ድለ

ኣቱም ሰባት ካብ ክፍኣተግብሪ ናብ ግብረሠናይ ተመለሱ! “ኃጥእ ሰብ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኃጢአት ኵሉ ገዲፉ እንተ ተመልሰ. . አይክመውትን እዩ” (ሕዝ 18.21)

'ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ፣ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፣ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ። ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ∶ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ' (ሕዝ 18.21-23)።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሕዝ 18፡21-28፥ መዝ. 130፡1-8፤ ማቴ 5፡20-26

ዘሎናዮ እዋን ጾም ፵ ከም ምዃኑ መጠን አብ አምላኽ ክንምለስ ዘዘኻኽረና ቅዱስ እዋን ጻውዒት ንክንምለስ እዩ። ሰብ ድሕሪ ወድቀት ቀዳሞት ወለድና አብ አምላኽ ክምለስ ምስ ተዓደመ እዩ። አምላኽ እቲ ብሂጉ ዝፈጠሮ ፍጡር ትእዛዛቱ ምሕላው ጸጊምዎ ምስ ሓደጎ ክምለሶ ኢሉ ኦ አድም ኦ ሔዋን ፍጡራተይ አበይ አሎኹም እናበለ አብኡ ክምለሱ ጸዊዕቆም። አምላኽ አብኡ ክንምለስ ኩሉ ጊዜ ምስ ጸውዓና እዩ። ሕልናና ንአምላኽ ክሳብ ዘይረኸበት ዕረፍቲ የብላን። ሰላም ቅሳነት ዝርከብ አብ አምላኽ ክንምለስ ከሎና ጥራሕ እዩ። 

መገዲ ዝጠፍኦ ሰብ ሓገዝ የድልዮ አብ ዘሎናዮ ዘመን GPS (The Global Positioning System) ሓባሪ መገዲ ተመሂዝዎ ብቐሊል አብ ዝደለዮ ይበጽሕ ብዘይብኡ ግን ቀሊል አይ ኮነን አብ ዝደለኻዮ ክትበጽሕ። ሎሚ አብ አምላኽ ዘብጽሕ ሓባሪ የድልየና አሎ፥ እዚ ኸአ ሒዝናዮ ዘሎና ጾም ሓባሪና አብ አምላኽ ክንምለስን ክንበጽሕን GPSና እዩ። 

ቅ. መጽሓፍ ብምልኡ አብ አምላኽ ተመለሱ ዝብል እዩ እንተ በልና ዝጋነን አይ ኮነንን ። እስራኤላውያን አብ አምላኽ ክምለሱ ብዝተፈላለየ ነገራት ይዛረቦም ከምዝነበረ ገሊጹ ይነግረና። ነብያት አምላኽ ኩሎም ኦ ስራኤል ስማዕ እናበሉ ክምለሱ ይነግርዎም ነሮም። አብ አምላኽ እንተ ዘይተመሊስኩም ክትጠፍኡ ክትዋረዱ ኢኹም እናበሉ በብእዋኑ ከምቲ ዘመኑ ይነግሩ ነሮም። ስደት ባቢሎን ሓደ ከም አብነት አብ አምላኽ ምምላስ ምስ አበዩ ዝወረዶም መቕጻዕቲ እዩ። ንአምላኽ ምስማዕ ዝአበየ ካብ ኃጢአቱ ክምለስ ዘይደለየ አብ ዓዲ ጓና ብስደት ብውርደት እዩ ዝነብር። ልዕሊ ኹሉ ግን መንፈሳዊ ስደት እዩ ከቢድ። እሞ አብ ዓድናዶ ወይስ አብ ስደት አሎና? ካብ ስደት ክንምለስ ክንገብሮ ዘሎና አሎ ንሱ ኸአ ካብ ኃጢአትና ናብ አምላኽ ምምላስ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ቀንዲ ሥጋና ዘልበሶ ንአና አብ አብ አምላኽ ክመልሰና እዩ፥ ተመለሱ ተንስሑ አባይ ቅረቡ እመኑኒ ዝብለኩም ስምዑ እናበለ ደጋጊሙ ንንስሓን ምምላስን ከም ዝሰበኸ ብዓቢኡ ሕይወቱ ከምዝሃበ ወንጌል ገሊጹ ይነግረና።

