ተዘክሮ ፒዮስ መበል 12: ዘይሕለል ድምጺ ሰላም
ቀዳም ዕለት 12 መጋቢት ሰዓት ሽዱሽተ በቆጻጽራ ሮማ ኣብ ባሲሊካ ቅዱሳን ቀልሶ ወዩሊዩስ፡ ፒዮስ መበል 12 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ተሓርዮም ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ብወግዒ ዝጀመርሉ ዝኽሪ ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ጓህን ዝመልኦ መዓልትታት ይነብር እኳ እንተሃለወ ዘይሃስስ ቃለ ሰላም ዘዘኻኽርን ሰላም ዘምጽእን በዓል ከም ዘሎ ክንርስዕ የብልናን። ዕለት 12 መጋቢት 1939 ዓ.ም. እቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ እተሓርዩ ኣብቲ እዋን እቲ ካብቲ ኣይሁዳውያን ንህልቂት ዝዳርግ ካብ ዝነበረ ስርዓት ናዚ ኢድ 15 ሺሕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከምዘድሓኑ ዝምስከረሎም ኤውጀኒዮ ፓቸሊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብወግዑ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣሃዱ ዝበሉሉ ዝክረ ዕለት ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱሳን ቀልሶ ወዩሊዩስ ኣባ ራፋኤለ ሩኮ ብናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተበዓለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
“ብሰላም ዝጠፍእ ነገር የልቦ”
እታ ፒዮስ መበል 12 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብወግዒ ዝጀመሩላ ዕለት ንምዝካር ዝተኻየደ መንፍሳውን ባህላውን መደባት ብፍላይ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ብዝተፈላለየ ግጭት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን ነቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም “ብሰላም ዝፈጥእ የልቦ” እንክብሉ ዝተዛረበዎ ቃል ክቡር ዋጋ ሰላም ዝገልጽ እዩ። ነዚ ስልጣናዊ ትምህርቶም ዘዘኻኸረ ዕለት እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብቲ እዋን ሰዓት ሸውዓት በቆጻጽራ ሮማ ካብቲ ኣብ ከባቢ ሮማ ካብ እትርከብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ካብ ዘሎ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሕንጻ ኮይኖም ኣብቲ እዋን ብቫቲካን ረዲዮ ብዝተመሓላለፈ መልእኽቶም ኣቢሎም፥ ነቶም ኣብቲ እዋን ኣብ ዓለም ዝነበሩ ሓያላት ሃገራትን መራሕቲ ዓለምን ውግእ ሞትን ማህሰይትን ድኽነትን ዕንወትን ኮታ ጥፍኣት እምበር ካልእ ዘየምጽእ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተላብዮም፥ “ብሰላም ዝጥፍእ ነገር የልቦን” ቢሎም ሰባት ንሓድሕዶም ኪረዳድኡ ንኽትሕግዝዎምን ሰናይ ፍቓድ ከተርእዩ እንኰለኹም ኢኻትኵም ትዕወቱ፥ ዘተ ካብ ክብሩ ኣሳልጦ ፍጹሙ ስለ ዘይዓግት ናይ ዘተ ሰባት ኵኑ” ከምዝበሉን እዚ ስልጣናዊ ምዕዳን ፒዮስ መበል 12 ሎሚ ካብ ቀዳም ብዝያዳ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ውግእ ደው ንባል ዝካየድ ንዘሎ ዘተ ዘበራትዕ እዩ።