ከአ አሎ። ቅድሚ ፈተና ዘሎ ምቅርራብና ከም ግብኡ ስለ ዘይንገብር ነቲ ፈተና ከይንዕወት ዝገደደ ይገብሮ። ቅድሚ ፈተና ዘሎ እዋን ንርእስና ቀሪብና እንተ ጸናሕና መጋበሪ ስለ ዘሎና ክንሽነፍ አይንኽእልን ኢና። ፈተና ሓቀኛ ክፍሊ ሕይወትና እዩ፥ፈተና ካብቲ ጽቡቕ ኢልና ሒዝናዮ ዘሎና ክፈልየና ይቐርበና ንአብነት ካብ ቃል ኪዳና፥ ካብ ምግልጋል አምላኽን ሰብን. . . . ብዙሕ ነገራት አምላኽ ክንሓድግ ይመጸና። አብ ገለ እዋን ሓጺር ውሳኔ ክንወስድ ይመጽአና ፈተና፥ ከይንጽመም ከይንቃለስ ይፈታተነና ሓጸርቲ ውሳኔ ከምእንገብር ይገብረና ሽዑ ንጥዓስ።

አብ ሕይወትና እምብአር ብዘይ ፈተና ክነብር አይንኽእልን ኢና። ግን ፈተና ዝመጸና ክንወድቕ ምእንቲ ዘይኮነ ከጽንዓና ብርቱዓት ክገብረና፥ ከዕንወና ዘይኮነ ንጽቡቕና እዩ፥ ተፈቲና ብርቱዓት ተዋጋእቲ ምእንቲ ክንከውን እዩ።

አምላኽ ክንፍተን የፍቅድ እዩ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ፈተና ግን አይሀብናን እዩ። ብጸሎትና ንፈተና እነሸንፈሉ መጋበሪ ከምኡ ጸግኡን መምርሒኡን ይህበና እዩ። 

ቅ. ማርቆስ መላእኽቲ የገልግልዎ ነሮም ይብለና። አብ ጊዜ ፈተናን ጸገምን አምላኽ አይሓድገናን እዩ መላእኽቱ ከገልግሉና ክሕግዙና ኩሉ ጊዜ ምሳና አለዉ፥ ከምቲ ኢየሱስ አብ ጊዜ ፈተና ንበይኑ ዘይነበረ ንሕና እውን ንበይንና አይኮናን። ንፈተናን ንሰይጣንን ውግእ ምስ ጀመርና ኩሉ ጊዜ ብአምላኽን ብኸማና ዝበሉ ሰባትን ክንሕገዝ ኢና።

አብዚ ጉዕዞ ጾም እምብአር ንአምላኽ ሒዝና ንኹሉ ፈተና ስዒርና እሙናት ደቂ አምላኽ ንኹን ነዚ ኸአ የብቅዓና። ብሩኽ ጾም ቅድስናን ሕድገት ኃጢአትናን ዘውርድ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 

11 March 2022, 17:15