ንሓዋርያቱ ክመርጾም እንከሎ ቀዳመይቲ ዝበሎም ገፈፍቲ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም ንሰባት አባይ ክትመልስዎም እዩ ተልእኮኹም ኢልዎም። አብ መጨረሻ አብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ክብሎም እንከሎ ንኹሎም አርድእተይ ግበርዎም አባይ ምለስዎም ኢልዎም በዚ ኸአ ወንጌል አብ ኩሉ ሰቢኾም። ቀዳመይቲ ተልእኮ ሓዋርያ ክርስቶስ ከስ ንሰባት አብ አምላኽ ክምለሱ ምሕጋዝ እዩ። መገዲ ምሕባር ሽዑ ካብ ቀዳማይ ሕይወቶም ናብ አምላኽ ክምለሱ ምግባር እዩ። እሞ ነዚአ ንገብራዶ አሎና? ሰብ መገዲ ጸጋም ሒዙ ክትርኢ እንከሎኻ አይፋልካን/ክን ተመልሱ ክንብሎም ክርስትያናዊ ሓላፍነት እዩ።

ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ቀዳማይ ተልእኮአ ንሰባት አብ አምላኽ ምምላስ እዩ። ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ እሞ ኩልና ደቂ ሰብ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ ክንቅበል ሓደ ስድራ ክንከውን እሞ መንግስተ ሰማይ ክንወርስ ተልእኮአ እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ዝጸውዖ ዝነግሮ የድልዮ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ብእኡ ከይአመኑ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፥ ብዛዕብኡ ከይሰዑኸ ከመይ ገሮም ብእኡ ኺአምኑ እዮም፥ ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገሮም ኪሰምዑ እዮም” (ሮሜ 10፡14) እናበለ ንሰባት እንነግሮም እንመልሶም ንአሕና አብ ክርስቶስ ዝአመና ኢና።

ምምላስ ክንብል እንከሎና ብፍላይ አብዚ ጾም ፵ ንአና ከም ስድራ ከም ቍምስና ከም ቤተ ክርስትያን አብዚ እነሕልፎ ዘሎና ዘመን ፍርሕን ምጥርጣርን ከምኡ ህርፋን ገንዘብን ስልጣንን ቅርሕንትን አብ ነነድሕድና ጽልእን አብ ነጊስሉ ዘሎ እዋን ክንምለሰሉ ዘሎና ነገር እንታይ አሎና። አብዚ ጉድለት ካልኦት ክንጽብጽብ ዘይኮነ ጉድለትና ኢና ክንጽብጽብ ዘሎና። ከም ቤተ ክርስትያን ክንምለስ ክንሕደስ ዘድልየና ከምዘሎ ርጉፍ እዩ፥ ስለዚ ሕልናና ንመርምር። 

ምምላስ (Conversion) ዝብል ሓሳብ ሰለስተ ዓይነት ምምላስ ዘመልከተ እዩ። እቲ ፩ይ ጽልኢ ፍንፈና adversion ካብቶም ናይ አምላኽ ዘይኮኑ ነገራት ተመሊስካ ምኽአል። ቧልና ዝፈጠርናዮም ክፍአት ኃጢአት ካብ አምላኽ ዝፈልዩና ካብኦም ምምላስ።  እቲ ፪ይ ምምላስ ጽልአት adversion አብ ናይ አምላኽ ነገራት ገጽካ ምምላስ። እቲ ፫ይ ምምላስ ከአ ምምልስ Conversion ምስ ጎይታ ምምላስ ሕይወት ምስ አምላኽ ምንባር  “አበስኩ ኢልካ” አብ አምላኽ ምምላስ።

