ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መግንስቲ ሀገር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መግንስቲ ሀገር 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መግንስቲ ሀገር

ህልው ኩነታት ዩክረን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ዘሕድሮ ጽልዋን ብዛዕባ ግብረ ሰናይን ኩነታት ስደተይናታትን ነቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ንምእንጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ድልውነት ሃገራትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ብናይ መንግስቶም ላዕለዎት ኣካላትን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ምስ ዝተሰነዩ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኤድዋርድ ሀገር ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ስደተይናታትን ህልው ኵነታት ዩክረይንን ከምኡ እውን ዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ዓባይቲ ጒዳያት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትመን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኤድዋርድ ሀገር ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነየ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ክሌኣዊ ርክብ እዚ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ስሎቫኪያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ዘዕግብን ሰናይን ምዃኑን ኵለ መዳያዊ ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቫኪያ ኣልፍጦ ከምእተወሃበሉን ኣገዳስነቱ እውን ከም እተረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ህልው ኩነታት ዩክረን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ዘሕድሮ ጽልዋን ብዛዕባ ግብረ ሰናይን ኩነታት ስደተይናታትን ነቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ንምእንጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ድልውነት ሃገራትን ኣብ ዝምልከት ጒዳያት እውን ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ መራሔ መንግስቲ ስሎቫኪያ ኣብቲ ቅድም ኣቢሎም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ስሎቫኪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮምን እቲ ምብጻሕ ቁዱስነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቫኪያ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ሰናይ ተዘክሮ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

15 Mar 2022, 17:14