ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደቡብ ሱዳን ንመላእ ኣፍሪቃ ምኽንያት ሓጐስ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደቡብ ሱዳን ንመላእ ኣፍሪቃ ምኽንያት ሓጐስ 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደቡብ ሱዳን ንመላእ ኣፍሪቃ ምኽንያት ሓጐስ

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ደቡብ ሱዳን ንናይ ሱዳን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ንመላእ እታ ሃገር ምኽንያት ሓጐስ ኰይኑ ከም ዘሎ ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣሜዩ ከም ዝገለጹ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንምድላው ዝዓዪ ናይ ሱዳን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን መንግስትን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ብምትሕብባር ኣርባዕተ ሰባት ዝሓቍፍ ሽማግለ ከም ዘቘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ደቡብ ሱዳን ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምድላዋት ከም እተበገሰ ገሊጾም እቲ ናይ ሓባር ሽማግለ ናይ ምድላዋት ንጥፈታት ንምጅማር ኣርባዕተ ኣካላት ዝሓዘ ሽማግለ ከም ዝቘመን እዚ እውን ምስቲ ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ብጻሕ ዘዳልው ናይ መንግስቲ ሽማግለ ብምትሕብባር ዝዓዪ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕርቂ ንኸተባብዑ

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ደቡብ ሱዳን ንናይ ሱዳን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ንመላእ እታ ሃገር ምኽንያት ሓጐስ ኰይኑ ከም ዘሎ ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣሜዩ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም፥ “ከም ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን መጠን በቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ምብጻሕ ከም እተሓጐስናን እዚ እውን ናይ መላእ ህዝቢ ሓጐስ እዩ። ንመላእ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ዕርቅን ዝዝርኣሉ ህሞት ከም ዝኸውን እዩ ዝስምዓና፡ ቅዱስ ኣቦና ከም ወትሩን ከምኡ እውን በቲ ምብጻሕ ኣቢሎም ንዅላትና ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰላም ንምድልዳል ክስዓብ ኣብ ዘለዎ መገዲ ዘተን ሰላምን ፍትሕን ክንስጒም ከተባብዑ እዮም፡ ኣብ ቀረባ ኣዋን እውን ኣብተን ብዘይ ኣቡን ዝነበራ ሰበኻታት ቅዱስ ኣቦና ኣቡናት ስለ ዝሰመዩልና ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባራዊ ዘተ ስፍሓት ዘለዎ ምብጻሕ

ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባራዊ ዘተ ስፍሓት ዘለዎ እዩ እንክብሉ ገሊጾም። ኣብቲ ናይ ቅድስቶም ምብጻሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተራዊት ኣቢያተ ክርስትያን ጠቕላሊ ጉባኤን ኣወሃሃዲ ከም ዝሓብሩ ካብ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም እተሓበረ ክገልጹ ከለዉ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ጁስቲን ዌልባይ ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝሓሰቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ቻርለስ ሳምፓ ካሶንደ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዘኪሮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሕ ዝለ ዝቐረበሎም ዕድመን ዝተወሃቦ እወታዊ መልሲ ሓጐስ ይፈጥረልና ንቕዱስነቶም ክንቅበሎም ብሃንቀውታ ንጽበ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Mar 2022, 17:00