አብ ወንጌል ማቴ 5፡20 እቲ አምላኽ ዝደልዮ ጽድቅና ካብቶም ናይ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እንተ ዘይበዝኀ አብ መንግስቲ አምላኽ ክንአቱ ከምዘይክአል ይነግረና። አብዚ ዝብለና ዘሎ ዝያዳ እንገብሮ ከምዘሎና እዩ ዝሕብረና ዘሎ። ፈሪሳውያን አብ አብ ምምላስ ጽልአት እዮም ዘተኩሩ ነሮም ማለት ካብቶም አብ ሕጊ ሙሴ ዘይንጹሓት ዘሕሰቡ ነገራት ጥራሕ እዮም ዘተኩሩ ነሮም።

ካብኦም ክርሕቑ ወይ ክቀርብዎም ዘይብሎም ነገራት ለም ዘይንጹሕ መግቢ፥ ካብቶም ብሕማም ዘይንጹሓት፥ ወጻእተኛታት እዚኦም ኩሎም ዘይንጹሓት ይሕሰቡ ነሮም በይሁድ ካብኦም ክአ ይፍለዩ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ በብሃገሩ ንሰባት ዝፈላሊ አብ ነድሕዶም ዘየቕርብ ባህሊ፥ ዓለት፥ ቋንቃ፥ እምነት ወዘት ከም መፈላለዪ ወረ አብ ገለ እዋን ምኽንያት ውግእን ጥፍአትን ዝኾኑ አብእዋኑ ይርአዩ። ብሓቂ ሰብ አብ ልቡ ክምለስ ኩልና ደቂ ሓደ አምላኽ ከምዝኾና ክንሕሳብ እሞ አብ ሓቂ ደው ክንብል ይግብአና። ክፉእ ዝንባሌ ወገነይ ዓለተይ ዓርከይ እናበልካ ንኻልእ ከምዘይሓውካ ምርአይ እቲ ዝኸፍአ እዩ፥ አብ አፍሪቃ አብ ዓድና ከይተረፈ ጣልያን ጸለምትን ጸዓዱን ኢሉ ፈልዩ ደቀባት ከም እንስሳ ተቖጺርና አብቲ ጸዓዱ ዝነብርዎ ክተገልግል እምበር ክትነብር ኮነ ካልእ ክትገብር አይፍቀድን ነሩ። አብ ደቡብ አፍሪቃ ርኡይ ናይ ዓለት ፍልልያት ውሑዳት ጸዓዱ ነቶም ዝበሑ ጭቂኒም ይነብሩ ነሮም apartheid ነሩን አሎን። አብ ኩሉ እንርእዮ ዘሎና እዩ ብዓለት ብሕብሪ ንሰባት ፈላሊኻ ምርአይ ዝኸፍአ ኃጢአት ደቂ ሰብ እዩ። አብዚ አብ ኡክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ ንጸልምቲ ፈሊኻ ምህዳግ አብ ባቡር ክጽዓኑ ዘይምፍቃድ ይገርም ክፍአት ወዲ ሰብ። ብዓለት ብወገን ንደቂ ሰብ ዘይጠፍእ ሕምማ ኮይኑ አብ ታሪኽ እና ተደጋገመ ዘሳቒ ዘለዎ ብዝያዳ ክንሓውየሉ ዝግብአና እዩ።

እዚ ናይ ሰባት ምፍልላይ እዩ እምብአር ንዓለምና ሎሚ ሰላም ከሊእዋ ዘሎ። ሰብ ከም ሰብ ክኸብር መሰሉ ክሕለወሉ ይግባእ እምበር ብዓለቱን ሕብሩን ፈላሊኻ ክትርእዮ ግብሪ ሰይጣን እዩ። እሞ ንሕናኸ እንፈልዮ ከምዘይ ሓውና እንርእዮ ሰብ አሎዶ? እዚ ጾም እምብአር ካብዚ ሕማም ነጻ ክንከውን እሞ አብ ሓደ አምላኽ ብሓድነት ደቁ ክንከውን እንጽዕረሉ ጊዜ ክኾነልና ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተልእኮ ይኹን።

