ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ማላዊ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብጹዓን ጳጳሳት ማላዊ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ 

ብጹዓን ጳጳሳት ማላዊ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ናይ ማላዊ ሚኒስተር ሓበሬታ ወሃቢ ቃል ወንጌል ካዛካ፥ ናይ ርእሰ ብሔር ቻክወራ መንግስቲ “ብዛዕባ ጒዳያት ምምሕዳርን ኪደታቱን ንኣቡናት ንምሕባርን ንምርዳእን ድልው እዩ - ቢሎም - እቲ ናይ ኣቡናት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝምስገን እዩ

ኣብ ማላዊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ንመላእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣዚዩ ዝተንከፈን ንፖለቲካዊ ኣቀማምጣ እታ ሃገር እወታዊ ነውጺ ዘስዓበን ህብረ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክህሉ ዝሓገዘ ናይ ዓቢይ ጾም ሓዋርያዊ መልእኽቲ 1992 ዓ.ም. ዝኽሪ ሳላሳ ዓመት ብምትሕሓዝ ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናይ ህዝብን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሕልና ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ቅድሚ ሳላሳ ዓመት ኣብ 1992 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሰረት ገይሮም ብጹዓን ጳጳሳት ማላዊ ዝኽሪ 30 ዓመት ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ እምነትና ምንባር ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ልክዕ ከምቲ ናይ 1992 ዓ.ም. መቕድም ኣብታ ናይ 2022 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም፥ ናይ ህዝብን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሕልና ንምንቕቓሕ ዝኣመተን ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ማላዊ ገዛእ ርእሶምን ህልው ኩነታት ሃገሮም ክምርምሩን እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕልንና ሰገር እውን ማሕበራዊ ሕልና ክምርምር ዝዕድም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዕለት 8 መጋቢት 1992 ዓ.ም. ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማላዊ ነቲ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ርእሰ ብሔር ሃስቲንግስ ካሙዝ ባንዳ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ሕቶ ዘእትው ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ስጒምቲ ከምዝወሰዱን እታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እውን ንፈለማ ግዜ ንስርዓት ርእሰ ብሔር ካሙዙ ባንዳ ዝነቐፈት እያ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን ብጹዓን ጳጳሳት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ዝኽሪ ሳላሳ ዓመት ናይ 1992 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም

“እዚ ሕጂ ህዝቢ ማላዊ ዝነብረሉ ዘሎ ሃዋሁ ኢሰብኣዊ ቢልካ ክግለጽ ዝክኣል እዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝጥቀስ ኣልኣዛር (ሉቃ. 16,19-31) ኣብ ክቱር ድኽነት እዮም ዝርከቡ፡ እቲ እዚዩ ዝበዘሐ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ድኽነት ሒደት ኣብ ምቹእ ህይወት ይነብር። ማላዊ ብዘይ ለውጥን ምዕባለን ክሳብ ሎሚ ምስ ተመሳሳሊ ጸገማት ትቃለስ ኣላ።”

“ድሕሪ ሓደ ወለዶ ሎሚ እውን ምስ ሕማቕ ኣመላት ንቃለስ ምህላውና ዘሕዝን እዩ። እቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣቡናት ኮኒኖምዎ ዝነበሩ ሕማቕ ኣመላት ብዝያዳ ሱር ሰዲዱ ንሕብረተሰብናን ህዝብናን ንከቢድ ድኽነትን ምብትታንን የስዕብ ኣሎ። ከም ህዝቢ መጠን እንተ ዘይተጠንቂቕና ናብ ማሕበራዊ ዕንወት ኢና እንጓዓዝ” እንክብሉ ኣቡናት ማላዊ ኣብ መልእኽቶም ይምዕዱ።

ንዅሉ ዝጠቕም ስርዓት ፍርዲ ይሃሉ!

ብተወሳኺ እውን ኣቡናት ማላዊ ነቲ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ መደብ ትምህርትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ከምኡ እውን ስርዓት ሕግን ፍርድን እውን ናጻ ዘይምዃኑ ነቒፎም ስርዓት ሕጊ ብዙሕ እዋን ብፍላይ ነቶም ሓያላት ሰባት ጥቕሚ ዘገልግል እዩ ዝብል ኣረኣእያ ዘተሓሳስብ እዩ። ስርዓት ሕጊ ንባዕሉ ኣብ ብልሽውና ከም ዝወደቐ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ፡ ስለዚ እዚ ኣገዳሲ መንግስታዊ ቅርጺ ኣድላይን ፍትሓውን ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ።

ምስ ብልሽውና ዝግበር ቃልሲ ምምራሕን ምምስራቕን የድሊ

ኣቡናት ማላዊ ኣብ መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ንናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዓቢይ ብድሆን ናይ ሕልና ሕቶን እዩ። . . . ብልሽውና ንምጥፋእ ብርቱዕ ወፈራ ዘካይድ ንዘሎ መንግስቲ እቲ ናይ ኣቡናት መልእኽቲ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ሜላውን ብቐጽእሊ ክስርሓሉ ዝሓትት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላክት።

ናይ መግንስቲ ግብረ መልሲ ንናይ ኣቡናት ማላዊ ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ናይ ማላዊ ሚኒስተር ሓበሬታ ወሃቢ ቃል ወንጌል ካዛካ፥ ናይ ርእሰ ብሔር ቻክወራ መንግስቲ “ብዛዕባ ጒዳያት ምምሕዳርን ኪደታቱን ንኣቡናት ንምሕባርን ንምርዳእን ድልው እዩ - ቢሎም - እቲ ናይ ኣቡናት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝምስገን እዩ። እቲ እቶም ኣቡና ዝሓትዎ ዘለዉ ኵሉ ፍታሕ ክረክብ መንግስቲ ይዓዪ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።

10 Mar 2022, 09:17