ከም ክርስትያን መጠን ነታ ቀዳመይቲ ምምላስ ክንሕዝ አሎና፥ ካብቲ እምነትና ክንምለሰሉ ዝነግረና ነገራት አብ ሕይወትና እንገብሮ ወይ ብኻልእ ካብ ዝመጽአና ክንምለስ ክንቅይር አሎና። ዘይንጹሕ ዘረባ፥ ዘይንጹሕ አጠቓቕማ ገንዘብ፥ ዘይንጹሕ አጠቓቕማ ጾታና፥ ዘይንጹሕ አጠማምታ ዓይንናን ዘይንጹሕ እንሰምዖ ነገራትን ኩሉ ክንልከለሉ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍና ነናትና ዘይንጹሓት ዝገብረና ነገራት አብ ሕይወትና አለሊና ሎሚ ክነጽሓሎም ካብኦም አብ አምላኽ ክንምለስ ንጽዋዕ አሎና።

አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ አሎና ካብቶም ካብ አምላኽ ዝፈልዩና ክንምለስ እዋኑ እዩ። ትምህርቲ ክርስቶስ ተማሂርና ኢና፥ ቅ. መጽሓፍ ነንብብ ኢና። ሕይወት ቅዱሳን ንምሃር ኢና። ናይ ዓለም ኃጢአትን ዕሽነትን ጌጋን ንምሃሮም ኢና፥ እዚ ኹሉ ከሎና ጌና ካብዚኦም ነገራት ብዙሕ ርሑቓት አይኮናን። ሰንበት ሰንበት ቅዳሴ እናሰማዕና ምስጢራት እናተቐበልና ከምኡ እናጸለና እንከሎና ጌና ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ ጌና ብምሉእ አብ ሕይወትና አየወሃሃድናዮን አሎና። ነገራት አምላኽ ክንምሃሮም ጥራሕ አይ ኮነን ዘሎና አብ ሕይወትና ክነወሃህዶም ክንለብሶም ናትና ክንገብሮም እዩ አሎና።

እዚ እዩ እቲ ሳልሳይ ምምላስ እንብሎ። ብምሉእ ሓቂ ዝለበሰ አብ አምላኽ ምምላስ። ካብ ኃጢአት አብ አምላኽ ክንምለስ ከሎና ብምሉእ ምስኡ ኢና እንወሃሃድ። አብ ወንጌል ሉቃስ 15 ብዛዕባ ኢቲ ጥፉእ ወዲ ዝተመልሰ ክነግረና እንከሎ እቲ አቦ “እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ ጠፊኡ ነሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ ብዓል ክንገብር ይግባእ ይብል። ሓደ ብምልእ ልቡ አብ አምላኽ ዝምለስ ከምዚ እዩ ዝብሃሎ። ምምላስና አብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ ጥራሕ ክኸውን የብሉን ሓቂ ዝለበሰ ሕይወት ዝሓዘ ክኸውን አለዎ። አብ ሓቀኛ ጸሎትን አስተንትኖ አምላኾ አምላኽን ተጸሚድና ክንጉዓዝ አሎና። ብዛዕባ ትእዛዛት አይ ኮናን እንምሃር ብእኦም ክንምእዘዝ ሕይወትና ብእኦም ክምራሕ እዩ አፍልጦና። ትእዛዛት ሓንቲ ኸይገበርካ ትክሕልዎም ትኽእል ኢኻ። ናይ እዚ አብነት ዝኾነና አብ ማር 10፡17-26 ዘሎ ብዛዕባ ሃብታም መንእሰይ ንኩሉ ትእዛዛት ካብ ንእስነቱ ፈጺመዮ ዝበለ ግን ዘሎካ ገንዘብ ሽጥ ምስተባህለ ዝአበየ እዩ። እቲ እንገብሮ አብ ግብሪ ዕለት ዕለት እንውዕሎ ክንከውን አሎና። ንኽፉእ እንተ ዘይገበርና ግን ንፉቡቕ ክንገብር ምስተሓተትና እምቢ እንተ በልና አባና ሓቂ የለን። ከምዚኦም ዝበሉ ካብ ዝጸድቁ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል ምኽንያቱ ልቦም አብ አምላኽን ግብሪ አምላኽን ስለ ዘየለ።

አብዚ እዋን ንጸውም አሎና እዚ ኸአ ዓቢ መንፈሳዊ ሓገዝ ከምዘለዎ ስለ እንአምን ኢና። ጾምና ካብ ጥልላት ጥራሕ ምኽልካል ግን አብ ቂምታን ቅርሕንትን አብ ዘይስሩዕ ሕይወት እንነብር ወይ እውን ንአምላኽ ጊዜ ዘይንህብ እንተ ኾና እንታይ ጥቅሚ አለዎ። ጾምና ትርጉም ክህልዎ አብ ኃጢአት ካብ ዘውድቐና ነገራት ኢና ክንጸውም ዘሎና። ንሰብ ዝጎድኦ አብ አፉ ዝአቱ ዘይኮነ ካብ አፉ ዝወጽእ እዩ። ጾምና ከምቶም ሰብ ነነውየ ካብ ኩሉ አብ ክፍአት ዓለም ዘውድቐና ነገራት ተሓሪምና አብ ጸሎትን ጾምን ክንአቱ ክሕግዘና ይግባእ። ጾም ንመንፈሳዊ ጥቅምታት ክምእነለሊ ይገብረና።

ንቅ. መጽሓፍ ክነብቦ ጥራሕ የብልና እነንብቦ አብ ውሽጥና አትዩ ክሕድሰን ተስፋ ክህበና ከጸናንዓና ኢልና ክንገብሮ አሎና። ቅ. መጽሓፍ ፍልጠትና የዕብየልና፥ ሕይወትና ጠባይናን ርድኢታትና መገዲ ከምዝሕዝ ይገብር።  ቅ. ጆሮም ንቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ ይብለና። ቅ. መጽሓፍ ቃል አምላኽ ስለ ዝኾነ መንፈሳዊ መግብና ገርና ክንርእዮ እሞ አንቢብና ከምቲ ቤተ ክርስትያን እትምህሮ ገርና ክንምብቦ አሎና። ሽዑ አብ አምላኽ ዝመልስ መገዲ ክንሕዝ ክሕግዘና እዩ።

ብዛዕባ ዝሓለፉ ቅዱሳን ብዛዕባ ሕይወቶም ዝገበሮን ጥራሕ አይኮናን ክንፈልጥ ዘሎና ንሕና እውን ቅዱሳን ክንከውን ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። ቅድስና ባህጊ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ጥንቃቐ ምስትውዓል ይሓትት። አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ይብለና አሎ። ቅድስና ንመዓልታዊ ሕይወትካ ብምልኡ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርካ ምምራሕ እዩ። እዚ ክንገብር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የድልየና ንሱ ኸአ ንአምላኽ ብምልማን ማዕጾ አምላኽ ብምኵሕኳሕ ክንረኽቦ ንኽእል። አብ ቅድስና ክንበጽሕ ናታትና ተሳትፎ የድሊ። አምላኽ ብሓይሊ አይልውጠናን እዩ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። እሞ አብዛ ስዓት ከመሎና አበናይ ደምበ ኢና ዘሎና። ልዕሊ ኹሉ ክንስከፈሉ ዘሎና አምሰሉታት ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና።

ኢየሱስ ጽድቅና ከመይ ዝበለ ከምዝኾነ ክነግረና እንከሎ “ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አዝዩ እንተ ዘይበዝኀ ናብ መንግሥተ ሰማይ ከቶ አይትአትዉን ኢኹም” (ማቴ 5፡20) ይብለና። መንግስተ ሰማይ አብዚ ሕይወት እዩ ዝጅምር። ምስ አምላኽ ምምልላስ፥ ምስ አምላኽ ምንባር፥ ሕይወት አምላኽ ከምዘበራብረና ዘዋዕየና ምግባር፥ እዚ ኸአ ሕጂ ሎሚ ክንገብሮ አሎና። መንግስተ ሰማይ ሎሚ አብዚ ሕይወት እንከሎና እንተ ዘይጀመርናዮ ጽባሕ ካብዚ ሕይወት ምስ ሓለፍና ዝጅመር የለን ዝገበርካዮ እትሓፍሰሉ እዩ ዘሎ። ሎሚ አብ ሓቅን ፍቕርን ተጸሚድና ጉዕዞ ሰማይ ንጀምሮ።

600 ዓመት ቅድሚ ልደት ኢየሱስ ሕዝቅኤል ነብይ አብ 18፡ 21- ነዚ ዝመሳሰል ከም ዝነገረ ነንብብ፥ “ግናኸ ኃጥእ ሰብ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኃጢአት ኵሉ ገዲፉ እንተ ተመልሰ ኵሉ ሕግታተይ ከአ እንተ ሓለወ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ ንሱ አይክመውትን እዩ” ይብለና። እዘን ቃላት ሕዝቅኤል ሎሚ ንአይን ነአኻትኩምን ይብሃላ አለዋ። አብ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና ጸጋን ምሕረትን ገሊጹ ይነግረና። እቲ ቀንዲ ነገር ካብኡ ክምለስ ዘሎኒ ነገር ወይ ክፉእ ግብሪ እንታይ አሎኒ ኢልና ምርአይ የድልየና። ብርግጽ ብሓቂ ክንፍትሽ እንተ ጀመርና ብዙሕ ክንቅይሮ ክንሓድጎ ዘሎና ነገራ ክንርኢ ኢና፥ እሞ ንመለስ።

ሒዝናዮ ዘሎና ጾም ካብ ኃጢአት ከም እንምለስ ገሩ አብ አምላኽ ገጽና ከም እንምለስ እሞ ሓቂ ዝኾነ ነገራት ጥራሕ ክንገብር፥ ንጽድቂ ሰባት ኲንኡ ርኢና ነቲ ምእንትኡ ክነብር ዘሎና ቅድስና ኢየሱስ መድኃኒና ርኢና ከም እንኽእል ክገብረልና አብኡ ንመለስ። ንአምላኽ ጽን ክብል ዝኽአለ ልቢ ክምለስ አይጽግሞን እዩ እሞ ንመለስ።

ኩልና ከም እንግንዘቦ ክንምለስ ክንቅይር ይከብደና እዩ። ባህርና አይስዓርን ዝብል ስለ ዝኾነ ክንረባረቦ አሎና። አብ ገለ እዋን ነገራት ክሕርብቱና ይኽእሉ እዮም ግን ጸበባ ክንሓልፍ ንፈተና ኲንኡ ዘሎ ዓወትን ቅሳነትን ክንርኢ፥ ንስምዒታትናን ድለታትናን ግዝያውያን ከምዝኾኑ ክንሓስብ እንተ ኽኢልና ዘይስገር የለን።

ኢየሱስ መጨረሻ አብ መስቀል ተንጠልቲሉ እንከሎ፤ ጸገምናን ድኽመትናን ተረዲኡ እትሕግዝ አብ ጎንና ምሳና እትጉዓዝ፥ እንተ ሓመመና ፈውሲ እትረኽበልና፥ ሰላም እንተ ሰአና ተስፋ ሂባ ሰላም እተውህበና፥ ብኹሉ ጸልማት ክኾነና እንከሎ አጆኻ/ኺ እትብል ፈቃር አደ ሂቡና። ማርያም ኵሉ ጊዜ ምሳና አላ ብዝያዳ አብ መገዲ ቅድስናን ንስሓን ክንአቱ ከሎና አብዚ ቅዱስ ጾም ምሳና ኩኒ ዝጎደለ መልእልና ሓግዝና፥ ፍኖተ መስቀል ዘስተምሃርኪ ንስኺ ኢኺ እሞ ክንምለስ መገዲ ድሕነት ክነለሊ ሓግዝና ንበላ።

ማርያም ዝተሓወሰቶ ቅዱስ ጾም ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

29 March 2022, 17:28